22 August 2015

ትምህርቲ ብዛዕባ ስነ ፍጥረት

ሰንበት ‘እሑድ’፡ ካብ አሓደ ዝብል ግሢ ዝወጸ ኮይኑ ‘ቀዳማይ፡ መጀመርታ’ ማለት እዩ። እግዚአብሔር፡ ንፍጥረታቱ ኪፈጥር ዝጀመረሉ ዕለት ብምዃኑ ቀዳማይ መዓልቲ ተባህለ። 
እግዚኣብሔር በዛ ዕለት’ዚኣ ሸሞንተ ፍጥረታት ፈጠረ። 
ንሳቶም ከኣ፦ 
1-ሓዊ፡ 
2-ነፋስ፡ 
3-ማይ፡ 
4-ሓመድ(መሬት)፡ 
5-ጸልማት፡ 
6-ሰማያት፡ 
7-መላእኽቲ፡ 
8-ብርሃን እዮም።


ሥነ ፍጥረት ናይ ሰኑይ
ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ፡ ከምኡ’ውን ኮነ (ዘፍ.1፡6)
ሰኑይ መዓልቲ ብመጀመርታ ሰዓት ካብ ምድሪ ኂዙ ክሳብ ብሩህ ሰማይ ማይ መሊኡ ኃዲሩ ነበረ’ሞ ኣብ ሠለስተ ኸፈሎ፡ ሓደ ኢድ ኣብዚ ዓለም’ዚ ኣስፈሮ(ውቅያኖስ)፣ ሓደ ኢድ ከኣ ልዕሊ እዚ ዝረኣየና ሰማይ ኣስፈሮ ንሱ ድማ ኃኖስ ይበሃል፣ ሓደ ኢድ ከኣ “ለይኩን ጠፈር ማእከለ ማይ” ኢሉ ኣብ ማእከል ኣቖሞ፡ ንሱ ድማ 
9-ጠፈር ኢዩ።
ሥነ ፍጥረት ናይ ሰሉስ
ሠሉስ ንፍጥረት ሣልሳይ መዓልቲ እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ሠለስተ ፍጥረታት ማለት 
10-ኣዝርእትን 
11-ኣትክልትን 
12-ኣእዋምን ተፈጥሩ።
ሥነ ፍጥረት ናይ ረቡዕ
“ረቡዕ” ማለት ራብዓይ መዓልቲ ማለት’ዩ። በዚ ዕለት’ዚ 
13-ፀሓይ፡ 
14-ወርኂን 
15-ከዋኽብትን ፈጠረ።
ሥነ ፍጥረት ናይ ሓሙስ
ሓሙስ፥ ኃሙሻይ መዓልቲ ማለት'ዩ፡  እንሆ ድማ ብደመ ነፍሲ ሕያዋን ኮይኖም ዘስተንፍሱ ሠለስተ ዓይነታት ፍጥረት ካብ ማይ (ባሕሪ) ፈጠረ።
ናይ ዕለተ ኃሙስ ፍጥረታት ብሓፈሻ ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን በብዓይነቱ ሕይወት ዘለዎም ውንጅርጅር ዚብሉ ዅሎምን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ዘጠቓልል እዩ። እዚኣቶም፥
16-ብኣፍ ልቦም ዝሰሓቡ(ለመምቲ)
17-ብእግሮም ዝኸዱ
18-ብኽንፎም ዝበሩ
ሥነ ፍጥረት ናይ ዓርብ
ዓርቢ ሻዱሻይ መዓልቲ ኮይኑ ናይ መወዳእታ ዕለተ ፍጥረት እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነብሩ ኣርባዕተ ፍጥረታት ተፈጥሩ።
19- እንስሳታት ፡- ሣዕሪ በሊዖም ማይ ሰትዮም ዝነብሩ፣
20- ኣራዊት ፡- ሥጋ በሊዖም፡ ደም መጽዮም፡ ማይ ሰትዮም ዝነብሩ፣
21- ኣዕዋፍ ፡- እኽሊ ለቒሞም ኮነ ሥጋ በሊዖም፡ ማይ ሰትዮም ዝነብሩ እዮም።
22-ሰብ
ብዕለተ ኃሙስን ዕለተ ዓርብን ዝተፈጥሩ ፍጥረታት “እንስሳታት” ተባሂሎም እኳ ብሓደ ስም እንተ ተጸውዑ፣ ብኣነባብራኦምን ግብሮምን ግና ዝፈላለዩ እዮም። ናይ ኃሙስ ፍጥረታት ኣብ ባሕሪ ጥራሕ እምበር ተፈልዮም ኣብ ምድሪ ጥራይ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ናይ ዓርቢ ፍጥረታት’ውን ኣብ ምድሪ ጥራሕ እምበር ተፈልዮም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጥራይ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም፡
ተፈጥሮ ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ድኅሪ ኵሎም 21 ፍጥረታትን መበል ራብዓይ ፍጥረት ናይ ዕለተ ዓርቢ ዝኾነ ሰብ እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ/ ብመልክዕናን ብምስልናንን ሰብ ንፍጠር” ብምባል ፈጠረ። 
ንዝቐደሙ ዕሥራን ሓደን ፍጥረታት ብሓልዮ (ብሓሳብ)፡ ብነቢብ (ብቃል) ክፈጥሮም ከሎ ንሰብ ግና ፍልይ ብዝበለ ብግብሪ ፈጠሮ። (ዘፍ 1፡26) 
ስለዚ እግዚኣብሔር፡ ንሰብ ወዲ 30 ዓመት ጐበዝ መንእሰይ፡ ማእከላይ ቁመት ዘለዎ ምልኩዕ ገይሩ ፈጠሮ። እዚ ፍጡር እዚ ፦
• ‘ሰብ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ሾብዓተ ባህርያት (ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋን ሠለስተ ባህርያተ ነፍስን) ዘለዎ ፍጹም ንምባል እዩ።
• ‘ኣዳም’ ተባህለ። ኣዳም ማለት ካብ መሬት ዝተረኽበ ምልኩዕ ማለት እዩ።
እግዚአብሔር ድማ ኣዳም በይኑ ኪነብር ጽቡቕ ኣይኮነን’ሞ ደጋፊት ንግበረሉ በለ”
ስለዚ ንኣዳም ኣዕሚቑ ከይደቀሰ፡ ነቒሑ ድማ ከይተንሥአ ኣብ መንጎ ድቃስን ንቕሓትን ማእከላይ ብምግባር ካብ ጐድኑ ሓንቲ ዓፅሚ ወሲዱ ምሉእ ኣካል ገይሩ ብሕጊ ተፈጥሮ ካብ ኣዳም ከይነኣሰት ጓል 15 ዓመት ምልክዕቲ ጐርዞ ፈጠረሉ።
ኣዳም ካብ ድቃሱ ተባራቢሩ ምስ ረኣያ እዚኣ ዓፅሚ ካብ ዓፅመይ፡ ሥጋ ካብ ሥጋይ እያ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይቲ ትብሃል በለ።ሔዋን ኢሉ ድማ ሰመያ። ሔዋን ማለት ናይ ሕያዋን ኣደ ማለት እዩ፡
በዚ መሠረት እግዚኣብሔር ንኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ንሔዋን ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ብኽብሪ ናብ ገነት ምስ ኣእተዎም “ንገነት ሓልዋን ተኸናኸናን” ብምባል ሃቦ።
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሻውዓይቲ መዓልቲ ኩሉ ፍጥረታት ፈጢሩ ንዕለተ ቀዳም ቀዳሳን ኣኽበራን ኣዕረፈ፡ነዚ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት ክንረኽቦ ንክእል።
ተፈጸመ ኣስተምህሮ ናይ 22 ፍጥረታት፡
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን !

12 July 2015

ጴጥሮስ ወጳውሎስ


 °→ይቤሎ ጴጥሮስ ለጳውሎስ ጥባዕኬ እሁየ ጳውሎስ እሁየ/2/
  ወኢትናፍቅ ዳግመ እምዝ ዳግመ ኢንመውት፣/2/

5 ሓምለ 61 ዓ/ም ሓዋርያ ጴጥሮስን ሓዋርያ ጳውሎስን  ዝዓረፉሉ ዕለት ኢዩ።
እዞም ክልተ ደቀመዝሙርቲ ጎይታናን መድሓኒናት ኢየሱስ ክርስቶስ፣
ነቶም ጣኦት ዝምልኹ ዝነበሩ መሳፍንትን መዃንንት ሕዝብን ኣብ ሮማ(ኢጣልያ)(italy) ትምህርቲ ወንጌል ብትብዓትን ብስፍሓትን ሰቢኾምን ምሂሮምን ንብዙሃት ኣእሚኖም ዘጠመቑ እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ቀናእ ሰይጣን ኣብ ልቢ ንጉስ ኔሮን ሓዲሩ እዞም ክልተ ተባዓት ሃዋርያት ብዘስካሕክሕ ጭካነ ከምዝሞቱ ገበረ። እዞም ክልተ ሰበኽቲ ወንጌል ሓዋርያት፣ ብጭካነ ብሰማእትነት ዝሓለፉሉ ዕለት 5 ሓምለ እዩ። ጴጥሮስ ኣብ መስቀል ቁልቁል ኣፉ ተሰቒሉ፣ ሓዋርያ ጳውሎስ ከኣ ክሳዱ ብሴብ ተቐንጺሉ ብሰማዕትነት ዝዓረፈሉ እዩ። እዞም ክልተ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ሮማ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ እዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስ 85 ዓመት ሓዋርያ ጳውሎስ ከኣ 74 ዓመት ገይሮም ከምዝነበሩ ገድሎም ይነግር።





19 June 2015

ምስጢረ ሥላሴ፦ሕቶን መልስን


ሕቶ     ፤      መን ፈጠረና

መልሲ ፤      ሥላሴ 

ሕቶ     ፤      ንመን ከ ንኣምን 

መልሲ  ፤      ንሥላሴ

ሕቶ      ፤       ሥላሴ ክንደይ እዮም 

መልሲ  ፤       ሰለስተ ይኾኑ ሓደ ይኾኑ

ሕቶ      ፤       ብምንታይ ሰለስተ ይኾኑ 

መልሲ  ፤       ብስም ብግብሪ ብኣካል

ሕቶ      ፤        ብምታይ ከ ሓደ ይኾኑ 

መልሲ  ፤        ብባህሪ  ፧ ብስልጣን ፧ ብፍቃድ፥ብመለኮት

ሕቶ      ፤        እንታይ ከ ስሞም 

መልሲ ፤         አብ ፧ ወልድ ፧መንፈስ ቅዱስ

ሕቶ     ፤         እንታይ ከ ግብሮም 

መልሲ ፤   አብ ወላዲ ወልድ ተወላዲ መንፈስቅዱስ ሰራጺ

 ሕቶ     ፤         አብ ማለት እንታይ ማለት እዩ 

መልሲ ፤         ኣቦ

ሕቶ     :          ናይ መን ኣቦ

ሕቶ     :         ናይ ወልድ

ሕቶ     ፤         ወልድ ማለት ከ 

መልሲ ፤        ዉሉድ

ሕቶ     :       ናይ መን ዉሉድ

መልሲ  :       ናይ ኣብ

ሕቶ     ፤        መንፈስ ቅዱስ ማለት ከ 

መልሲ ፤        ሰራጺ

ሕቶ     ፤         ካብ መን ይሰርጽ 

መልሲ ፤         ካብ ኣብ 

ሕቶ      ፤         ካብ ወልድ ኸ ይሰርፅ ዶ 

መልሲ  ፤         ኣይሰርፅን

ሕቶ  ፤ እንታይ ዳኣ ዮውሃንስ ወንጌል እምዚኣየ ይነስእ ዝብል

መልሲ፤ እሞ ይሰርፅ ዶ ኢሉ እዩ ቃል ይነስእ እዩ ዝበለ እንበር

ሕቶ     ፤  ቃል ከ ካበይ ኢሉ 

መልሲ  ፤  እነስእ እምኔየ ፡ ኢሉ ስቕ በለ፡ ወእነግረክሙ በለ እንበር፡ (ወንጌል ዮውሃንስ ፡ 16 -15)

ሕቶ   ፤  ኣካል ዝተባህለ እንታይ እዩ 

 መልሲ ፤  ኢድ ፣ ዓይኒ ፣ ስኒ ፣ ካብ ፅፍሪ እግሪ ኣትሒዙ ክሳብ ፀጉሪ ርእሲ፣

፨ንኣብ ፍፁም ገፅ ፣ ፍፁም ኣካል ፣ ፍፁም መልክዕ ኣለዎ

፨ንወልድ ፍፁም ገፅ ፣ፍፁም ኣካል ፣ፍፁም መልክዕኣለዎ

፨ ንመንፈስ ቅዱስ ፍፁም ገፅ ፤ ፍፁም ኣካል፥ፍፁም መልክዕ ኣለዎ 

፨ ሥላሴ መልክዖም ሰብ ይመስሉ

ሕቶ  ፤ ስላሴ ኣካሎም ከመይ እዩ 

መልሲ ፤  ምሉእ ፧ ሰፊሕ ፧ ረቂቅ

ሕቶ    ፤ ናይ ሰብ ከ  

መልሲ ፤  ግዙፍ ፧ ውሱን ፧ ፀቢብ

ሕቶ      ፤  ሥላሴ ምልኣቶም ከመይ ኢዩ

መልሲ  ፤  ከም ሙቐት ከም ብርሃን ከም ንፋስ

ሕቶ      ፤   ስፍሓቶም' ከ 

መልሲ  ፤    ካብ ጽርሃ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ፡ካብ ባርባሮስ ንታሕቲ መሰረቱ ። እዚ ስለዝኾነ ሰብ ብዝፈልጦ ምንጋር እዩ እንበር ። ንስላሴ ዓለም ኣይውስኖምን ኢዩ።

ሕቶ    ፤ ስላሴ ርቀቶም ከመይ እዩ 

መልሲ ፤ ካብ ኩሉ ንፋስ ይረቅቕ፣ካብ ንፋስ እሳት ይረቅቕ ፣

ካብ እሳት መላእኽቲ ይረቁ ፣ ካብ መላእኽቲ ነብስና ትረቅቕ፣ ካብ ነብስና  ድማ ስላሴ ይረቁ ።

ሕቶ  ፣ ነብስና ንስላሴ ከመይ ኢላ ትራኣዮም 

መልሲ ፤ ከም እምባ

ሕቶ    ፤ ስላሴ  ባህሪኦም ከመይ እዩ 

መልሲ ፤ ዘይጠሚ ፣ ዘይሓምም ፣ ዘይፀምእ ፣ ዘይደክም ፣ ዘይመውት ።

ሕቶ     ፤   ናይ ሰብ ከ 

መልሲ ፤ ጠማዪ ፣ ሓማሚ ፣ ፀማኢ ፣ ደኻሚ ፣ መዋቲ 

ሕቶ   ፤  ስላሴ ናይ ሓድነት ስሞም እንታይ ተባሂሎም ይጽውዑ

መልሲ ፤  እግዚአብሔር ፣ ኣምላክ ፣ፀባኦት ፣ኣዶናይ ፣ መለኮት

ሕቶ    ፤ ናይ እግዚኣብሄር ወልድ ናይ ስጋዊ ስሙ'ኸ እንታይ   ተባሂሉ ይጽዋዕ፡

መልሲ ፤ ኢየሱስ፡ክርስቶስ፡መድሃኔአለም፡ኣማኑኤል ።

ሕቶ     ፤ ኢየሱስ  ማለት እንታይ ማለት እዩ 

መልሲ  ፤ ፈውሲ 

ሕቶ      ፤  ክርስቶስ  ማለት 'ከ 

መልሲ  ፤    ክቡር፡ክብሩ ግን ካብ ካልእ ኣይደልዮን ኢዩ፡

ሕቶ      ፤   መድሃኔአለም ማለት 'ከ 

መልሲ  ፤   ተሰቒሉ ዓለም ዘድሓነ

ሕቶ     ፤    ዓለም ዝተባህለ እንታይ ኢዩ 

መልሲ ፤  ሰብ

ሕቶ    ፤   ኣማኑኤል ማለት 'ከ 

መልሲ ፤   ኣምላኽ ከሎ ሰብ ዝኾነ፡ሰብ ከሎ ኣምላኽ ዝኾነ

ሕቶ     ፤   ሰብ ናይ ባህሪ ስሙ እንታይ ተባሂሉ ይጽዋዕ 

መልሲ ፤   ሰብ

ሕቶ     ፤   ናይ ግብሪ ስሙ 'ኸ

መልሲ ፤    መልኣኽ ወይ ሰይጣን

ሕቶ     ፤    እንታይ እንተገበረ መልኣኽ ይብሃል

መልሲ ፤    እንተፆመ : እንተፀለየ : እንተሰገደ: እንተቖረበ: እንተተፋቐረ : ኣስራት ቦኹራት  እንተኣውፀአ፡

ሕቶ    ፤  እንታይ እንተገበረ ኸ ሰይጣን ይብሃል 

መልሲ ፤  እንተዘይ ፆመ : እንተዘይ ጸለየ: እንተዘይሰገደ : እንተዘይቆረበ : እንተዘይተፋቐረ :  ኣስራት ቦኹራት እንተዘይ ኣውፀአ፡

ሕቶ    ፤  ስላሴ ብኹሉ ምሉኣት ድዮም 

መልሲ ፤ እወ! ብሰማይ፡ ብባሕሪ : ብምድሪ :ብየብስ:  

     ብእንስሳ : ብዕንጨይቲ : ብእምኒ: ብኣራዊት :    

     ብሓጥኣን ብፃድቃን : ብመላእክቲ  :ብኣጋንንቲ ብኹሉ    ምሉኣት እዮም።

ሕቶ     ፤  ስላሴ ኣብ ሓጥእ ነብሲ ከመይ ኢሎም ይሓድሩ

መልሲ ፤  ከም ዝተደጎለ ሓዊ : ከም ኣብ ጎንቦ ዘሎ ሜስ

ሕቶ     ፤   ኣብ ፃድቃን ነብሲ' ኸ ከመይ ኢሎም ይሓድሩ 

መልሲ ፤   ከም ኣብ ፋኑስ ዘሎ መብራህቲ : ከም ኣብርጭቆ ዘሎ ሜስ።

ሕቶ     ፤  ስላሴ ኣብ ጎዱፍ  ኣብ ፀብሪ ኣለዉ ዶ 

መልሲ ፤    እወ

ሕቶ     ፣  ኣይጽየቑን ድዮም 

መልሲ ፤ ከመይ ደኣ ብርሃን ፀሓይ ዘይጽየቅ 

ሕቶ ፣ ናይ መን ስጋ ንበልዕ 

መልሲ ፤ ናይ እግዚአብሔር  ወልድ 

ሕቶ     ፤  ናይ እግዚአብሔር  ኣብን ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ' ከ 

መልሲ  ፤ ኣይንበልዕን 

ሕቶ      ፤   እንታይ ኮይንና 

መልሲ  ፤  ረቀቕቲ ኾይኖም 

ሕቶ      ፤   ንሱስ ረቂቅ ዶ ኣይኾነን 

መልሲ  ፤ ኣይኮነን፡ ንሱስ ምስ ግዙፍ ሰጋ ተዋሃሂዱ እዩ ።

ሕቶ      ፤   ንሳቶም ዘይተዋሃሃዱ ፀሊኦምና ሪሒቖምና ድዮም ወይስ  ንሱ ዕጫኡ በፂሑዎ እዩ 

መልሲ  ፤  ኣይኮነን፡ ስሞም ከይልወጥ እምበር፡

ሕቶ    ፤  ትበልዖ ስጋ ምዉት ድዩ ህያው 

መልሲ ፤  ምውት ብሰብነቱ ህያው ብመለኮቱ ነብሲ ዝተፈለየቶ መለኮት ዝተዋሃዶ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋት ዝኾንዎ ።

