30 October 2014

ዘመነ ጽጌ/ ወርሓ ጽጌ/

በስመኣብ፣ወወልድ፣ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ፣ኣሜን።




1,ጽጌ ዝብል ቃል ጸገየ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጽእ ኮይኑ ትርጉሙ ዕንባባ ማለት እዩ። ብቤተ ክርስትያና ካብ መስከረም 26 ክሳብ ኅዳር 6/ቁስቋም/ ዘለዋ 40 መዓልታት ወርኃ ጽጌ ይበሃላ። በብሰሙኑ ሰንበት ድማ ነቲ እዋን ዝምልከት ማኅሌት ይሓድር መዝሙር ይዝመር።

ኣብዚ ግዜ`ዚ ቅዳሴ ብእዝል ይቕደስ።

2,ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ዝጽወም ናይ ፍቓድ ጾም ውን ጾመ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

3,ወርሓ ጽጌ ማለት ናይ ዕንባባ ወርሓት ማለት እዩ። እቲ ኣብ ክረምቲ ዝተዘርአ ኣእኻል ዝዕንብበሉ ወርሃት እዩ። ዕንባባ ፍሉይ ሕብሪን መኣዛን ይሃልወን እምበር፣ ምስኡ ዉን እሾክ ኣለወን። እቲ ዕንባባታት ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ መጋቢነት ዘዘካከረና ክከዉን እንከሎ፣ እቲ እሾኽ ግና፣ ንመከራ ስደት ድንግል ማርያም ዘዘካኸረና እዩ። ኣብዚ ወርሓት፣ በረኻታት ብዕንባባ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዝዉቅባሉ ግዜ ኮይኑ፣ ኣዕዋፍ ይሕጎሳ፣ ኣናህብ ይወፍራ፣ ሓረስታይ ተስፋ ይገብር፣ ኣመንቲ ክርስትና ግና፣ ነቲ ኣብዚ ቅንያት ዘጋጠመ፣ ስደት ጐይታ ንዝክር።

4,ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን እና ዘከረት ቅድስቲ ቤተክርስትያን ተኽብሮ።


5,ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ሃንደበት ዘይኮነስ፣ ትንቢት ዝተነግረሉ ምሳሌ ዝተመሰለሉ እዩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ዝኾነ ኢሳይያስ ነቢይ፣

 “እግዚአብሔር ኣብ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ’ውን ይመጽእ” ብማለት ተነብዩ ነበረ። ንጐይታ ሓዚላ ናብ ግብጺ ዝተሰደት፡ ኣማናዊት ደመና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ (ኢሳ ፲፱፥፩/19፥1)። ምኽንያት ስደት ድማ ሄሮድስ ንጉሥ ኣብ ግዝኣቱ ንጉሥ ከምዝተወልደ ሰሚዑ ስለዘይቀሰነ፤ “ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺአ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ” ኢሉ ነቶም ብኮኸብ ተመሪሖም ዝመጹ ሰብአ ሰገል/ሰብ ጥበብ/ ከታልሎም እኳ እንተፈተነ፡ ንሳቶም እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም፣ መገዲ ቀይሮም ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ሰብአ ሰገል “ከም ዝተላገጹሉ” ምስ ኣረጋገጸ ትሕቲ ፪/2 ዓመት ንዝኾኑ ሕጻናት ቤተ ልሔም ክቕተሉ ኣዘዘ።

ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ “ሄሮዶስ ነዚ ህጻን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንሥእ፤ ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣቡኡ ጽናሕ” ኢሉ ብዝነገሮ እቲ ስደት ናብ ግብጺ ተጀመረ። ክሳዕ “እቶም ነፍስ እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” ተባሂሉ እቲ መልኣኽ ገሊጹ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ግብጺ ጸንሑ። (ማቴ ፪፥፲፫፤ ፳/2፥13,20) ኣብ ግብጺ ብስደት ዝጸንሑሉ እዋን ድማ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን እዩ።ብዜና ገድልታትን ትውፊትን ድማ ጐይታን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ብግብጽ ኣቢሎም ንሃገርና ካብኡ ሓሊፉውን ኢትዮጵያ ከምዝበጽሑ ይንገር።

ምምላስ ካብ ግብጽ ናብ ምድረ እስራኤል’ውን ብነቢይ ሆሴዕ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ እዩ ነይሩ፦ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” (ሆሴ ፲፩፥፩)።

እዚ’ውን ነቲ ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ንምፍጻም ዝገብሮ ስለዝኾነ እዩ። ካብ ገነት ናብ ምድረ ፋይድ (ሲኦል) ዝተሰደ ኣዳም ስለዝነበረ፤ ምምጻእ ጐይታ ድማ ስደት ኣዳም ተሰዲዱ ብምኽሓስ፡ ንኣዳም ናብ ዝቐደመ ክብሩ ንምምላስ ስለዝነበረ እዩ። ከመይሲ ኣዳም ብሰንኪ በደሉ ክቕበሎ ዝግባእ ጸዋትወ መከራ፡ ሕማምን ሞትን ጐይታ ኣብ ኵሉ ኣትዩ ኵሉ ሕማማት ኣዳም ጸይሩ ንኣዳም ክሒሱ፤ ብሞቱ ንሞቱ ደምሲሱሉ እዩ። ስደቱ’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። በዚ መሠረት ኸኣ ጐይታ ንኣዳም ክብል ብገነት ካብ እትምሰል ኢየሩሳሌም ናብ ሲኦል እትምሰል ግብጺ ተሰደደ። ብኻልእ ድማ ነቲ ጣዖታት ግብጺ ራዕራዕ ክብሉ እዮም ዝብል ትንቢት ክፍጸም ናብ ግብጺ ተሰዲዱ ጣዖታት ሰባቢሩ እዩ።


6,ኣብ ግብጽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ዳኅራይ ብፍጽምና ንእኡ ንዝስዕቡ ቅዱሳን ስፍርኦም ዝኾኑ ገዳማት ንምብራኽውን እዩ። በቲ ካልእ ድማ ስደት ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ባሪኹ ንክህበና ቅዱስ ፈቓዱ ስለዝኾነ እዩ ኣብነት ብምዃን ተሰዲዱ።


7,ትርጉም ማህሌተ ጽጌ



ማኅሌት ማለት ምስጋና ወረብ ለዘብ መወድስ ማለት እዩ። ጽጌ ኸኣ ዕምበባ፡ ምልክት ወይውን ኣደ ፍረ ማለት ክኸውን ከሎ፤ ማኅሌተ ጽጌ ማለት ኸኣ ብዕምበባ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያምን፤ ብፍረ ዝተመሰለን ፍረ ማኅጸና ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስገኑሉ ናይ ዕምበባ ምስጋና ማለት እዩ። ከመይሲ ፍረ ካብ ዕምባባ ከምዝርከብ፡ መድኃኒተ ዓለም ንዝኾነ ነቲ ፍቁር ወልዳ ዝፈረየት ኣማናዊት ዕምባባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።

"ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በማርያም ድንግል:

ወበቀራንዮ ተተክለ መድሃኒት መስቀል:"ተስፋ ኣዳም ከምዝተፈጸመ፡

ትንቢት ነቢያት ከምዝበጸሐ

ዘበሰረት ምልክት ድኅነትና ንሳ እያ።

ባዕሉ ጐይታ ምልክት ክህበኩም እዩ ተባሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተናገረላ ንሳ እያ። (ኢሳ ፯፥፲፬/7:14)


 8,ጾመ ጽጌ

 ጾመ ጽጌ/ፈቃደ ጾም/ ነዚ ብዙኅ ድኻምን መከራን ዝተሓወሶ ጕዕዞ ስደት፡ ኣዴና ንወዳ ሒዛ በረኻታት ግብጽን እስራኤልን ቆሪጻ ናብ ምድረ ግብጽ ብምእታዋ ነዚ መከራ እና ዘከርካ ይፅወም።


እዚ ጾም እዚ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ካህናት ኮኑ ዲያቆናት፤ ከምኡውን ምእመናን ብፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ተደሪኾም ስደታ ብምዝካር በረኸታ ንምርካብ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ካብቶም ፯/7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዘይኮነሲ ናይ ፍቓድ ጾም ኸኣ እዩ።


9,ማኅሌተ ጽጌ

ደራሲ እዚ ፍሉይ ጣዕመ ዜማ ዝውንን ናይ ምስጋና ድርሰት እዚ ኣብ መበል ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝነበረ አባ ጽጌ ድንግል/ኣባ ጽጌ ብርሃን/ እዩ። ንሱ ኸኣ ንድንግል ማርያምን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓንሳብ ብሓረገ ወይን ሓንሳብ ብእምበባ ጽጌረዳ ብኻልእን ተዛመድቲ ምሳሌታት እናመሰለ ግሩም ናይ ጸሎት መጽሓፍ ዘዳለወ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ በብ፭/5 መስመር /ቤት/ እናቖመ ፻፶/150 ማለት ብተምሳል መዝሙር ዳዊት ገይሩ ኣዳለዎ/ደረሰ/። ርቀት ምሥጢሩ፤ ውህደት ምሳሌኡን ትምህርቱን፤ ግጥማዊ ኣቀራርብኡ፤ መልእኽቲ ዜምኡን፤ ወዘተ ብጣዕሚ መሳጢ እዩ።

መሠረቱ ኸኣ ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባ ልደት ጐይታ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ክዛረብ ከሎ፣ ካብ ዘርኢ እሴይ ንዝተረኽበት ኣዴና ብበትሪ፡ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብጽጌ መሲሉ እዩ ተነብዩ ነይሩ። “ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ፡ ወየዓርግ ጽጌ እም ጒንዱ።” (ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።) (ኢሳ ፲፩፥፩/11፥1) ኣባ ጽጌ ድንግል’ውን ድርሰቱ ብኸምዚ ኣገባብን መልክዕን ንቅድስቲ ድንግልን ንወዳን ኣተሓባቢሩ ብጽጌን ብፍረን እናመሰለ፤ ምስኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳኑ መንክር ንዝኾነ ስራሕ እግዚአብሔር ብምሥጢር፡ ብታሪኽ፡ ብጸሎት፡ ብተግሣጽ፡ ብሉያትን ሓዲሳትን ከምኡውን ሊቃውንትን ገድልታትን ወዘተ ኣወሃሂዱ ኣቕሪብዎ።


10,አከባብራ ዘመነ ጽጌ


ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት፣እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንት ቤተክርስትያንን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ።


11,መልእክቲ

ትብጻሕ ናብ ኩሉኹም ከምዚ ከማይ ኣብ ስደት እትርከቡ ኣሕዋት

ስደት ቀሊል ኣይኮነን፣ስደት ኵልሳዕ መሪር እዩ። እቲ ዝሓለፎን ዝነበሮን እዩ ዝፈልጦ። ሃገርካን ጸግዒ ዝኾኑኻ ኣዝማድካን ቤተ ሰብካን ንድኅሪት ገዲፍካ ዓዲ ጓና ምስዳድ ከቢድ እዩ። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ስደት ካብ ስደት ደቂ ሰባት ዝተፈልየን ንፍሉይ ዕላማ ዝተፈጸመን ኣዝዩ መሪርን እዩ ነይሩ።


