23 February 2015

ዉዳሴ ማርያም ዘረቡዕ

ዉዳሴ ማርያም ዘረቡዕ
ዉዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ረቡዕ። ኩሉ ሠራዊተ ሰማያት ይብሉ ብፅዕት አንቲ ሰማይ ዳግሚት ዲበ ምድር ኆኅተ ምሥራቅ ማርያም ድንግል ከብካብ ንጹሕ ወመርዓ ቅዱስ፡ ነፀረ ኣብ እምሰማይ ወኢረከበ ዘከማኪ፡ ፈነወ ዋሕዶ ወተሰብአ እምኔኪ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ኩሉ ትዉልድ ያስተበፅዑኪ ለኪ ለባሕትትኪ ኦ እግዝእትነ ወላዲተ ኣምላክ። ተነበዩ ላዕሌኪ ዐቢያተ ወመንክራተ፡ ኦ ሀገረ እግዚኣብሔር እስከ ኮንኪ አንቲ ማኅደረ ለፍሡሐን፡ ኩሎሙ ነገስተ ምድር የሐዉሩ በብርሃንኪ ወአሕዛብኒ በፀዳልኪ ኦ ማርያም ኩሉ ትዉልድ ያስተበፅዑኪ ወይሰግዱ ለዘተወልደ እምኔኪ ወያዐብዩዎ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ኣንቲ ዘበአማን ደመና እንተ ኣስተርአይኪ ለነ ማየ ዝናም፡ ትእምርተ ዋሕዱ ረሰየኪ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ኃደረ ላዕለኪ ወኃይለ ልዑል ፀለለኪ፡ ኦ ማርያም ኣማን ወልድኪ ቃለ፡ ወልደ ኣብ ዘይነብር ለዓለም መጽአ ወአድኃነነ እምኃጢአት፡ ዓቢይ ዉእቱ ክብር ዘተዉህበ ለከ ኦ ገብርኤል መልአክ፡ ዜናዊ ፍሡሐ ገጽ፡ ሰበከ ለነ ልደተ እግዚእ ዘመጽአ ኃቤነ፡ ወአብሠርካ ለማርያም ድንግል ዘእንበለ ርስሐት፡ ወትቤላ ተፈሥሒ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምስለኪ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት። ረከብኪ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኃደረ ላዕሌኪ ወኃይለ ልዑል ጸለለኪ፡ ኦ ማርያም አማን ወለድኪ ቅዱሰ መድሕኑ ለኩሉ ዓለም፡ መጽአ ወአድኃነነ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ግብረ ድንግል ይሴብሕ ልሳንነ፡ ዮም ንወድሳ ለማርያም ወላዲተ አምላክ፡ በእንተ ዘተወልደ እምኔሃ በሀገረ ዳዊት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዑ ኩልክሙ ኣሕዛብ ናስተብፅዓ ለማርያም እስመ ኮነት እመ ድንግል ወፅሙረ ተፈሥሒ ኦ ድንግል ንጽሕት እንተ አልባቲ ርኩስ፡ ዘመጽአ ቃለ ኣብ ወተሰብአ እምኔሃ። ተፈሥሒ ኦ ሙዳይ እንተ አልባቲ ነዉር ፍጽምት ዘአልባ ርስሐት፡ ተፈሥሒ ኦ ገነት ነባቢት ማኅደሩ ለክርስቶስ ዘኮነ ዳግማይ ኣዳም በእንተ ኣዳም ቅዳሚ ብእሲ፡ተፈሥሒ ኦ ፀዋሪቱ ለዋሕድ ለዘኢ ተፈልጠ እምኅፅነ አቡሁ፡ ተፈሥሒ ኦ ከብካብ ንጹሕ ሥርግዉ በኩሉ ሥነ ስብሐት፡ መጽአ ወተሰብአ እምኔኪ፡ ተፈሥሒ ኦ ዕፀ ጳጦስ እንተ ኢያዉዓያ እሳተ መለኮት ተፈሥሒ ኦ አመት ወእም ድንግል ወሰማይ ሰማያዌ እንተ ፆረት በሥጋ ዘይፄዐን ዲበ ኩሩቤል፡ ወበእንተዝ ንትፈሥሕ ወንዘምር ምስለ መላእክት ቅዱሳን ብፍሥሓ ወበሐኃሤት፡ ወንበል ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰልላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ፡ እስመ ኪያኪ ሠምረ ዘሎቱ ክብር ወሰብሐት፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። የዐቢ ክብራ ለማርያም እምኩሎም ቅዱሳን እስመ ድልወ ኮነት ለተወክፎ ቃለ አብ ዘይፈርህዎ መላእክት ወየኩትዎ ትጉሃን በሰማያት፡ ፆረቶ ማርያም ድንግል በከርሣ፡ ይእቲ ተዐቢ እምኪሩቤል ወትፈደፍድ እምሱራፌል፡ እስመ ኮነት ታቦተ ለሐዱ ዘእምቅድስት ሥላሴ ዛቲ ይእቲ ኢየሩሳሌም ሀገሮሙ ለነብያት ወማኅደረ ፍሥሐሆመ ለኩሎም ቅዱሳን፡ ሕዝብ ዘይነብር ዉስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ብርሃን ዐቢይ ሰረቀ ላዕሌሎሙ፡ እግዚኣብሔር ዘየዐርፍ በቅዱኣስኒሁ ተሰብአ እምድንግል ለመድኃኒተ ዚአነ፡ ንዑ ርእዩ ዘንተ መንክር ወዘምሮ ዘምሩ በእንተ ምሥጢር ዘተከሥተ ለነ፡ እስመ ዘኢይሰባእ ተሰብአ ቅል ተደመረ ወዘአልቦ ጥንት ኮነ ቅድመ፡ ወለዘአልቦ መዋዕል ኮነ ሎቱ መዋዕል፡ ዘኢይትዐወቅ ተከስተ ወኢይትረአይ ተራእየ ወልድ እግዚኣብሔር ሕያዉ ጥዩቀ ኮነ ሰብአ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘትማልም ወዮም፡ ወክመ ዉእቱ እስከ ለዓለም ኣሓዱ ህላዌ ሎቱ ንስግድ ወንሰብሕ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ሕዝቅኤል ነቢይ ኮነ ስምዐ በእንቲኣሃ፡ ወይቤ ርኢኩ ኆኅተ በምስራቅ ኅቱም በዐቢይ መንክር ማኅተም፡ ኣልቦ ዘቦአ ዘእንበለ እግዚኣብሔር ኃያላን፡ ቦአ ዉስቴታ ወወዕአ ሰአሊ ለነ ቅድስት። ኆኅትስ ድንግል ይእቲ እንተ ወለድት ለነ መድኃነ እምድኅረ ወለደት ኪያሁ ነበረት በድንግልና ከመ ትካት፡ ቡሩክ ዉእቱ ፍሬ ከርሥኪ ኦ ወላዲተ እግዚእ፡ ዘመጽአ ወአድኃነነ እምእድ ጸላኢ ዘአልቦ ምሕረት፡ አንቲ ፍጽምት ወቡርክት ረከብኪ ሞገሰ በኀበ ንጉሠ ስብሐት አምላክ ዘበአማን ለኪ ይደሉ ዕበይ ወክብር እምኩሎሙ እለ ይነብሩ ዲበ ምድር፡ ቃለ አብ መጽአ ወተሰብአ እምኔኪ ወአንሶሰወ ምስለ ሰብእ፡ እስመ መሕሪ ዉእቱ ወመፍቀሬ ሰብእ አድኃነ ንፍሳቲነ በምጽአቱ ቅዱስ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