ሕቶ     ፤ ምዉት ብሰብነቱ ዝተባሃለ መን እዩ 

መልሲ ፤  መልኮት

ሕቶ     ፤  ህያው ብመለኮቱ ዝተባህለ' ኸ መን እዩ

መልሲ ፤  ሥጋ 

ሕቶ     ፤   ስላሴ ህልዉናኦም ከመይ እዩ 

መልሲ ፤  ከም ልቢ : ከም ቃል : ከም እስትንፋስ

ሕቶ    ፤   ስላሴ ከም ሓደ ሰብ ድዮም ከም ሰለስተ 

መልሲ ፤   ከም ሓደ ሰብ

ሕቶ     ፤   ኣብ ሰለስተ ሰብ ክንደይ ልቢ ኣሎ 

መልሲ ፤    ስለስተ

ሕቶ     ፤    ክንደይ ቃል ኣሎ 

መልሲ ፤    ሰለስተ 

ሕቶ     ፤     ክንደይ እስትንፋስ  ኣሎ

መልሲ ፤     ሰለስተ

ሕቶ     ፤     ኣብ ስላሴ ክንደይ ልቢ ኣሎ 

መልሲ ፤    ሓደ

ሕቶ     ፤   ክንደይ  ቃል ኣሎ 

መልሲ ፤   ሓደ 

ሕቶ     ፤   ክንደይ እስትንፋስ  ኣሎ 

መልሲ ፤    ሓደ 

ሕቶ    ፥መን ልቦም

መልሲ፥ ኣብ

ሕቶ    ፥መን ቃሎም

መልሲ፥ወልድ

ሕቶ    ፥መን እስትንፋሶም

መልሲ፥መንፈስ ቅዱስ

ሕቶ      ፤    ንኣብ መን ልቡ 

መልሲ  ፤    ባዕሉ

ሕቶ       ፤ ንወልድ መን ቃሉ 

መልሲ   ፤   ባዕሉ

ሕቶ       ፤   ንመንፈስ ቅዱስ መን እስትንፋሱ 

መልሲ   ፤  ባዕሉ 

ሕቶ        ፤  እግዚአብሔር  ወልድ ካብ እግዚአብሔር ኣብ መዓስ ተወልደ 

መልሲ   ፤  ንዘላኣለም እናተወልደ ይነብር

ሕቶ       ፤   እቲ ካብ እግዝእትነ ማርያም ክጥነስ ከሎ 'ኸ

መልሲ   ፤  ንዘለኣለም እናተወልደ ይነብር

ሕቶ       ፤   እቲ ካብ እግዝእትነ ማርያም  ክውለድ ከሎ'ኸ

መልሲ  ፤   ንዘለኣለም እናተወልደ ይነብር 

ሕቶ      ፤   እቲ ኣብ መስቀል ክስቀል ከሎ 'ኸ 

መልሲ  ፤  ንዘለኣለም እናተወልደ ይነብር 

ሕቶ      ፤ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚአብሔር  ኣብ መዓስ ሰረፀ 

 መልሲ  ፤ ንዘለኣለም እናሰረፀ ይነብር 

ሕቶ     ፤   እንታይ ሃይማኖትካ

መልሲ ፤  ተዋህዶ 

ሕቶ      ፤   ተዋህዶ ማለት እንታይ ማለት እዩ 

መልሲ  ፤    ቃልን ሰጋን ዝተወሃሃደ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ዝኾነ፡

 ሕቶ      ፤   ብምንታይ ምኽንያት ተዋሃሃደ 

መልሲ  ፤   ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ መጽዩ፡ንእግዝእትነ ማርያም፡ብድንግልና ክትጠንሲ ፣ ወዲ ውን ክትወልዲ ኢኺ በላ፡ ንሳ ድማ  ምድሪ ብዘይ ዘርኢ፡ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ክትወልድ ኣበይ ሪኢኻ በለቶ፡

ንሱ ኸኣ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ እሞ እንታይ ይሰኣኖ በላ : ንሳ ድማ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነኒ በለቶ ። ይኹነኒ ምስ በለቶ ምቕልጣፉ ከም ምርኣይ ከም ዓይኒ : ከም ምስማዕ ከም እዝኒ ካብ ሰጋኣ ሰጋ፡

 ካብ ነፍሳ ነፍሲ ለቢሱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ኮነ፡ ኣምላኽ ሰብ ኮነ ሰብ ኣምላኽ ኮነ ።

እዚ ዘይፈልጥ ሰብ ክርስቲያን እየ ክብል ኣይክእልን ኢዩ፡

ወስብሐት ለእግዚአብሔር 

ወለወላዲቱ ድንግል 

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

አመ ፳፩ ለሰነ ቅዳሴ ቤታ

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ፣ኣሜን።
ኣመ ፳፩ ለሰነ በዛቲ ዕለት በዓለ ቅዳሴ ቤታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ።
በረከታ የሃሉ ምስሌነ ለዓለመ ዓለም ኣሜን።

ዝክረ ሊቀ መላእክት ወክቡራን ሰማእታተ ኤርትራ

እንቋዕ ናብ`ዚ ክቡር በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽት ብሰላም ኣብጽሓና።
 ኣመ ፲፪ ለሰነ በዛቲ ዕለት በዓለ ክብሩ ለቅዱስ ሚካኤል፣
በዛቲ ዕለት ዘኣድሓኖሙ  ለባሕራን ወለሶስና እም ኩሉ እኩይ፣
ወእምኩሉ ምክረ ሰይጣናት።
ከማሁ ያድሕነነ ለኩልነ ውሉደ ጥምቀት።



ወአመ ፲፫ ለሰነ በዛቲ ዕለት በዓለ ዝክሮሙ ለሰማእታተ ሃገሪትነ ኤርትራ ፣
ጸለቶሙ ወበረከቶሙ የሃሉ ምስለ ኩልነ ዉሉደ ጥምቀት ወውሉዳ ለዛቲ ሀገር፣
ኣሜን።

27 May 2015

አመ ፳ሁ ለግንቦት ዕረፍቱ ለቅዱስ ካሌብ


በስመ አብ
ወወልድ
ወመንፈስ ቅዱስ
፩ አምላክ:
አሜን፣
አመ፳ሁ ለግንቦት ዕረፍቱ ለቅዱስ ካሌብ
በረከቱ ትኩን ምስሌነ ፣
ለዓለመ ዓለም አሜን፣

05 May 2015

እነሆ አብቲ መወዳእታ ዘመን!!!.........


Everybody's Question
"ሳምንተኛ ሽሕ ደኣ ከይከውን እዚ ዘለናዮ ዘመን፧"
My Answer
"እወ"።
ብዕለት 20/10/2014 ዝተጀመረ ሓሳብ ይቕጽል.......


እዚ ዘሎናዮ ዓመት፣ ምእንቲ እምነት ሰማእትነት ከም ዝግባእ ብግብሪ ምሂሩና፣
ነፍሶም ኣብ መንግሥተ ሰማያት ይዕቆቦም፣ክቡራት ኣሕዋትና፣
ብጸሎቶም ውን ነቲ ዘሎ ህዝቢ እግዚአብሄር ሰላም ይኹነሉ።

በቲ ሓደ ወገን ዉን ዲያብሎስ ኣብዚ ምድሪ ከም ዘሎ፣ዉግእ ብዝተሰወረ መሳርያ(ኢንተርኔት)
እንዳዓበየ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ ኢዩ፣
መጽሐፍ ቅዱስ ኣብ (ራእይ ዮሃንስ 13)ከም ዝብሎ:አእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ!
እቲ ቁጽሪ "6??"ኢዩ ይብል፣
ሊቃውንት ነዚ ቁጽሪ  computer ............etc.ብዝብል ናይ እንግሊዝኛ ዎርድስ ብምውሳድ፣
ማተማቲክሳዊ ሜቴድ ብምጥቃም፣ነቲ ቁጽሪ የምጽእዎ፣
ብሓቂ ድማ ኢዩ፣
ሕጂ ግን እቲ ብcomputer ዝመጽእ ዝነበረ
ቁጽሪ ኣብ
FACEBOOK ዝተባህለ መራኸቢ ብዙሃን ተሰዊሩ ዝነብር ዘሎ ይመስል፣
==×የለን! ዝብል እንተሃለወ ድማ፡ 

ናተይ መልሲ "ከይኮነ ኣይክተርፍን ኢዩ"!፣→ኣይኮነን እዚ ካብኡ ዝኸፍእ ንሰባት ዘባልዕ ረቂቕ መሳርያ ውን ክመጽእ ኢዩ፣
ምናልባት ሕጂ ካባይ ጀሚርካ ኩሉ ይጥቀመሉ ስለ ዘሎ፣ነዚ ዝሰማምዓሉ ዝርከብ ኣይመስለንን
ድሕሪ ግዜ ግን ብዛዕባ እዚ (facebook)ብዙሕ ከም ዝጸሓፍ ኩሉኹም ሊቃውንትን
ዓበይትን ካብዚ ጀሚርኩም ሕሰቡሉ ይብል፣

ብዛዕባ እዚ ውን እግዚኣብሄር ዕድመን ጥዕናን እንተሂቡኒ፡ ኣብ ቀጻሊ ብስፊሑ ከቕርቦ እየ.....


ሳምንተኛ ሽሕ ካብ ዝበሃል መቸም ንኣቦታትና ጸኒሕዎም፡
ንሕና ዉን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ንምዝንታዉ ጀሚርናዮ ዘሎና ኢዩ፣
ሳምንተኛ ማለት ብኣምሓርኛ ኮይኑ 8ይ ማለት ኢዩ፣
ስለዚ ሻሙናይ ሽሕ ዓመት ማለት ኢዩ።
ሊቃውንቲ ኣበው መወዳእታ ዘመን
ብሳምንተኛ ሽሕ ኢዩ ይብሉ:
ግናኸ "ዝተዳለኹም ኩኑ"
ከም ዝበለ፡ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ክንከዉን
ጎይታ ሰማያዊ ቃሉ ገይሩ ነጊሩና ኢዩ፣
ሳምንተኛ ሽሕ :
"ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ" ከም ዝበለ:-ራእይ ዮሓንስ
:ካብ 1500 ዓ/ም ጀሚሩ:
በዚ ዘመን እዚ ኣሕመድ ግራኝ ዝተባህለ
ኣብ ኢትዮጵያ ተንስአ‘ሞ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ነገራት ድማ
ተፈጸመ፣አባ ጎርጎርዮስ ኣብቲ የኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ታሪክ
ዝብል መጽሓፎም
ብግዜ ግራኝ:-ምእመናን ከም በጊዕ ተሓሪዶም:ቤተ ክርስትያናት ተቓጺሉ
እንዳበሉ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ነገራት ይነግሩና፣ከምኡ ውን
ሊቅ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ተክለጻድቅ መኩርያ ገሊጾሞ ይርከቡ፣
እዚ ዘለናዮ  ዘመን ፣ መጻሕፍቲ ንዘንብብ ሰብ ዝገርሞ ኣይመስልን:
ምኽንያቱ ኩሉ እንተ ብትንቢት፣ወይ ውን ብመልክዕ ታሪኽ
ተሰኒዱ ስለ ዘሎ፣




 ይቕጽል.........

24 April 2015

በቀለ ፡ ደሞሙ ፡ ለአግብርቲከ ፡ ዘተክዕወ

ኣምላኽ ኣብ ሕቕፎ ኣብርሃም:ይስሐቅ:ወያዕቆብ:ይቀበልኩም፣
መንግስተ ሰማያት የዋርስኩም፣
ንኹሉ ህዝቢ ብፍላይ ንስደራቤት መወትትቲ(ሰማእታት)ጽንዓት ይሃብ፣

ወሥጋሆሙኒ ፡ ለጻድቃኒከ ፡ ለአረዊተ ፡ ገዳም ።
ከዐዉ ፡ ደሞሙ ፡ ከመ ፡ ማይ ፡ ዐውዳ ፡ ለኢየሩሳሌም ፤
ወኀጥኡ ፡ ዘይቀብሮሙ ።
    ወኮነ ፡ ጽእለተ ፡ ለጎርነ ፤
ሣሕቀ ፡ ወስላቀ ፡ ለአድያሚነ ።
እስከ ፡ ማእዜኑ ፡ እግዚኦ ፡ ትትመዓዕ ፡ ለዝሉፉ ፤
ወይነድድ ፡ ከመ ፡ እሳት ፡ ቅንአትከ ።
ከዐው ፡ መዐተከ ፡ ላዕለ ፡ አሕዛብ ፡ እለ ፡ ኢያአምሩከ ፤
ወላዕለ ፡ መንግሥት ፡ እንተ ፡ ኢጸውዐት ፡ ስመከ ።
እስመ ፡ በልዕዎ ፡ ለያዕቆብ ፤ ወአማሰኑ ፡ ብሔሮ ።
   ኢትዝክር ፡ ለነ ፡ አበሳነ ፡ ዘትካት ፤
ፍጡነ ፡ ይርከበነ ፡ ሣህልከ ፡ እግዚኦ ፤
እስመ ፡ ተመንደብነ ፡ ፈድፋደ ።
ርድአነ ፡ አምላክነ ፡ ወመድኀኒነ ፡ በእንተ ፡ ስብሐተ ፡ ስምከ ፤
እግዚኦ ፡ ባልሐነ ፡ ወስረይ ፡ ኀጢአተነ ፡ በእንተ ፡ ስምከ ።
ከመ ፡ ኢይበሉነ ፡ አሕዛብ ፡ አይቴ ፡ ውእቱ ፡ አምላኮሙ ።
ወይርአዩ ፡ አሕዛብ ፡ በቅድመ ፡ አዕይንቲነ ፣




   በቀለ ፡ ደሞሙ ፡ ለአግብርቲከ ፡ ዘተክዕወ ።
ይባእ ፡ ቅድሜከ ፡ ገዐሮሙ ፡ ለሙቁሓን ፤
ወበከመ ፡ ዕበየ ፡ መዝራዕትከ ፡ ተሣሀሎሙ ፡ ለደቂቀ ፡ ቅቱላን ።
ፍድዮሙ ፡ ለጎርነ ፡ ምስብዒተ ፡ ውስተ ፡ ሕፅኖሙ ፤
ትዕይርቶሙ ፡ ዘተዐየሩከ ፡ እግዚኦ ።
ወንሕነሰ ፡ ሕዝብከ ፡ ወአባግዐ ፡ መርዔትከ ፡ ንገኒ ፡ ለከ ፡ ለዓለም ።
ወንነግር ፡ ስብሐቲከ ፡ ለትውልደ ፡ ትውልድ ።
 ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
ለዓለም ወለዓለመ ዓለም አሜን።




15 April 2015

ሆሳእና




“ሆሳእና” ብእብራይስጢ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ "ሕጂ ኣድሕን" ማለት እዩ። 

እዚ ዕለት'ዚ፣ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ኸሎ "ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፣ እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ሆሳእና ኣብ ኣርያም" ዝብል መዝሙር ዝተዘመረሉ ዕለት እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ደቀ መዛምርቱ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተፋጌ ዝበሃል በሪኽ ቦታ በጽሐ። ቤተ-ፋጌ ማለት "ቤት-በለስ" ኢየሩሳሌም ማለት ድማ ናይ "ሰላም ከተማ" ማለት እዩ። ንቤተፋጌ ገለ ኣቦታት'ውን መስቀላዊ ጎደና ኢሎም ይትርጉምዎ'ዮም። "ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፣ ኣብኡ ድማ እስርቲ ኣድጊ፣ ዒሉኣ ድማ ምስኣ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደ እኳ ገለ እንተበለኩም፣ ጎይታ ይደልዮም ኣሎ በልዎ" (ማቴ 21፣2)። እቶም ሃዋርያት ድማ ከምቲ ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣገልግሎት ናይ ሃዋርያት፣ ዝተኣስሩ ብቃል ወንጌል ገይርካ ምፍታሕ እዩ። ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓዝዎም ብዙሓት ናይ ሓጢኣት እሱራት ኣለዉ፣ ጎይታ ድማ ንእሱራት ክፈትሑ ኣዚዝዎም እዩ። እቶም ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ዝተፈትሑ ድማ መግለጺ ናይቲ  ንጉሥ ዝኾነ ክርስቶስን መሕደር መንፈስ ቅዱስን ኮይኖም እዮም። ኣብ መጽሓፈ-ዘካርያስ 9፣9 ዘሎ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም፣ እቶም ሃዋርያት ጨርቂ ኸዲኖም ሓንቲ ገልገል-ኣድጊ ኣምጽኡሉ። ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፣ ናይ ሕፍረት ልብሲ ዝቕንጥጥ፣ በደል ዝድምስስ፣ ጎይታ ምዃኑ ክፈልጡ ድማ ጨርቂ ኸዲኖም ኣምጽእሉ። እቲ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ጎይታ ድማ ኣብኣ ተወጢሑ ኣብ ኢየሩሳሌም ዞረ።
ኣድጊ ካብተን ዝተናዕቃ እንስሳ ዘቤት ሓንቲ እያ። እዚ ድማ ነቶም ብመንፈስ ርእሶም ኣትሒቶም ናብ ኣምላኽ ዝጥምቱ የመልክት።(ኢሳ53፣23፣ ማቴ11፣29 መዝ50፣17፣18)። ካብቶም ህዝቢ ዝበዝሑ ክዳኖም ኣንጸፍሉ'ሞ (2ይ ነገ 9፣13) "ሆሳእና በኣርያም፣ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት" እናበሉ ዘመሩ።
ኣብ መዝሙር ዳዊት፣ “ሆሳእና” ዝብል ቃል ትርጉሙ "[ሕጂ] ኣድሕን ኮታ" ማለት ምዃኑ (መዝ 118፣25) ተገሊጹ ኣሎ። ኣርያም (ላዕሊ) ድማ መሕደሪ እግዚኣብሄር ምዃኑ ስለ ዝገልጽ፣ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ እትነብር ጎይታን መድሓኒን ሕጂ ኣድሕን እናበሉ ብዓውታ ዘመሩ። እዚ ዓውታ'ዚ ኣብ ክልተ ኽኽፈል ይኽእል። እቲ ቀዳማይ ካብ ግዝኣት ሮማውያን ኣድሕነና ዝብል ኣብ እዋናዊ ሽግር ዘተኮረ ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ቀንድን ካልኣይን ግና ካብቲ ዘለኣለማዊ ሞት ስጋን ነፍስን ኣድሕነና ዝብል እዩ። ብተወሳኺ "ወዲ ዳዊት ኣድሕነና" ዝብል መልእኽቲ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዝተረድኡ ነበሩ (ማቴ 12፣ 23። 20፣ 23። 20፣ 30። 22፣41። 9፣2)።
"መንግስቲ ዳዊት" ማለት ድማ እቲ ንዳዊት ዝተዋህበ ተስፋ ከምዝተፈጸመ ይሕብር። መንግስቲ እስራኤል ናይ እግዚኣብሄር መንግስቲ እያ ዝነበረት። ንኹሉ ሰብ ዝገዝእ እግዚኣብሄር ብምዃኑ፣ ካብ ኣዳም ክሳብ ሳሙኤል ንህዝቡ ዝመርሕን ዝኣልን ብዘይካ እግዚኣብሄር ካልእ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ እዋን ሳሙኤል ግና እስራኤላውያን ንጉስ ኣንግሰልና ኢሎም ስለ ዘጕረምረሙ፣ ሳሙኤል ንጉስና እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ እኳ እንተበሎም፡ ንሳቶም ግና ምስማዕ ስለዝኣበዩ፣ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ሓቲቱ ነቲ ኣእዱግ ዝጓሲ ዝነበረ ሳኦል ኣንገሰሎም። እግዚኣብሄር ክገዝኦ ዝኣበየ ህዝቢ እንሆ በቲ ኣእዱግ ዝጓሲ ዝነበረ ሳኦል ክግዛእ ፈተወ።
ጸኒሓ ግና መንግስቲ ሳኦል ፈረሰት'ሞ፣ ሳኦል ብህይወቱ ከሎ፣ እግዚኣብሄር ንዳዊት ንህዝቡ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ገይሩ ክመርሖም ንዳዊት ቀብኦ። ስለዚ ድማ'ያ መንግስቲ ዳዊት መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እተባህለት። እግዚኣብሄር ንዳዊት ካብ ዘርእኻ ዝውለድ ሰብ፣ ኣብ ዝፋንካ ክቕመጥ እዩ ዝብል ተስፋ ሃቦ። እዚ ተስፋ'ዚ፣ ቅድም ንሰሎሞን ደሓር ብዓቢኡ ግና ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝእምት ነይሩ። እቲ መልኣኽ’ውን ነዚ ብስራት እዚ እዩ ዘበሰረ (ሉቃ 1፣33)። ስለዚ እታ ብስዉር እትሰጋገር ዝነበረት መንግስቲ እግዚኣብሄር፣ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምውላዱ ስለዝተገልጸት ንምሕባር "መንግስቲ ዳዊት" እናበሉ ዘመሩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ጎይታ ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ከሎ "እዚኸ መን'ዩ" እናበለት ብዘላ ከተማ ኢየሩሳሌም ተናወጸት። እቲ ህዝቢ ግና" እቲ ካብ ገሊላ ናይ ናዝሬት ዝመጸ ነቢይ ኢየሱስ እዩ" በለ። ብድሕሪኡ ነቲ ናይ ዕዳጋ መናሃርያ ኮይኑ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኣጽረዮ። "ቤተይ ቤት ጸሎት እምበር ናይ ዕዳጋ ቦታ ኣይኮነን" ድማ በሎም። ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ንዕዉራት ዓይኖም ከፈተሎም። ንዝለመሱ ኣሕወዮም፣ ንለምጻማት እንጽሆም፣ ንሕሙማት ፈወሶም። ነቶም ንቤተ መቕደስ ናብ ዕዳጋ ቀይሮም መጋበርያ ረብሓኦም ዝገበርዎ ናይ ኣእምሮ ዕዉራት ሰባት ግና ኣይበርሃሎምን። ምኽንያቱ እቲ ስንኩል ኣተሓሳስብኦም ኣይተቐየረን። ስለዝኾነ ድማ ነቲ "ሆሳእና" እናበለ ዝዘመረ ህዝቢ: ዓርቢ ክስቀል እዩ እናበሉ ፈከርሉ።
ጎይታ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ህጻናት ክዝምሩ ምስ ጀመሩ፣ እቶም ዝተረፉ'ውን "ሆሳእና" እናበሉ ምስቶም ህጻናት ክዝምሩ ጀመሩ። እቶም ሊቃውንቲ-ካህናት ዓይኖም ደም መሊኡ ልቦም ብሓዘን ተመልአ’ ሞ "ዝብልዎ ዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ? ዘይትገንሖም" ኢሎም ሓተትዎ። ጎይታ ግና "ንሳቶም ስቕ እንተበሉ እኳ እዞም ኣእማን ክዝምሩ'ዮም" በሎም። ቀጺሉ ድማ "ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቆልዑን ዚጠብዉን ሓይሊ ኣዳሎኻ።"(መዝሙር 8፣2) ዝብል መዝሙር ዳዊት ኣየንበብክሙን ዲኹም ኢሉ ሓተቶም።
እቶም ኣእምሮን ምስትውዓልን ኣለና ዝብሉ ልቦም ክድፈን፣ ኣእምሮኦም ብሰይጣናዊ ሓሳብ ክምላእ ከሎ፣ ካብ ኣፍ እቶም ህጻናት ግና ምስጋና ከም ዝናብ ይዘንብ ነይሩ።
ክቡር ኣማኒ፣ ከም ሃዋርያት ዝእዘዝ ልቢ ክህልወካ፣ እግዚኣብሄር ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ክፈትሓካ ናብ እግዚኣብሄር ጸሊ። ዝተናዕቁ ሰባት ናብ ክብሪ ዘሰጋግር ጎይታ'ዩ እሞ፣ ሓጢኣተኛታት እኳ እንተኾንና፣ ብንስሓ ናብኡ እንተተመለስና ግና ከምዝቕበለና ኣይትዘንግዕ።
ገለ ሰባት ክብሪ ይደልዩ'ሞ ኣይረኽቡን፣ ብሰባት ዓበይቲ ክበሃሉ ይብህጉ'ሞ ኣይኮነሎምን። እዚ ዝኮነሉ ምኽንያት ድማ ንክርስቶስ ብልቦም ስለ ዘይተቐበሉ እዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ታሪክ ግና እታ ዝተናዕቀት ኣድጊ ንጎይታ ስለዝተቐበለት፣ ንርእሳ ኣብቲ ዝተነጽፈ ጨርቂ ክትረግጽ፣ ቆጽሊ-ስየ ተወንዚፋ ክትከብር ርኢናያ።  ኩሎም'ቶም ንክርስቶስ ብልቦም ዝቕበልዎ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ይሰጋገሩ ምኽንያቱ ክርስቶስ ክብሪ ናይ ቅዱሳን እዩ'ሞ። እቶም ክብሪ ገዛእ ርእሶም  ዝደልዩ ግና ክብሪ ኣይረኽቡን።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ኣሜን፡