ንዓለም ፈጢሩ ዝገዝእ ኣምላኽ ብፍቓዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ፡ ገና ብህጻንነቱ ሓቚፋን ሓዚላን ናብ በረኻታት ግብጺ ክትስደድ ከላ ንበረኻ ሲና ኣብ ዝቖረጸትሉ ቀዝሒ ለይቲ፡ ሃሩር ቀትሪ፡ ሑጻ ረስኒ፡ ጽምኢ ማይ፡ ሕማቕ መገዲ ነቲ ስደታ ከቢድ ገይርዎ ነይሩ። መገዳውን በቲ ሰብ ዝኸዶ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ከይረኽቡኒ ክትብል በረኻ በረኻ እምበር። ብቅድሚት ኣብ ዘይተፈልጦ ዓዲ እንታይ ክረኽበኒ ክትብል፤ ብድኅሪት ወተሃደራት ሄሮድስ ኣርከቡኒ፤ ከም ኣደ፡ ሸፋቱ ቀተሉለይ ክትብል ዝተቐበለቶ መከራ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ። ካብኡ ዝገደደ ድማ በብዓዱ ኣትያ ክትልምን፡ ገሊኦም “እዚኣ ትመስል ገለ በደል እንተዘይህልዋ፡ ግብራ እንተዘይከፍእ ዶ ካብ ቤታ ምወጸት?” እናበሉ ከስቅቕዋ፤ ወዳ ክድርብዩላ ካልእ ውን እዚ ዘይብሃል ሓዘን እያ ኣኅሊፋ። ንብዓት ዓይና ኣብ ማዕጉርት ህጻን ወዳ ክዓልብን መከራ ክበዝኃን ከሎ እቲ ኵሉ እናተኻእሎ ብፍቓዱ መከራ ዝተቐበለ ጐይታ ግና የጸናንዓ ነበረ።

እዚ ኵሉ ስደትን መከራን ንምንታይ እንተበልና ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ስለቲ ፍቁር ወዳ ክትብል ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። እዚ ኸኣ ብርዱእ ኣገላልጻ ንአምላኽ ወዲ ኣምላኽ ሓዚላ ምስዳዳ ምእንቲ ናትና ድኅነት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ከምቲ ስምዖን ኣረጋዊ ኣብታ ቤት መቅደስ ኢየሩሳሌም ንኣኣ ዝበሎ ድማ ይፍጸም ነበረ፦ “ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙኃን ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።” በዚ ኸኣ ብስደት ዝጀመረ ሰይፊ (መከራ ሕማም) ምእንቲ ኵሉ ዓለም ክትብል ትቕበሎ ነበረት። ናብ ዓዳ ምስተመልሰት ውን ፡ ካብ ወዳ ከይተፈለየት ንኵሉ መከራ ኣይሁድ ጸይራ ድማ ክሳብ ቀራንዮ ኣብ እግረ መስቀሉ በጽሐት። (ሉቃ ፪፥፴፭/2፥35 ዮሐ ፲፱፥፳፮/19፥26)


12,ስለዚ ኣብዚ እዋን ስደታ ክንምሕጸናን ክንልምናን ይግባእ። እንልምኖ ብዙኅ ኣሎ ሰማዒት እያ እሞ ንኵሉ ንንገራ። ምስ ፍቁር ወዳ ከተተዓርቐና፤ ምሕረቱን በረኸቱን ከብዝኃልና፤ ኃጢኣትና ክኃድገልና ኣማልድና ኢልና ክንምኅፀን ይግባእ።

 ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “…ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ...” እናበልና ከነዘክራን ናብቲ ኵሉ ዝዝክርን ዘይርስዕን ኣምላኽ ከተማልደና ክንልምና ይግባእ።


14,ጸሎት


ኦ እግዚአብሔር ኣምላክነ ኣቡሁ ለእግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ናስተበቁዓከ በእንተ እለ ኖሙ ኣበዊነ፣ወኣኃዊነ፣ወኣኃቲነ።


ኦ ምልዕተ ጸጋ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ጽላል ረድኤትኪ ዘርግሒ፣ ንህዝቢኹ ዉን ተከላኸሊ፣ ብኪዳንኪ ለምንልና። ምእንቲ ስደት ወድኺ፣ ምእንቲ ስቕለቱ፣ ምእንቲ ሞቱ ናይቲ ሓደ ወድኺ፣ ኣብ ናትኺ ሓዘን ንሳተፍ ኣለና`ሞ፣ ኣብቲ ናትኪ ሓጎስ ድማ ንስኺ ኣሳትፍና። ንዓይ ንኣገልጋሊኽን፣ ንኩሉ ህዝበ ክርስትያን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።



 ነዚ ንኽገብር ኣተሓሳስሲቡ ዘጀመረኒ፣ኣጀሚሩ ንዘፈጸመኒ ልዑል እግዚኣብሄር ኣምላክ ወምስለ ወላዲቱ ድንግል ክብርን ምስጋናን ይኹን።

ኣሜን።

ክቡራን ኣበዉየ ወኣኃውየ ዝክሩኒ በፀሎትክሙ።









20 October 2014

ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን




ሊቃውንቲ ኣበው መወዳእታ ዘመን ብሳምንተኛ ሽሕ ኢዩ ይብሉ: ግና "ዝተዳለኹም ኩኑ"ከም ዝበለ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ክንከዉን ጎይታ ሰማያዊ ቃሉ ገይሩ ነጊሩና ኢዩ፣
ሳምንተኛ ሽሕ : ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ ከም ዝበለ ራእይ ዮሓንስ፣
:ካብ 1500 ዓም ጀሚሩ ፣ እዚ ከኣ 5500+1500=7000 ይኸውን፣
መጨረሽታ ዘመን ድማ ኣብ ከባቢ 7980 ዓመተ ዓለም ምዃኑ ሊቃውንቲ ባሕረ ሐሳብ ይነግሩና፣
ብዛዕባ እዚ ብስፊሑ ኣብ ቀጻሊ ከቕርቦ ኢየ፣

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ምሥጢረ ቍርባን ምስ ኣርኣዮም ሥርዕተ ጸሎት ንምምሃር ሒዝዎም ናብ ጌተሰማኒ ከደ ኣብኡ በጺሑ። ኣብኡ ጸሎት ክሳብ ዝጽሊ ኣብዚ ጽንሑ ኢሉ ዝተረፉ ኣብኡ ገዲፉ ንጴጥሮስን ንዮሓንስን ንያዕቆብን ሒዙ፣ ተፈልዩ ነፍሰይ ክሳብ ሞት ንምብጻሕ ሓዚና ኢሉ ክሓዝንን ክትክዝን ጀመረ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ ክሳብ ሞት ከምዝበጽሐ ንሕና’ውን ምእንቲ ፍቕሩ ክሳብ ሞት ንምብጻሕ የብቅዐና። ይ.ሕ። ኣሜን። ሽዑ ምሳይ ከማይ ብትግሃት ጸልዩ ኢሉ ካብ ሠለስቲኦም ምደርባይ እምኒ ዝኣክል ተፈልዩ ሰጊዱ ብምብርካኽ ኢዱ ዘርጊሑ ብምቛም ረሃጹ ብብዝሒ ክሳብ ዘንጠብጥብ ደጋጊሙ ጸለየ። ስለ ናትና ፍቕሪ ከምዚ ኢሉ ዝደኸመልና፤ ንሕና’ውን ስለ ናቱ ፍቕሪ ኢልና ንምድካም የብቅዕና። ይ.ሕ. ኣሜን። ብድሕሪ’ዚ ናብ ሓዋርያት ተመሊሱ ደቂሶም ረኺቦም እሞ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ፦ ምሳይ ሓደ ሰዓት ንምትጋህ ስኢንኩም ሕጂ  ድማ ኣብ ፈተነ ንኸይተኣትዉ ተጊህኩም ጸልዩ ኢሉ ብትግሃት ደጋጊምካ ምጽላይ ከም ዝግባእ መሃሮም። ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ ክሳብ ጊዜ ሞቱ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ከም ዝተግሃልናን ዝተዐገሠልናን ንሕና’ውን ስለ ናቱ ፍቕሪ ኢልና ክሳብ ጊዜ ሞትና ንምትጋህን ንምዕጋሥን የብቅዓና።  ይ.ሕ. ኣሜን።

ከም’ዚ ገይሩ እናተማላለሰ ሠለስተ ጊዜ ጸለየ እዚ ኵሉ ንጊዚኡ ንሓዋርያት እኳ እንተ ኰነ ንመጻኢ ግና ክሳዕ መወዳእታ ዓለም በብጊዚኡ እንውለድ ደቂ ሰብ ንዓና ኣብነት ምዃኑ እዩ። (ማቴ.26፡37-46) ካብ’ዚ ንደሓር ተመሊሱ ሕጂስ ደቅሱ ዕረፉ ብኢድ ኃጥኣን ዝተሐዘሉ ጊዜ በጺሑ እዩ እናበሎም ይሁዳ ምስ ሊቀ ካህናት ተሰማሚዑ ኣርባዕተ ክፍሊ (ጉጅለ) ኰይኖም ኵናትን ሴፍን ዝሓዙ ወተሃደራት ሒዙ መጸ’ሞ ፤ ኦ መምህር ገባር ክፉእካን ጸላኢኻን ኣየውዕሎ ኣየሕድሮ እናበለ ብተንኰል ሲዒሙ ኢድ ነሥኣሉ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ዓርከየ ብምስዓም’ዶ ክተትሕዘኒ መጺእካ በሎ ነዚ ምልክት ገይሩሎም ስለ ዝነበረ ተቓላጢፎም ሒዞም ኣሰርዎ እናኣዳፍኡ ናብ ቦታ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ። ካብኡ’ውን ብእሱሩ ወሲዶም ንጲላጦስ ሃብዎ። ሣልሳይ ሰዓት ናይ መዓልቲ ምስ ኮነ ኣዕፅምቱ ክሳብ ዝርኣ ገረፍዎ። በቲ ጊዜ  እቲ ንምልጋጽ ቀይሕ ባርኖስ ኣልበስዎ። ናይ እሾኽ ኣኽሊል ተቲዖም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ኦ ናይ ኣይሁድ ንጉሥ ገባር ክፉእካን ጸላኢኻን ኣየውዕሎ ኣየሕድሮ እናበሉ ብናይ ላግጺ ኣዘራርባ ሰገድሉ። ገጹ ጸፍዕዎ፤ጭሕሙ ነጸይዎ፤ ተዛረብ መን’ዩ ዝወቕዓካ እናበሉ ርእሱ ብዘንጊ ወቕዕዎ። ከም’ዚ ገይሮም ምስ ኣላገጽሉ ዘልበስዎ ክዳን ቀንጢጦም ዝስቀለሉ ዕፀ መስቀል ኣሸኪሞም እንዳኣዳፍኡ ናብ ዝስቀለሉ ቦታ ቀራንዩ ዝበሃል ወሰድዎ። ኣብኡ ንእሽቶይ ጨርቂ እኳ ከየዕጠቑ ዕራቑ ዓዕፅምቲ መሰንገልኡ  ክሳብ ዝረአ ሓደ ክልተ ኢልካ ዝፍቀድ፤ ኣብ ልዕሊ ሸብዓተ  እመት ዝቑመቱ ዕንፀይቲ ስሒቦም ብሓሙሽተ ሽንካር ሸንከርዎ።(ማቴ.27፡26)

ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ እዚ ኵሉ መከራ ከም ዝተቐበለ ንሕና’ውን ምእንቲ ናቱ ፍቕሪ ንምዕጋስ የብቅዓና፤ ሓሙሽተ ናይ ልብና ሓሳባት (ተንቃሳቃሲነት) ንምሽንካር የብቅዓና።  ይ.ሕ. ኣሜን።

ቀትሪ ምስ  ኮነ “ዘኢፆረ መስቀለ ሞቱ ኢይክል ይጸመደኒ” መስቀል ሞተይ ተሸኪሙ ዘይሰዓበኒ ወዲ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሉ ዝመሃሮ ብግብሪ ንምፍጻም ተሰቕለ፤ ጸሚአ እንተ በለ ሓሞት ዝተሐወሶ መጺጽ ነገር ኣስተይዎ፤ ኣብ መበል ታሽዓይቲ ሰዓት መዓልቲ “ አባ ሥረይ ሎሙ፤ ውስተ እዴከ አመኅፅን ነፍስየ” ኢሉ ቅድስት ነፍሱ ካብ ክቡር ሥጋኡ ፈለየ።

