°→ይቤሎ ጴጥሮስ ለጳውሎስ ጥባዕኬ እሁየ ጳውሎስ እሁየ/2/
ወኢትናፍቅ ዳግመ እምዝ ዳግመ ኢንመውት፣/2/
5 ሓምለ 61 ዓ/ም ሓዋርያ ጴጥሮስን ሓዋርያ ጳውሎስን ዝዓረፉሉ ዕለት ኢዩ።
እዞም ክልተ ደቀመዝሙርቲ ጎይታናን መድሓኒናት ኢየሱስ ክርስቶስ፣
ነቶም ጣኦት ዝምልኹ ዝነበሩ መሳፍንትን መዃንንት ሕዝብን ኣብ ሮማ(ኢጣልያ)(italy) ትምህርቲ ወንጌል ብትብዓትን ብስፍሓትን ሰቢኾምን ምሂሮምን ንብዙሃት ኣእሚኖም ዘጠመቑ እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ቀናእ ሰይጣን ኣብ ልቢ ንጉስ ኔሮን ሓዲሩ እዞም ክልተ ተባዓት ሃዋርያት ብዘስካሕክሕ ጭካነ ከምዝሞቱ ገበረ። እዞም ክልተ ሰበኽቲ ወንጌል ሓዋርያት፣ ብጭካነ ብሰማእትነት ዝሓለፉሉ ዕለት 5 ሓምለ እዩ። ጴጥሮስ ኣብ መስቀል ቁልቁል ኣፉ ተሰቒሉ፣ ሓዋርያ ጳውሎስ ከኣ ክሳዱ ብሴብ ተቐንጺሉ ብሰማዕትነት ዝዓረፈሉ እዩ። እዞም ክልተ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ሮማ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ እዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስ 85 ዓመት ሓዋርያ ጳውሎስ ከኣ 74 ዓመት ገይሮም ከምዝነበሩ ገድሎም ይነግር።


1 comment:
Bereketomu yehalu msle kulne....
Post a Comment