09 April 2015

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

“ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን፣

በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን:

አሠሮ ለሰይጣን፣

አግአዞ ለአዳም:

ሰላም፣

እምይእዜሰ:

ኮነ ፣
ፍሥሐ ወሰላም።”





ተሰቅለ በእንቲአነ

†ወጸሐፈ መጽሐፈ ጲላጦስ:ወይብል መጽሐፉ ጲላጦስ መጽሐፍ፣†
†ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሥ:ናዝራዊ ንጉሠ አይሁድ፣†

ዘበእንቲአነ ለሰብእ፣
ወበእንተ መድሐኒትነ ወረደ እምሰማያት፣
ተሰብአ ወተሰገወ እመንፈስ ቅዱስ:
ወእማርያም እምቅድስት ድንግል፣
ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ፣




10 March 2015

አንቀጸ ብርሃን

አንቀጸ ብርሃን

ዉዳሴ ወግናይ ለእመ አዶናይ፡ ቅድስት ወብፅዕት፡ ስብሕት ወቡርክት፡ ክብርት ወልዕልት ዐንቀጸ ብርሃን፡ መዓርገ ሕይወት ወማኅደረ መለኮት ቅድስተ ቅዱሳን፡ አንቲ ዉእቱ ኦ እግዚትነ ወላዲተ አማላክ ማርያም ድንግል፡ ተደመይኪ ሥምረተ አብ ወማኅደረ ወልድ፡ ወምጽላለ ዘቅዱስ መንፈስ፡ ኦ ብርክት እምክሉ ፍጥረት፡ አንቲ ዉእቱ ህየንተ አርያም ዘበሰማያት ዘኮንኪ አርያመ በዲበ ምድር፡ ብኪ አስተማሰሉ ቅዱሳን ነቢያት፡ ካህናት ወነገሥት፡ ገብሩ ሎሙ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ወዉስቴታ ጽላተ ኪዳን፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፈለነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

በእንተ ተሠግዋቱ ለወልደ አምላክ እምኔኪ፡ ወብኪ ቅሩባነ ኮነ።
ዐሠርቱ ቃላት እለ ተጽሕፋ በአፃብዒሁ ለእግዚአ ኩሉ ፍጥረት፡ ኀደረ ወልደ አምላክ ላዕሌኪ አብ በየማኑ ከደነኪ ወቅዱስ መንፈስ ጸለለኪ ወኃይለ ልዕል አጽንዐኪ፡ ወኢየሱስ ለብሰ ሥጋ ዚአኪ ከልሐ ወይቤ፡ ዘጸምአ ይምጻእ ኀቤየ ወይሰተይ፡ በከመ ይቤ መጽሓፍ አፍላገ ማየ ሕይወት ዘይዉኅዝ እምከርሡ፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፈለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ቀዳሙ ዜነወነ አብ በየውጣ እንተ ይእቲ ዐሠርቱ ቃላት እለ ጽሑፋ በአፃብዒሁ ለእግዚአብሔር፡ ወመሀረነ ወልድከ እግዚእነ ወመድኃኒነ እየሱሱ ክርስቶስ፡ ከመ አንተ ባሕቲትከ ወውእቱ ባሕቲቱ ወልድ ለከ፡ ከመዝ ነአምን ዘአልቦቱ እም በሰማያት፡ ወአብ በዲበ ምድር፡ ዘወረደ እምሰማያት እንዘ አልቦ ዘየአምር ምጽአቶ ዘእንበለ አቡሁ ባሕቲቱ ወጳራቅሊጦስ መንፈስ ጽድቅ፡ ኀደረ ዉስተ ከርሥኪ ወፆርኪዮ ተስዐተ አውራኅ፡ ተፈሥሑ ሰማያት ወተኃሥየት ምድር በልደቱ ለወልድኪ፤ መልአክ ዜነወ ፍሥሓ ወሓራ ሰማይ ሰብሑ እንዘ ይብሉ ''ስብሓት ለእግዚአብሔር በሰማያት፡ ወሰላም በምድር ለዕጓለ እመሕያዉ ሥምረቱ'' ወኖሎት በቤተ ልሔም አንከሩ እምዘርእዩ ወሰምዑ፡ ሰብአ ሰገል ርእዮሙ ኮከበ መጽኡ እምርኁቅ ብሔር ከመ ይስግዱ ለወልድኪ ወይግነዩ ለኪ፡ ውእቱ ኮከብ ዘመርሖሙ እምሥራቅ ወአብጽሖሙ እስከ ቤተ ልሔም ወቆመ መልዕልቴኪ ኀበ ሀሎኪ አንቲ ምስለ ሕፃንኪ፡ ወርእዮሙ እሙንቱ መሰግላን ተፈሥሑ ዐብየ ፍሥሓ፡ ቦኡ ኀቤሁ ወቆሙ ቅድሜሁ ወወድቁ ዲበ ምድር ወሰገዱ ሎቱ፡ ወአርኅዉ መዛግብሆሙ።
ወአብኡ ሎቱ አምኃ ወርቀ፡ ከርቤ፡ ወስኂነ፡ ወይቤሉ አምኃ አባእነ ለከ፡ ዕጣነ አቅረብነ ለከ፡ እምዚአከ ለክቡር ስምከ፡ ኦ አምላክነ በእንተ ኃጢአተ ሕዝብከ ከመ ትትወከፍ ስእለቶም ወመሥዋዕቶም ዘመጻእከ ከመ ትሥረይሎሙ ኃጢአቶሙ፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አንቲ ዉእቱ ንጽሕት እምንጹሓን፡ድንግል ሕሩይ ዘነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ከመ ታቦት ዘግቡር እምዕፅ ዘኢይነቅዝ፡ ሥርግዉ በወርቅ ንጡፍ ወልቡጥ በዕንቊ ባሕርይ ዘየኃቱ ዘብዙኅ ሤጡ፡ከመዝ ነበርኪ ዉስተ ቤተ መቅደስ፡ ወመላእክት ያመጽኡ ወትረ ሲሳየኪ፡ ከመዝ ነበርኪ ዐሠርተ ወክልኤተ ዓመተ እንዘ ትትናዘዚ እምኀበ መላእክት ስቴኪኒ ስቴ ሕይወት ዉእቱ። መብልዕኪኒ ኅብስት ሰማያዊ፡ ዳዊት አቡኪ ዘመረ በመሰንቆ ወኀለየ በመዝሙር እንዘ ይብል በመንፈስ ትንቢት፡ ስምዒ ወለትየ ወርእዩ ወአፅምዒ እዝነኪ፤ ርስዒ ሕዝበኪ ወቤተ አቡኪ እስመ ፈተወ ንጉሥ ሥነኪ፡ እስመ ዉእቱ እግዚእኪ ወሎቱ ትሰግዲ፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ገብርኤል መልአክ እመላእክት ንጹሓን ዘአልቦ ሙስና፡ እመላእክት ቀደምት ዘይቀዉም ቅድመ እግዚአ ኩሉ አብሠረኪ ወይቤለኪ ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ ቡርክት አንቲ እምአንስት ረከብኪ ሞገሰ በኀበ እግዚአ ኩሉ ወናሁ ትፀንኪ ወትወልዲ ወልደ፡ ወትሰምዪዮ ስሞ ኢየሱስ፡ ዉእቱ ዓቢይ ወይሰመይ ወልደ እግዚአብሔር ልዑል ውይሁቦ እግዚአብሔር አምላክ መንበረ ዳዊት አቡሁ፡ ወይነግሥ ለቤተ ያዕቂብ ለዓለም፡ ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ፡ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ፡ ወኃይለ ልዕል ይጸልለኪ፡ ዘኒ ይትወለድ እምኔኪ፡ ቅዱስ ዉእቱ ወይሰመይ ወልደ እግዚአ ኩሉ ዘተወልደ እምኔኪ፤ ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

እንቲ ዉእቱ ዘኮንኪ ጽርሐ ቅድሳት ወመቅደሰ ቅድስተ ቅዱሳን ወመንጦላዕተ ብርሃን፡ ወመንበረ ስብሐት ዘኢይተረጎም፡
አስተማሰልናኪ ኦ ቅድስት ማርያም በመቅደሰ ቅድስተ ቅዱሳን፡ በእንተ ቅዱስ መንፈስ ዘመጽአ ላዕሌኪ፡ ወኃይለ ልዑል ጸለለኪ፡ ወመንጦላዕተ ብርሃንሰ በእንተ ዘተሠወረ ቃለ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒነ ዉስተ ከርሥኪ፡ እግዚአ ኩሉ ዘመልዕልት፡ ዘይሴብሕዎ መላእክት ወሊቃነ መላእክት አጋእዝት ወሥልጣናት ኃይላት ወመናብርት ወመኳንንት።
ወሶበ ወለድኪ ወልደኪ በዲበ ምድር በውስተ ጎል ከለሉኪ ኪሩቤል እለ ብዙኃት አዕንቲሆሙ፡ ወሱራፌል እለ ስድስቱ ክነፈሆሙ፡ ወደመናተ ብርሃን ዖዱኪ፡ሊቃነ መላእክት ወሠራዊተ መላእክት ወሐራ ሰማይ ቆሙ ቅድሜኪ በፍርሃት ወበረዓድ፡ ወበህየ በካልእ ስብሐት ወደሱኪ ኪሩቤል ወሱራፌል ዘኢኮነ እምስብቲሆሙ ዘዉስተ ሰማያት ወኢ እምስብሐቲሆሙ ዘትካት፣ ወሶበ ርእዩ እግዚኦሙ ዘአስተጋብአ ኩሎ ፍጥረታት እንዘ ይነብር ዉስተ ኅፅንኪ፡ ወዘይሴሲ ለኩሉ ፍጥረት ይጠቡ ሐሊበኪ ከመሕፃን፡ ኅሠሥዎ ውስተ አርያም ወበህየ ረከብዎ ምስለ አቡሁ ወመንፈስ ቅዱስ ከመ ትካት፡ ወሶበ ርእዩ ትሕትናሁ ለእግዚኦሙ አልዐሉ አዕይንቲሆሙ ላዕለ ውስተ አርያም፡ ሰፍሑ ክነፈሆሙ ወሰብሑ ለእግዚኦም እንዘ ይብሉ ስብሐት ለከ እግዚአ ኩሉ በሰማያት፡ ወዓዲ ርአዩኪ በውስተ በዓት ለኪ ለባሕቲትኪ ምስለ ሕፃንኪ ወይቤሉ ሰላም በዲበ ምድር፡ ወሶበ ርእዩ እንዘ ይለብስ ሥጋ ዚአነ ዘነሥአ እምኔኪ ሰገዱ እንዘ ይብሉ ለዕጓለ እመሕያዉ ሠምሮ። ዳዊት ነቢይ ተነበየ በመዝሙር እንዘ ይብል፡ እምሰማይ ሐወፀ እግዚአ ኩሉ ወእምድልዉ ጽርሐ መቅደሱ፡ ወርእየ ኩሎ ደቂቀ ዕጓለ እመሕያዉ፡ ፈተወ ንጉሥ ሥነኪ ወይቤ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም፡ ዝየ አኃድር እስመ ኀረይክዋ፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አስተማሰልናኪ ቅድስት ወብፅዕት፤ ስብሕት ወቡርክት፡ ክብርት ወልዕልት በመሶበ ዘወርቅ፡ ዘውስቴታ ኅብስተ ሕይወት ዘወረደ እምሰማያት፡ ወሀቤ ሕይወት ለኩሉ፡ ዘየአምን ኪያሁ ወይበልዕ እምኔሁ በአሚን ወበልብ ሥሙር ምስለ እለ በየማኑ። ውልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አንቲ ዉእቱ ተቅዋም ዘወርቅ ዘኢገብራ እደ ኬንያ ዘሰብእ፡ ወኢያኃትዉ ዉስቴታ ማኅቶተ፡ አላ ለሊሁ ብርሃን አብ፡ ብርሃን ዘእምብርሃን፡ መጽአ ኀቤኪ ወነበረ መልዕልቴኪ፡ ወአብርሀ መለኮቱ ወስተ ኩሉ አጽናፈ ዓለም፡ ሰደደ ጽልመተ እምላዕለ ሰብእ፡ ወአድኃነነ ብቃሉ ማሕያዊ እንዘ ይብል፡ አነ ዉእቱ ብርሃኑ ለዓለም፡ እመኑ በብርሃኑ ወአንሶስዉ እንዘ ብክሙ ብርሃን፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

እግዚአ ኩሉ ዘእምእግዚአ ኩሉ፡ ብርሃን ዘእምብርሃን፡ እግዚእ ዘበአማን፡ ዘእምእግዚአ ኩሉ ዘበአማን፡ ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ፡ ኅቡር ህላዌሁ ምስለ አቡሁ ዘቦቱ ኩሉ ኮነ፡ ዘበሰማይኒ ወበዘምድርኒ። ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ ወተሠገወ ወተሰብአ እማርያም እምቅድስት ድንግል፡ ወበምጽአቱ አብርሀ ላዕሌነ ወዜነወነ ትፍሥሕተ ወኃሤተ ወአቅወኃሤተ ኀበ አቡሁ ወመርሐነ ፍኖተ ሕይወት ወወሀበነ ሕይወት ዘለዓለም በአሚነ ዙአሁ። ኢሳይያስ ነቢይ እምትእዛዙ ለኢየሱስ አንከረ በትንቢት ወይቤ፡ ብርሃን ትእዛዝከ በዲበ ምድር። ዘካርያስ ካህን አረጋዊ ጻድቅ ወንጹሕ ዘይገብር ትእዛዙ ለእግዚአ ኩሉ፡ አንከረ ወተደመ፡ ከሠተ አፍሁ ወይቤ፡ በሣህሉ ወበምሕረቱ ለአምላክነ ለዘሐወፀነ እምአርያም፡ ወሠረቀ ከመ ያርእዮሙ ብርሃኖ ለእለ ይነብሩ ዉስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት፡ ወአርትዐ እገሪነ ዉስተ ፍኖተ ሰላም ከመ ይምሓረነ፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ናስተማስለኪ ኦ እግእትነ በማዕጠንት ዘወርቅ ዘዉሰተ እዲዊሆሙ ለሊቃነ ካህናት ሰማያዉያን እለ ይከውኑ ጸሎተ ኩሎሙ ቅዱሳን መሃይማናን እምዲበ ምድር በዉስተ ማዕጠንቶሙ ከማሁ በሲለተ ስምኪ ያዐርጉ ስእለቶሙ ለዕጓለ ዕመሕያዉ ዉስተ ማኅደረ ሥሉስ ቅዱስ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ወታስተሥርዩ ኃጢአተ ሕዝብኪ ተበውሐ ለኪ ኢምአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ከመ ትኩኒ ተንከተመ ለዉሉደ ሰብእ ለሕይወት ዘለዓለም፡ ለኪ ይደሉ ከመ ትኩኒ መድኃኒቶሙ ለማሃይምናን ሕዝብኪ ኦ መድኃኒተ ኩሉ ዓለም፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።
አንቲ ዉእቱ ዕፅ ብሩክ፡ ዕፀ ሕይወት ወዕፀ መድኃኒት ህየንተ ዕፀ ሕይወት ዘውስተ ገነት፡ ዘኮንኪ ዕፀ ሕይወት በዲበ ምድር። ፍሬኪኒ ፍሬ ሕይወት ዉእቱ፡ ወዘበልዐ እምኔሁ ሕይወተ ዘለዓለም የሓዩ። ጽጌ አስተርአየ እምኔኪ፡ ዘሠናየ መዓዛ ይምዕዝ በኀበ እለ የአምርዎ ዉስተ ኩሉ አጽናፈ ዓለም፡ ዘበእንቲአሁ ተነበየ ዳዊት በመዝሙር እንዘ ይብል፡ ከርቤ ወሚዓ ወሰሊክ እምነ አልባስኪ፡ ሰሎሞን አብኪ ተነበየ ወይቤ፡ ፄና አንፍኪ ከመ ፄና ስኂን፡ ገነት ዕፁት እኅትየ መርዓት፡ ገነት ዕፁት ዐዘቅት ኅትምት ፍናወ ዚአኪ፡ ገነት ምስለ ፍሬ አቅማሕ፡ ቆዕ ምስለ ናርዶስ፡ ናርዶስ ዘምስለ መጽርይ ቀጺሞታት ወቀናንሞስ ምስለ ኩሉ ዕፀወ ሊባኖስ፡ ከርቤ ወዓልዉ ምስለ ኩሉ መቅድመ ዕፍረታት፡ ነቅዐ ገነት ዐዘቅተ ማየ ሕይወት ዘይዉኅዝ እምሊባኖስ፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