ብኡብኡ መለኮት ብኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳብ ሽዑ ዝወረዱ ነፍሳት ኣውፂኡ ገነት ኣእተዎም። (ማቴ።27፡52  1ጴጥ.3፡19-20) “ወበርበረ ነፍሳቲሆሙ ለጻድቃን እለ ነበሩ ውስተ ደይን ወአውፆኦሙ ወአብኦሙ ውስተ ገነት ትፍሥሕት ፍና ሠርክ፤ በከመ ወፅአ ቀዳሚ አዳም እምገነት ፍና ሠርክ በዕለት ዓርብ ብሳብዕ  ዓም፡ ወከማሁ ቦኣ ውስተ ገነት ፍና ሠርክ በዕለተ ዓርብ” ነቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ነፍሳት ጻድቃን ዘሚቱ ኣውፂኡ ናብ ገነት ቦታ ፍሥሓ ኣጋ ምሸት ዓርቢ ኣእተዎም ከምቲ ቅድም ኣዳም ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ብዕለት ዓርቢ ኣጋ ምሸት ካብ ገነት ዝወጸ፡ ከምኡ ከኣ ብዕለት ዓርቢ ኣጋ ምሸት ናብ ገነት ኣእተዎም ከም ዝበለ።(መጽሐፈ ምሥጢር ዘለፋ ኣርሲስ)

ድሕሪ ሞቱ ሓደ ወተሃደር ኣሎ’ዶ ሞይቱ ኢሉ ብዝተሳሕለ ኵናት የማናይ ጕድኑ ወጕኦ እሞ ውዑይ ደም ዝስተ ንመድኃኒት፤ ጽሩይ ማይ ንጥምቀት ዝኸውን ከም ለ ፊደል ፈሰሰ። ምሸት ምስ ኮነ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን መጺኦም ከም ሥርዓቶም ሓፂቦም ገኒዞም ናብ መቓብር ኣውረድዎ፡ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ውሽጢ መቓብር ውዒሉ ሓዲሩ፡ ብኅቱም ድንግልና ከም ዝተወልደ፤ መቃብር ብኅቱሙ ድማ ብሰንበት ፍርቂ ለይቲ ተንሥኣ (ማቴ.12፡40፡ ማር.16፡1፡ ሉቃ.24፡1 ፡ ዮሐ.20፡1) ምስ ተንሥኣ ጉባኤ ገይሩ ንዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ተራእዮም። ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ከኣ ኣርብዓ መዓልቲ ክሳብ ዘኣክል ንኽልተ ንሠለስተ እናተገልጸ መጽሐፈ ኪዳን መሃሮም።

“ወዝንቱ ሣልሱ እንዘ ያስተርእዮሙ እግዚእ ኢየሱስ ለአርዳኢሁ ተንሢኦ እምነ ሙታን” ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ካብ ምውታን ምትንሥኡ ንደቂ መዛሙርቱ ዝተገልጽሎም እዚ ሣልሳይ ጊዜ እዩ።
(ዮሐ.21፡14) ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ትእዛዝ ኣዚዝዎም ተስፋ ሂብዎም። ብናይ መላእኽቲ ዕልልታ ብብርሃን ብጐይትነትን ኵላቶም እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ ዘባነ ኪሩቤል ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ ይብል። (ግ.ሓዋ.1፡2-3, 1ጴጥ.3፡22) ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ሰደደሎም ንሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደሎም ሰብዓን ሓደን ቋንቋ ተገልጸሎም። (ግብ.2፡1-40)

ሓዋርያት “ሑሩ ወመሀሩ” ብዝበሎም ትእዛዝ መሠረት ንዕኡ መሲሎም ንዓለም ብምልኡ እናዞሩ ምሃሩ ኣእመኑ ኣጠመቑ፡ ብድሕሬኦም ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን፤ ካህናትን፤ዲያቆናትን ተኪኦም ድማ ሓለፉ፡ እዚ መተካእታ እዚ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ህልዊ እየ ዝበሎ እዚ ምዃኑ ይፍለጥ። (ማቴ።28፡29) ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ካብ ብዙሕ ብውሕዱ እዚ እዩ።                    

ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ትንሣኤ
ትንሣኤ ሙታን’ከ ከመይ እዩ፧ ንዝብል ሎሚ ወዲ ሰብ ብዝሞተ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ነገር (ኣርባዕተ ናይ ሥጋ (ተፈጥሮ) ኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ ማለት እሳት ምስ እሳት፤ ነፋስ ምስ ነፋስ፤ ማይ ምስ ማይ መሬት ምስ መሬት ሓቢሩ ይነብር። ጊዜ ምስ በጽሐ ኣቐዲሞም መላእኽቲ ነርባዕተ መዓዝን ዓለም ጎቦ ኣፍሪሶም ዓሚቕ መሊኦም ንዓለም ከም መደብ የተኻኽልዋ፡ ድሕሪ እዚ ሠለስተ ኣዋጅ ይንገር እሞ ብመጀመርታ ኣዋጅ እሳት፡እሳት ካብ ኰንኩ ፤ ነፋስ ነፋስ ካብ ኰንኩ፤ ማይ፡ ማይ ካብ ኰንኩ፤ መሬት፡ መሬት ካብ ኰንኩ ከይበለ ካልእ ዘይኮነ እቶም ብሕይወተ ሥጋኡ ዘገልግልዎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ባሕርያት ተዋሃሂዶምዎ ኣራዊት ዝበልዖ ቀላይ ዝወሐጦ፤ ውሕጅ ዝወሰዶ፤ መሬት ኰይኑ ተበታቲኑ ዝነበረ ኣካል ዝተላጸየ ጸጉሪ ዝተቘርጸ ጽፍሪ ሓደ ነገር ከይተረፈ ርእሲ ኣብ ዘለዎ ቦታ ይእከብ።

ብኻልኣይ ኣዋጅ ኣዕፅምትን ሥጋን ብዘይ ምንቕስቓስ ፍጹም በድኒ (ሬሳ) ይኸውን (ሐዳፌ ነፍስ ቅዳሴ ያዕቆብ) ከም ዝበለ። ብሣልሳይ ኣዋጅ ኣብ ሓደ ግራት ሥርናይን ክርዳድን ምስ ዚዝራእ፤ ሥርናይ ሥርናይ ኰይኑ፤ ክርዳድ ክርዳድ ኰይኑ ከም ዝበቍል፤ ወዲ ተባዕታይ መጠን ኣዳም  30 ዓመት፣ ጓል ኣንስተይቲ መጠን ሔዋን ጓል ዓሠርተ ሐሙሽተ ዓመት ኰይኖም ነዊኅ፤ ሓጺር፤ ቀይሕ፤ ጸሊም፤ ጽቡቕ፤ ክፉእ ዘይኮነ ሓደ ቁመቱ ሓደ መልክዕ ኰይኖም ተተኻኪሎም ይትንሥኡ (1 ቆሮ 15፡52) ተጸኒሶም መዓልቶም ከይ እኸለ ዝሞቱ ሕፃናት ጐቢዞም ኣረግቶት ከም ንስሪ ተሐዲሾም ይትንሥኡ ይብል። (ያዕቆብ . ሐዳፌ)

ጻድቃን ኣብ ብርጭቆ ዘሎ ሜስ፡ ኣብ ፋኑስ ዘሎ መብራህቲ ከምዘይክወል ብባሕርየ ሥጋን ነፍሰን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ሕያዋን ኰይኖም ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጐናጺፎም፤ ብሕይወተ ሥጋ ዘገልግልዎ ንዝነብሩ ንክርስቶስ ጐይትኦም መሲሎም ከም ቋሕ ሰም ቕጽበት ዓይኒ ይትንሥኡ ። ምስኦም  ይደምረና ኣሜን።

ኃጥኣን ከኣ ዝተደጐለ ሓዊ፤ ኣብ ቍራዕ ዘሎ ሜስ ከም ዘይርኣ፤ በኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ ብሓምሻይ ባሕርየ ነፍስ ህያዋን ኰይኖም ጸልማት ለቢሶም፡ ጸልማት ተጓናጺፎም ብሕይወተ ሥጋ ኸለዉ ፍቓዱ ንዝገበሩ ዲያብሎስ መሲሎም ከም ቅጽበት ዓይኒ ይትንሥኡ። (ዮሓ.5፡29) “ወአመ ተርኅዉ አብያተ መቃብራት ይትነሥኡ ሥጋት ወይገብኡ ነፍሳት እምኅበ ውፅኡ ቀዲሙ፤ ወይቀውሙ ቅድመ እግዚአብሔር ዕራቃኒሆሙ በከመ ተወልዱ፡ ወይትከሠት ምግባራቲሆሙ ወይፀዉሩ ምግባሮሙ ዲበ መታክፍቲሆሙ ወይትፈደዩ በከመ ምግባራቲሆሙ ዘገብሩ”

መቓብራት ምስ ተኸፍቱ ሰባት ክትንሥኡ እዮም፡ ነፍሳት ናብ’ቲ ቅድም ወጺኦምሉ ዝነበሩ ሥጋ ይምለሱ እሞ ኣብ ቅድም ወጺኦምሉ ዝነብሩ ሥጋ ይምለሱ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከምቲ ዝተወልድዎ ብዕሩቓቶም ይቖሙ ሽዑ ካብ ንእስነቶም ክሳዕ ጊዜ ሞቶም ዝገበርዎ ተግባሮም ክግለጽ እዩ፡ ኃጢኣቶም ኣብ መንኵቦም ፀይሮም ከኣ ከከም ግብሮም ክፍደዩ እዮም። (መጽ.መቃባውያን ያዕቆብ ቅዳሴ ሐዳፌ ነፍስ)

ሎሚ ጻድቃንን ኃጥኣንን ብሓደ ይቕበሩ ኣለዉ ኃጥኣን ጻድቃን መሲሎም፡ ጻድቃን ኃጥኣን መሲሎም ዶ ክትንሥኡ ኢዮም፧ እንተ ተባህለ ኣይከውንን። ሥርናይን ንሂጕን ሓቢሮም ምስ ዚዝርኡ ሥርናይ ኰይኑ ንሂጕ ንሂጕ ኰይኑ ከም ዝበቍል ጻድቃን ከም ፀሐይ በሪሆም፤ ፈጣሪኦም ክርስቶስ መሲሎም ይትንሥኡ፤ ኃጥኣን ድማ ካብ ዝኸምኦም የድሕነና፡ ከም ኳኽ ጸሊሞም ሓለቓኦም ዲያብሎስ መሲሎም ይትንሥኡ (ማቴ.13፡43)

ከምኡ ድማ ኣራዊት ዝበልዖ ሰብ እቲ ናይ ኣራዊት ሥጋ ምስኡ’ዶ ክትንሥእ ይኽእል፧ እንተ ተባህለ ኣይክእልን። እኽልን ሓመድን ብሓደ ይዝራእ እቲ እኽሊ ይበቍል ሓመድ ድማ ይተርፍ። ከምኡ ኸኣ ሥጋ ይተርፍ ። (1ቆሮ.15፡42) (ያዕቆብ. ሐዳፌ ነፍስ)

ብድሕሪ’ዚ ጐይታ መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ  ከይበለ ብዝሞተሉ ሥጋ ከም ዝተንሥኣ ኵሎም ሙታን ከምኡ መቓብር ክፈቱልና መግነዝ ፍትሑልና ከይበሉ ብዝሞትዎ ሥጋ ይትንሥኡ ከም ንስሪ ተሓዲሶም፤ ከም ስየ ተመልሚሎም ከም ቅጽበት ዐይኒ ተንሢኦም ከም ጽፍቀተ ሮማን ኰይኖም ኣብ ቅድሚ ጐይታ ይቖሙ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  በቲ ዝተወሃሃዶ ሥጋ ብግርማ መንግሥቱ ናብ ሰማይ ከምዝደየበ በቲ ዝተወሃሃዶ ሥጋ ብግርማ መለኮቱ መጺኡ ኣብ ናይ ጐይትነቱ ዙፋን ተቐሚጡ፡ ከም ፀሐይ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ ኵሉ ዘለዉዎ ቦታ ክረኣዮም እዩ። (ማቴ.24፡27)