20 February 2015

ዉዳሴ ማርያም ዘሠሉስ



ዉዳሴ ማርያም ዘሠሉስ

ዉዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ሠሉስ።
አክሊለ ምክሕነ ወቀዳሚተ መድኃኒትነ ወመሰረተ ንጽሕነ ኮነ በማርያም ድንግል፡ እንተ ወለደት ለነ እግዚኣብሔር ቃለ፡ ዘኮነ ሰብኣ በእንተ መድኃኒትነ፡ እምድኅረ ኮነ ሰብአ ጥዩቀ ኣምላክ ፍጹም ዉእቱ፡ ወበእንተዝ ወለደቶ እንዘ ደንግል ይእቲ መንክር ኃይለ ወሊዶታ ዘኢይትነብር፡ሰአሊ ለነ ቅድስት።

እስመ በፈቃዱ ኣቡሁ፡ ወመንፈስ ቅዱስ መጽኣ ወአድኃነነ። ዐቢይ ዉእቱ ስብሓተ ድንግልናኪ ኦ ማርያም ድንግል ፍጽምት፡ ረከብኪ ሞገስ እግዚኣብሔር ምስለኪ፡ ኣንቲ ዉእቱ ሰዋስዉ ዘርእየ ያዕቆብ እምድር ዘይበጽሕ እስከ ሰማይ፡ ወመላክተ እግዚኣብሔር የዐርጉ ወይወርዱ ዉስቴታ፡ ሰኣለ ለነ ቅድስት።

አንቲ ዉእቱ ገራህት ዘኢተዘርአ ዉስቴታ ዘርእ፡ ወጽአ እምኔኪ ፍሬ ሕይወት፡ አንቲ ዉእቲ መዝገብ ዘተሣየጠ ዮሴፍ፡ ወረከበ በዉስቴታ ባሕርየ ዕንቈ ክቡረ፡ ዘዉእቱ መድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተፀዉረ በከርሥኪ ወወለድሊዮ ዉስተ ዓለም፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ተፈሥሒ ኦ ወላዲተ እግዚእ ኃሤቶም ለመላእክት፡ ተፈሥሒ ኦ ንጽሕት ዜናሆሙ ለነብያት፡ ተፈሥሒ እስመ ረከብኪ ሞገሰ እግዚአብሔር ምስለኪ፡ ተፈሥሒ እስመ ተወከፍኪ ቃሎ ለመልአኪ ፍስሐ ኩሉ ዓለም፡ ተፈሥሒ ኦ ወላዲተ ፈጣሬ ኩሉ ዓለም፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ኦ ድንግል ኦ ቅድስት፡ ኦ ወላዲተ እግዚእ፡ እስመ ወለድኪ ለነ ንጉሠ፡ መንክር ምሥጢር ኃደረ ላዕሌኪ ለመድኃኒተ ዚአነ።ናርምም እስመ ኢንክል ፈፅሞ ጥንቁቀ ነጊረ፡ በእንተ ዕበዩ ለዉእቱ ገባሬ ሠናያት በብዙኅ መንከር ራእይ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።
ቃለ ኣብ ሕያዉ ዘወረደ ዉስተ ደብረ ሲና ወወሀበ ሕገ ለሙሴ፡ ወከደነ ርእሰ ደብር በጊሜ ዉጢስ በጽልመት ወነፋስ፡ ወበድምፀ ቃለ ኣቅርንት ይጌሥፅ ለእለ ይቀዉሙ በፍርሃት፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ዉእቱኬ ዘወረደ ኅቤኪ፡ ኦ ደብር ነባቢት በትሕትና መፍቀሬ ሰብእ፡ ተሰብኣ እምኔኪ ዘእንበለ ዉላጤ ፍጹመ ሥጋ ነባቢ ዘከማነ፡ በመንፈሰ ጥበብ ኣምላክ ኃደረ ላዕሌሃ፡ ኮነ ፍጹመ ስብአ ከመ ያድኅኖ ወይሥረይ ኃጢአቶ ለኣዳም፡ ወያንብሮ ዉስጠ ሰማያት ወያግብኦ ኀበ ዘትካት መንበሩ፡ በዕበየ ሣህሉ ወምሕረቱ። ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ዕበያ ለድንግል ኢይትከሃል ለተነግሮ እስመ እግዚእ ኃረያ፡ መጽአ ወኃደረ ላዕሌሃ ዘየኃድር ዉስተ ብርሃን ኀበ አልቦ ዘይቀርቦ ተፀዉረ በከርሣ ፱ ተ አዉራኃ ዘኢይትረአይ ወዘኢትዓወቅ ወለደቶ ማርያም እንዘ ድንግል ይእቲ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።
ዘዉእቱ እብን ዘርእየ ዳኒኤል ነቢይ፡ ዘተበትከ እምደብር ነዋኅ ዘእንበለ እድ፡ ዘዉእቱ ቃል ዘወዐኣ እምኀበ ኣብ መጽአ ወተሰብኣ እምድንግል ዘእንበለ ዘርኣ ብእሲ ወኣድኃነነ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ኮንኪ ዓፅቀ ንጹሐ ወሙዳየ አሚን፡ ርትዕት ሃይማንኖቶሙ ለቅዱሳን ኣበዊነ፡ ኦ ንጽሕት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ኅትምት ወለድኪ ለነ ቃለ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ መጽአ ለመድኃኒትነ፡ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አንቲ እሙ ለብርሃን ክብርት ወላዲት እግዚእ እንተ ፆርኪዮ ለቃለ ዘኢይትረአይ፡ እምድኅረ ወለድኪ ኪያሁ ነበርኪ በድንግልና፡ በስብሐት ወበባርኮት ያዐብዩኪ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