በትረ አሮን እንተ ሠረፀት ዘእንበለ ተክል ወኢሠቀይዋ ማየ በቤተ መቅደስ፡ ወረሰያ ድሉተ ለካህናት፡ ከማሃ አንቲኒ ነበርኪ ዉስተ ቤተ መቅደስ በቅድስና ወበንጽሕ ወወፃእኪ እምቤተ መቅደስ በክብር ወበዓቢይ ፍሥሓ፡ ወሠረፀ እምኔኪ ፍሬ ሕይወት ዘበአማን እግዚእነ ወመድኃኒንነ እየሱስ ክርስቶስ፤ ኦ ቅድስት ዘእንበለ ሩካቤ ረከብኪ ወልደ በከመ ተጠየቂዮ ለመልአክ ወይቤሌኪ፡ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕለኪ ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ፡ ወልድኪ ሣህሎ ይክፈለነ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ለኪ ይደሉ ለአግብርትኪ ወለአእማትኪ ትስአሊ ለነ ኀበ ወልድኪ፡ ለእለ አመነ በስመ ወልድኪ፡ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ ኦ ሙኃዘ ፍሥ ሓ፡ ፈድፋደ ብኪ ግርማ ራእይ ዘየዐቢ እምኪሩቤል እለ ብዙኃት አዕንቲሆም ወሱራፌል እለ ስድስቱ ክነፈሆም፡ እልክቱ ይከድኑ ገጾሙ ወእገረሆሙ በአርአያ ትእምርተ መስቀል፡ ከመ ይድኃኑ እምእሳት ዘይወፅእ እመለኮተ ወልድኪ፡ አንቲሰ ኮንኪ ማኅፈደ ለመለኮት፡ ወኢያዉዐየኪ እሳተ መለኮት ፆርኪ ነበልባለ እሳት፡ ወኢያዉዐየኪ ነበልባለ መለኮት፡ ተመሰልኪ ዕፀ ጳጦስ ዘረእየ ሙሴ በነደ እሳት ወዕፀታ ኢዉዕየ፡ ከማሁ ኢያዉዐየኪ እግዚአ ኃይላት ዘኩለንታሁ እሳት ፍጹም፡ አንቲ በአማን ዘኮንኪ ምክሐ ለዘመደ ክርስቲያን።
ወብኪ ቅሩባነ ኮነ እምድር ለማኅደር ዉስተ አርያም፡ በእንተ ተሠግዎቱ ለወልደ አምላክ እምኔኪ ሰአሊት ለነፍሳቲነ ሕይወተ ኦ ጸጋዊተ ምሕረት ለእለ የአምኑ በጸሎታ፡ ሰአሊ ለነ ኀበ እግዚእነ ወመድኃኔነ ኢየሱስ ክርስቶስ ያጽንዐነ በርትዕት ሃይማኖት ዉስተ አሚነ ዚአሁ ወዘአቡሁ ወዘቅዱስ መንፈሱ፡ ይጸግወነ ሣህሎ ወምሕረቶ ይሥረይ ኃጢአተነ በብዝኀ ምሕረቱ፡ ስብሐት ለኪ ኦ ወላዲተ እግዚአ ኪሉ አኮቴት ወክብር ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም አሜን ወልድኪ ሣህሎ ይክፍለነ፡ሰአሊ ለነ ቅድስት።

በእንተ ተሠግዎቱ ለወልደ አምላክ እምኔኪ፡ ወብኪ ቅሩባነ ኮነ እምድር ለማኅደር ዉስተ አርያም፡ብኪ ወበስመ ወልድኪ ቅሩባነ ኮነ።

ተፈጸመ ውዳሴ ማርያም ምስለ አንቀጸ ብርሃን በስብሐተ እግዚአብሔር አሜን፣፣


03 March 2015

ዉዳሴ ማርያም ዘሰንበት

ዉዳሴ ማርያም ዘሰንበት


ውዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ሰንበት ክርስቲያን ቅድስት።

ተሰመይኪ ፍቅርተ ኦ ቡርክት እምአንስት አንቲ ዉእቱ ዳግሚት ቀመር እንተ ተሰመይ ቅድስተ ቅዱሳን ወዉስቴታ ጽላተ ኪዳን፡፲ቱ ቃላት እለ ተጽሕፋ በአፃብዒሁ ለእግዚአብሔር ቀዲሙ ዜነወነ በየዉጣ እንተ ይእቲ ቀዳሜ ስሙ ለመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተሰብአ እምኔኪ ዘእንበለ ዉላጤ፡ወኮነ ዓራቄ ለሐዲስ ኪዳን፡ በዉኂዘ ደሙ ቅዱስ አንጽሐሙ ለመሃይምናን ወለሕዝብ ዝጹሐን፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ወበእንተዝ ናዐብየኪ ኩልነ፡ ኦ እግእዝእትነ ወላዲተ አምላክ ንጽሕት ኩሎ ጊዜ ንስእል ወናን ቀዐዱ ኀቤኪ፡ ከመ ንርክብ ሣህለ በኀበ መፍቀሬ ሰብእ።
ታቦት በወርቅ ልቡጥ እምኩለሄ ዘግቡር እምዕፅ ዘኢይትቅዝ ይትሜሰል ለነ ዘእግዚአብሔር ቃለ ዘኮነ ሰብአ ዘእንበለ ፍልጠት ወኢዉላጤ፡ መለኮት ንጹሕ ዘአልቦ ሙስና ዘዕሩይ ምስለ አብ ወቦቱ አብሠራ ለንጽሕት፡ ዘእንበለ ዘርእ ኮነ ከማነ በኪነ ጥበቡ ቅዱስ፡ ዘተሰብአ እምነኪ ዘንበለ ርኩስ፡ ደመረ መለኮቶ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

መቅደስ ዘይኬልልዋ ኪሩቤል እለ ሥዑላን በሥዕለ እግዚአብሔር፡ ቃል ዘተሰብአ እምኔኪ ዘእንበለ ዉላጤ ኮነ ሠራዬ ኃጥአትነ ወደ ምሳሴ አበሳነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አንቲ ዉእቱ መሶበ ወርቅ ንጹሕ እንተ ዉስቴታ መና ኅቡእ፡ ኅብስት ዘወረደ እምሰማያት ወሀቤ ሕይወት ለኩሉ ዓለም፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

እንቲ ዉእቱ ተቅዋም ዘወርቅ እንተ ፆርኪ ማኅቶተ ፀዳል ኩሎ ጊዜ፡ ዘዉእቱ ብርሃኑ ለዓለም፡ ብርሃን ዘእምብርሃን ዘአልቦ ጥንት፡ አምላክ ዘእምአምላክ ዘበአማን፡ ዘተሰብአ እምኔኪ ዘእንበለ ዉላጤ፡ ወበምጽአቱ አብርሃ ላዕሌነ ለእለ ንነብር ዉስተ ጽልመት ወጽላሎቱ ሞት፡ ወአርአትዐ እገሪነ ዉስተ ፍኖተ ሰላም:በምሥጢረ ጥበቡ ቅዱስ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።
አንቲ ዉእቱ ማዕጠንት ዘወርቅ፡ እንተ ፆርኪ ፍሕመ እሳት፡ ብሩክ ዘነሥአ እመቅደስ ዘይሠሪ ኃጢአተ ወይደመሰስ ጌጋየ፡ ዝ ዉእቱ ዘእግዚአብሔር ቃል ዘተሰብአ እምኔኪ ዘአዕረገ ለአቡሁ ርእሶ ዕጣነ ወመሥዋዕተ ሥሙረ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ተፈሥሒ ኦ ማርያም ርግብ ሠናይት፡ ዘወለድኪ ለነ ዘእግዚአብሔር ቃለ፡ አንቲ ዉእቱ ጽጌ መዓዛ ሠናይ እንተ ሠረፀት እምሥርወ ዕሤይ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

በትረ አሮን እንተ ሠረፀት ዘኢንበለ ተክል ወኢሠቀይዋ ማየ፡ ከማሃ አንቲኒ ኦ ወላዲተ ክርስቶስ አምላክነ ዘበአማን ዘእንበለ ዘርእ መጽአ ወአድኃነነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ለኪ ይደሉ ዘእምኩሎሙ ቅዱሳን ትስአሊ ለነ ኦ ምልእተ ጸጋ አንቲ ተዐብዪ እምሊቃነ ጳጳሳት ወፈድፍደ ትከብሪ እምነቢያት ብኪ ግርማ ራእይ ዘየዐቢ እምግርማ ሱራፌል ወኪሩቤል፡ አንቲ በአማን ምክሐ ዘመድነ ወሰአሊት ሕይወተ ለነፍሳቲነ ሰአሊ ለነ ኀበ እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ያፅንዐነ በርትዕት ሃይማኖት ዉስተ አሚነ ዚአሁ፡ ይጸግወነ ሣህሎ ወምሕረቶ፡ ይሥረይ ኃጢአተነ በብዝኀ ምሕረቱ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ወበእንተዝ ናዓብየኪ ኩልነ ኦ እግዝእትነ ወላዲተ አምላክ ንጽሕት ኩሎ ጊዜ፡ ንስእል ወናንቀዐዱ ኀቤኪ ከመ ንርከብ ሣህለ በኀበ ወፈቀሬ ስብእ።

ጸሎታ ለማርያም ወስእለታ ያድኅነነ እመዓተ ወልዳ።
ጸሎታ ለማርያም ወስእለታ ለርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እገሌ ..........ይዕቀቦ እመዓተ ወልድ።
ጸሎታ ለማርያም ወስእለታ ለመፍቀሬ አምላክ እገሌ............... ትእዕቀቦ እመዓተ ወልዳ።
ጸሎታ ለማርያም ወስእለታ ለሕዝበ ክርስትያን ይዕቀቦም እብመዓተ ወልዳ።
ጸሎታ ለማርያም ወስእለታ ለሀገረትነ ይዕቀባ እብመዓተ ወልዳ።
ጸሎታ ለማርያም ወስእለታ ለነፍሳተ ሙታን ታድኅኖሙ እመዓተ ወልዳ።

ዉዳሴ ማርያም ዘቀዳም

ዉዳሴ ማርያም ዘቀዳሚት ሰንበት

ዉዳሴሃ ለእግዚእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ዘትነበብ በዕለተ ቀዳሚት ሰንበት።

ንጽሕት ወቡርክት ወቅድስት በኩሉ እንተ ሐቀፈቶ ለእግዚእ በእራኃ ወኩሉ ፍጥረት ይትፌሥሑ ምስሌሃ እንዘ ይጸርሑ ወይበሉ፡ ሰአሊለነ ቅድስት።

ተፈሲሒ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ ተፈሥሒ እስመ ረከብኪ ሞገሰ፡ ተፈሥሒ እግዚአብሔር ምስሌኪ።
ናስተበፅዕ ዕበየኪ ኦ ግርምት ድንግል፡ ወንፌኑ ለኪ ፍሥሐ ምስለ ገብርኤል መልአክ፡ እስመ እምፍሬ ከርሥኪ ኮነ መድኃኒተ ዘመነ፡ ወአቅረበነ ኅበ እግዚአብሔር አቡሁ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ከመ ከብካብ ዘአልቦ ጥልቀት፡ መንፈስ ቅዱስ ኀደረ ላዕሌኪ ወኃይለ ልዑል ሰለለኪ፡ኦ ማርያም አማን ወለድኪ ቃለ ወልድ አብ ዘይነብር ለዓለም መጽአ ወአድኃነነ እምኃጢአት፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አንቲ ዉእቱ ዘመድ ዘእምሥርወ ዳዊት ወለድኪ ለነ በሥጋ መድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዋሕድ ቃል ዘእምአብ ዘእምቅድመ ዓለም ህልዉ፡ ኀብአ ርእሶ ወነሥአ እምኔኪ አርአያ ገብር፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ኮንኪ ዳግሚተ ሰማይ ዲበ ምድር ኦ ወላዲተ አምላክ ዘእምበለ ርኩስ፡ ሠረቀ ለነ እምኔኪ ፀሕየ ጽድቅ፡ ወወለድኪዮ በከመ ትንቢተ ነቢያት ዘእንበለ ዘርእ ወኢሙስና፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አንቲ ዉእቱ ደብተራ እንተ ተሰመይኪ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ወወስቴታ ታቦት በወርቅ ልቡጥ እምኩለሄ ወውስቴታ ጽላተ ኪዳን መሶበ ወርቅ እንተ መና ኅቡእ፡ ዘዉእቱ ወልደ እግዚአብሔር መጽአ ወኃደረ ኀበ ማርያም ድንግል፡ ዘእንበለ ርኩስ ተሰብአ እምኔሃ ቃ አብ ወወለደቶ ዉስተ ዓለም ለንጉሠ ሰብሕት፡ መጽአ ወአድኃነነ፡ ትትፌሣሕ ገነት እመ በግዕ ነባቢ፡ ወልደ አብ ዘይነብር ለዓለም፡ መጽአ ወአድኃነነ እምኃጢያት፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ተሰመይኪ እመ ለክርስቶስ ንጉስ፡ እምድኅረ ወለድኪ ኪያሁ ነበርኪ በድንግልና በመንክር ምሥጢር ወለድኪዮ ለአማኑኤል፡ ወበእንተዝ ዐቀበኪ እንበለ ሙስና፡ ሰአለ ለነ ቅድስት።

አንቲ ዉእቱ ሰዋስዉ ዘርእየ ያዕቆብ እግዚአብሔር ላዕሌሁ እስመ ፆአኪ በከርሥኪ ኅቱም ዘኢይትዓወቅ እምኩለሄ፡ ኮንኪ ለነ ሰአሊተ ኅበ እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተሰብአ እምነኪ በእንተ መድኃኒትነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ናሁ እግዚእ ወጽአ እምኔኪ ኦ ቡርክት ጽርሕ ንጽህት፡ ያድኅን ኩሎ ዓለመ ዘፈጠረ በዕበየ ሣህሉ ንሰብሖ ወንወድሶ እስመ ዉእቱ ኄር ወመፍቀሬ ሰብእ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት::

ተፈሥሒ ኦ ምልእተ ጸጋ ድንግል ዘእንበለ ርኩስ ልሕኩት ንጽሕት ክብረ ኩሉ ዓለም፡ ብርሃን ዘኢትጠፍእ፡ መቅደስ ዘኢትትነሠት፡ በትረ ሃይማኖት ዘኢትጸንን፡ ምስማኮሙ ለቅዱሳን፡ ሰአሊ ለነ ኀበ ወልድኪ ኄር መድኃኒነ ይምሐረነ ወይሣሃለነ ይሥረይ ኃጢአተነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ዉዳሴ ማርያም ዘዓርብ

ዉዳሴ ማርያም ዘዓርብ

ውዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ዓርብ።

ቡርክት አንቲ እምአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ፡ ኦ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ዘእንበለ ርኩስ ሠረቀ ለነ እምነኪ ፀሐየ ጽድቅ፡ ወአቅረበነ ታሕተ ክነፍሁ እስመ ዉእቱ ፈጠረነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ለኪ ለባሕቲትኪ ኦ እግዚእትነ ወላድዲተ አምላክ እመ ብርሃን አንቲ ናዐብየኪ በስብሐት ወበዉዳሴ።
ቡርክት አንቲ ተዐብዪ እምሰማይ ወትከብሪ እምድር ወላዕለ ኩሉ ሕሊናት፡ መኑ ዘይክል ነቢበ ዕበየኪ፡ ወአልቦ ዘይመስል ኪያኪ፡ ኦ ማርያም መላእክት ያዐብዩኪ ወሱራፌል ይሴብሑኪ፡ እስመ ዘይነብር ዲበ ኪሩቤል ወሱራፌል መጽአ ወኃደረ ዉስተ ከርሥኪ፡ መፍቀሬ ሰብእ አቅረበነ ኀቤሁ፡ ዘዚአነ ሞተ ነሥአ ወእንቲአሁ ሕይወተ ወሀበነ፡ ዘሎቱ ክብር ወስብሐት፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ቡርክት እንቲ ማርያም ወቡሩክ ፍረ ከርሥኪ ኦ ድንግል ወልላዲተ አምላክ ምክሖን ለደናግል፡ ዘእምቅድመ ዓለም ህልዉ ተሰብአ እምኔኪ ብሉየ መዋዕል ወፅአ እምከርስኪ ሥጋነ ነሥአ ወመንፈሶ ቅዱስ ወሀበነ፡ ወረሰየነ ዕሩያነ ምስሌሁ በብዝኀ ኂሩቱ፡ አንቲ ተዐብዩ እምብዙኃት አንስት እለ ነሥአ ጸጋ ወክብረ፡ ኦ ማርያም ወላዲተ አምላክ ሀገር መንፈሳዊት ዘኃደረ ላዕሌሃ እግዚአብሔር ልዕል፡ እስመ ዘይነብር ዲበ ኪሩቤል ወሱራፌል በእራኅኪ ሐቀፍኪዮ፡ ወዘይሴሲ ለኩሉ ዘሥጋ በብዝኃ ኂሩቱ አኃዘ አጥባተኪ ወጠበወ ሕሊበ፡ ዘዉእቱ አምላክነ መድኃኔ ኩሉ ይርዕየነ እስከ ለዓለም፡ ንስግድ ሎቱ ወስብሖ እስመ ዉእቱ ፈጠረነ፡ ሰአሊለነ ቅድስት።

ማርያም ድንግል ሙዳየ ዕፍረት ነቅዐ ፈልፈለ ማየ ሕይወት፡ፍሬ ከርሣ አድኃነ ኩሎ ዓለመ ወሠዐረ እምኔነ መርገመ፡ ወገበረ ሰላመ ማእከሌነ በመስቀሉ ወበትንሣኤሁ ቅድስት፡ አግብኦ ለብእሲ ዳግመ ዉስተ ገነት፡ ሰአሊለነ ቅድስት።
ማርያም ንጽሕት ድንግል ወላዲተ አምላክ ማእምንት፡ ሰአሊተ ምሕረት ለዉሉደ ሰብእ ሰአሊ ለነ ኀበ ክርስቶስ ወልድኪ ይሥረይ ኃጢአተነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ማርያም ድንግል ትጸርሕ በቤተ መቅደስ ወትብል የአምር እግዚአብሔር ከመ አልብየ ዘአአምር ባዕድ ወኢምንትኒ ዘእንበለ ድምፀ ቃሉ ለመልአክ ዘአብሠረኒ በክብር፡ ወይቤለኒ ሰላም ለኪ ኦ ቅድስት ድንግል፡ ፆርኪ ዘኢይፀወር፡ አግመርኪ ዘይትገመር ወአልቦ ዘያገምሮ ምንትኒ፡ ይበዝኅ ዉዳሴኪ ኦ ምልእተ ጸጋ በኩሉ ክብር፡ እስመ ኮንኪ አንቲ ማሕደረ ቃለ አብ፡አንቲ ዉእቱ መንጦላዕት ስፍሕት አንተ ታስተጋብኦሙ ለመሃይምናን ሕዝበ ክርስቲያን ወትሜህሮሙ ሰጊደ ለሥሉስ ማሕየዊ፡ አንቲ ዉእቱ ዘፆርኪ ዓምደ እሳት ዘርእየ ሙሴ ዘዉእቱ ወልደ እግዚአብሔር መጽአ ወኃደረ ዉስተ ከርሥኪ፡ ኮንኪ ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር፡ ፆርክዮ በከርሥኪ ፱ተ አዉራኃ፡ አንቲ ማእምንት ለዘኢያገምርዎ ሰማያት ወምድር፡ ኮንኪ ተንከተመ ለዕርገት ዉስተ ሰማይ፡ ብርሃንኪ የዐቢ እምብርሃነ ፀሐይ፡ አንቲ ዉእቱ ምስራቅ ዘወፅአ እምኔኪ ኮከብ ብሩህ ዘነፀርዎ ቅዱሳን በፍሥሓ ወበኃሤት፡ ዘፍትሐ ላዕለ ሔዋን ትለድ በፃዕር ወሕማም፡ አንቲሰ ማርያም ሰማዕኪ ዘይብል ተፈሥሒ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ ወለድኪ ለነ ንጉሠ እግዚአ ኩሉ ፍጥረት መጽአ ወአድኃነነ:እስመ መሐሪ ዉእቱ ወመፍቀሬ ሰብእ፡ በእንተዝ ንዌድሰኪ በከመ ገብርኤል መልአክ እንዘ ንብል፡ ቡርክት አንቲ ማርያም ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ ተፈሥሒ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስለኪ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