ንጻድቃን ፍቕሪ፤ ንኃጥኣን ድማ በቐል መዘኻኸሪ ንክኸውን ዝተሰቐለሉ መስቀል ዝተሸንከረሉ ሽንካር ኣብ ቅድሚኡ ክርኣ እዩ። (ራእ.1፡7) መላእኽቲ ከኣ ኣጽዋሮም ከም ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኰይኖም ተሰሊፎም ክቖሙ እዮም፣ ዲያብሎስ ድማ “ ወያመጽእዎ ሰመንቱ ኃይላን መላእክት ለብርያል” ይብል ናይ ኃሣር ዘውዲ ደፈኡ ዐይኑ ብደም ተዘጊሑ፡ ብናይ እሳት ሰንሰለት ሓፂን ተኣሲሩ፡ እናረዓደን እና ኣንቀጥቀጠን የምጽእዎ’ሞ ኣብኡ ምስ በጽሐ ዘውዱ ገፊፎም ምስ ሠራዊቱ ኣብ ዝግብኦ ቦታ የቑምዎ። በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ወንጌል ከም እተጻሕፈ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጻድቃን ኣመስጊኑ።

“ንዑ ኀቤየ ብሩካኑ ለአቡየ ትረሱ መንግሥተ ሰማያት ዘድልዉ ለክሙ እምቅድመ ዓለም” ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት እቲ ዓለም ክፍጠር ኰሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ክትወርሱ ንዑ ናባይ ይብሎም፡ (ማቴ.25፡34) ንክርስቶስ ጐይትኦም ተኸቲሎም ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ናብ መንግሥተ ሰማያት የኣትዉ ምስ ኦም ይደምረና።  ይ.ሕ. ኣሜን። ንኃጥኣን ከኣ ወቒሱ።

“ሑሩ እምኔየ ርጉማን ውስተ እሳት ዘለዓለም ዘድልው ለሰይጣን ወለመላእክቲሁ” ኣቱም ርጉማት ካባይ ርሓቘ ናብቲ ንሰይጣንን ነጋንንቱን ዝተዳለወ ናይ ዘልዓለም ሓዊ ኪዱ ይብሎም ካብኦም የድሕነና። (ማቴ. 25፡41) ሽዑ ብናይ እሳት ገመድ ተሳሒቦም ሓለቓኦም ዲያብሎስ ተኸቲሎም ናብ ናይ ዘለዓለም ሞት ናብ ገሃነም ይኸዱ።

ካብ’ዚ ንደኃር ዘውሰቡ ከም ዘየውሰቡ፤ ዝሐዘኑ ዝበኸዩ፤ ከም ዘይሐዘኑ፤ ከም ዘይበኸዩ፤ ዝተሐጐሱ ከም ዘይ ተሓጐሱ ዝተደሰቱ ከም ዘይተደሰቱ፤ ዝገዝኡ ከም ዘይገዝኡ፤ ዝበልዑ ዝጸገቡ ከም ዘይጸገቡ ከም ዘይሰተዩ ይዀኑ ይብል። (1ቆሮ 7፡29-30)

ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ዝነበረ ደስታን፤ ሓጐስን፤ ሓዘንን፤ ብኽያትን ከም ሕልሚ ኰይኑ ይተርፍ። ናይ ዓለም መጨረሻን ናይ ወዲ ሰብ ፍጻሜን በዚ ዀነታት እዚ የብቅዕ፡ ዕድልና ምስ እቶም ፍቓድ ጐይታ ገይሮም ብሩኻት ናይ ኣቦይ ንዑ ናባይ ተባሂሎም ዝተጽውዑን ዝተመረጹን ጻድቃን ኽገብረልና።

“በከመ ምሕረትከ አምላክነ ወአኮ በከመ አበሳነ ትምጻእ መንግሥትከ ወይኩን ፈቃድከ” ኦ ኣምላኽና ከም ምሕረትካ እንበር ከም በደልና ኣይኹን፤ መንግስትኻ ትምጻእ፤ ፍቓድካ’ውን ይኹን እናበልና ጸሎት ምግባር የድልየና።

ኣተሓሳሲቡ:ኣጀሚሩ:ንምፍጻም ንዘብቅዓኒ ልዑል እግዚአብሔር ምስጋና ይብጻሐዮ ኣሜን።
ነዚ ንምድላው ዝተወከስኩሎም መጻሕፍቲ
1:ሥነፍጥረት፣ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፣ዝብል አባ ወልደገብርኤል ዘዳለውዎ መጽሓፍ 
2:ሃይማኖት አበው መጽሓፍ
3:መጽሓፍ ቅዱስ ግእዝ/ትግርኛ 
4:ባሕረ ሓሳብ መጽሓፍ 
5:የኢትዮጵያ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ስርዓተ አምልኮ፣መጽሐፍ

10 October 2014

ምስጢረ ቁርባን




 “ዘበልዐ ሥጋየ ወሰተየ ደምየ ቦ ሕይወት ዘለዓለም
እስመ ሥጋየኒ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን ወደምየኒ ስቴ ሕይወት ዘበአማን ውእቱ”

ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ ኣነ’ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከትንሥኦ እየ፡ ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፤ ደመይ’ውን መስተ ሓቂ እዩ ከም ዝበለ። (ዮሓ.6፡45)

ምሸት ሓሙስ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ’ቲ ንድራር ኢሎም ዝቐረቡሉ እንጌራ ዘይሓረረን ዘይነቕዔን መሪጹ ኣልዒሉ ባሪኹ ኣኽበረ፤ ለወጠ፤ ኣተዐራረየ ኣብ ዓሠርተ ሠለስተ ገይሩ ቈረሰ፡ ስለ ምንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ጽባሕ ዓሠርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ክቕበለልኩም እየ ንማለት እዩ። ዓሠርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል  ኣዮኖት እዮም ንዝብል ሕቶ፦                            

 ፩. አክሊለ ሦክ
 ፪. ተጽፍዖ መልታሕት  
 ፫. ተወክፎ ምራቅ  
 ፬. ተኰርዖ ርእስ  
 ፭. ስትየ ሐሞት  
 ፮.ተአሥሮ ድኅሪት  
 ፯. ተቀሥፎ ዘባነ
 ፰. ርግዘተ ገቦ(ፀዊሪ መስቀል)
  +ሓሙሽተ ቅንዋት መስቀል:- ሳዶር፤ ኣላዶር፤ ዳናት፤ ኣዴራ፤ ሮዳስ እዮም። (ማቴ.26-28)

ክልተ ኣእጋሩ በበይኑ ገይሮም ሸንኪሮምዎ እንተ ዀይኖም ዝጠዓመ፤ ደሪቦም ሸንኪሮምዎ እንተ ዀይኖም ውጋኡ ይቝጸር፡ ካብ እቲ ዓሰርተ ሠለስተ ሓደ ንርእሱ ተቐቢሉ እቲ ዓሠርተ ክልተ ንሓዋርያት ሀቦም፡ “ጥዒሞ ኣጥኣሞሙ” ከም ዝበለ፡ (ሥርዓተ ቅዳሴ) ስለምንታይ “ዝውእቱ ሥጋየ”  እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉዎም ስለ ዝነበረ፤ ናይ ሰብ ሥጋ’ዶ ይብላዕ እዩ ኢሎም ከይገርሞም መድፈሪ ንኽዀኖም ንማለት።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከይተቐበለ ኣቐቢልዎም እንተ ዝኸውን፤ ከምኡ ድማ ሎሚ ቀዳሲ ካህን ከይተቐበለ ኣቐቢሉ ምወፀ ነይሩ እሞ ተቐቢልኩም ኣቀብልዎም ንማለት ኣብነት ንሙዃን። (ማር.14፡24)

ከም’ዚ ገይሩ ጽባሕ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝሥዋዕ ሥጋይ እዚ እዩ እንኩ ብልዑ ኢሉ ሀቦም፡ ከምኡ ኸኣ ጽዋእ ኣልዒሉ ዘሐዲስ ሥርዓት ማለት ሓዲሽ ዝኾነ ሥርዓት ብተሓድሶ ጸኒዑ ዝነብር ብእምነት ጸኒዖም ንዝቕበልዎ መተሓሐዚ ሓዳስ መንግሥተ ሰማያት ዚኸውን ኃጢኣት ንምሥትስራይ ዘኽእል ምእንቲ ብዙኃት ዝፈስስ ደመይ እዚ እዩ ካብኡ ስተዩ ኢሉ ሀቦም። ካብኡ ኢሉ ብኸፊል ምዝራቡ ሓደ ሰብ ተቐቢሉ ስለ ዘይውድኦ ክሳብ ዕለት ምጽኣት ክወህብ ስለ ዝነብር። (ማቴ 26፡26)

ስለ’ዚ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ኣካላትካ ቀጥ ኣቢልካ ቀዊምካ ንዑኡ ጥራይ ምሕሳብ ደኣ እንበር ካልእ ነገር ምምጻእ ንየማን ንጸጋም ምባል ብሓሳብ ኮነ ብግብሪ ምንቅስቓስ ኣይግባእን።

ሥጋኡን ደሙን ብወርቂ ብብሩር ዘይገብሮ ብመብልዕ ዝገበሮ ስለ ምንታይ እዩ እንተ ተባህለ ወርቅን ብሩርን ካልእ ሀብትን ኵሉ ኣብ ወጻኢ እዩ ዝተርፍ፤ መብልዕን መስተን ግን ኣብ ሰውነት ስለ ዝወሃሃድ እሞ ብሓቒ ከም ዘፍቀረና ንምርዳእ እዩ።

“ሶበሰ ኢያፍቀርክዎሙ ለውሉደ ሰብእ እምኢያስተርኣይክዎሙ በዝንቱ ሥጋ” ንደቂ ሰባት እንተ ዘይፈትዎም ብሥጋ ኣይምተገለጽኩሎምን ነይረ ከም ዝበለ። (ቀሌምንጦስ)

ካልኣይ ከኣ ወርቅን ብሩርን ካብ ዝሃበ ጠሚኻ ከሎኻ ዘብለዐን ጸሚእካ ከሎኻ  ዘስተየን ከም ዝፍቶ፤ ኣነ እፈትወኩም እየ እሞ ንስኻትኩም ድማ ፍተዉኒ፡ ትእዛዛተይ ከኣ ሓልዉ ንማለት እዩ።

እዚስ ይኹን ብዙሓት ኣትክልቲ ከለዉኸ ንምንታይ እዩ ብሥርናይን ብወይንን ዝገበሮ እንተ ተባህለ፡ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንኽፍጸም ትንቢት “እምፍሬ ሥርናይ ወወይን ወቅብዕ በዝኃ” ካብቶም ሥርናዮምን ወይኖምን ምስ በዝሐ ካብ ዝሕጐስዎ ኣዝዩ ዓዘዘ ከም ዝበለ፡ (መዝ።4፡7) “ቀዳሜ ሕይወቱ ለሰብእ እክል ወማይ ወይንን ወሥርናይ”፡ ቀዳማይ ሕይወቱ ንሰብ እኽልን ማይን፤ ወይንን፤ ሥርናይን እዩ ይብል፡ (ሲራክ.34፡21) “ለዘኢይስቲ ወይነ ምንት ውእቱ ሕይወቱ” ዝበሎ እዩ።

ትንቢቱ እዚ ክኸውን ከሎ፡ ምሳሊኡ ድማ መልከጼዴቅ ብሥርናይን ወይንን መሥዋእቲ ይገብር ነይሩ ይብል፡ ትንቢቱ ብዝፈለጦ ኣናገሮ ምሳሌኡ’ውን ብዘፈለጦ መሰሎ፤ ምሥጢሩ እንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ሥርናይ ወሓለ ሰበይቲ ክትሕዞ ዀላ ስቡሕ ሥጋ ይመስል፤ ወይን’ውን ውዑይ ደም ስለ ዝመስል ብዝመስል ነገር ንምሀብ ተማሳሳሊ ሥርዓት ሠሪዐልኩም ንማለት እዩ።