አይ ልሳን ዘይክል ነቢበ ዘይትነገር በእንቲአኪ ኦ ድንግል ንጽሕት እሙ ለቃለ ኣብ ኮንኪ መንበሮ ለንጉሥ ለዘይፀዉርዎ ኪሩቤል፡ ናስተበፅዐኪ ኦ ቡርክት፡ወንዘክር ስመኪ በኩሉ ትዉልደ ትዉልድ ኦ ርግብ ሠናይት እሙ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰአሊ ለነ ቅድስት።

ተፈሥሒ ኦ ማርያም እም ወአመት፡ እሰመ ለዘዉስተ ሕፅንኪ ይሰብሕዎ መላእክት ወኪሩቤል ይሰግዳ ሎቱ በፍርሃት፡ ወሱራፌል ዘእንበለ ጽርዓት ይሰፍሑ ክነፈሆሙ ወይበሉ፡ ዝንቱ ዉእቱ ንጉሠ ሰብሐት መጽእ ይሥረይ ኃጢአተ ዓለም በዕበየ ሣህሉ ፡ሰኣሊ ለነ ቅድስት።


14 February 2015

ዉዳሴ ማርያም ዘሰኑይ

ዉዳሴ ማርያም ዘሰኑይ



ዉዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ሰኑይ።

ፈቀደ እግዚእ:ያግዕዞ ለኣዳም ኅዙነ ወትኩዘ ልብ: ወያግብኦ ኅበ ዘትካት መንበሩ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ሠረቀ በሥጋእምድንግል ዘእንበለ ዘርኣ ብእሲ ወኣድኃነነ።
ለሔዋን እንተ ኣስሓተ ከይሲ: ፈትሓ ላዕሌሃ: እግዚኣብሔር እንዘ ይብል: ብዙኃ ወኣበዝኆ ለሕማምኪ ወለፃርኪ፡ ሠምረ ልቡ ኃበ ፍቅረ ሰብእ ወኣግዐዛ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ኢየሱስ ክርስቶስ:ቃል ዘተሰብኣ: ወኃደረ ላዕሌነ: ወርኢነ ስብሓቲሁ ከመ ስብሐተ ኣሐዱ ዋሕድ ለኣቡሁ: ሠምረ ይሣሃለነ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ርእየ ኢሳይያስ ነቢይ: በመንፈሰ ትንቢት ምሥጢሮ ለኣማኑኤል: ወበእንተዝ ጸርሐ እንዘ ይብል ሕፃን ተወልደ ለነ፡ ወልድ ተዉህበ ለነ፡ ሰኣሊ ለን ቅድስት።

ተፈሣሕ ወተኃሠይ:ኦ ዘመደ ዕጓለ እምሕያው እሰመ ኣፍቀሮ እግዚኣብሔር ለዓለም፡ ወመጠወ: ወልዶ ዋሕደ ከመ ይሕየዉ ኩሉ ዘየኣምን ቦቱ እሰከ ለዓለም፡ ፈነወ ለነ መዝራዕቶ ልዑል፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ዘሀሎ ወይሄሉ ዘመጽኣ ወካዕበ ይምጽእ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ዘተሰብኣ እምኔኪ:ዘእንበለ ዉላጤ፡ ኮነ ፍጹም ሰብኣ፡ ኢተባእደ: ወኢተፈልጠ በኩሉ ግብሩ ወልድ ዋሕድ፡ኣላ ኣሓዱ ራእይ፡ ወኣሐዱ ህላዌ ወኣሐዱ በመለኮት: ዘእግዚኣብሔር ቃል፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ተፈሥሒ ኦ ቤተ ልሔም: ሀገሮሙ ለነብያት: እስመ በኃቤኪ ተወልደ ክርስቶስ: ዳግማይ ኣዳም: ከመ ያግብኦ ለኣዳም: ቀዳሚ ብእሲ እምድር ዉስተ ገነት ይሥዐር ፍትሐ ሞት፡ ኦ ኣዳም መሬት ኣንተ ወትገብእ ዉስተ መሬት፡ ኅበ ሀለወት: ብዝኅት ኃጢኣት በህየ ትበዝኅ: ጸጋ እግዚኣብሔር፡ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ትትፌሣሕ ወትትሓሠይ:ኩሉ ነፍስተ ሰብእ፡ ምስለ መላእክት ይሰብሕዎ ለክርስቶስ ንጉስ: ይጸርሑ ወይበሉ: "ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት፡ ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ"፡ እሰመ ሠዐረ ዘትካት :ወነሠተ ምክሮ ለጸላኢ፡ ወሠጠጠ: መጽሐፈ ዕዳሆሙ: ለኣዳም ወለሔዋን፡ ወረሰዮሙ ኣግዐዝያነ ዘተወልደ ለነ በሀገረ ዳዊት: መድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