02 March 2015

ዉዳሴ ማርያም ዘኃሙስ

ዉዳሴ ማርያም ዘኃሙስ

ዉዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ኃሙስ።

ዕፀ እንተ ርእየ ሙሴ በነደ እሳት ዉስተ ገዳም ወአዕፁቂሃ ኢትዉዒ፡ ትመስል ማርያም ድንግል ዘእንበለ ርኲስ ተሰብአ እማኔሃ ቃለ አብ፡ ወኢያዉዐያ እሳተ መለኮቱ ለድንግል፡ እምድኅረ ውለደቶ ድንግልናሃ ተረክበ፡ ወመለኮቱ ኢተወለጠ ኮነ ወልደ ዕጓለ እምሕያዉ አምላክ ዘበአማን መጽአ ወአድኃነነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ናዐብየኪ ኩልነ ኦ እግዝእትነ ወላዲተ አምላክ እስመ ሣህልኪ ይኩን ላዕለ ኩልነ።
ትምክሕተ ኩልነ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ ዘበእንቲአሃ ተሥዕረ ዘቀዳሚ መርገም እንተ ኃደረት ዲበ ዘመድነ፡ በዕልወት ዘገበረት ብእሲት በልዐት እምዕፅ፡ ወበእንተ ሔዋን ተዐፅወ ኆኅተ ገነት፡ ወበእንተ ማርያም ድንግል ተርኅወ ለነ ዳግመ፡ ከፈለነ ንብላዕ እምዕፀ ሕይወት፡ ዘዉእቱ ሥጋሁ ለክርስቶስ ወደሙ ክቡር፡ በእንተ ፍቅረ ዚአነ መጸ ወአድኃነአነ፡ አይ ልቡና፡ ወአይ ነቢብ፡ ወአይ ሰሚዕ፡ ዘይክል አእምሮ ዝንቱ ምሥጢር መንክራተ ዘይትነበብ ላዕሌሃ፡ እግዚአብሔር መፍቀሬ ሰብእ ፩ዱ ዉእቱ ባሕቲቱ ቃለ አብ ዘሀሎ እምቅድመ ዓለም በመለኮቱ፡ እንበለ ሙስና እም፩ዱ አብ መጽአ ወተሰብአ ወልድ ዋሕድ እምቅድስት እሙ፡ እምድኅረ ወለደቶ ኢማሰነ ድንግልናሃ፡ ወበእንተዝ ግህደ ኮነት ከመ ወላዲተ ኣምላክ ይእቲ፡ ኦ ዕሙቅ ብዕለ ጥበቡ ለእግዘአብሔር ከርሥ ዘፈትሐ ላዕሌሃ ትለድ በፃዕር ወሕማም: ወኃዘነ ልብ፡ወኮነት ፈልፈለ ሕይወት ወወለደት ዘእንበለ ዘርአ ብእሲ ዘይስዕር መርገመ እምዘመድነ። ወበእንተዝ ንስብሖ እንዘ ንብል ስብሕት ለከ ኦ መፍቀሬ ሰብእ ኄር ወመድኃኔ ንፍሳቲነ፡ ሰእለ ለነ ቅድስት።

ኦ ዝ መንክር ወዕፁብ ኃይለ ከርሣ ለድንግል ወላዲተ አምላክ ዘእንበለ ዘርእ: ስምዐ ኮነ መልአክ ዘአስተርአዮ ለዮሰፍ እንዘ ይብል ከመዝ፡ እስመ ዘትወለድ እምኔሃ እመንፈስ ቅዱስ ቃለ እግዚአብሔር ዉእቱ ተሰብኣ ዘእምበለ ዉላጤ፡ ወለደቶ ማርያም ምክዕቢተ ዝንቱ ፍሥሓ፡ ወይቤ ትወልዲ ወልደ ወይሰመይ አማኑኤል ዘበትርጓሜኡ እግዚኣብሔር ምስሌነ፡ ወዓዲ ይስመይ ኢየሱስሃ ዘይድኅኖም ለሕዝቡ እምኃጢአቶም ያድኅነነ በኃይሉ ወይሥረይ ኃትጥያትነ እስመ ጥዩቀ አእምርናሁ ከመ አምላክ ዉእቱ፡ ዘኮነ ሰብአ ሎቱ ስብሐት እስከ ለዓለም፡ኦዝ መንክር ልደተ አምላክ እማርያም እምቅድስት ድንግል፡ ኣግመረቶ ለቃል ኢቀደሞ ዘርእ ለልደቱ ወኢአማሰነ በልደቱ ድንግልናሃ፡ እምኀበ ወፅአ ቃል ዘንበለ ድካም፡ ወእምድንግል ተወልደ ዘእምበለ ሕማም፡ ሎቱ ሰገዱ ሰብአ ሰገል፡ አምጽኡ ዕጣነ ከመ ኣምላክ ዉእቱ፡ ወርቀ እስመ ንጉሥ ዉእቱ፡ ወከርቤ ዘይትወሀብ ለሞቱ ማሕየዊ በእንቲኣነ ተወክፈ በፈቃዱ፡ ፩ዱ ዉእቱ ባሕቲቱ ኄር ወመፍቀሬ ሰብእ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ኦዝ መንክር ነሥእ ፩ደ ዐፅመ እምገቦሁ ለአዳም ወለሐኮ እምኔሁ ብእሲተ ወኩሎ ፍጥረተ Ꮆዕጓለ እመሕያዉ፡ ተዉህበ እግዚእ ቃለ አብ ተሰብአ እምቅድስት ድንግል ወተሰምየ ኣማኑኤል ወበእንተዝ ንስአል ኀቤሃ ኩሎ ጊዜ ከመ ታስተሥሪ በእንቲአነ ኀበ ፍቁር ወልዳ፡ ኄርት ይእቲ በኀበ ኩሎሙ ቅዱሳን ወሊቃነ ጳጳሳት እስመ ኣምጽአት ሎሙ ዘኪያሁ ይጸንሑ፡ ወለነቢያትኒ ኣምጽአትሎሙ ለዘበእንቲኣሁ ተነበዩ፡ ወለሐዋርያትኒ ወለደት ሎሙ ዘሰበኩ በስሙ ዉስተ ኩሉ ኣጽናፈ ዓለም፡ ለሰማዕት ወለመሃይማን ወፅአ እምኔሃ ዘተጋደሉ በእንቲአሁ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለ ጸጋ ጥበቡ ዘኢይትዐወቀ፡ንኅሥሥ ዕበየ ሣህሉ እስመ መጽአ ወአድኃነነ፡ ስአሊ ለነ ቅድስት።
መሐለ እግዚኣብሔር ለዳዊት በጽድቅ ወኢይኔስሕ፡ እስመ እምፍሬ ከርሥከ አነብር ዲበ መንበርከ፡ወሶበ ተወክፎ ዉእቱ ጽድቅ ከመ እምኔሁ ይትወለድ ክርስቶስ በሥጋ፡ ፈቀደ ይኅሥስ ወይርከብ ማኅደሮ ለእግዚአብሔር ቅ ል ወፈጸመ ዘንተ በዐቢይ ትጋህ፡ ወእምዝ ጸርሐ በመንፈስ ወይቤ፡ ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ ወማኅደሮ ለአምላክ ያዕቆብ፡ እንተ ይእቲ ቤተ ልሔም ዘኅረያ አማኑኤል ይትወለድ ዉስቴታ በሥጋ ለመድኃኒተ ዚአነ፡ ካዕበ ይቤላ ካልእ እምነብያት ወአንቲኒ ቤተ ልሔም ምድረ ኤፍራታ ኢትቴሐቲ እምነገሥተ ይሁዳ፡ እስመ እምኔኪ ይወፅእ ንጉሥ ዘይርዕዮሙ ለሕዝብየ እስራኤል፡ ኦዝ ነገር ለእሉ እለ ተነበዩ በእንተ ክርስቶስ ሎቱ ስብሓት፡ ምስለ ኄር አብሁ፡ ወመንፈስ ቅዱስ እምይእዜ ወእስከ ለዓለም፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ዳዊት ዘነግሠ ለእስራኤል አመ ይትነሥኡ ላዕሌሁ ዕልዋን። ፈትወ ይስተይ ማየ እምዓዘቅተ ቤተ ልሔም፡ ፍጡነ ተንሥኡ መላሕቅተ ሐራሁ ወተቃተሉ በዉስተ ትዕይንተ ዕልዋን፡ ወአምጽኡ ሎቱ ዉእተ ማየ ዝፈተወ ይሰተይ፡ወሶበ ርእየ ዉእቱ ጻድቅ ከመ አጥብዑ ወመጠዉ ነፍሶሙ ለቀትል በእንቲ አሁ፡ ከዐወ ዉእተ ማየ ወኢሰትየ እምኔሁ፡ ወእምዝ ተኈለቈ ሎቱ ጽድቅ እስከ ለዓለም፡ አማን መነኑ ሰማዕት ጥዕማ ለዛ ዓለም ወከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሔር ወተዐገሡ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት፡ ተሣሃለነ በከመ ዕበየ ሣህልከ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ኣሐዱ ዘእምቅድስት ሥላሴ፤ ርእዮ ትሕትናነ አጽነነ ሰማየ ሰማያት፡ መጽአ ወኀደረ ዉስተ ከርሠ ድንግል፡ ወኮነ ሰብአ ከማነ ዘእንበለ ኃጢአት ባህቲታ፡ ወተወልደ በቤተ ልሔም በከመ ሰበኩ ነቢያት፡ አድኃነነ ወቤዘወነ ወረስየነ ሕዝበ ዚአሁ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

23 February 2015

ዉዳሴ ማርያም ዘረቡዕ

ዉዳሴ ማርያም ዘረቡዕ
ዉዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ረቡዕ። ኩሉ ሠራዊተ ሰማያት ይብሉ ብፅዕት አንቲ ሰማይ ዳግሚት ዲበ ምድር ኆኅተ ምሥራቅ ማርያም ድንግል ከብካብ ንጹሕ ወመርዓ ቅዱስ፡ ነፀረ ኣብ እምሰማይ ወኢረከበ ዘከማኪ፡ ፈነወ ዋሕዶ ወተሰብአ እምኔኪ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ኩሉ ትዉልድ ያስተበፅዑኪ ለኪ ለባሕትትኪ ኦ እግዝእትነ ወላዲተ ኣምላክ። ተነበዩ ላዕሌኪ ዐቢያተ ወመንክራተ፡ ኦ ሀገረ እግዚኣብሔር እስከ ኮንኪ አንቲ ማኅደረ ለፍሡሐን፡ ኩሎሙ ነገስተ ምድር የሐዉሩ በብርሃንኪ ወአሕዛብኒ በፀዳልኪ ኦ ማርያም ኩሉ ትዉልድ ያስተበፅዑኪ ወይሰግዱ ለዘተወልደ እምኔኪ ወያዐብዩዎ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ኣንቲ ዘበአማን ደመና እንተ ኣስተርአይኪ ለነ ማየ ዝናም፡ ትእምርተ ዋሕዱ ረሰየኪ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ኃደረ ላዕለኪ ወኃይለ ልዑል ፀለለኪ፡ ኦ ማርያም ኣማን ወልድኪ ቃለ፡ ወልደ ኣብ ዘይነብር ለዓለም መጽአ ወአድኃነነ እምኃጢአት፡ ዓቢይ ዉእቱ ክብር ዘተዉህበ ለከ ኦ ገብርኤል መልአክ፡ ዜናዊ ፍሡሐ ገጽ፡ ሰበከ ለነ ልደተ እግዚእ ዘመጽአ ኃቤነ፡ ወአብሠርካ ለማርያም ድንግል ዘእንበለ ርስሐት፡ ወትቤላ ተፈሥሒ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምስለኪ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት። ረከብኪ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኃደረ ላዕሌኪ ወኃይለ ልዑል ጸለለኪ፡ ኦ ማርያም አማን ወለድኪ ቅዱሰ መድሕኑ ለኩሉ ዓለም፡ መጽአ ወአድኃነነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ግብረ ድንግል ይሴብሕ ልሳንነ፡ ዮም ንወድሳ ለማርያም ወላዲተ አምላክ፡ በእንተ ዘተወልደ እምኔሃ በሀገረ ዳዊት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዑ ኩልክሙ ኣሕዛብ ናስተብፅዓ ለማርያም እስመ ኮነት እመ ድንግል ወፅሙረ ተፈሥሒ ኦ ድንግል ንጽሕት እንተ አልባቲ ርኩስ፡ ዘመጽአ ቃለ ኣብ ወተሰብአ እምኔሃ። ተፈሥሒ ኦ ሙዳይ እንተ አልባቲ ነዉር ፍጽምት ዘአልባ ርስሐት፡ ተፈሥሒ ኦ ገነት ነባቢት ማኅደሩ ለክርስቶስ ዘኮነ ዳግማይ ኣዳም በእንተ ኣዳም ቅዳሚ ብእሲ፡ተፈሥሒ ኦ ፀዋሪቱ ለዋሕድ ለዘኢ ተፈልጠ እምኅፅነ አቡሁ፡ ተፈሥሒ ኦ ከብካብ ንጹሕ ሥርግዉ በኩሉ ሥነ ስብሐት፡ መጽአ ወተሰብአ እምኔኪ፡ ተፈሥሒ ኦ ዕፀ ጳጦስ እንተ ኢያዉዓያ እሳተ መለኮት ተፈሥሒ ኦ አመት ወእም ድንግል ወሰማይ ሰማያዌ እንተ ፆረት በሥጋ ዘይፄዐን ዲበ ኩሩቤል፡ ወበእንተዝ ንትፈሥሕ ወንዘምር ምስለ መላእክት ቅዱሳን ብፍሥሓ ወበሐኃሤት፡ ወንበል ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰልላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ፡ እስመ ኪያኪ ሠምረ ዘሎቱ ክብር ወሰብሐት፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። የዐቢ ክብራ ለማርያም እምኩሎም ቅዱሳን እስመ ድልወ ኮነት ለተወክፎ ቃለ አብ ዘይፈርህዎ መላእክት ወየኩትዎ ትጉሃን በሰማያት፡ ፆረቶ ማርያም ድንግል በከርሣ፡ ይእቲ ተዐቢ እምኪሩቤል ወትፈደፍድ እምሱራፌል፡ እስመ ኮነት ታቦተ ለሐዱ ዘእምቅድስት ሥላሴ ዛቲ ይእቲ ኢየሩሳሌም ሀገሮሙ ለነብያት ወማኅደረ ፍሥሐሆመ ለኩሎም ቅዱሳን፡ ሕዝብ ዘይነብር ዉስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ብርሃን ዐቢይ ሰረቀ ላዕሌሎሙ፡ እግዚኣብሔር ዘየዐርፍ በቅዱኣስኒሁ ተሰብአ እምድንግል ለመድኃኒተ ዚአነ፡ ንዑ ርእዩ ዘንተ መንክር ወዘምሮ ዘምሩ በእንተ ምሥጢር ዘተከሥተ ለነ፡ እስመ ዘኢይሰባእ ተሰብአ ቅል ተደመረ ወዘአልቦ ጥንት ኮነ ቅድመ፡ ወለዘአልቦ መዋዕል ኮነ ሎቱ መዋዕል፡ ዘኢይትዐወቅ ተከስተ ወኢይትረአይ ተራእየ ወልድ እግዚኣብሔር ሕያዉ ጥዩቀ ኮነ ሰብአ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘትማልም ወዮም፡ ወክመ ዉእቱ እስከ ለዓለም ኣሓዱ ህላዌ ሎቱ ንስግድ ወንሰብሕ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ሕዝቅኤል ነቢይ ኮነ ስምዐ በእንቲኣሃ፡ ወይቤ ርኢኩ ኆኅተ በምስራቅ ኅቱም በዐቢይ መንክር ማኅተም፡ ኣልቦ ዘቦአ ዘእንበለ እግዚኣብሔር ኃያላን፡ ቦአ ዉስቴታ ወወዕአ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ኆኅትስ ድንግል ይእቲ እንተ ወለድት ለነ መድኃነ እምድኅረ ወለደት ኪያሁ ነበረት በድንግልና ከመ ትካት፡ ቡሩክ ዉእቱ ፍሬ ከርሥኪ ኦ ወላዲተ እግዚእ፡ ዘመጽአ ወአድኃነነ እምእድ ጸላኢ ዘአልቦ ምሕረት፡ አንቲ ፍጽምት ወቡርክት ረከብኪ ሞገሰ በኀበ ንጉሠ ስብሐት አምላክ ዘበአማን ለኪ ይደሉ ዕበይ ወክብር እምኩሎሙ እለ ይነብሩ ዲበ ምድር፡ ቃለ አብ መጽአ ወተሰብአ እምኔኪ ወአንሶሰወ ምስለ ሰብእ፡ እስመ መሕሪ ዉእቱ ወመፍቀሬ ሰብእ አድኃነ ንፍሳቲነ በምጽአቱ ቅዱስ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

20 February 2015

ዉዳሴ ማርያም ዘሠሉስ



ዉዳሴ ማርያም ዘሠሉስ

ዉዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ሠሉስ።
አክሊለ ምክሕነ ወቀዳሚተ መድኃኒትነ ወመሰረተ ንጽሕነ ኮነ በማርያም ድንግል፡ እንተ ወለደት ለነ እግዚኣብሔር ቃለ፡ ዘኮነ ሰብኣ በእንተ መድኃኒትነ፡ እምድኅረ ኮነ ሰብአ ጥዩቀ ኣምላክ ፍጹም ዉእቱ፡ ወበእንተዝ ወለደቶ እንዘ ደንግል ይእቲ መንክር ኃይለ ወሊዶታ ዘኢይትነብር፡ሰአሊ ለነ ቅድስት።

እስመ በፈቃዱ ኣቡሁ፡ ወመንፈስ ቅዱስ መጽኣ ወአድኃነነ። ዐቢይ ዉእቱ ስብሓተ ድንግልናኪ ኦ ማርያም ድንግል ፍጽምት፡ ረከብኪ ሞገስ እግዚኣብሔር ምስለኪ፡ ኣንቲ ዉእቱ ሰዋስዉ ዘርእየ ያዕቆብ እምድር ዘይበጽሕ እስከ ሰማይ፡ ወመላክተ እግዚኣብሔር የዐርጉ ወይወርዱ ዉስቴታ፡ ሰኣለ ለነ ቅድስት።