ከምኡ’ውን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን እግዝእትነ ማርያምን ዝምገብዎ ዝነበሩ ሥርናይን ወይንን ስለ ዝነበረ ሓቀኛ ሥጋኡን ደሙን ከም ዝሀበና ንምርዳእ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ኣቦ ምዃኑን ንዘለዓለም ሕይወታዊ መግቢ ምዃኑን መረድእን ናይ  ኣማውትኡ መዘከርን ዝኸውን ሓደ ጊዜ ተጠሚቕና ኵሉ ጊዜ ኸኣ ሥጋኡን ደሙን ከም ንቕበል ገበረ። (ማቴ.6፡11 ዕብ.6፡2)

ሓደ ነገር ከኣ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣብ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኣብያተ ክርስትያናት እንተ ተሠውአ ከም ኣሽሐት ኣባጊዕ ኣብ ኣውደ ዓመት ዝሕረዳ ኣይኰነን፤ ኣብ ኩሉ ዓለም እንጥመቐሉ ካብ ጐድኒ ጐይታና ብዕለት ዓርቢ ዝተረኽበ ሓደ ማይ ከም ዝዀነ፤ ዚሥዋእ ሥጋኡ ድማ ከምኡ እቲ ብመዓልቲ ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ነፍሲ እተፈልዩ መለኮት እተዋሓሓዶ ሓደ ኣካል እዩ፡ “ሞተ ብሥጋ ወሐይወ በመንፈስ”።(1ጴጥ.3፡19)

ካልኣይ ድማ ሎምን ጽባሕን ዝሥዋእ  በጊዕ ፍሉይ ከም ዝዀነ፤ ሎምን ጽባሕን ዝሥዋዕ ሥጋ ጐይታ ከምኡ ዝተፈለየ ኣይኰነን ንሱ ብዕለት ዓርቢ ዝተሠውአ ሓደ ኣካል እዩ። ኣብ ዓሰርተ ክልተ ኣብ ሰብዓ ኣብ ሰማንያ ካብኡ ዝበዝሓ ኣብያተ ክርስትያናት’ውን እንተ ተፈተተ ከም ናይ በጊዕ ሥጋ ሓደ ኢድ፤ ሓደ እግሪ ከም እተኽፋፈለ ኣይኰናን እንቕበሎ፤ እንታይ ደኣ ነፍሲ እተፈልየቶ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝዀንዎ፤ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝዀነ ወልድ እዩ።

ስለ’ዚ ዝኰነ ምእመን ፍጹም ኣካል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እዩ ዝቕበል እምበር ብኸፊል ኣይኰነን ዝቕበሎ። ካብ’ዚ ንደሓር ዕጹብ ድንቂ ኢልካ ምእማን የድሊ እንበር ይኸውን ዶኾን ኣይከውንን ኢልካ ምጥርጣር ኣይግባእን። ካብ’ዚ ሓሊፍካ ምምርማር ድፍረት ዝቝጸር እዩ።

“ወበእለ ከናፍር ፆታ ነጊር ኢይትከሀል ጥንቁቀ” በዚ ከናፍር እዚ ናይ ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ነገር ፈሊኻን  ተጠንቂቕካን ክዝረብ ኣይከኣልን ከም ዝበለ ጐይታ። (ብትምህርተ ኅቡኣት)

እዚ ክኸውን ከሎ’ውን ሓድነቱን ሠለስትነቱን ተረዲኡን፤ ሥነ ፍጥረት ፈሊጡን ምሥጢረ ሥጋዌኡ’ውን ተማሂሩ፤ ንብሃይማኖቱ ዝጸንዐን ትሕትናን ሕያውነትን ኂዙ ንዝተረኽበን ደኣ’ምበር ንማንም ምግላጽ ኣይግባእን “ኢተደዩ ባሕርየክሙ ቅድመ ኣኅርዉ ከመ ኢይኪድዎ በእገሪሆሙ ወተመይጦሙ ይነጽሑክሙ” (ማቴ.7፡6) ከም ዝበለ፡

ስለ’ዚ ካህን “አሐዱ ኣብ ቅዱስ፤ አሓዱ ወልድ ቅዱስ፤ አሓዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብጺሑ “ይረስዮ ሥጋሁ ወደሞ” ኢሉ ብዝባርኾ ጊዜ ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ተለዊጡ እቲ ሕብስቲ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝተሰቕለ ነፍሲ እተፈልየቶ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝዀንዎ ውዑይ ሥጋ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኸውን፤ እቲ ወይኒ ድማ የማናይ ጐድኑ ብኵናት ምስ ተወግአ ዝፈሰሰ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን፤ መንፈስ ቅዱስን፤ ህልዋን ዝዀንዎ ውዑይ ደም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኸውን።

በቲ ጊዜ እቲ ኣቐባሊ ካህን እዚ ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ክርስቶስ ጐይታ  ሥጋን ደምን እዩ ኢሉ ክህብ ከሎ ተቐባሊ ምእመን ከኣ ሐቂ ብሓቒ ኢሉ ብዘይምጥርጣር ብዝተቐበሎ ጊዜ ከምቶም ብምሸት ሓሙስ ዝተቐበሉ ሓዋርያት ይኸውን ንዓና’ውን ከምኡ ይግበረልና፡ ኣሜን።

“ዘበልዐ ሥጋየ ወሰተየ ደምየ ይሄሉ ምስሌየ ወአነሂ እሄሉ ምስሌሁ” እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዝሰቲ ምሳይ ይነብር፤ ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር (ዮሓ.6፡57) ዝበሎ ጸጋ ይረክብ፤ እንናተጠራጠረ ዝቕበሎ ግን ከም’ቲ ምሸት ሓሙስ ዝተቐበለ ይሁዳ ይኸውን ካብ’ዚ ከምኡ የድኅነና።

“ወእምድኅረ ውእቱ ኅብስት ቦኣ ሶቤሃ ሰይጣን ውስተ ልበ ይሁዳ” ድሕሪ እታ ቍራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ኣብ ልቢ ይሁዳ ኣተወ ከምዝበለ ፍዳኡ ይቀበል።

እዚ ዝኾነ ብሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሠላሳን ሠለስተን ዓመት ዓለም ዕሥራን ሽዱሽተን መጋቢት ዕለት ሓሙስ ብዘመነ ማርቆስ እዩ።

ካብ ብዙሕ ውሑድ ምሥጢረ ቍርባን ነዚ ይመስል፣
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን፣


06 October 2014

ምስጢረ ጥምቀት



ኃዲጎ ፺፱ተ ነገደ ቆመ ማእከለ ባሕር፣

ጐይታ ቅድሚ ዓለም ብልቢ ዝመኸሮን ብነብያት ዝተዛረቦን ትንቢት ንምንፋጻም፤ ዓለም ንምድሓን፤ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ፤ ተወሊዱ ኸኣ ሕጊ ጠባይዓዊን፤ ሕጊ መጽሐፋዊን፤ እናፈጸመ ዓበየ። “ልሕቀ በበሕቅ እንዘ ይትኤዘዝ ለአዝማዲሁ ወለይእቲ እሙ”፤ "ነዲኡን ነዝማዱን እናተኣዘዘ በብንእሽቶ ዓበየ" (መቅድመ ወንጌል)፤ ባህርያዊ ሕጊ በብንእሽቶ ምዕባይ እዩ፤ ሕጊ መጽሓፋዊ ከኣ ሕገ ኦሪት ምፍጻም እዩ። “እግዚኦ ለኦሪት ገብረ ብሕገ ኦሪት ከመ ይሣየጦሙ ለእለ ውስተ ኦሪት”፤ "ጐይታ ሕጊ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንዝነብሩ ንምብጃው ሕጊ ፈጸመ" ከም ዝበለ።(ገላ።4፡4)



ናይ ኦሪት ሕጊ ምፍጻም ከኣ እዚ እዩ ፤ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ’ውን፤ እጕለ ርግብን ዘውገ ማዕነቅን ኂዝካ ናብ ቤተ መቕደስ  ንምብራኽ ምእታዉ፤ ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ በዓል ንምኽባር ኢየሩሳሌም ምኻድ እዩ፡ (ሉቃ 2፡21-24) “ሠለስተ ጊዜያተ ለለዓመት ለያስተሪ ተብዕትከ”:: ከም’ዚ ኢሉ እናዓበየ ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ መልአ ብዘመነ ሉቃስ ዓሠርተ ሓደ ጥሪ ሠሉስ መዓልቲ ብኢድ ዮሃንስ ንምጥማቕ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ከይዱ፤ ንዮሓንስ ኣጠምቐኒ በሎ፡ ዮሓንስ ግን ኣነ ባርያኻ ብኢድካ እየ ኽጥመቕ ዘለኒ እምበር ንስኻ ጐትይስ ብኢደይ ክተጥመቕ እዚ ግቡእ ኣይኰነን፤ ግቡእስ  ኣነ ናባኻ ክመጽእ እየ ዘሎኒ እምበር፤ ንስኻ ናብ ባርያኻ ናባይ ክትመጽእ ኣይግባእን፤ ብማለት ኣይከውንን እዩ ኢሉ ኣበዮ። ጐይታ ግን “ኅድግ ምዕረሰ እስመ ከምዝ ተደላ ለነ”፤ "ንዓና ንሥላሴ ሓድነትናን ሠለስተነትናን ዝግለጸሉ ደስታና እዩ’ም ሓደ ጊዜስ ግደፍ ደኣ በሎ"፤ ሓደ ጊዜ ምስ ተጠምቐ ካልኣይ ስለ ዘይጥመቕ፤ ንመጻኢ’ውን ጥምቀት ሓደ ጊዜ ምዃኑ ንምርዳእ፡ “ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት” ከም ዝበለ። (ዕብ. 1-2)

ብሓደ ወገን ከኣ ንርእሱ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእመናን ቈጺሩ፤ ንዓና ንምእመናን ካብ ሥላሴ ንውለደሉ ሓጎስና እዩ’ም ሓደ ጊዜስ ይኹን ደኣ በሎ፡ ድኅሪ’ዚ ተታሓሒዞም ናብ ሩባ ወሪዱ ሽዑ  ግዜ ብስም አብ ከየጠምቐካ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ህልዊ እዩ፤ ብስም ወልድ ከይጥምቐካ  ወልድ ንስኻ ኢኻ፤ ብናይ መን ስም ደኣ’ሞ ከጠምቐካ እየ፧ “አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጸዴቅ ፤ ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሥሃለነ”፤ ከም ሽመት መልከ ጼዴቅ ንስኻ ንዘልዓለም ካህን፤ ወዲ ቡሩኽ ገላጺ ብርሃን ይቕረ በለልና ኢልካ ኣጠምቐኒ በሎ፡ ኢዱ ኣየቐመጠሉን ዘርጊሑ ኢዱ ጠጠው ብዝበለ “ወፈልሑ ማያት ከም ዘሞቁ” ማያት ከም ዝፈልሑ ሞቑ፡ ማይ እናተማላለሰ ሠለስተ ጊዜ ሓፂብዎ ወረደ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ስለ ምንታይ ተጠምቐ፧ እንተ ተብህለ ንስኻትኩም’ከ ከማይ እንተ ተጠምቕኩም ውሉድነት ትረኽቡ ማለት ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ ደቂ ሥላሴ ትዀኑ ንምባል እዩ። “አኮ ፈቆዶ ለተጠምቆ አላ ከመ የሀበነ ሱታፌ ንጽሕና” ነዓና ካብ ኃጢኣት ዘንጽሕ ውሉድነት ንኽህበና እምበር ንጐይታስ ጥምቀት ዘድልዮ ኣይነበረን ከም ዝበለ።