ብርሃን ዘበኣማን: ዘያበርህ ለኩሉ ሰብእ ለእለ ይነብሩ ዉስተ ዓለም፡በእንተ ፍቅረ ሰብእ መጸእከ :ዉስተ ዓለም :ወኩሉ ፍጥረት ተፈሥሐ በምጽኣትከ፡ እስመ ኣድኃንኮ ለኣዳም እምስሕተት፡ ወረሰይካ ለሔዋን ኣግዓዚተ: እምፃዕረ ሞት :ወወሀብከነ መንፈሰ ልደት፡ ባረክናከ: ምስለ መላእቲከ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት።

13 February 2015

ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታት

ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታት

በስመኣብ ወወልድ
ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ፣ ኣሜን።


ጾም:–ማለት ሰብነትና ካብ ዝደልዮም ነገራት ንዝተወሰነ ጊዜ ብምዕቃብን ነፍስኻ ብምግታእን፤ ዝያዳ ካልእ ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ምቕራብን ፍቓዱ ምፍጻምን እዩ።ሥጋኻ ብምድካም ነፍስኻ ንቃልን ፍቓድን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። ብጾም ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት፡ በረኸት፡ ጸጋ፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ኃይሊ ይርከብ።

ጾመ ኣርብዓ/ዓቢይ ጾም/

 ዓብይ ጾም፦  ዓብይ ጾም መበሊኡ ምኽንያት፣ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝጾሞ ብምኳኑ ኢዩ ፡ ከምኡ ድማ ዲያብሎስ ዝተሳዕረሉ ዕለት ስለ ዝኮነ በዚ ዓብዪ ጾም ይብሃል፣ ''ብድሕሪ'ዚ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ፡ ብዲያብሎስ ኪፍተን፣ ናብ በረኻ ወሰዶ።ኣርበዓ መዓልትን፣ ኣርበዓ ለይትን ጾመ፣ ሽዑ ጠመየ'' ማቴ 4፡1-2።

፰ቱ ሰንበተት በዓቢይ ጾም
★ዘወረደ★

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፣
ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ፣
አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር፣(መዝ ፪፥፲፩)

ትርጉሙ (ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ተገዝእዎ
            ብረዓድ ድማ ተሓጐሱ
             ጐይታ ምእንቲ ከይቍጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ) ማለት`ዩ(መዝ2:11)።

† ካብ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም እታ ቀዳማይቲ  ''ዘወረደ'' ትብሃል። ዘወረደ  ማለት  ''ዝወረደ''/ወረደ/ ማለት እዩ። ምስጢሩ ድማ  ኣምላክ ወዲ  ኣምላክ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድሓን /ንድሕነት ዓለም/ ብቅዱስ  ፍቃዱ  ሰብ ኮይኑ ካብ ሰማየ  ሰማያት ወረደ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም  ሰብ ኮይኑ ተወልደ ማለት ኢዩ።
 /ዮው 3፡13/
 ብተወሳኺ "ቅበላ"ይበሃል፣እዚ ከኣ መእተዊ /መዳለዊ/ ማለት`ዩ።
 ከምኡ`ውን ኣብዚ ቀዳማይ ሰሙን ዘሎ ግዜ
''ጾመ ሕርቃን'' ይበሃል ፣
ከምኡ መበሊኡ ድማ እዚ ዝስዕብ ታሪኽ ንመልከት:– "ሕርቃል" ኣብ 7ይ ክፍለዘመን ዝነበረ ንጉሥ ቢዛንታይ እዩ። ኣብቲ ግዜ`ቲ
ፎቃ ዝብሃል ብርቱዕ ንጉሥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ኢየሩሳሌም ብጭካነ ይገዝኦም ነበረ፣ እቶም ህዝቢ ድማ ምስ ሸገሮም፡ በቲ ግዜ እቲ ንጉሥ ቢዛንታይን ዝነበረ ክርስቲያን ንጉሥ "ሕርቃል" ክሕግዞም ለመንዎ። ንሱ ድማ ክሕግዞም ፍቓዱ እኳ እንተነበረ ሓንቲ ነገር ግና ከበደቶ። ምስቲ ጨካን ንጉሥ ተዋጊኡ ናጻ ከውጽኦም እንተደኣ ኮይኑ፤ ሓዋርያት ሰብ ዝቐተለ ተረፍ መዋእሉ ይጹም ኢሎም ኣዚዞም ስለዝነበሩ፣ ከመይ ገይረ መዋእለይ ክጸውም ይከኣለኒ? በሎም። ንሳቶም ድማ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምድሪ እንተጸንሐ 70 ወይውን 80 እዩ። ንሕና ድማ ተማቒልና ክንጾመልካ ኢና በልዎ፤ በዚ ተተባቢዑ ነቲ ጨካን ንጉስ ስዒሩ ነቶም ምእመናን ሓራ ገበሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሎም ክርስቲያናት 5:5 መዓልቲ ተማቒሎም ክጾምዋ ጀሚሮም። በዚ ድማ ሕርቃል ስለ ናጽነት ኣምልኾተ እግዚአብሔር ዝተሰለፈ ብምዃኑን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ቅቡል ኮይኑ ስለዝተረኽበን ቅድሚ ጾም ከም መዳለዊ መቀራረቢ ተባሂሉ ሰሙን ቅድሚ እቲ ናይ 40 መዓልቲ ናይ ዓቢይ ጾም ክጽወም ሥርዓት ኣብ ዝተሠርዓሉ ስሙ በዚኣ ቀዳመይቲ ጾም ይዝከር ።
ከምኡ`ውን ሙሴኒ ይበሃል:–
ሙሴኒ  ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ምኽንያት ኣብዚ  ስሙን እዚ እታ መጀመርታ ሰኑይ ''ከመዝ ይቤ ሙሴኒ  ፀዓቱ እምትእይንት'' ትርጉሙ ድማ ሙሴ ካብ ከተማ ምውጽኡ ከምዚ እዩ በለ: ማለት እዩ።
ከምኡ ‘'ሙሴኒ ይቤ በውስተ ኦሪት ምድር ሰናይት'' እናበለ ታሪኽ ሊቀ ነብያት ሙሴ ስለዝትንኽፍ እዚ ስሙን እዚ ሙሴኒ ተማሂሉ'ውን ይፍለጥ እዩ።
ብተወሳኪውን ከም ሙሴ ዝኣምሰሉ ነቢያት ኣርበዓ መዓልታት ጾይሞም ድኅሪ  ምሕላፎም ሕጊ ሙሴን ሕጊ  ነቢያትን ዝፈጸመ ጐይታ ክምቶም ዝቐደሙ ነቢያት ኣርበዓ 40  / መዓልትን ኣርበዓ 40 / ለይትን ምጻሙ  ዘዘክር እዩ።
ዘጻ 24፡18/ 1ይ ነገ 19፡8/ ማቴ 4፡1-4/
                                                                                                                       