አንቲ ዉእቱ ገራህት ዘኢተዘርአ ዉስቴታ ዘርእ፡ ወጽአ እምኔኪ ፍሬ ሕይወት፡ አንቲ ዉእቲ መዝገብ ዘተሣየጠ ዮሴፍ፡ ወረከበ በዉስቴታ ባሕርየ ዕንቈ ክቡረ፡ ዘዉእቱ መድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተፀዉረ በከርሥኪ ወወለድሊዮ ዉስተ ዓለም፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ተፈሥሒ ኦ ወላዲተ እግዚእ ኃሤቶም ለመላእክት፡ ተፈሥሒ ኦ ንጽሕት ዜናሆሙ ለነብያት፡ ተፈሥሒ እስመ ረከብኪ ሞገሰ እግዚአብሔር ምስለኪ፡ ተፈሥሒ እስመ ተወከፍኪ ቃሎ ለመልአኪ ፍስሐ ኩሉ ዓለም፡ ተፈሥሒ ኦ ወላዲተ ፈጣሬ ኩሉ ዓለም፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ኦ ድንግል ኦ ቅድስት፡ ኦ ወላዲተ እግዚእ፡ እስመ ወለድኪ ለነ ንጉሠ፡ መንክር ምሥጢር ኃደረ ላዕሌኪ ለመድኃኒተ ዚአነ።ናርምም እስመ ኢንክል ፈፅሞ ጥንቁቀ ነጊረ፡ በእንተ ዕበዩ ለዉእቱ ገባሬ ሠናያት በብዙኅ መንከር ራእይ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።
ቃለ ኣብ ሕያዉ ዘወረደ ዉስተ ደብረ ሲና ወወሀበ ሕገ ለሙሴ፡ ወከደነ ርእሰ ደብር በጊሜ ዉጢስ በጽልመት ወነፋስ፡ ወበድምፀ ቃለ ኣቅርንት ይጌሥፅ ለእለ ይቀዉሙ በፍርሃት፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ዉእቱኬ ዘወረደ ኅቤኪ፡ ኦ ደብር ነባቢት በትሕትና መፍቀሬ ሰብእ፡ ተሰብኣ እምኔኪ ዘእንበለ ዉላጤ ፍጹመ ሥጋ ነባቢ ዘከማነ፡ በመንፈሰ ጥበብ ኣምላክ ኃደረ ላዕሌሃ፡ ኮነ ፍጹመ ስብአ ከመ ያድኅኖ ወይሥረይ ኃጢአቶ ለኣዳም፡ ወያንብሮ ዉስጠ ሰማያት ወያግብኦ ኀበ ዘትካት መንበሩ፡ በዕበየ ሣህሉ ወምሕረቱ። ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ዕበያ ለድንግል ኢይትከሃል ለተነግሮ እስመ እግዚእ ኃረያ፡ መጽአ ወኃደረ ላዕሌሃ ዘየኃድር ዉስተ ብርሃን ኀበ አልቦ ዘይቀርቦ ተፀዉረ በከርሣ ፱ ተ አዉራኃ ዘኢይትረአይ ወዘኢትዓወቅ ወለደቶ ማርያም እንዘ ድንግል ይእቲ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።
ዘዉእቱ እብን ዘርእየ ዳኒኤል ነቢይ፡ ዘተበትከ እምደብር ነዋኅ ዘእንበለ እድ፡ ዘዉእቱ ቃል ዘወዐኣ እምኀበ ኣብ መጽአ ወተሰብኣ እምድንግል ዘእንበለ ዘርኣ ብእሲ ወኣድኃነነ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ኮንኪ ዓፅቀ ንጹሐ ወሙዳየ አሚን፡ ርትዕት ሃይማንኖቶሙ ለቅዱሳን ኣበዊነ፡ ኦ ንጽሕት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ኅትምት ወለድኪ ለነ ቃለ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ መጽአ ለመድኃኒትነ፡ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አንቲ እሙ ለብርሃን ክብርት ወላዲት እግዚእ እንተ ፆርኪዮ ለቃለ ዘኢይትረአይ፡ እምድኅረ ወለድኪ ኪያሁ ነበርኪ በድንግልና፡ በስብሐት ወበባርኮት ያዐብዩኪ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አይ ልሳን ዘይክል ነቢበ ዘይትነገር በእንቲአኪ ኦ ድንግል ንጽሕት እሙ ለቃለ ኣብ ኮንኪ መንበሮ ለንጉሥ ለዘይፀዉርዎ ኪሩቤል፡ ናስተበፅዐኪ ኦ ቡርክት፡ወንዘክር ስመኪ በኩሉ ትዉልደ ትዉልድ ኦ ርግብ ሠናይት እሙ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ተፈሥሒ ኦ ማርያም እም ወአመት፡ እሰመ ለዘዉስተ ሕፅንኪ ይሰብሕዎ መላእክት ወኪሩቤል ይሰግዳ ሎቱ በፍርሃት፡ ወሱራፌል ዘእንበለ ጽርዓት ይሰፍሑ ክነፈሆሙ ወይበሉ፡ ዝንቱ ዉእቱ ንጉሠ ሰብሐት መጽእ ይሥረይ ኃጢአተ ዓለም በዕበየ ሣህሉ ፡ሰኣሊ ለነ ቅድስት።


14 February 2015

ዉዳሴ ማርያም ዘሰኑይ

ዉዳሴ ማርያም ዘሰኑይ



ዉዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ሰኑይ።

ፈቀደ እግዚእ:ያግዕዞ ለኣዳም ኅዙነ ወትኩዘ ልብ: ወያግብኦ ኅበ ዘትካት መንበሩ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ሠረቀ በሥጋእምድንግል ዘእንበለ ዘርኣ ብእሲ ወኣድኃነነ።
ለሔዋን እንተ ኣስሓተ ከይሲ: ፈትሓ ላዕሌሃ: እግዚኣብሔር እንዘ ይብል: ብዙኃ ወኣበዝኆ ለሕማምኪ ወለፃርኪ፡ ሠምረ ልቡ ኃበ ፍቅረ ሰብእ ወኣግዐዛ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ኢየሱስ ክርስቶስ:ቃል ዘተሰብኣ: ወኃደረ ላዕሌነ: ወርኢነ ስብሓቲሁ ከመ ስብሐተ ኣሐዱ ዋሕድ ለኣቡሁ: ሠምረ ይሣሃለነ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ርእየ ኢሳይያስ ነቢይ: በመንፈሰ ትንቢት ምሥጢሮ ለኣማኑኤል: ወበእንተዝ ጸርሐ እንዘ ይብል ሕፃን ተወልደ ለነ፡ ወልድ ተዉህበ ለነ፡ ሰኣሊ ለን ቅድስት።

ተፈሣሕ ወተኃሠይ:ኦ ዘመደ ዕጓለ እምሕያው እሰመ ኣፍቀሮ እግዚኣብሔር ለዓለም፡ ወመጠወ: ወልዶ ዋሕደ ከመ ይሕየዉ ኩሉ ዘየኣምን ቦቱ እሰከ ለዓለም፡ ፈነወ ለነ መዝራዕቶ ልዑል፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ዘሀሎ ወይሄሉ ዘመጽኣ ወካዕበ ይምጽእ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ዘተሰብኣ እምኔኪ:ዘእንበለ ዉላጤ፡ ኮነ ፍጹም ሰብኣ፡ ኢተባእደ: ወኢተፈልጠ በኩሉ ግብሩ ወልድ ዋሕድ፡ኣላ ኣሓዱ ራእይ፡ ወኣሐዱ ህላዌ ወኣሐዱ በመለኮት: ዘእግዚኣብሔር ቃል፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ተፈሥሒ ኦ ቤተ ልሔም: ሀገሮሙ ለነብያት: እስመ በኃቤኪ ተወልደ ክርስቶስ: ዳግማይ ኣዳም: ከመ ያግብኦ ለኣዳም: ቀዳሚ ብእሲ እምድር ዉስተ ገነት ይሥዐር ፍትሐ ሞት፡ ኦ ኣዳም መሬት ኣንተ ወትገብእ ዉስተ መሬት፡ ኅበ ሀለወት: ብዝኅት ኃጢኣት በህየ ትበዝኅ: ጸጋ እግዚኣብሔር፡ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ትትፌሣሕ ወትትሓሠይ:ኩሉ ነፍስተ ሰብእ፡ ምስለ መላእክት ይሰብሕዎ ለክርስቶስ ንጉስ: ይጸርሑ ወይበሉ: "ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት፡ ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ"፡ እሰመ ሠዐረ ዘትካት :ወነሠተ ምክሮ ለጸላኢ፡ ወሠጠጠ: መጽሐፈ ዕዳሆሙ: ለኣዳም ወለሔዋን፡ ወረሰዮሙ ኣግዐዝያነ ዘተወልደ ለነ በሀገረ ዳዊት: መድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ብርሃን ዘበኣማን: ዘያበርህ ለኩሉ ሰብእ ለእለ ይነብሩ ዉስተ ዓለም፡በእንተ ፍቅረ ሰብእ መጸእከ :ዉስተ ዓለም :ወኩሉ ፍጥረት ተፈሥሐ በምጽኣትከ፡ እስመ ኣድኃንኮ ለኣዳም እምስሕተት፡ ወረሰይካ ለሔዋን ኣግዓዚተ: እምፃዕረ ሞት :ወወሀብከነ መንፈሰ ልደት፡ ባረክናከ: ምስለ መላእቲከ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

13 February 2015

ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታት

ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታት

በስመኣብ ወወልድ
ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ፣ ኣሜን።


ጾም:–ማለት ሰብነትና ካብ ዝደልዮም ነገራት ንዝተወሰነ ጊዜ ብምዕቃብን ነፍስኻ ብምግታእን፤ ዝያዳ ካልእ ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ምቕራብን ፍቓዱ ምፍጻምን እዩ።ሥጋኻ ብምድካም ነፍስኻ ንቃልን ፍቓድን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። ብጾም ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት፡ በረኸት፡ ጸጋ፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ኃይሊ ይርከብ።

ጾመ ኣርብዓ/ዓቢይ ጾም/

 ዓብይ ጾም፦  ዓብይ ጾም መበሊኡ ምኽንያት፣ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝጾሞ ብምኳኑ ኢዩ ፡ ከምኡ ድማ ዲያብሎስ ዝተሳዕረሉ ዕለት ስለ ዝኮነ በዚ ዓብዪ ጾም ይብሃል፣ ''ብድሕሪ'ዚ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ፡ ብዲያብሎስ ኪፍተን፣ ናብ በረኻ ወሰዶ።ኣርበዓ መዓልትን፣ ኣርበዓ ለይትን ጾመ፣ ሽዑ ጠመየ'' ማቴ 4፡1-2።

፰ቱ ሰንበተት በዓቢይ ጾም
★ዘወረደ★

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፣
ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ፣
አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር፣(መዝ ፪፥፲፩)

ትርጉሙ (ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ተገዝእዎ
            ብረዓድ ድማ ተሓጐሱ
             ጐይታ ምእንቲ ከይቍጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ) ማለት`ዩ(መዝ2:11)።

† ካብ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም እታ ቀዳማይቲ  ''ዘወረደ'' ትብሃል። ዘወረደ  ማለት  ''ዝወረደ''/ወረደ/ ማለት እዩ። ምስጢሩ ድማ  ኣምላክ ወዲ  ኣምላክ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድሓን /ንድሕነት ዓለም/ ብቅዱስ  ፍቃዱ  ሰብ ኮይኑ ካብ ሰማየ  ሰማያት ወረደ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም  ሰብ ኮይኑ ተወልደ ማለት ኢዩ።
 /ዮው 3፡13/
 ብተወሳኺ "ቅበላ"ይበሃል፣እዚ ከኣ መእተዊ /መዳለዊ/ ማለት`ዩ።
 ከምኡ`ውን ኣብዚ ቀዳማይ ሰሙን ዘሎ ግዜ
''ጾመ ሕርቃን'' ይበሃል ፣
ከምኡ መበሊኡ ድማ እዚ ዝስዕብ ታሪኽ ንመልከት:– "ሕርቃል" ኣብ 7ይ ክፍለዘመን ዝነበረ ንጉሥ ቢዛንታይ እዩ። ኣብቲ ግዜ`ቲ
ፎቃ ዝብሃል ብርቱዕ ንጉሥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ኢየሩሳሌም ብጭካነ ይገዝኦም ነበረ፣ እቶም ህዝቢ ድማ ምስ ሸገሮም፡ በቲ ግዜ እቲ ንጉሥ ቢዛንታይን ዝነበረ ክርስቲያን ንጉሥ "ሕርቃል" ክሕግዞም ለመንዎ። ንሱ ድማ ክሕግዞም ፍቓዱ እኳ እንተነበረ ሓንቲ ነገር ግና ከበደቶ። ምስቲ ጨካን ንጉሥ ተዋጊኡ ናጻ ከውጽኦም እንተደኣ ኮይኑ፤ ሓዋርያት ሰብ ዝቐተለ ተረፍ መዋእሉ ይጹም ኢሎም ኣዚዞም ስለዝነበሩ፣ ከመይ ገይረ መዋእለይ ክጸውም ይከኣለኒ? በሎም። ንሳቶም ድማ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምድሪ እንተጸንሐ 70 ወይውን 80 እዩ። ንሕና ድማ ተማቒልና ክንጾመልካ ኢና በልዎ፤ በዚ ተተባቢዑ ነቲ ጨካን ንጉስ ስዒሩ ነቶም ምእመናን ሓራ ገበሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሎም ክርስቲያናት 5:5 መዓልቲ ተማቒሎም ክጾምዋ ጀሚሮም። በዚ ድማ ሕርቃል ስለ ናጽነት ኣምልኾተ እግዚአብሔር ዝተሰለፈ ብምዃኑን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ቅቡል ኮይኑ ስለዝተረኽበን ቅድሚ ጾም ከም መዳለዊ መቀራረቢ ተባሂሉ ሰሙን ቅድሚ እቲ ናይ 40 መዓልቲ ናይ ዓቢይ ጾም ክጽወም ሥርዓት ኣብ ዝተሠርዓሉ ስሙ በዚኣ ቀዳመይቲ ጾም ይዝከር ።
ከምኡ`ውን ሙሴኒ ይበሃል:–
ሙሴኒ  ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ምኽንያት ኣብዚ  ስሙን እዚ እታ መጀመርታ ሰኑይ ''ከመዝ ይቤ ሙሴኒ  ፀዓቱ እምትእይንት'' ትርጉሙ ድማ ሙሴ ካብ ከተማ ምውጽኡ ከምዚ እዩ በለ: ማለት እዩ።
ከምኡ ‘'ሙሴኒ ይቤ በውስተ ኦሪት ምድር ሰናይት'' እናበለ ታሪኽ ሊቀ ነብያት ሙሴ ስለዝትንኽፍ እዚ ስሙን እዚ ሙሴኒ ተማሂሉ'ውን ይፍለጥ እዩ።
ብተወሳኪውን ከም ሙሴ ዝኣምሰሉ ነቢያት ኣርበዓ መዓልታት ጾይሞም ድኅሪ  ምሕላፎም ሕጊ ሙሴን ሕጊ  ነቢያትን ዝፈጸመ ጐይታ ክምቶም ዝቐደሙ ነቢያት ኣርበዓ 40  / መዓልትን ኣርበዓ 40 / ለይትን ምጻሙ  ዘዘክር እዩ።
ዘጻ 24፡18/ 1ይ ነገ 19፡8/ ማቴ 4፡1-4/
                                                                                                                       
   ★ቅድስት★

እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፣
አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ፣
ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ፣ (መዝ ፺፭፥፭)
ትርጉሙ፣
እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገበረ።
ምስጋናን ጽባቐን ኣብ ቅድሚኡ፡
ቅድስናን ግርማን ኣብ መቕደሱ እዩ፡(96:5)።

†ካልኣይቲ ሰንበት ''ቅድስት'' ትበሃል፣

‘’ቅዱስ’’ ማለት ፍሉይ ክቡር ማለት አዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ብብህሪኡ ክቡር አዩ። ብባህሪኡ ቅዱስ ስለ ዝኮነ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ’’ አናተባህለ ይምስገን። (1ይ ሳሙ. 2፣2-3 ኢሳ 6፣1-3 ራአ 15፣4) ንሕና ድማ ከም ዝመሃረና ኣብ ናይ ምዓልታዊ ጽሎትና ‘’ ስምካ ይቀደስ’’ ንብሎ።

ቅዱስ እግዚአብሔር ነቶም ብመልክዑ ብምስሉን ኣኽቢሩ ዝፈጠሮም ደቂ ሰባት ቅዱሳን ክኾኑ ይደሊ። (1 ጴጥ. 1፣15-16)

ብርሃን ምስ ጸልማት፣ ጽድቂ ምስ ሓጢኣት ህብረት ስለዘይብሉ ምስኡ ንዘለዓለም  ብቅድስና ንክንነብር፣ ብቅድስና ምንባር ይግብኣና።
 /1ይ ተሰ 4፣7

ተፍጥሮናን መጸዋዕታናን ብቅድስና ክነብር ምኻኑ አንዝክረሉን፣ ናብራ ቅድስና ብከመይ ክሰርሕ ይኽእል ኢልና ርአስና ንሓተሉ ሰሙን ድማ አዩ።

★ምኵራብ★

እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ፣
ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ
ወድቀ ላዕሌየ፣
 ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ፣ (መዝ ፷፰፥፰)
ትርጉሙ፣ ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡
 ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡(69:8)
 †ሳልሳይ ሰንበት ምኵራብ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ምኵራብ ማለት፦ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ማለት ኢዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከት ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ማለት /ምኵራብ/ እንዳ ከደ የስተምህርን ብዙሓት ሕሙማትን፣ ልሙሳትን፣ ለምጻማትን፣ የንጽሕን ይጽግንን፡ ከም ዝነበረ።
ንኣብነት፦/ሉቃ4፡16/ ''ብመዓልቲ ሰንበት ኸኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ``ቤት ጸሎት`` ኣይሁድ ኣተወ፣''
/ማቴ9፡35-36/ <<ኢየሱስ ከኣ ኣብ ''ቤት ጸሎት ኣይሁድ'' እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፣ ዅሉ ሕማምን፣ኣብ ሕዝቢ ዝነበረ ድነሳን እና ኣሕወየ፣ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ>>
/ማቴ4፡23/ ''ኢየሱስ ድማ ኣብ ኩላ ገሊላ፣ ''ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ'' እንዳ መሃረ፣ ብስራት መንግስተ እግዚኣብሔር እንሰበኸ፡ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ሕማም እናኣሕወየ  ይዘውር ነበረ'' ይብለና።

 ኣብዛ ዕለተ ምኵራብ ''ወረከበ በምኵራበ እለ ይሰይጡ ወይሳየጡ፣ ኣልሕምተ፣ ወኣባግዓ፣ ወኣርጋበ ወመወልጣነ እንዘ ይነብሩ'' ትርጉሙ (ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ጸሎት/ምኵራብ'/ ኣብ ዝከደሉ ግዜ ኣብዑርን፡ ኣባጊዕን፣  ርግቢትን ዚሸጡ፣መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ ማለት እዩ)።

ኣብ ቤተ ጸሎት እዚ ክገብሩ ምስ ጸንሕዎ ጐይታ ጩጉራፍ  ኣልዒሉ ካብ ቤት መቅደስ ኣባረሮም /ወግፍተዐ መአዳቲሆሙ ለመወልጣን/ ናይቶም ሸያጦ ንብረትን ገንዘብን ድማ ፋሕ  ኣበለሎም፣  እዚ መግበሪኡ ድማ ቤተ እግዚኣብሔር ቤተ ጸሎትን ኣምልኾትን  እምበር  ቤተ ሸቀጥ ከም ዘይ ኮነት ክነግርን ከስትምህርን ስለ ዝደለ እዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምክንያት ከምዚ ምግበሪኡ ክነግሮም እንከሎ ከምዚ`ዩ ዝበሎም ''ቤትየሰ ቤተ ጸሎት  ትሰመይ ኣንትሙሰ ረሰይኩምዋ በዓተ ፈያት ወሰረቕርት''  ቤተይ ቤተ ጸሎት ክትስመ እያ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ንስኩም ግን በዓቲ ሰረቕትን ሸፋቱን ገበርኩምዋ በሎም።
/ዮው2፡13-18/ /ት፣ኢሳ 56፡7/
               

★መጻጕዕ★

እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ  ሕማሙ፣ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፣
 አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፣ (መዝ ፵፥፫-፬)
ትርጉሙ፣
ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚአብሔር ይድግፎ።
  ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።
 ንነፍሰይ ኣሕውያ በልኩ። (መዝ41:3–4)

†ራብዐይቲ ሰንበት መጻጕዕ ተባሂላ  ትጽዋዕ።
እዛ ሰንበት እዚኣ መጻጕዕ ዝተበህለትሉ ምኽንያት፡ /ዮው 5፡1-10/
“ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ  (ቤት - ሳይዳ)  ዚብሃል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሠላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ተንሥእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት።’’