ሕራይ እዚስ ይኹን ብዙሓት ሩባታትት ከለዉ’ከ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቐ ሰለምንታይ  እዩ እንተ ተባህለ፤ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንምፍጻም እዩ። ትንቢት ማለት “ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ወዮርዳኖስኒ ድኅሪሁ” ባሕሪ ርእያ ሃደመት፤ ፈለግ ዮርዳኖስ ከኣ ንድሕሪት ተመልሰ(መዝ.114፡3-4) ምሳሌኡ ድማ ኣብርሃም ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ምስ መልከጼዴቅ ምስ ተራኸበ መልከ ጼዴቅ ኅብስተ ኣኰቴትን ጽዋዓ በረከትን ሀቦ ይብል፡ ኣብርሃም ናይ ምእመናን ምሳሌ፤ መልከ ጼዴቅ ናይ ካህናት ምሳሌ፡ኅብስተ አኰቴት ጽዋዓ በረከት ናይ ሥጋኡን ደሙን ምሳሌ፤ ዮርዳኖስ ድማ ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። (ዕብ.7፡1-8) ምሳሌኡ ብዙሕ እዩ፤ ንመረድኢ እዚ የኣክል።

ትንቢቱስ ንሱ ብዘፈለጦ ኣናጊርዎ፤ ምሳሌኡ ውን ንሱ ብዝፈልጦ መሲልዎ ኣሎ፡ ምሥጢሩ እንታይ እዩ እንተ ተብህለ፤ ንኣዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ድኅሪ ምውፃኦም ኣብ ሥነ ፍጥረት ከምዝተመልከትናዩ ዲያብሎስ መግዛእቲ ኣጽኒዕሎም ነበረ። እሞ እዚ መግዛእቲ ከቕልለልኩምሲ ናይ ተገዛእነትኩም ስም ጽሒፍኩም ኃቡኒ በሎም እሞ ንሳቶም ከኣ ኣዳም ባርያ (ግዙእ) ዲያብሎስ፤ ሔዋን ባርያ (ግዚእቲ) ዲያብሎስ ኢሎም ጽሒፎም ሀብዎ።  ጽሒፎምስ ኣይሀብዎን ይኵነና ሕራይ ማለቶም ደኣ እዩ፡ ንሱ ግን ኣብ ክልተ እብነ በረድ ጽሒፉ ሓደ ኣብ ሲኦል፤ እቲ ሓደ ከኣ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሓቢእዎ ነበረ እሞ፤ ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበረ  ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰውነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ኣጥፈኣሎም፡ “ወደምሰሰ ለነ መጽሐፈ ዕዳነ በሥርዓቱ እምዕድውነ፤ ወአእተቶ እማእከሌነ ፤ ወቀነዎ በመስቀሉ፡” ነቲ ብሕጋጋት ዝቓወመናን ዝበኣሰናን ዘነበረ ብኢድ ጸላኢና ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዕዳና ደምሰሶ ፤ ኣብ መስቀል ሸንኺሩ’ውን ካብ ማእከልና ኣርሓቖ ይብል። (ቈላ።2፡14) “ወሰጠጠ መጽሐፈ ዕዳሆሙ ለአዳም ወለሔዋን ወረሰዮም አግዓዝያነ” መጽሓፍ ዕዳኦም ቀዲዱ ንኣዳምን ሔዋንን ነፃ ኣውፀኦም ከም ዝበለ። (ወዳሴ ማርያም .ዘሰኑይ) እቲ ኣብ ሲኦል ዝነበረ ከኣ ብመዓልቲ ዓርቢ በኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ደምሰሰሎም።(1ጴጥ.3፡19)

ስለምንታይ እዩ ጥምቀቱ ብማይ ዝገበረ ብመዓር፤ ብጸባ ዘይገበሮ እንተ ተባህለ፤ መዓርን ጸባን ኵሉ ኣይረኽቦን እዩ፣ ማይ ግን ኵሉ ስለ ዝረኽቦ ብማይ ተጠመቐ። ካልኣይ ነገር’ውን መዓርን ጸባን ናይ ሥጋ መልክዕ ኣየርእን እዩ ማይ ግን መልክዕ ሥጋ ከም መስትያት ስለ ዘርኢ ከምኡ ደማ ጥምቀት መልክዕ ነፍሲ የርኢ። መዓርን ጸባን ተኽሊ የድርቑ እምበር ኣየለምልሙን እዩም፤ ማይ ግን ተኽሊ ስለ ዘለምልም ብጥምቀት ከኣ ልምላሜ ነፍስ ምርካብና ንምርድእ እዩ። መዓርን ጸባን ንልብሲ የርስሕዎ እምበር ኣይንጽሕዎን፣ ማይ ግን ስለ ዘንጽሕ ብጥምቀት ከኣ ንጽሕና ነፍሲ ምርካቡ ንምርዳእ እዩ። ብማይ ዝተጠምቐ ንምንታይ ዝብል ሕቶስ ብዙሕ እዩ ንመረድኢ ግን እዚ የኣክል።

ተጠሚቑ ብኡብኡ ካብ ማይ ምስ ወፀ እግዚአብሔር ኣብ፤ አብ ደመና ኰይኑ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፍቀር ዘቦቱ ሠመርኩ” ብእኡ ዝተሓጐስስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ ኢሉ ናይ ባሕርይ ወዱ ምዃኑ መስከረ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ዓለበ ፤ ኣካላዊ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ወሰን ባሕሪ ዮርዳኖስ ቆይሙ ተራእየ ፡ ኣብ ደመና ኰይኑ ዝመስከረ ክርስቶስ ብቃልነት፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት ህልዋን ዝዀንዎ አብ እዩ። ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ንወልድ ኣብ ርእሱ ዝተቕመጠ ኸኣ አብ ብልብነት ወልድ ብቓልነት ዘለውዎ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ቆይሙ ዝተራእየ አብ ብልብነት፡ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት፡ ዘለውዎ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ እዩ ። በቲ ጊዜ እቲ ናይ ብባሕርይ ሓደነቶምን ናይ ብኣካል ሠለስተነቶምን ንምርግጋጽ፤ ኣብ፡ ኣብ ደመና ኰይኑ መስከረ፤ ወልድ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ቆይሙ ተራእየ፤ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብርግቢ ኣምሳል ወሪዱ ተራእየ ፤ ስለ’ዚ ንዓና ንሥላሴ ደስታና እዩ እሞ ሓደ ጊዜስ ይኹን ደኣ ግደፍ በሎ። (ማቴ 3፡15) ።

ተጠሚቑ ከይወዓለ ከይሓደረ ንጊዚኡ በረኻ ቆሮንቶስ ከይዱ ኣርብዓ ለይትን ጾመ፤ ስለ’ዚ ጾም ናይ ሕጊ መጀመርታ ገበረ። መዓልታት ጾሙ ምስ ፈጸመ ዲያብሎስ ብሠለስተ አርእስተ ኃጣውእ ተፈታተኖ ንሳተን ከኣ ትዕቢት፤ ስስዕቲ ፤ ኣፍቅሮተ ንዋይ እየን፡ ብትዕቢት እንተ መጾ ብትሕትና፤ ብስስዕቲ እንተ መጾ ብትዕግስቲ ፤ በፍቅረ ንዋይ እንተ መጾ ብመንኖ ንዋይ በዚ ኣሸነፎ፡ ሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ እተብሃኃሉ እዚኣቶም እዮም፤ ሎሚ’ውን ምእመናን በዚኣቶም እንተ ዘይተሸኒፎም ብኻልኦት ኃጢኣት ኣይሽነፉን እዩም።(ማቴ.4፡1-10) ካብ ገዳም ቆሮንጦስ ወፂኡ ከኣ ወንጌል ክምህር ጀመረ፤ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኂን ኣብ ምድሪ እስራኤል እናዞረ በብዕይነቱ ዝዀነ ተኣምራት እናገበረ መሃረ።

ካብኡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲን ሠላሳን ዓመተ ዓለም ብዘመነ ሉቃስ ተጠምቐ። ጊዚኡ ጥሪ ዓሠርተ ሓደ መዓልቲ፣ ንኽጸውም ኣብ በረኻ ቆሮንጦስ ኣተወ፤ ናይ ጥሪ ዕሥራ ካብ የካቲት ዕሥራ ወሲኹ ኣርብዓ መዓልቲ ቀዳም ጾም ይፍጽም። ናይ ጥሪ ባሕቲ ቀዳም፤ ናይ የካቲት ድማ ሰኑይ ነበረ እሞ፤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ የካቲት ዕሥራ ሰንበት መዓልቲ ካብ በረኻ ቆሮንጦስ መጺኡ፣ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ሠሉስ ናብ መርዓ ተዓዲሙ ናብ ቃና እትብሃል ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርክብ ዓዲ ከደ። ኣብኡ ናይ ወንጌል መጀመርታ ዝዀነ ተኣምራቱ ኣብ ቃና  ንማይ ወይኒ ገበረ። ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ  ኾነ ቀዳማይ ምዃኑ “ወዝንቱ ውእቱ ቀዳሚ ተአምር ዘገበረ” ዝበሎ ስለዚ እዩ። (ዮሓ።2፡1-11) መበል ዓሰርተ ሓደ ዝተሾመ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ  ዝብሃል በአብቅቴን መጥቅዕን ኣዳልዩ ክሳብ ዝውስኖ ዓብይ ጾም ከም ኵሉ በዓላት መዓልቲ ቈጺርካ ጥራሕ ብማንም መዓልቲ ይጅምር ነይሩ። ከምኡ’ውን ካብ ደብረ ዘይቲ ጀሚሮም ክሳብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዝርከቡ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ማንም መዓልቲ ይውዕሉ ነይሮም።

ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ጥምቀት

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዓርቢ መዓልቲ ምስ ተሰቕለ ካብ የማናይ ጐድኑ ብዝፈሰሰ ማየ ገቦ ተጠሚቕና ብጸጋ ውሉደነት ረኺብና ደቂ ሥላሴ ንኸውን። ክንጥመቕ ከሎና ኸኣ ኣወዳት ኣዳም ተፈጢሩ ገነት ብዝኣትወሉ ብኣርብዓ መዓልቲ። ኣዋልድ እንተ ኾይነን ከኣ ሔዋን ተፈጢራ ናብ ገነት ብዝኣተወትሉ ብሰማንያ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ተወሲደና ናይ ጥምቀት ሥነ ሥርዓት ይፍጸመልና። (ዘሌ። 12፡1-8፡ ኩፋ።4፡8-13) ንመልከት።

"ወእንዘ ታጠምቅዎሙ በሉ በስመ  አብ  ወልድ  ወመንፈስ  ቅዱስ" ብዝበሎ መሠረት ፤ ካህን ሥርዓተ ጥምቀት ኣብጺሑ “አሐዱ አብ ቅዱስ ፤ አሓዱ ወልድ ቅዱስ፤ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ብዝባረኾ ማይ ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ተለዊጡ እቲ ብመዓልቲ ዓርቢ ካብ ናይ ጐይታና ጐድኒ ዝፈሰሰ ጽሩይ ማይ ይዀነልና ፤ ብኡኡ ተጠሚቅና ብጸጋ ካብ ሥላሴ ንውለድ።

“ዘኢተወልደ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር” ብሓቂ ብሓቂ እብለካ  ኣለኹ ሰብ ካብ ማይን፤ ካብ  መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን ከም ዝበለ (ዮሓ.3፡5፡)
ምስጢረ ጥምቀት ብሓጺሩ ነዚ ይመስል፣
 ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን፣

03 October 2014

ምስጢረ ስጋዌ





ወውእቱ ቃል ስጋ ኮነ:
(እቲ ቃል ሥጋ ኮነ)።



ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ዘልዓለማዊ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ሰብ ዝዀነሉ ማለት ናይ ሰብ ሥጋ ዝለበሰሉ ምሥጢር እዩ።


እግዚአብሒር ንኣዳም ንሔዋንን ካብ ኣርባዕተ ባሕርያት ፈጢሩ ብመንፈስ ቅዱስ ቀዲሱ ኣኽቢሩ ብዘይካ ሓንቲ ኦም በለሰ ኵሉ ወንኑ ብልዑ ስተዩ ኢሉ ኣብ ገነት ኣቐመጦም፡ ነታ ኦም እቲኣ’ውን ነፊግሎም ኣይኰነን እንታይ ደኣ ናቱ ገዛእነትን ናታቶም ተገዛኢነትን ንኽፈልጡ ንመጻኢ’ውን ሥርዕት ጾም ንኽምህሮም እዩ።(ዘፍ.2፡6-7)