   ★ቅድስት★

እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፣
አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ፣
ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ፣ (መዝ ፺፭፥፭)
ትርጉሙ፣
እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገበረ።
ምስጋናን ጽባቐን ኣብ ቅድሚኡ፡
ቅድስናን ግርማን ኣብ መቕደሱ እዩ፡(96:5)።

†ካልኣይቲ ሰንበት ''ቅድስት'' ትበሃል፣

‘’ቅዱስ’’ ማለት ፍሉይ ክቡር ማለት አዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ብብህሪኡ ክቡር አዩ። ብባህሪኡ ቅዱስ ስለ ዝኮነ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ’’ አናተባህለ ይምስገን። (1ይ ሳሙ. 2፣2-3 ኢሳ 6፣1-3 ራአ 15፣4) ንሕና ድማ ከም ዝመሃረና ኣብ ናይ ምዓልታዊ ጽሎትና ‘’ ስምካ ይቀደስ’’ ንብሎ።

ቅዱስ እግዚአብሔር ነቶም ብመልክዑ ብምስሉን ኣኽቢሩ ዝፈጠሮም ደቂ ሰባት ቅዱሳን ክኾኑ ይደሊ። (1 ጴጥ. 1፣15-16)

ብርሃን ምስ ጸልማት፣ ጽድቂ ምስ ሓጢኣት ህብረት ስለዘይብሉ ምስኡ ንዘለዓለም  ብቅድስና ንክንነብር፣ ብቅድስና ምንባር ይግብኣና።
 /1ይ ተሰ 4፣7

ተፍጥሮናን መጸዋዕታናን ብቅድስና ክነብር ምኻኑ አንዝክረሉን፣ ናብራ ቅድስና ብከመይ ክሰርሕ ይኽእል ኢልና ርአስና ንሓተሉ ሰሙን ድማ አዩ።

★ምኵራብ★

እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ፣
ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ
ወድቀ ላዕሌየ፣
 ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ፣ (መዝ ፷፰፥፰)
ትርጉሙ፣ ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡
 ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡(69:8)
 †ሳልሳይ ሰንበት ምኵራብ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ምኵራብ ማለት፦ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ማለት ኢዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከት ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ማለት /ምኵራብ/ እንዳ ከደ የስተምህርን ብዙሓት ሕሙማትን፣ ልሙሳትን፣ ለምጻማትን፣ የንጽሕን ይጽግንን፡ ከም ዝነበረ።
ንኣብነት፦/ሉቃ4፡16/ ''ብመዓልቲ ሰንበት ኸኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ``ቤት ጸሎት`` ኣይሁድ ኣተወ፣''
/ማቴ9፡35-36/ <<ኢየሱስ ከኣ ኣብ ''ቤት ጸሎት ኣይሁድ'' እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፣ ዅሉ ሕማምን፣ኣብ ሕዝቢ ዝነበረ ድነሳን እና ኣሕወየ፣ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ>>
/ማቴ4፡23/ ''ኢየሱስ ድማ ኣብ ኩላ ገሊላ፣ ''ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ'' እንዳ መሃረ፣ ብስራት መንግስተ እግዚኣብሔር እንሰበኸ፡ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ሕማም እናኣሕወየ  ይዘውር ነበረ'' ይብለና።

 ኣብዛ ዕለተ ምኵራብ ''ወረከበ በምኵራበ እለ ይሰይጡ ወይሳየጡ፣ ኣልሕምተ፣ ወኣባግዓ፣ ወኣርጋበ ወመወልጣነ እንዘ ይነብሩ'' ትርጉሙ (ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ጸሎት/ምኵራብ'/ ኣብ ዝከደሉ ግዜ ኣብዑርን፡ ኣባጊዕን፣  ርግቢትን ዚሸጡ፣መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ ማለት እዩ)።

ኣብ ቤተ ጸሎት እዚ ክገብሩ ምስ ጸንሕዎ ጐይታ ጩጉራፍ  ኣልዒሉ ካብ ቤት መቅደስ ኣባረሮም /ወግፍተዐ መአዳቲሆሙ ለመወልጣን/ ናይቶም ሸያጦ ንብረትን ገንዘብን ድማ ፋሕ  ኣበለሎም፣  እዚ መግበሪኡ ድማ ቤተ እግዚኣብሔር ቤተ ጸሎትን ኣምልኾትን  እምበር  ቤተ ሸቀጥ ከም ዘይ ኮነት ክነግርን ከስትምህርን ስለ ዝደለ እዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምክንያት ከምዚ ምግበሪኡ ክነግሮም እንከሎ ከምዚ`ዩ ዝበሎም ''ቤትየሰ ቤተ ጸሎት  ትሰመይ ኣንትሙሰ ረሰይኩምዋ በዓተ ፈያት ወሰረቕርት''  ቤተይ ቤተ ጸሎት ክትስመ እያ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ንስኩም ግን በዓቲ ሰረቕትን ሸፋቱን ገበርኩምዋ በሎም።
/ዮው2፡13-18/ /ት፣ኢሳ 56፡7/
               