 ★ደብረ ዘይት★

†ሓሙሸይቲ ሰንበት ''ደብረ ዘይት'' ትብሃል።


እዛ ዕለቲ እዚኣ ''ደብረ ዘይት'' ዝተባህለትሉ  ቀንዲ ምክንያት ናብ ቤተ ክርስትያና
ቅዱስ  ያሬድ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ” ጐይታናን  ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ ምጽኣት ከምዝቀረበ ምልክቱ ካብ በለስ ተምሃሩ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።

ደብረ ዘይት ብገረብ ናይ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ኮይኑ፤ ንምድያቡ ኣሸጋሪ ምስ ደየብካዮ ግን ንኽትወረድ ዘየተባብዕ ጥዑም ኣየር ተስተንፍሰሉ ናይ ዕረፍቲ ቦታ እዩ።

ደብረ ዘይት ትርጉሙ "ደብር" ማለት እምባ ክኸውን ከሎ "ዘይት" ድማ ካብ ኣውሊዕ ዘይቲ ስለ ዝርከብ ናይ ዘይቲ እምባ ማለት እዩ። እዚ ቦታ እዚ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስጋዌነቱ ከየጥፈአ ነቶም ናይ ምሥጢር ሓዋርያት መሎኮትነቱ ዝገለጸሉ ቦታ እዩ።
ማቴ 24:3


★ገብር ኄር★

ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ
ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ
ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ (መዝ ፴፱፥፰)


  ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡
  ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፡
ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ (መዝ 40፥8)

 †ሻድሻይቲ ሰንበት ''ገብር ኄር'' ትብሃል።
“እስመ አንተ ትፈድዮ ለኵሉ በከመ ምግባሩ/ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ/ መዝ 62፡12 ከምዝበሎ ጎይታ ምስ መጸ ንኹልና ከምስራሕናን ከም ግብርናን ከምዝኸፍለናን ከም ዝህበናን እንሓስበሉን እንዝክረሉን ሰሙን እዩ።

 ማቴ 25፣14-30 “ ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ነቲ ሓደ ሓሙሽተ መክሊት ነቲ ሐደ ክልተ ነቲ ሐደ ከኣ ሓደ መክሊት ክነግደሉ ሂብዎም ገሸ’ሞ ድሕሪ ነዊሕ መዓልቲ መጺኡ ምስቶም ኣገልገልቱ ክጻባጸብ ጀመረ እናበለ ይቅጽል።


 ★ኒቆዲሞስ★
ሐወጽከኒ ሌሊት ወፈተንኮ ለልብየ
አመከርከኒ ወኢተረክበ አመጻ በላዕሌየ
ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እምሕያው። (መዝ ፲፮፥፫)
ትርጉሙ ፣
ንልበይ ፈተንካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካኒ፡
 መርሚርካስ ገለ እኳ ኣይረኽብካለይን፡
ስራሕ ሰባት ኣፈይ ከይዛረብ ፈቓደይ እዩ።(መዝ 17፥3)

†ሻውዓይቲ ሰንበት ኒቆዲሞስ ትበሃል።

 ''ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ፡፡''
ትርጉሙ፣ ስሙ ኒቆዲሞስ  ዝተባህለ ሰብ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ከደ፡ ኦ መምህር ከተስተምህር ኢልካ ካብ እግዚአብሔር አብ ከም ዝመጻእካ ንኣምን ኢና።'' ኢሉ።

ሓደ ካብ  ፈሪሳዊያን ኒቆዲሞስ  ዝስሙ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፦መምህር! ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፣ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኰንካ ኻብ ኣምላኽ ከምዝ መጻእካ ንፈልጥ ኢና በሎ።

  <ወይቤሎ ኣማን ኣማን እብለከ ሰብእ ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግስተ እግዚኣብሔር> ‘’ብሓቂ ብሓቂ እብለካ  ኣለኩ ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተዘይ ተወሊዱ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ’’ ዮው፫፡፭/3፡5/


★ሆሳዕና★
እምአፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሐተ፣
በእንተ ጸላኢ፣
ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ ፣
/መዝ ፰:፫/
ትርጉሙ
 ካብ ኣፈ ቈልዑን ዝጠብዉን ምስጋና ኣዳሎኻ፣
ምእንቲ ጸላእትኻ ፣
 ጸላእትን ሕነ ፈዳይን ከተጥፍኦም ፣ /መዝ8:3/

† ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ትበሃል ።
ሆሳዕና ማለት "ሕጂ ኣድሕን" ማለት አዩ። ጐይታናን መድሓናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤተ ፋጌ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ዝኣተወሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
ማቴ 21፡1
 ማር 11፥1-10
ሉቃ 19፥29-38
 
 ተፈጸመ ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታቲሁ፣ ወስብሓት ለእግዚአብሔር ኣሜን።


01 February 2015

ትርጉም ጸሎተ ሃይማኖት



በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ጸሎተ ሃይማኖት ጸሎት ብዝብል ስያመ እትፍለጥ ብትኅዝቶ ኮነ ብምሥጢር ኣዝያ ዓባይን ሓንቲ ካብተን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዕለታዊ ጸሎትና ከም መቕድም(መእተዊ) ናይ ኵሉ ዓይነት ጸሎት እንደግመን እያ፣ጸሎተ ሃይማኖት ማለት ናይ ሃይማኖት ጸሎት(መግለጺ መሠረተ እምነት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ)
ሃይማኖት እያ።

ሠረታዊ ትምህርቲ ሃይማኖትና ኣብተን ብኃሙሽተ (5) ኣዕኑድ ዚምሰላ 5-አዕማደ ምሥጢር
(ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ፣ ምሥጢረ ቍርባን፣ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን)
እዩ ዚንገር። ኵሉ ዓይነት ትምህርትን ነገረ ሃይማኖትን ድማ ኣብ ውሽጠን ዚጠቓለልን ከም ጨንፈር ኣብ ጕንዲ ምስአን ዚተኣሳሰርን ብእአን ዝሕዘልን ብምዃኑ እዘን 5-አዕማደ ምሥጢር መምዘኒ ናይ ኵሉ ትምህርቲታት ኢየን። ጸሎተ ሃይማኖት እምበኣር ነዘን 5-አዕማደ ምሥጢር ብገላጽን ሕጽር ብዝበለን፣ ብመልክዕ ጸሎት ኣብ ውሽጣ ሓቚፋ መሠረተ እምነትናን ነገረ ሃይማኖትናን ስለ እተዘኻኽረና እያ ዓባይ ናይ ሃይማኖት መግለጺ ጸሎት ዝተባህለት። ጸሎት ጥራይ ዘይኮነት ዓሚቝ ምሥጢርን ሰፊሕ ትምህርትን ዝኃዘት ውን እያ፣ናብ ዕምቈት ምሥጢራን ትሕዝቶኣን ምስ እንመጽእ ኣብ 5-ክፍሊ ከፋፊልካ ምምልካት ይከኣል። እዚ ኸኣ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት "ነአምን" እናበሉ ቅዱሳን ኣቦታትና ክፍሊ ጌረሙሉ ከምዘለዉ ኣብዛ "ነአምን" እትብል ቃል መሠረት ብምግባር እዩ።
1."ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኵሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ " ዝብል ናይ መጀመርታ ክፍሊ:
†ብዛዕባ ካብ 3-ሥላሴ ሓደ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦ ህላዌን እንታይነትን ደረጅኡ ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ዚገልጽ'ዩ።
2."ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም….." ዝብል ካልኣይ ክፍሊ ከኣ
†ብዛዕባ ካብ 3-ሥላሴ ሓደ ዝኾነ እግዚአብሔር ወልድ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ህላዌን እንታይነትን፣ ማዕርነቱ ምስ ኣቦን ንድኅነት ደቂ አዳም ኪብል ዘርኣዮ ተኣዛዝነትን ዝተቐበሎ ፀዋተወ-መከራን ዚገልጽ ነቲ ሰፊሕ ትምህርተ ሥጋዌ ጸሚቑ ዘዘኻኽር ክፍሊ'ዩ።
3."ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረፀ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ…." ዝብል ሣልሳይ ክፍሊ ከኣ
†ብዛዕባ ህላዌን እንታይነትን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ዚገልጽ ኮይኑ ማዕርነቱ ምስ አብን ወልድን። ሕይወቶም ምዃኑን ሕፀፅ ከምዘይብሉ ዘረድእ ክፍሊ'ዩ።
4. "ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት…" ዝብል ራብዓይ ክፍሊ ከኣ
†ኣቦታትና ሓዋርያት ብዝሰበኽዋን ብጉባኤታቶም ብዝደንገግዋን ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነአምን ብምባል ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና በተን 7-ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን ተመሪሕና ኵሉ ሥርዓት ቤተክርስቲያን ክንፍጽም ከምዘሎና ዘዘኻኽር ክፍሊ'ዩ።
5. "ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን….." ዝብል ኃሙሻይን ናይ መወዳእታን ክፍሊ
†ነገረ ድኅነትናን ተስፋ ጽድቅናን ብምሥጢረ ጥምቀት ጀሚሩ ብምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን ዚፍጸም ስለዝኾነ፣ ካብ ጥምቀት ክሳዕ ትንሣኤ ኣብ ሃይማኖት ተሠሪትና፣ ብፍቕሪ ተሓኒፅና፣ ተስፋ ሰኒቕና፣ ብጽንዓትን ብትዕግሥትን ብእምነት ክሳዕ መወዳእታ ክንጐዓዝ ከምዘሎና ዚምዕድ ክፍሊ'ዩ: 1ይቆሮ 13፣13,ማቴ 24፣13

ጸሎተ ሃይማኖት መዓስን ኣበይን ብመንን ተደርሰ?
†ጸሎተ ሃይማኖት ብ325 ዓ.ም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብ318 ርቱዓነ ሃይማኖት ኣቦታት ከም ዝተድርሰ እዩ ታሪኽ ቤተክርስቲያንና ዚሕብረና። እንተኾነ "…ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ…" ካብ ዝብል ክሳዕ "….ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ።" ዚብል ጥራይ እዩ ዝነበረ። እቲ ዚቕጽል ክፍሊ ማለት "ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ ….." ካብ ዚብል ንደኃር ዘሎ ግና ኣብቲ ዝቐጸለ ካልኣይ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ማለት ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ብ381 ዓ.ም ብ150 ኤጲስቆጶሳት ከምዝተመልአ ታሪኽ ይውስኽ። ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ኣብ ትንታነ ምስ እንኣቱ፣
1) ጉባኤ ኒቅያ 325 ዓ.ም፣ እዚ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን እቲ ናይ መጀመርታ (ቀዳማይ) ጉባኤ እዩ። እዚ ኪበሃል ከሎ ግና ምስቲ ብተመሳሳሊ ስም ቀዳማይ ጉባኤ ሐዋርያት እናተባህለ ዚንገር፣ ብምኽንያት ካብ ወገን አሕዛብ ክርስትና ዝተቐበሉ ወገናት ብኸመይ ንኃዞም፧ ዝብልን ኣብ ሞንጎ ካብ ወገን ኣይሁድን ወገን አሕዛብ ዝመጽኡ ኣባላት ቤተክርስቲያን ዝተላዕለ ምፍልላይ ንምዕራፍ ሐዋርያት ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘቃንዕዎ ጉባኤ ከደናግረና የብሉን። ብርግጽ ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ኣብ ኢየሩሳሌም፣ ብጊዜ ዝቐደመ'ኳ እንተኾነ ምኽንያት መጋቢኢኦም ናይ ምኅደራ፣ ርድኢት ድኅረባይታ፣ ሜላ- ስብከትን ጕስነትን ዘጠቓልል ውሽጣዊ ጸገማት ብምንባሩ እምበር ናይ ክሕደት መናፍቕነት ኣብ ነገረ ሃይማኖት ዘይምዃኑ በቲ ሓደ ልዕሊዅሉ ኸኣ ገና ቤተክርስቲያን ካብ ስደትን መከራን ግፍዕን ከየዕረፈት ምሉእ ናጽነትን ርግኣትን ከይረኸበት ከላ ዝተቓንዐ ብምዃኑ ከም ዓለም-ለኻዊ ጉባኤ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ኣይተመዝገበን።
ጀማሪ ጉባኤ ምዃኑ ግና ቤተክርስቲያን'ውን ነቶም ካልኦት ጉባኤታት መበገሲ ዝገበረቶ ብምዃኑ ዚከሓድ ኣይኮነን። ጉባኤ ኒቅያ እምበኣር ቤተክርስቲያን ኵሉ እቲ ዝበጽሓ ስደትን መከራን ብዘመነ ሐዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ 70 ዓ.ም. ብመስጋገሪ ዘመን 70-160 ዓ.ም. ኃሊፉ፥ ብዘመነ ሰማዕታት (160-313 ዓ.ም.) ምስ ተፈጸመ፥ ኵሎም እቶም ዓላውያን ገፋዕቲ ነገሥታት ከም በዓል ኔሮን ቄሣር፣ መክስምያኖስን፣ ዲዮቅልጥያኖስን ኃሊፎም ብንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ወዲ ቅድስት እሌኒ ኣቢላ ምሉእ ናጽነትን ሰላምን ርግኣትን ረኺባ፥ ብናይ ባዕላ ሕግን ሥርዓትን እናተመርሐት ቤተክርስቲያና ሠሪሓ ናጻ ዝኾነ ስብከት ክትሰብኽ ካብ እትጅምር ዘካየደቶ ናይ መጀመርታ ዓለም-ለኻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ምዃኑ'ዩ።
ካብ መላእ ዓለም ብዝተዋጽኡ ኣመንቲ ዝተቓንዐ ንኹለን ሊቃነ-መናብርት ዘሳተፈ ንመናፍቓን'ውን ከይተረፈ ናጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ከፍስሱ። ትምህርቶም ኬስምዑ ምሉእ ዕድል(መሰል) ዝሃበ (ብናይ ዘመንና ኣጋላልጻ free press/ነጻ ፕረስን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ) ዓቢይ ፈላሚ ጉባኤ ብምዃኑ'ዩ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከም ቀዳማይ ጉባኤ ተደንጊጉ እንረኽቦ። ንጉባኤ ኒቅያ ምኽንያት ዝኾነ ክሕደት(መናፍቕነት) ናይ ኣርዮስ እዩ ነይሩ። ኣርዮስ ናይ መንፈሳዊ ኣቦኡ(መምህሩ) ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜ ሰማዕት ትምህርትን እምነትን ኃዲጉ ናይቲ ቀዳማይ መናፍቕ ምዃኑ ዚንገረሉ ናይ ጳውሎስ ሳምሳጢ ትምህርቲ ኣራቒቑ ብኣዋጅ ኣፉ መሊኡ ኪሰብከሉ ምስ ጀመረ'ያ ቤተክርስቲያን ጉዳዩ ብጉባኤ ኪርአ ዝወሰነት፣ናይ ኣርዮስ ክሕደት "ወልድሰ ፍጡር በመለኮቱ" ዝብል ኮይኑ ንምሥጢረ ሥላሴን ምሥጢረ ሥጋዌን ዘዘናብል ትምህርቲ'ዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ካብ ምሉእ ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት ዝተኃርዩ 2340 ዝኾኑ ኤጲስቆጶሳት ካብ 21-ሚያዝያ ክሳዕ 21-መስከረም (ብዙኃን ማርያም) ኣብ ኒቅያ ብትእዛዝ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ተኣኻኸቡ። ካብዚኣቶም 318 ሊቃውንት "ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፣ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ" ብምዃን ሓሳቦም ሓደ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ንጉዳይ ኣርዮስ ኪምርምሩ ተገብረ።
ቅድሚ ጉባኤ ምጅማሮም ካብ 21-መስከረም ክሳብ 9-ሕዳር፣ 7-ሱባኤ (7*7=49 መዓልታት) ሱባኤ ኣተዉ። ብ9 ኅዳር 325 ዓ.ም.ግእዝ ድማ ጉባኤ ተጀመረ። ኣርዮስ ሓሳቡን ትምህርቱን ኪገልጽ ነጻ መድረኽ ተዋህቦ፣ "ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ አብ ከመ እኩን መቅድመ ኵሉ ተግባሩ፣" ምሳ. 8፣22 ንዝብል ጥቕሲ ነጸላ ትርጉም ብምጥቃምን ትሕቲኡ ዘሎ ቅዱስ ጽሑፍ ብዘይምግንዛብን፣ምሳ 8፣23-ፍጻ ጥበብ ዝተባህለ ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳማይ ፍጥረት ናይ እግዚአብሔር አብ እዩ። ንኻልኦት ፍጥረታት ኣብ ምፍጣር ግና ልኡኽ ኮይኑ ሓጊዝዎ'ዩ።" ብምባል ናይ ክሕደት ትምህርቱ ኣስምዐ። እቶም 318 ሊቃውንት ድማ ብኣቦ-መንበርነት እለእስክንድሮስን (ሊቀጳጳስ ዘእስክንድርያ መንበረ ማርቆስ) ኣፈ ጉባኤ ድማ ኣብቲ ግዜቲ ሊቀ-ዲያቆናት ድሒሩ ድማ መበል 20 ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ :ቅዱስ ኣትናቴዎስን ንኣርዮስ ተኻራኺሮም ረትዕዎ። እንተኾነ ካብ ክሕደቱ ኪምለስ እኳ እንተለመንዎ ኣይምለስን ብምባል ስለዘቕበጸ ንእኡ ብውግዘት ፈልዮም ከምውፅኢት ናይቲ ጉባኤ ነተን ቀዳሞት 7- ዓንቀጻት ናይ ጸሎተ ሃይማኖት ኣርቀቑ። እዚ ኸኣ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ
†"ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ…."ካብ ዝብል ክሳዕ "ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ፣" ዝብል ክፍሊ ምዃኑ'ዩ። ብተወሳኺ'ውን 318 ሊቃውንት ርቱዓነ ሃይማኖት ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ጸሎተ ሃይማኖት ንምእመናን ከም ዘርቀቑ፣ ግሩም ቅዳሴ ንኻህናት፣ ሕንፃ መነኮሳት ንመነኮሳት ዚርከቦ ድርሰታትን መጻሕፍትን ካልኦት ሥርዓተ-ቀኖናን ሠሪዖም እዮም።
2) ጉባኤ ቍስጥንጥንያ 381 ዓ.ም.ግእዝ እዚ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ናይ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ምኽንያት ናይ'ዚ ጉባኤ'ዚ ናይ መቅደንዮስ ግጉይ ትምህርቲ እዩ ነይሩ፣ መቅደንዮስ መንፈቀ ኣርዮስ ኮይኑ "መንፈስ ቅዱስ ሕፁፅ እዩ። ማለት ምስ አብን ወልድን ማዕረ ኣይኮነን።"ዝብል ሕጂ'ውን ንምሥጢረ ሥላሴ ዝትንክፍ ናይ ክሕደት ትምህርቲ እዩ ኣቐልቂሉ። በዚ ምኽንያት ድማ ሕጂ'ውን 150 ኤጲስቆጶሳት ካብ ኣርባዕቲአን ሊቃነ መናብርት፣ (መንበረ ያዕቆብ ዘኢየሩሳሌም፣ መንበረ ጴጥሮስ ዘሮም፣ መንበረ ዮሐንስ ዘኣንጾኪያ፣ መንበረ ማርቆስ ዘእስክንድርያ) ተጋቢኦም ብባሕቲ የካቲት ንጉዳዩ ብጉባኤ ተመልከትዎ። ንመቅደንዮስ ረቲዖም ብውግዘት ድኅሪ ምፍላይ ድማ ማዕርነት እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ምስ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን ብምርግጋጽ "ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ….." ንዝብል ዓንቀጽ ኣብ ርእስ'ቲ ዝነበረ 318 ሊቃውንት ዘስፈርዎ ድርሰት ጸሎተ ሃይማኖት ወሰኹ። ከምኡ'ውን ንብድኅሪ ሕጂ ካብ ዚመጽእ መናፍቕነት ንምጥንቃቕ ተወሰኽቲ 4-ዓንቀጻት ብምርቃቕ ብጠቕላላ ኣብዚ ጉባኤ'ዚ 5-ዓንቀጻት ኣርቂቖም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንዝተጀመረት ጸሎተ ሃይማኖት ናይ መወዳእታ መልክዓ ብምትኃዝ ብ"ለዓለመ ዓለም" ዛዘምዋ።
†ስለዚ ጸሎተ ሃይማኖት እምበኣር ብኸምዚ ዝበለ ሰፊሕ ታሪኽ፣ ሱታፌ ናይ ብዙኃን ሊቃውንት፣ ዓሚቝ` ምውካስ ትርጓሜ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኃያል ክትዕን ልዕሊ ዅሉ ከኣ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ሥምረት(ኅብረት) ጐይታን 1ይ ጴጥ.1፣20, ማቴ.18፣20 ዝተረኽበት ውፅኢት ናይዘን ክልተ ቀዳሞት ጉባኤታት እያ። ስለዚ እያ ድማ ዓሚቝ ምሥጢር ብምኃዝ መግለጺ ሃይማኖት ክርስትና ክትከውን ዝበቕዐት። ጸሎተ ሃይማኖት ኣብ ውሽጣ 12-ዓንቀጻት ዚኃዘት እያ።