ሸውዓተ ዓመት ትእዛዙ ሓሊዎም ብውሉድነት ጸኒዖም ክነብሩ ኸለዉ ብድሕሪኡ ግን ናይ ከይሲ ምኽሪ ሰሚዖም ፤ ኣምላኽነት ተመንዮም ትእዛዙ ኣፍረሱ፤ ካብ’ታ ኣይትብልዑ ዝበሎም ኦም በሊዖም፤ ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ተፈርዶም፤ “ሞት ግን ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ኣብኣቶም ከም’ቲ ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ኣብ ዝገብሩን ዘይገብሩን ነጊሡ ነበረ’’። (ሮሜ .5፡14)



ብድኅሪ’ዚ ጽቡቕን፤ ክፉእን ፤ ነዊሕን ፤ ሐጺርን ፤ ቀይሕን ፤ ጸሊምን፤ ምግቡ እንተ በላዕካዮ ደዌ ሥጋ ፍልጸት ፤ቅርጸት ፤ መንፋሕቲ ፤ ቅርጥማት፡ ደዌ ነፍሲ ኸኣ ዝሙት፤ ኃጢኣት ኣብ ዝነግሠሉ ናብ’ዚ ዓለም’ዚ ሰደዶም “ወተሰዱ ውስተ ምድረ ሕማም ወኣርአያ ሕሱም ወኃሣር ወሲሳየ ኃዘን” ከም ዝበለ። (መቅ.ወንጌል)



ነገር ግን ኣብ ጐድኒ ቁጥዓኡ ምሕረቱ ከም ዘሎ ፈሊጦም ተጣዒሶም ሚእቲ ዓመት ንስሓ ኣትዮም በኸዩ፤ “ወኮኑ ውስተ ኃዘን ምእተ ዓመት”፡ ብፍጥረቱ ጨኪኑ ዘይጭክን ጐይታ ንስሓኦም ርእዩ ተቐቢሉ ብኽያትቶም ሰሚዑ። “በሐሙስ ዕለት ወበመንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ ወለትከ፤ ወእከውን ሕፃን በእንቲኣከ፤ ወእድህከ ውስተ ምርህብከ፤ ወእትቤዘወከ በመስቀልየ፡” ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓ መዓልትን ካብ  ጓል ጓልካ ተወሊደ ምእንታኻ ሕፃን ኰይነ ኣብ ጐላጒልካ ፍሑኽ  ፍሑኽ ኢለ ብመስቀለይ ክብጀወካ እየ ከምዝበለ።(ቀሌምንጦስ)



እቲ ተስፋ ንደቁ ነጊርዎም ነበረ፣ ደቁ ኸኣ ትንቢት እናተነበዩ ሱባዔ እናቘጸሩ ከም’ቲ ዳዊት ዝበሎ። “አንሥእ ኃይለከ ፈኑ እዴከ” ኃይልኻ ዝተባህለ ወልድ ብሥጋ ሰዲድካ ኣድሕነና። (መዝ.144፡7)እናበሉ እቲ ተስፋ እቲ እናተጸበዩ በብተራ ሓለፉ፡ ሓሙሽተ መዓልቲ ፈረቓን ዝበሎ ግን ብእግዚአብሔር ኣቋጻጽራ ሰዓት 5500(ሐሙሽተ ሽሐን ሓሙሽተ ምእቲን ዓመት) እዩ ዝነበረ። (መዝ.90፡4  ፡ 2ይጴጥ.3፡8) እቲ ዝተባህለ ዓመት ምስ ኣኸለ። ዝተዛረቦ ዘይርስዕ ዝህቦ ተስፋ ዘይከልእ እግዚአብሔር ሓደ ሰዓት ወይ ደቒቕ ከየሕለፈ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፤ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፤ ብዘመነ ዮሐንስ ብዕሥራን ትሽዓተን መጋቢት፤ ብሣልሳይ ሰዓት ፤ ብዕለተ እሁድ ተፀንሰ፡ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ብዘመን ማቴዎስ ዕሥራን ትሽዕተን ታሕሣስ ሠሉስ መዓልቲ፤ ፍርቂ ለይቲ ተወልደ።



ብዳሕራይ ዘመን ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ መጀመርታ ዘይብሉ ናይ እግዚአብሔር ቃል ማንም ከየገደዶ ብናቱን ብናይ ኣብኡን ብመንፈስ ቅዱስን ፍቓድ ሰብ ኮነ፤ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው መላእኽቲ ሰብ ከም ዝኾነ ምንም ኣይፈለጡን፤ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ዝተወልደት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሐደረ፤ ሥጋ ዘይብሉ ንሱ ሥጋ ተዋሒዱ ከም ሰብ ትሽዓተ ወርኂን ሓሙሽተ መዓልትን ብጐይትነቱ ኰሎ  ኣብ ማኅፀና ተወሰነ፤ ትሽዓተ ወርኂን ሓሙሽተ መዓልትን ምስ ተፈጸመ፣ ዝውለደሉ መዓልቲ ምስኣኸለ ክምርመር ብዘይከኣል ተግባር ብሕቱም ድንግልና ተወልደ፤ ማኅተመ ድንግልናኣ’ውን ኣይተለወጠን ማኅተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ደኣ ተወልደ። (ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ ሃይማኖተ ኣበው 212 ገጽ)



ክሳብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽቡቕ ተግባር ዝገበሩ ቅዱሳን ሓዋርያት ሰማዕታት ኵሎም ከም ዘኣመንዎም እምነት ከምኡ ኢና ንኣምን፤ “ቃል ሥጋ ኮነ” መናፍቃን ከም ዝብልዎ ኣብ (ዕሩቅ ብእሲ) ተራ ሰብ ኣይሓደረን። ብናቱ ፍቓድ፤ ብናይ ኣብኡን፤ ብናይ መንፈስ ቅዱስን ድልየት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ወሲዱ ተዋሃሃደ፤ ከም’ቲ ዝተጻሕፈ ኵሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ናይ ኣብ ኣካልዊ ቓል ፍጹም ሰብ ኰይነ ተወልደ።(ገላ.4፡4) ዝተባህለ ነስተውዕል እግዚኣብሔር ካባና ባሕርይ ዝተዋሃሃዶ ተዋሕዶ ንእሽቶ ክብሪ ኣይምሰለና፤ እዚ ንመላእኽቲ እኳ ኣይተገብረን፤ ናይ መላእኽቲ ባሕርይ ኣይተወሓሃደቶን ዝተዋሃሃደቶስ ናትና ባሕርይ እያ ንሱ’ውን ንባሕርይና ደኣ ተውሃዳ ንምንታየይ ኣይበለን። (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቂ ሃይማኖተ ኣበው ገጽ 219፡21)



ካብ ሠለስተ ኣካላት መን እዩ ዝተወልደልና እንተ ተባህለ እግዚአብሔር ወልድ እዩ፤ ስለምንታይ አብን ፤ መንፈስ ቅዱስን ተወሊዶም እንተ ዝብሃልከ ናይ ባሕርይ ስሞምን ተግባሮምን ምተፋለሰ ነይሩ። ከም’ዚ ከይከውን ግና እግዚኣብሔር ወልድ ብናይ ባሕርይ ስሙን ብናይ ባሕርይ ግብሩን ንምጽዋዕ ብሥምረቱን ድልየቱን ብጀካ ኃጢኣት ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ። “ወአኮ አብ ዘኃደረ ውስተ ከርሠ ድንግል ለተሰብአ፤ ከመ ኢይበል መኑሂ ይትፋለሰ ስመ አብ ወመንፈስ ቅዱስ ለከዊነ ስመ ወልድ፤ ኣላ ውእቱ ወልድ በፈቃደ አቡሁ ወበሥምረተ መንፈስ ቅዱስ ተሠገወ እስመ አሐቲ ፈቃደ ዘሥሉስ ቅዱስ” ።  ማንም ሰብ ስም አብን መንፈስ ቅዱስን፤ ናብ ስም ወልድ ንምዃን ተቐያሪ እዩ ንኸይበሃል፤ ኣቦ፥ ሰብ ንምዃን ኣብ ማኅፀን ድንግል ኣይሐደረን፤ እንታይ ደኣ ፍቓድ ቅድስት ሥላሴ ሓደ ስለ ዝኾነ ወልድ ብፍቓድ አብን፤ ብሥምረት መንፈስ ቅዱስን እዩ ሥጋ ዝተወሃሃደ። ይብል። (ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ)



ከም’ዚ ሰለ ዝተባህለ ግን አብ ንምጽናዕ፤ ወልድ ሥጋ ንምውህሃድ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንምንጻሕ ፤ ኣብ ከርሢ እግዝእትነ ማርያም ኃደሩ ንብል ነኣምን’ውን። መንፈስ ቅዱስ ንእግዝእትነ ማርያም  ኣንጺሕዋ ይብል ካብ ምንታይ ኣንጺሕዋ ማለት እዩ እንተ ተባህለ ካብ ናይ ኣንስቲ ልማድ፤ ካብ ዘርእን፤ ርኳቤን “ውእቱ ንጹሕ እምሠለስቱ ግብራት ዘውእቶሙ ዘርእ፤ ውሩካቤ፤ ወሰስሎተ ድንግልና፤ እለ ሥሩዓን በእጓለ እመ ሕያው ወእሙራን ቦሙ”።  ንሱ ኻብ’ቶም ኣብ ደቂ ሰባት ዘለዉ ፍሉጣትን ሥሩዓት ዝኾኑ ሠለስተ ተግባራት ዘርእን ፤ ሩካቤን ንጹሕ እዩ ይብል ። (ስኑትዮ ዝእስክንድርያ)



ነገር ግን እዚ ዀሉ ኣብ እግዝእትነ ማርያም ኔሩ ኣይኮነን ንሳስ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ዘይረኽባ ንጽሕቲ ባሕርይ እያ፡ “ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ ድንግል ብኅሊናሃ ወድንግል በሥጋሃ” ይብላ፡ (ሃይማኖት ኣበው)። እዚ ዝተብህለ ናይ ደቂ ኣዳም ሥርዓት ንኽይበጽሓ ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ቀዲስዋ ኣካላዊ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምውላድ ኣብቂዕዋ  ንማለት እዩ፡ “ መንፈስ ቅዱስ አንጽሐ ለማርያም ወረሰያ ድሉተ ለተወክፎ ቃል አብ” ከም ዝበለ፡ (ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ)



ቅዱስ ገብርኤል መልኣኸ ክትፀንሲ ኢኺ፤ ወዲ’ውን ክትወልዲ ኢኺ ምስ በላ ንሳ’ውን ከም’ቲ ዝበልካኒ ይኵነለይ ምስ በለቶ፣ ክምርመር ብዘይከኣል ተግባር ብዘይውሱን ኣካል ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን ንዘልዓለም ዝነብርን ኣካላዊ ቃል ብምልኣትን ብጐይትነትን ካብ አብን መንፈስ ቅዱሱን ሓድነት ከይተፈለየ፤ ብድንግልና ጸኒዓ ካብ ዝነበረትን ዘላን ንዘለዓለም’ውን ትነብርን ካብ ኣዴና ቅድስት ደንግል እግዝእትነ ማርያም ብናይ መንፈስ ቅዱስ ግብሪ ናይ ዕለት ፅንሲ ኾነ፡


   “ነሥአ ሥጋ እንዘ ምሉእ በኵለሄ እንዘ ኢየዐርቅ እመንበረ ስብሐቲሁ ፤ ውስተ ማኅፀነ ድንግል ኅደረ ሥጋ ኮነ ወተወልደ”