★መጻጕዕ★

እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ  ሕማሙ፣ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፣
 አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፣ (መዝ ፵፥፫-፬)
ትርጉሙ፣
ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚአብሔር ይድግፎ።
  ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።
 ንነፍሰይ ኣሕውያ በልኩ። (መዝ41:3–4)

†ራብዐይቲ ሰንበት መጻጕዕ ተባሂላ  ትጽዋዕ።
እዛ ሰንበት እዚኣ መጻጕዕ ዝተበህለትሉ ምኽንያት፡ /ዮው 5፡1-10/
“ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ  (ቤት - ሳይዳ)  ዚብሃል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሠላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ተንሥእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት።’’

 ★ደብረ ዘይት★

†ሓሙሸይቲ ሰንበት ''ደብረ ዘይት'' ትብሃል።


እዛ ዕለቲ እዚኣ ''ደብረ ዘይት'' ዝተባህለትሉ  ቀንዲ ምክንያት ናብ ቤተ ክርስትያና
ቅዱስ  ያሬድ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ” ጐይታናን  ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ ምጽኣት ከምዝቀረበ ምልክቱ ካብ በለስ ተምሃሩ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።

ደብረ ዘይት ብገረብ ናይ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ኮይኑ፤ ንምድያቡ ኣሸጋሪ ምስ ደየብካዮ ግን ንኽትወረድ ዘየተባብዕ ጥዑም ኣየር ተስተንፍሰሉ ናይ ዕረፍቲ ቦታ እዩ።

ደብረ ዘይት ትርጉሙ "ደብር" ማለት እምባ ክኸውን ከሎ "ዘይት" ድማ ካብ ኣውሊዕ ዘይቲ ስለ ዝርከብ ናይ ዘይቲ እምባ ማለት እዩ። እዚ ቦታ እዚ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስጋዌነቱ ከየጥፈአ ነቶም ናይ ምሥጢር ሓዋርያት መሎኮትነቱ ዝገለጸሉ ቦታ እዩ።
ማቴ 24:3


★ገብር ኄር★

ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ
ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ
ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ (መዝ ፴፱፥፰)


  ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡
  ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፡
ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ (መዝ 40፥8)

 †ሻድሻይቲ ሰንበት ''ገብር ኄር'' ትብሃል።
“እስመ አንተ ትፈድዮ ለኵሉ በከመ ምግባሩ/ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ/ መዝ 62፡12 ከምዝበሎ ጎይታ ምስ መጸ ንኹልና ከምስራሕናን ከም ግብርናን ከምዝኸፍለናን ከም ዝህበናን እንሓስበሉን እንዝክረሉን ሰሙን እዩ።

 ማቴ 25፣14-30 “ ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ነቲ ሓደ ሓሙሽተ መክሊት ነቲ ሐደ ክልተ ነቲ ሐደ ከኣ ሓደ መክሊት ክነግደሉ ሂብዎም ገሸ’ሞ ድሕሪ ነዊሕ መዓልቲ መጺኡ ምስቶም ኣገልገልቱ ክጻባጸብ ጀመረ እናበለ ይቅጽል።


 ★ኒቆዲሞስ★
ሐወጽከኒ ሌሊት ወፈተንኮ ለልብየ
አመከርከኒ ወኢተረክበ አመጻ በላዕሌየ
ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እምሕያው። (መዝ ፲፮፥፫)
ትርጉሙ ፣
ንልበይ ፈተንካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካኒ፡
 መርሚርካስ ገለ እኳ ኣይረኽብካለይን፡
ስራሕ ሰባት ኣፈይ ከይዛረብ ፈቓደይ እዩ።(መዝ 17፥3)

†ሻውዓይቲ ሰንበት ኒቆዲሞስ ትበሃል።

 ''ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ፡፡''
ትርጉሙ፣ ስሙ ኒቆዲሞስ  ዝተባህለ ሰብ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ከደ፡ ኦ መምህር ከተስተምህር ኢልካ ካብ እግዚአብሔር አብ ከም ዝመጻእካ ንኣምን ኢና።'' ኢሉ።

ሓደ ካብ  ፈሪሳዊያን ኒቆዲሞስ  ዝስሙ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፦መምህር! ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፣ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኰንካ ኻብ ኣምላኽ ከምዝ መጻእካ ንፈልጥ ኢና በሎ።

  <ወይቤሎ ኣማን ኣማን እብለከ ሰብእ ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግስተ እግዚኣብሔር> ‘’ብሓቂ ብሓቂ እብለካ  ኣለኩ ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተዘይ ተወሊዱ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ’’ ዮው፫፡፭/3፡5/


★ሆሳዕና★
እምአፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሐተ፣
በእንተ ጸላኢ፣
ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ ፣
/መዝ ፰:፫/
ትርጉሙ
 ካብ ኣፈ ቈልዑን ዝጠብዉን ምስጋና ኣዳሎኻ፣
ምእንቲ ጸላእትኻ ፣
 ጸላእትን ሕነ ፈዳይን ከተጥፍኦም ፣ /መዝ8:3/

† ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ትበሃል ።
ሆሳዕና ማለት "ሕጂ ኣድሕን" ማለት አዩ። ጐይታናን መድሓናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤተ ፋጌ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ዝኣተወሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
ማቴ 21፡1
 ማር 11፥1-10
ሉቃ 19፥29-38
 
 ተፈጸመ ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታቲሁ፣ ወስብሓት ለእግዚአብሔር ኣሜን።