 ተፈጸመ ስርአዓት ዘጸሎተ ሃይማኖት በስብሓተ እግዚአብሔር፣

እግዚአብሔር ንኩሉ ህዝበ ክርስቲያን ሰላም ይሃብ፣
አሜን።
Brhane february2015

27 January 2015

ኣስተርእዮ ጥሪ/ዕረፍታ ለማርያም/

ጊዜ ዕረፍታ ለማርያም :ጊዜ(3)ዕረፍታ ለማርያም/2/፣
ወረደ ወልድ:ዲበ እምዲበ ልዕልና ወረደ/2/፣
ኣስተርእዮ ዝብል ስያሜ ካብቲ ኣስተርኣየ ዝብል ቃል ዝመንጨወ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ገለጸ ማለት ኢዩ፣
† ካብ ልደት /29 ታኅሳስ/ ክሳብ መእተዊ ዓቢይ ጾም ዘሎ እዋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘመነ አስተርእዮ (ዘመን ምግላጽ) ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን እዚ 
† ኣምላኽ ብሥጋ ዝተገልጸሉን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ዝተወልደሉን ንዓለም ዝተጋህደሉን=ልደቱ፣
† ብትሕትና ክብሩ ዝገለጸሉን ሓድነት ሠለስትነት ሥላሴ ዝተጋህደሉን=ጥምቀቱ፣ እናዘከርና ኣብዚ ምድሪ ብጸቢብ ደረት ብሓጺር ቁመት ተወሲኑ ንዝተመላለሰሉን፡ ብትምህርቱን ተኣምራቱን ንደቂ ሰባት ዝመሃረሉን ዘርኣየሉን፡ መንነቱ ድማ ዘግሃደሉን መንክር ግብርታቱ ስለእንዝክር ኣስተርእዮ ንብሎ። ቅዱስ ዳዊትን ነዚ ምግላጽ ኣቐዲሙ ብትንቢቱ ክገልጽ ከሎ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ” ኢሉ ነይሩ መዝ. ፻፲፯፥፳፯። 
እምበኣር ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ታሪኽ ካብ ልደታ ክሳብ ዕረፍታ ከምዚ ዚስዕብ ኢዩ።
† ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ እዚ 3 ዓመት ኣብ ቤት ኣቦኣን ኣዴኣን ድኅሪ ምጽናሓ ጓል መብጽዓ ስለዝኾነት ናብ ቤተ መቕደስ ወሰድዋ፡ ኣብ ቤት መቅደስ ድማ 12 ዓመት ብቅድስና ጸንሐት። 
ኣብ መበል 15 ዓመታ ቅዱስ ገብርኤል ኣበሰራ “መሬት ብዘይ ዘርኢ፡ ሰበይቲ ከኣ ብዘይ ሰብኣይ ” ከመይ ኢሉ ይኸውን ምስ በለቶ “ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን” ዝብል ምላሽ ምርካባ ድማ “ከም ቃልካ ይኹነኒ” ኢላ ምቕባላን ኣምላኽ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ድማ ነፍሲ ወሲዱ ኣብ ማኅጸና ናይ ዕለት ጽንሲ ኮይኑ ተጸንሰ።
በዚ ምኽንያት ድማ ተዋሃሃደ/ተዋህዶ/ዝብል ቃል እምበኣር ካብዚ ይብገስ። ንማኅጸና ከተማ ገይሩ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ጸኒሑ ድኅሪ ምውላዱ ድማ ንጐይታ ከም ቆልዓ እናኣጥበወት፡ እናሓቈፈት፡ እናሓዘለት ኣዕብያቶ። ብሓፈሻ 33ዓመትን 3 ወርሕን ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከይተፈልየት ካብ ልደት ኣብ ቤተ ልሔም ክሳብ ስቕለት ኣብ ቀራንዮ ከርተት ኢላ እያ። 
ብዘይካ እዚ'ውን ድኅሪ ዕርገት ጐይታ 15 ዓመት እቲ ብዕለተ ዓርቢ ብዝረኣየቶ ስቕለቱ ሓዘና ካብ ልባ ከይወጸ ክትሓዝን ክትትክዝ 15 ዓመት ኣብ ቤት ዮሓንስ ወልደ ዘብዴዎስ/ወልደነጎድጓድ/ፍቁረ እግዚእ/ ተቐሚጣ እያ።  ብኸምዚ መገዲ ኣብዚ ዓለም 63 ዓመት ድኅሪ ምንባራ ኣብ መበል 64 ዓመታ ብ 21 ጥሪ ካብዚ ሓላፊ ዝኾነ ዓለም ብ48 ዓ.ም.  ናብ’ቲ ዘይሓልፍ ሰመያዊ ጸጋ ዚበዝሖ ዘይሓልፍ መንግስተ ጽድቒ  ናብ ወዳ ዚከደትሉ እዩ ።ኣዴና ቕድስት ድንግል ማርያም  ኣብ’ዚ ዓለም እዚ ን64 ዓመታት እያ ብሕይወት ጸኒሓ  በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዕለት ውን ዓረፈት ናይ ስጋ ሞት ሞተት::
ከምቲ “ ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ፥ 
ሞታ ለድንግል ይአጽብ ለኩሉ” ዝተባህለ፣ እዚ ድማ ኣዴና ቕድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ እትኣክል  ነቲ ሰማይን ምድርን ዚፈጠረ  ኣምላኽ ዚወለደት ክንሳ ግና ሞት ሞተት፣ምስ ሞተት ሓዋርያት ክቀብርዋ ኢሎም ተሰኪሞማ እናኸዱ እንከለዉ ኣይሁድ መጽዮም ተቓወምዎም ንሱ ከኣ ፥ ትማሊ ትማሊ /ቅድሚ ቅሩብ ዘመናት/ወዳ ( ኢየሱስ ክርስቶስ ) ተንሲኡ ኢሎም ሰቢኾምን  ምሂሮምን ስምናን ግብርናን ኣኽፊኦምና እዮም እሞ ሕጂ እውን  ንሳ ከኣ ተንሲኣ እናበሉ ክምህሩ እዮም እሞ ንሬስኣ ነሕድጎም እሞ ነቓጽሎ ብምባል ክፋእ ብምሕሳብ ነቲ ነገር ንምፍጻም ከኣ ንሓደ ታውፍንያ ዝተባህለ ጎበዝ ሰዲዶም ንሬሳ እግዚእትነ ድንግል ማርያም ንኸምጽእ ለኣኽዎ ፥ ንሱ ድማ ከምቲ ልኡኹን ከምቲ ጉብዝንኡ ዝተኣማመኖ ብሓይሊ ሬሳ እግዚእትነ ድንግል ወላዲት ኣምላኽ ምእንቲ ኪወሲድ (ኪግምጥል) ኢሉ ነቲ ዓራት ናይ እግዚእትነ  ዝነበረቶ ብየኣዳዉ ሓዞ እሞ ፥ ካብኡ መልኣኽ እግዚኣብሔር  መጽዩ የእዳዉ ብሴፍ ቖረጾ (ቐዘፎ ) ፥ ካብኡ ኣቲ መንእሰይ በቲ ዘጋጠሞ ነገር ሰንበደን ናብ ሓዋርያት እናለመነ ብዙሕ በኸየን ሽዑ ቕዱስ ጴጥሮስ ንእግዚእትነ ድንግል ማርያም ኢኻ ዝደፈርካ እሞ ንዓኣ ለምና እሞ ክትምልሰልካ እያ (ከተሕውየካ እያ በሎ )ከምኡ ድማ ገበረ፥
 ብቕጽበት ድማ የእዳዉ ከምተን ዚነበርአን ተመልሳ /ተዓረያ/ ፥ካብኡ  ጐይታናን መድሓኒናን ባዕሉ ንሬሳ እግዚእትነ ድንግል ማርያም  ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደነጎድጓድ ጌይሩ ናብ ዕጸ ገነት ወሰዶም ኣብኡ ድማ ን6 ወርሒን 3 ሰሙንን ዝኣኽል ተቐመጡ ።
ብድሕሪኡ ድማ ብ14 ነሓሰ ንኽቐብርዋ ንሓዋርያት ሃቦም ብ14 ነሓሰ ድማ ቐበርዋ ድሕሪ 2 መዓልቲ ማለት ብ16 ነሓሰ ከኣ ኣዴና  ናብ ሰማይ ዓረገት ፥ እዚ ከኣ  ብቕድስት ቤተክርስቲያንና  ፍልሰታ  ይበሃል።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ወላዲት አምላክ ምስ ኩሉ ህዝበ ክርስትያን ይኹን።ኣሜን።
 Brhane january2015



16 January 2015

ርሑስ በዓል ጥምቀት 2015 ዓ/ም

መኑ ይወርድ ውስተ ቀላይ:ውስተ ቀላይ ክርስቶስ ውእቱ/2/
፩ዱ እሙንቱ ፫ቲሆሙ ፩ዱ ውእቱ።/2/

ሽዑ ጐይታ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ/ማቴ.3፡13-17/

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መምህር ትሕትና ስለ ዝኾነ ትሕትና ኽምህር: ፈጣሪ ኽነሱ ብፍጡሩ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ ኮነ ትምህርትን ስብከትን ቅድሚ ምጅማሩ ክጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ከምዚ’ሉ ናብ ዮርዳኖስ ምምጽኡ ትንቢት ንምፍጻም፡ ትሕትና ንምርኣይ፡ ማያት ንምቕዳስ፡ መርገም ንምድምሳስ ኢዩ።ከምዚ ኢሉ ጐይታ ክጥመቕ ከሎ ሰማይ ተኸፊቱ፡ 
መንፈስ ቅዱስ በምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ዓለበ፡ እነሆ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ” ዝብል ድምጺ ድማ ተሰምዐ። እዚ ኸኣ ሰማይ ተኸፍተ ዝተባህለ ሰማይ ዝኽፈትን ዝዕጾን ኮይኑ ዘይኮነስ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምሥጢር ተራእየ። እቲ ዝተራእየ ምሥጢራት ከኣ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ በምሳል ርግቢ ኣብ ርእሱ ክዓልብ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ካብ ሰማይ ድምጺ ከስምዕ፡ ንሱ ንባዕሉ ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ባሕሪ ደው ኢሉ ክጥመቕ፡ ኣምላኽነቱ ሠለስትነቱ ተገልጸ።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር አሜን፣



ቅድስቲ ኣርሴማ


ቅድስቲ ኣርሴማ፣ ካብ ፈራህያነ እግዚኣብሔርን ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲኖም ብንጽህና ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ወገን ዝኾነ ኣቦኣ ቅዱስ ቴዎድሮስን ካብ ኣዲኣ ቅድስቲ ኣትናስያን ብመብጽዓ ኣብ ሃገረ ግብፂ ተወሊዳ። ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ካብ ህጻንነታ ኣትሒዛ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ተማሂራ ዝዓበየት ክትከዉን እንከላ ዝተማህረቶ ብግብሪ እናተርጎመት ከምኡ'ዉን እቲ ቃል እግዚኣብሔር ዝእዝዞ ነገራት እናፈጸመትን ኩሉ ግዜ ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲና ትጋደልን ንእግዚኣብሔር ተገልግልን ከምዝነበረት መጽሓፍ ገድላ ይገልጸልና።
በዚ ግዜ እዚ ድርጣድስ ዝበሃል ኣረማዊ ከሓዲ፡ ንጣዖት ዝስግድ፡ ኣብ ፀሓይ ዘምልኽን ንእግዚኣብሔር ዘይኣምንን ንክርስቲያናት ድማ ነቲ ኣነ ዘምልኾ ጣዖት ክትሰግዱ ኣለኩም እንዳበለ ዘሳቅዮም ዝነበረ ንጉሥ ኣብ ኣርመን (ኣርመንያ) ነጊሡ ነበረ።
  ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
"ንኣታቶምን ንኣሕዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸዉን ብኣይ ምኽንያት ምእንታይ ናብ መኳንንትንን ናብ ነገስታትን ክትወስዱ ኢኹም።"ማቴ10:18 ዝበሎ ቃል ብምዝካር ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት (ኣብ 20 ዓመት ዕድሜኣ) ኣብ ሃይማኖታ ጸኒዓ እዚ ዓለምን ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወታት ኃላፊ ምዃኑ ኣሚናን ቃለ ወንገል ዘኪራን ናይዚ ከሓዲ ንጉሥ እከይ ግብሩ ብምስትውዓል ምእንቲ ስም ክርስቶስ ምስ ዝሳቀዩ ወገናት ከም መራሒት ብምዃን ስለ ክርስቶስ ኣምላኽ እናመስከረት ትነብር ነበረት።
እቶም ብዘይካ ንቅዱስን ምቅታልን ምስቃይን፡ ካልእ ሥራሕ ዘይብሎም ናይ ንጉሥ ደርጣድስ ወተሃደራት፡ ቅድስቲ ኣርሴማ ምእንተ ስመ ክርስቶስ ሰማዕት ክትከዉን ድልዉቲ ምህላዋ ምስ ፈለጡ ብመልክዕኣ፡ ግርማኣን ብትብዓት ዘለዎ ዘረባኣን ተገሪሞም እዚኣ ትመስል ጽብቕትን ግርምትን፡ ካብ ንስይፋ ናብ ንጉሥ ምዉሳድ ይሓሸና ኢሎም ምሳ ምስ ዝነብበራ ቅዱሳን ደናግል ናብቲ ንጉሥ ወሰዱዋ።
ንጉስ ድርጣድስ ድማ ነዛ ወተሃደራት ዘምጽኡሉ ቅድስትን ጻድቕን ሰማዕት ምስ ረኣያ፡ ብመልክዓን ግርማኣን ተማሪኹ ንዓለማዊ ሓጎሱን ሥጋዊ ድሌቱን ተመነያ፡ ኣብ ጣዖት ኣስጊዱ ንክምርዓዋ ድማ በሃገ። መርዓቱ ክትኾኖ ድማ ብዙሕ ለመና። ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት ግና ነቲ ንጉሥ ኣዚያ ነዓቀቶን ፈንፈነቶን።" ኣነ ናይቲ ሰማያዊ ንጉሥ ንዝኾነ ክርስቶስ መርዓት እየ። ናይ'ዚ ኃላፊ ዓለምን ጠፋኢ ናይ ዝኾነ ገንዘብን ሓጎስን ዝደሊን ዝምነይን ኣይኮንኩን" ብምባል መለሰትሉ።
ንጉስ ደርጣድስ ድማ ከምዚ ዝበለ መልሲ ካብ ቅድስቲ ኣርሴማ ብምስምዑ ብጣዕሚ ተቆጥዐ።ቅድስቲ ኣርሴማ ስለ ዝነዓቀቶ ድማ ኣዝዩ ተበሳጨወ፥ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣናብስ ክፍንዉላ ኣዘዞም።(ዳኒ.6፥16-22) እቶም ኣናብስ ንቅድስቲ ኣርሴማ ምስ ረኣዩዋ ኣብ እግራ ወዲቆም ሰገዱላን ለሓስዋን። ገጾም ናብቶም ወተሃደራት ብምቅናዕ ድማ ኣባረርዎም።(ዳን.6፥2-4)እቲ ከሓዲ ንጉሥ ነዚ ምስ ረኣየ ካብ መጠን ንላዕሊ ተበሳጨወ። ኣብ ዕጽዉ ገዛ ብጥሜት ንኽሞታ ደማ ኣዘዘ። ልዑለ ብሕሪ እግዚኣብሔር ግና ነቲ ዕጹዉ ቤት ብርሃን ብምብራህ ዝበልዕኦ መግቢ ብመሶብ፡ ዝሰትይኦ ድማ ብጽዋዕ ጌሩ ካብ ሰማይ ኣዉሪዱ መገበን። ካብቲ ዕጽዉ ቤት ኣዉጺኡ ድማ ናብ እቶን እሳት ደርበየን፡ ንሠለስተ ደቂቅ ዘድኃነ ኣምላኽ ድማ ካብ እቶን እሳት ኣድኃነን። (ዳን.3:23-26) ንጉሥ ድርጣድስ ኩሉ ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ንክስየፋ ኣዘዘ።
ቅድስቲ ኣርሴማ ንፍሲ ወከፍን ብሰይፊ ክስይፈን እንከሎ ኣኽሊል ዓመት ካብ ሰማይ ክወርደለን ከሎ ምስ ረኣየት ናታ ተራ በጺሑ ንክትስየፍ ብታህዋኽ ትጽበይ ነበረት። ካብ ምሒር ታሕጋስ ድማ እናጸለየት ነተን ዝስየፋ ዝነበራ ተጸናንዐን ነበረት።
ኣብ መወዳእታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽንዓታን ተጋድሎን ርእዩ ቃል ኪዳን ኣተወላ። እቲ ከሓዲ ንጉስ ንኩለን ሰይፉ ምስ ወደኣ ናብ ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ብምጥማት ብቁጥዓ" ንዓኪ ከምተን መሓዙትኪ ደናግል ቀልጢፈ ኣይቀትለክን'የ ስቃይኪ ከብዝሖ'የ" እናበለ መጀመርታ ክልቲኣን ኣዒንታ ኣውጺኡ ኣብ ኢዳ ኣትሓዛ ቀጺሉ ድማ ክልተ ኣጥባታ ቆሮጾ። ኩሉ ኣካላታ በብንእሽቶ እናቆረጸ ኣብ መወዳእታ መስከረም 29 ብሰይፊ ክሳዳ ቆረጻ።በዚ ድማ ሰማዕትነት ተቀበለት።
ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት እዚ ሕሳረ መከራ ምእንቲ ስመ ክርስቶስ ንርእሳ ኣሕሊፋ ዝሃበት ቅድስትን ብጽእትን ሰማዕት'ያ። ነቢየ እግዚኣብሔር ዳዊት ኣብ መዝሙሩ" '' ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ "/ ምስ ሕሩያነይ ኪዳን ኣተኹ ንዳዊት ባርያይ መሓልኩሉ'' ከም ዝበሎ ንቅድስቲ ኣርሴማ '' ብስመይ ኣሚንኪ ናይ'ዚ ዓለም ሓጐስን ተድላን ከየታለለኪ ክሳድኪ ንስይፊ ብምሃብኪ ናይ ሰማዕትነት ተጋዲሎ ፈጺምኪ ኢኺ እሞ፡ ስምኪ ዝጸዉዔ በዓልኪ ዘኽበረ፡ ዝክርኺ ዝገበረ፡ መጽሓፈ ገድሊኺ ዝሰምዐ፡ ዘስምዔ፡ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ ወዱ ኮነ ጓሉ ብስምኪ ዝጸዉዔ፡ክሳብ 12 ትዉልዲ ክምሕረልኪ እየ"ክብል ቃል ኪዳን ኣተወላ።
ኣዴና ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብፉሉይ ትኽበርን ትዝከርን እዚ ድማ 29 መስከረም ብሰማዕትነት ዝዓረፈትሉ ከምኡ'ዉን 6 ታሕሳስ ቅዳሴ ቤታ እዩ።
ጸሎታን በረከታን ምስ ኩላትና ይኹን!!! ኣሜን።

01 January 2015

ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን
በዓል ቅዱስ ልደትን 
2015 ይግበረልና፣
ንኹሉ ህዝቢ ከኣ ሰላምን ፍቕርን፣
ቅሳነትን ራህዋን፣
ዘለዎ ዓመት ክኸውን 
እግዚኣብሄር ፍቓዱ ይኹን፣ኣሜን።