ኣብ ኵሉ ምሉእ ኰሎ ሥጋ ንምልባስ ኣብ ማኅፅን ተወሰነ፤ ካብ ናይ ሥልጣኑ መንበር ከይለቐቐ ኣብ ማኅፀን ድንግል ሓደረ፤ ሥጋ ለቢሱ ኸኣ ተወልደ ይብል፡ (ያሬዳዊ መዝሙር(ድጓ)) ናይ ዕለት ፅንሲ ኮይኑ ዝተቈጽረሉ ምሥጢር ግን ዝፈልጦን ዝምርምሮን የለን፤ ንሱ ብዝፈልጦ እዩ ኣካላዊ ቃል ሰብ ዝኾነ። “ወአሜሃ ሥጋሁ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተሥዕለ በጥንተ ኣካል እንዘ ይትወሐድ ምስለ ቃል”።



  ሽዑ ሥጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣካላዊ ቃል ብምውሕሃድ ብጥንታዊ ኣካል ኣዳም ተፈጥረ ይብል ። (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ)



በቲ ጊዜ እቲ ሥጋ ምስ ቃል ተወሃሃደ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ኾነ “ወረሰዮ ምስሌሁ አሐደ ህላዌ ወአሕደ ሥምረተ ወአሐደ አካለ ዘእግዚአብሔር ቃል’’ (ቅዱስ ጎርርዮስ ዘኑሲሰ)።



ስለ’ዚ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውህሃድ ሰብ ኣምላኽ ኮነ ፤ ሥጋ  ምስ መለኮት  ብምውህሃድ ከኣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፤ ረቂቕ ዝነበረ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውህሃድ ግዙፍ ዝድህሰስ ኾነ፤ ግዙፍ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ረቂቕ ኮነ ፤ ወሰን ዘይነብሮ መለኮት ብሥጋ ውሱን ኮነ፤ ውሱን ዝነበረ ሥጋ ብመለኮት ዘይውሱን ኣብ ኵሉ ምሉእ ኮነ ፡ ወልድ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትስብእቱ፥፡ ክልተ ልደት ብምውህሃድ ኸበረ፤ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ባሕርያዊ ወዲ እግዚአብሔር ኮነ።



“ወይደልወነ ንእመን ከም ቦቱ ለወልደ እግዚአብሔር ክልኤቱ ልደታት ቀዳሜ ልደት እምእግዚአብሔር አብ ፤ እምቅድመ ኵሉ መዋዕል ፤ ወዳግም ልደት እምእግዝእትነ ድንግል ማርያም በድኃሪ መዋዕል”፡



ንወዲ እግዚአብሔር ክልተ ልደት ከም ዘለዎ ክንኣምን ይግበኣና እዩ፤ ቀዳማይ ልደት ቅድሚ ዓለም ወዲ እግዚአብሔር አብ ምዃኑ፤ ካልኣይ ልደት ከኣ ዳሕራይ ጊዜ ካብ እግዚእትነ ማርያም ምውላዱ ከም ዝበለ። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)



“ወለእመኒ ቃል ሥጋ ኮነ ፤ እመቦ ዘሰገደ ለቃል ናሁ ሰገደ ለሥጋ፤ ወዘሂ ሰገደ ለሥጋ ሰገደ ለእግዚአብሔር ቃል፤ ወከማሁ መላእክትኒ ይትለኣኩ ለአርአያ ሥጋ፤ ወየአምሩ ከመ እግዚኦሙ ውእቱ ወይሰግዱ ሎቱ፡”። ቃል ምስ ሥጋ ብምውህሃዱ ንቓል ዝሰገደ እነሆ ንሥጋ ሰገደ’ውን ንእግዚአብሔር ቃል ሰገደ፤ መላኣኽቲ’ውን ከምኡ ንብሥጋ ዝተገልጸ ይለኣኹ፤ ጐይትኦም ምዃኑ ፈሊጦም ከኣ ይሰግድሉ ይብል። (ሃይማኖተ ኣበው)



“ወሶቦሂ ሰቀሉ ኣይሁድ ሥጋሁ ፤ ሰቀሉ ኪያሁ፤ ወአልቦ እም ውስተ መጻሕፍት ፍልጠት ማእከለ ቃል ወሥጋሁ አላ አሐዱ ህላዌ ፤ ወአሐዱ ገጽ ፤ ወአሐዱ ግብር ውእቱ ፤ ኵለንታሁ አምላክ ወውእቱ ኵለንታሁ ብእሲ ወአሐዱ ግብር ዘመለኮት ወዘትስብእት ኅብሩ”። ኣይሁድ ንሥጋኡ ምስ ሰቐሉ ፤ ንቓል’ውን ሰቀሉ፤ ብመጻሕፍቲ ወገን ኣብ ማእከል ቃልን ሥጋኡን ፍልልይ የለን፤ እንታይ ደኣ ሓደ ባሕርይ ፤ ሓደ ግብርን፤ ብዅለንተናኡ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብን እዩ ይብል። (ሃይማኖተ ኣበው)



ቃል ሥጋ ኮነ ብኸመይ ነገር ወላዲተ ኣምላኽ ተባሂላ፤ ሥጋ ድማ ቃል ከይኮነ ብኸመይ ነገር ናብ ባሕርያዊ ወዱ ኾነ፤ ንመላእኽቲ’ውን ጎይትኦም ንምንታይ ተባህለ፡ ወላዲተ ኣምላኽ ኢልና እናምን እምበር ብኸም’ዚ ዝበለ ተዋህዶ እዩ። ኣምላኽ ሰብ ከይኮነ ወዲ ኣዳም ድኂኑ ክብሃል ኣይከኣልን፤ ሰብ’ውን ኣምላኽ ከይኮነ ምእንቲ ደቂ ኣዳም ሓሚሙ ፤ ተሰቒሉ ሞይቱ ክብሃል ኣይከኣልን፤ ዓርቢ መዓልቲ ተሰቒሉ መሥዋዕቲ ዝኾነ ናይ ጐይታና ሥጋን ደምን እዩ፤ ማለት ናይ ኣምላኽ ሥጋን ደምን እንተ ዘይኮይኑ ናይ መን ጻድቕ ፤ ወይ ሰማዕት ሥጋን ደምን እዩ መሥዋዕት ኮይኑ ንዘልዓለም ክሳብ ዕለተ ምጽኣት ወሀቢ ሕይወትን ድኅነትን ኮይኑ ዝነብር።



ብኸም’ዚ ዝበለ ናይ ተዋህዶ ምሥጢር ናይ እሳት ብሐይን ኣካልን ተለዊጡ ኃፂን ከይኮነ ፤ ከምኡ ኸኣ ናይ ብርሃን ባሕርይ ተለዊጡ ዕንቍ ከይኮነ፤ በተዕቅቦ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ከም ዝኸውን ከምኡ ድማ መለኮት ምስ ትስብእት፤ ትስብእት ምስ መለኮት ብምውህሃድ ፤ ካብ ክልተ ኣካል ፤ ሓደ ኣካል ፤ ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ ኮነ። “ወይትሜሰል ወልድ በዕንቈ ባሕርይ እንተ ይእቲ በአማን ኵለንታሃ ብርሃን ፣ ወይትሜሰል ሥጋሁ በሥጋሃ ፤ ወብርሃና በመለኮቱ። ባስልዮስ”፡ በአይ ኣምሳል ይትሜሰል መለኮት በትስብእት ፤ ይቤ ይመስል እሳተ በሕፂን ብንያሚ”



ወልድ በታ ብዅለትናኣ ብርሃን ዝዀነት ዕንቈ ባሕርይ ይምሰል ፤ ሥጋኡ ብሥጋኡ ብርሃና ብመለኮቱ ይምሰል ይብል፡ (ቅዱስ ባስልዩስ ዘኣንጾኪያ) ሓፂን ጸሊም ከሎ ምስ እሳት ብምውህሃዱ ይበርህ ደኣ እምበር ኣይጽልምን፤ እቲ ሓፂን ዝፍለ እንተ ኮነ ፤ መለኮት ግን ካብ ትስብእት ተፈልዩ ኣይብሃልን ይብል። “ናሁ ድንግል ትፅንስ ወትወልድ ወልደ” እንሆ ድንግል ክትፅንስ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ።(ኢሳ።7፡14)



ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ እግዚእትነ ማርያም ብኅቱም ድንግልና ምውላዱ ብኸመይ እዩ፧ ንዝብል ንምሳሌ ካብ ዐይኒ ብርሃን ካብ ግንባር ድማ ረሓጽ ብኅቱሙ ከም ዝርከብ፤ ከምኡ ኸኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማኅተመ ድንግልናኣ ከይፈትሐ ብኅቱም ድንግልና ተወልደ።  “ተወልደ እም ድንግል እንዘ ኅቱም ድንግልናሃ፤ ከመ ልደተ ንጻሬ አዕይንት፤ ወከመ ልደተ ሐፍ እም ገጽ፤ ወከመ ልደተ መልክዕ እመጽሔት” ከም ዝበለ። (ቅዱስ ያዕቆብ ዘእልበረዲ)



ከምኡ ድማ ናይ ፀሐይ ነጸብራቕ ምስ ማይ ተዋሀሂዱ ዕንቈ ባሐርይ ከም ዝወልድ፤ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ከኣ ምስ ደም ድንግልናኣ ተዋሃሂዱ ብዘይ ዘርኢ ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልናኣ ተወልደ፡ “ወዝኩ ዕንቈ ባሕርይ አኮ በተራክቦ ዘይፀነስ ወይትወልድ፤ ባሕቱ ይትወልድ በተዋሕዶተ መብረቅ ወማይ፡ ወከማሁ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተፅንሰ ዘእንበለ ትድምርተ ሥጋ፤ ወኮነ እመንፈስ ቅዱስ ተፅንሶቱ ለእግዚአብሔር ቃል ሥጋ ኮነ” ከም ዝበለ። (ቅዱስ ኤፍሬም.ኣፍ.በረከት)



ካብ አብን መንፈስ ቅዱስን ሓድነት ከይተፈለየ፤ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ሥጋ ምዃኑ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባሀለ ናይ ዐይኒ ብርሃን ካብ ክበብ ዓይኑ ከይተፈለየ ፤ ምስ ብርሃነ ፅሐይ ተዋሃሂዱ ምሉእ ኰይኑ ከም ዝርኢ፤ ከምኡ ድማ ጐይታና ብመለኮታዊ ባህርዩ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ኽምርምር ብዘይከኣል ምሥጢር ከም ቅጽበት ዓይኒ ሰብ ኮነ ፤ ዘይፍለን ዘይምርመርን ዘይፍለጥን ተዋህዶ ኮነ።



“ወመጽአ እንዘ ኢይትፈልጥ እምሕፅነ አቡሁ፤ ሰማያትኒ ወምድር ምሉአን እምኔሁ”። ካብ ናይ ባሕርይ ኣቡኡ ካብ አብ፤ ካብ ናይ ባሕርይ ሕይወቱ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ከይተፈለ ፤ ሰብ ኮነ ፤ ሰብ ድኅሪ ምዃኑ ድማ ሰማይን ምድርን ብእኡ ምሉኣት እዮም ማለት ኣብኣቶም ብምልኣት ህልዊ እዩ። ( ቅዱስ ዮሓንስ. ዘኣንጾኪያ)



“አንተ ውእቱ አምላክ ዘበአማን ፤ ወአንተ ሰብእ ፍጹም ዝእንበለ ሕፅት፤ ወአንተ ውእቱ ዘትነብር ዲበ መንበረ ስብሐቲከ ፤ ወአንተ ዲበ ዕፀ መስቀል” ሓቀኛ ባሕርያዊ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፤ (ሕፀፅ) ጉድለት ዘይብልካ’ውን ፍጹም ሰብ ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ መስቀል ምእንቲ ኃጢኣትና ዝተሰቐል ካ’ውን ንስኻ ኢኻ። ኣብ ናይ ጐይትነትካ መንበር እትነብር’ውን ንስኻ ኢኻ። (ቅዱስ ዮሓንስ  ኣፈወርቅ ብድርሳነ ቶማስ) ካብ ብዙሕ ብውኅዱ ምሥጢረ ሥጋዌ እዚ እዩ፡


ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን፣