01 February 2015

ትርጉም ጸሎተ ሃይማኖት



በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ጸሎተ ሃይማኖት ጸሎት ብዝብል ስያመ እትፍለጥ ብትኅዝቶ ኮነ ብምሥጢር ኣዝያ ዓባይን ሓንቲ ካብተን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዕለታዊ ጸሎትና ከም መቕድም(መእተዊ) ናይ ኵሉ ዓይነት ጸሎት እንደግመን እያ፣ጸሎተ ሃይማኖት ማለት ናይ ሃይማኖት ጸሎት(መግለጺ መሠረተ እምነት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ)
ሃይማኖት እያ።

ሠረታዊ ትምህርቲ ሃይማኖትና ኣብተን ብኃሙሽተ (5) ኣዕኑድ ዚምሰላ 5-አዕማደ ምሥጢር
(ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ፣ ምሥጢረ ቍርባን፣ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን)
እዩ ዚንገር። ኵሉ ዓይነት ትምህርትን ነገረ ሃይማኖትን ድማ ኣብ ውሽጠን ዚጠቓለልን ከም ጨንፈር ኣብ ጕንዲ ምስአን ዚተኣሳሰርን ብእአን ዝሕዘልን ብምዃኑ እዘን 5-አዕማደ ምሥጢር መምዘኒ ናይ ኵሉ ትምህርቲታት ኢየን። ጸሎተ ሃይማኖት እምበኣር ነዘን 5-አዕማደ ምሥጢር ብገላጽን ሕጽር ብዝበለን፣ ብመልክዕ ጸሎት ኣብ ውሽጣ ሓቚፋ መሠረተ እምነትናን ነገረ ሃይማኖትናን ስለ እተዘኻኽረና እያ ዓባይ ናይ ሃይማኖት መግለጺ ጸሎት ዝተባህለት። ጸሎት ጥራይ ዘይኮነት ዓሚቝ ምሥጢርን ሰፊሕ ትምህርትን ዝኃዘት ውን እያ፣ናብ ዕምቈት ምሥጢራን ትሕዝቶኣን ምስ እንመጽእ ኣብ 5-ክፍሊ ከፋፊልካ ምምልካት ይከኣል። እዚ ኸኣ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት "ነአምን" እናበሉ ቅዱሳን ኣቦታትና ክፍሊ ጌረሙሉ ከምዘለዉ ኣብዛ "ነአምን" እትብል ቃል መሠረት ብምግባር እዩ።
1."ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኵሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ " ዝብል ናይ መጀመርታ ክፍሊ:
†ብዛዕባ ካብ 3-ሥላሴ ሓደ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦ ህላዌን እንታይነትን ደረጅኡ ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ዚገልጽ'ዩ።
2."ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም….." ዝብል ካልኣይ ክፍሊ ከኣ
†ብዛዕባ ካብ 3-ሥላሴ ሓደ ዝኾነ እግዚአብሔር ወልድ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ህላዌን እንታይነትን፣ ማዕርነቱ ምስ ኣቦን ንድኅነት ደቂ አዳም ኪብል ዘርኣዮ ተኣዛዝነትን ዝተቐበሎ ፀዋተወ-መከራን ዚገልጽ ነቲ ሰፊሕ ትምህርተ ሥጋዌ ጸሚቑ ዘዘኻኽር ክፍሊ'ዩ።
3."ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረፀ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ…." ዝብል ሣልሳይ ክፍሊ ከኣ
†ብዛዕባ ህላዌን እንታይነትን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ዚገልጽ ኮይኑ ማዕርነቱ ምስ አብን ወልድን። ሕይወቶም ምዃኑን ሕፀፅ ከምዘይብሉ ዘረድእ ክፍሊ'ዩ።
4. "ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት…" ዝብል ራብዓይ ክፍሊ ከኣ
†ኣቦታትና ሓዋርያት ብዝሰበኽዋን ብጉባኤታቶም ብዝደንገግዋን ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነአምን ብምባል ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና በተን 7-ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን ተመሪሕና ኵሉ ሥርዓት ቤተክርስቲያን ክንፍጽም ከምዘሎና ዘዘኻኽር ክፍሊ'ዩ።
5. "ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን….." ዝብል ኃሙሻይን ናይ መወዳእታን ክፍሊ
†ነገረ ድኅነትናን ተስፋ ጽድቅናን ብምሥጢረ ጥምቀት ጀሚሩ ብምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን ዚፍጸም ስለዝኾነ፣ ካብ ጥምቀት ክሳዕ ትንሣኤ ኣብ ሃይማኖት ተሠሪትና፣ ብፍቕሪ ተሓኒፅና፣ ተስፋ ሰኒቕና፣ ብጽንዓትን ብትዕግሥትን ብእምነት ክሳዕ መወዳእታ ክንጐዓዝ ከምዘሎና ዚምዕድ ክፍሊ'ዩ: 1ይቆሮ 13፣13,ማቴ 24፣13

ጸሎተ ሃይማኖት መዓስን ኣበይን ብመንን ተደርሰ?
†ጸሎተ ሃይማኖት ብ325 ዓ.ም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብ318 ርቱዓነ ሃይማኖት ኣቦታት ከም ዝተድርሰ እዩ ታሪኽ ቤተክርስቲያንና ዚሕብረና። እንተኾነ "…ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ…" ካብ ዝብል ክሳዕ "….ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ።" ዚብል ጥራይ እዩ ዝነበረ። እቲ ዚቕጽል ክፍሊ ማለት "ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ ….." ካብ ዚብል ንደኃር ዘሎ ግና ኣብቲ ዝቐጸለ ካልኣይ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ማለት ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ብ381 ዓ.ም ብ150 ኤጲስቆጶሳት ከምዝተመልአ ታሪኽ ይውስኽ። ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ኣብ ትንታነ ምስ እንኣቱ፣
1) ጉባኤ ኒቅያ 325 ዓ.ም፣ እዚ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን እቲ ናይ መጀመርታ (ቀዳማይ) ጉባኤ እዩ። እዚ ኪበሃል ከሎ ግና ምስቲ ብተመሳሳሊ ስም ቀዳማይ ጉባኤ ሐዋርያት እናተባህለ ዚንገር፣ ብምኽንያት ካብ ወገን አሕዛብ ክርስትና ዝተቐበሉ ወገናት ብኸመይ ንኃዞም፧ ዝብልን ኣብ ሞንጎ ካብ ወገን ኣይሁድን ወገን አሕዛብ ዝመጽኡ ኣባላት ቤተክርስቲያን ዝተላዕለ ምፍልላይ ንምዕራፍ ሐዋርያት ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘቃንዕዎ ጉባኤ ከደናግረና የብሉን። ብርግጽ ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ኣብ ኢየሩሳሌም፣ ብጊዜ ዝቐደመ'ኳ እንተኾነ ምኽንያት መጋቢኢኦም ናይ ምኅደራ፣ ርድኢት ድኅረባይታ፣ ሜላ- ስብከትን ጕስነትን ዘጠቓልል ውሽጣዊ ጸገማት ብምንባሩ እምበር ናይ ክሕደት መናፍቕነት ኣብ ነገረ ሃይማኖት ዘይምዃኑ በቲ ሓደ ልዕሊዅሉ ኸኣ ገና ቤተክርስቲያን ካብ ስደትን መከራን ግፍዕን ከየዕረፈት ምሉእ ናጽነትን ርግኣትን ከይረኸበት ከላ ዝተቓንዐ ብምዃኑ ከም ዓለም-ለኻዊ ጉባኤ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ኣይተመዝገበን።
ጀማሪ ጉባኤ ምዃኑ ግና ቤተክርስቲያን'ውን ነቶም ካልኦት ጉባኤታት መበገሲ ዝገበረቶ ብምዃኑ ዚከሓድ ኣይኮነን። ጉባኤ ኒቅያ እምበኣር ቤተክርስቲያን ኵሉ እቲ ዝበጽሓ ስደትን መከራን ብዘመነ ሐዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ 70 ዓ.ም. ብመስጋገሪ ዘመን 70-160 ዓ.ም. ኃሊፉ፥ ብዘመነ ሰማዕታት (160-313 ዓ.ም.) ምስ ተፈጸመ፥ ኵሎም እቶም ዓላውያን ገፋዕቲ ነገሥታት ከም በዓል ኔሮን ቄሣር፣ መክስምያኖስን፣ ዲዮቅልጥያኖስን ኃሊፎም ብንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ወዲ ቅድስት እሌኒ ኣቢላ ምሉእ ናጽነትን ሰላምን ርግኣትን ረኺባ፥ ብናይ ባዕላ ሕግን ሥርዓትን እናተመርሐት ቤተክርስቲያና ሠሪሓ ናጻ ዝኾነ ስብከት ክትሰብኽ ካብ እትጅምር ዘካየደቶ ናይ መጀመርታ ዓለም-ለኻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ምዃኑ'ዩ።
ካብ መላእ ዓለም ብዝተዋጽኡ ኣመንቲ ዝተቓንዐ ንኹለን ሊቃነ-መናብርት ዘሳተፈ ንመናፍቓን'ውን ከይተረፈ ናጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ከፍስሱ። ትምህርቶም ኬስምዑ ምሉእ ዕድል(መሰል) ዝሃበ (ብናይ ዘመንና ኣጋላልጻ free press/ነጻ ፕረስን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ) ዓቢይ ፈላሚ ጉባኤ ብምዃኑ'ዩ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከም ቀዳማይ ጉባኤ ተደንጊጉ እንረኽቦ። ንጉባኤ ኒቅያ ምኽንያት ዝኾነ ክሕደት(መናፍቕነት) ናይ ኣርዮስ እዩ ነይሩ። ኣርዮስ ናይ መንፈሳዊ ኣቦኡ(መምህሩ) ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜ ሰማዕት ትምህርትን እምነትን ኃዲጉ ናይቲ ቀዳማይ መናፍቕ ምዃኑ ዚንገረሉ ናይ ጳውሎስ ሳምሳጢ ትምህርቲ ኣራቒቑ ብኣዋጅ ኣፉ መሊኡ ኪሰብከሉ ምስ ጀመረ'ያ ቤተክርስቲያን ጉዳዩ ብጉባኤ ኪርአ ዝወሰነት፣ናይ ኣርዮስ ክሕደት "ወልድሰ ፍጡር በመለኮቱ" ዝብል ኮይኑ ንምሥጢረ ሥላሴን ምሥጢረ ሥጋዌን ዘዘናብል ትምህርቲ'ዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ካብ ምሉእ ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት ዝተኃርዩ 2340 ዝኾኑ ኤጲስቆጶሳት ካብ 21-ሚያዝያ ክሳዕ 21-መስከረም (ብዙኃን ማርያም) ኣብ ኒቅያ ብትእዛዝ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ተኣኻኸቡ። ካብዚኣቶም 318 ሊቃውንት "ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፣ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ" ብምዃን ሓሳቦም ሓደ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ንጉዳይ ኣርዮስ ኪምርምሩ ተገብረ።
ቅድሚ ጉባኤ ምጅማሮም ካብ 21-መስከረም ክሳብ 9-ሕዳር፣ 7-ሱባኤ (7*7=49 መዓልታት) ሱባኤ ኣተዉ። ብ9 ኅዳር 325 ዓ.ም.ግእዝ ድማ ጉባኤ ተጀመረ። ኣርዮስ ሓሳቡን ትምህርቱን ኪገልጽ ነጻ መድረኽ ተዋህቦ፣ "ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ አብ ከመ እኩን መቅድመ ኵሉ ተግባሩ፣" ምሳ. 8፣22 ንዝብል ጥቕሲ ነጸላ ትርጉም ብምጥቃምን ትሕቲኡ ዘሎ ቅዱስ ጽሑፍ ብዘይምግንዛብን፣ምሳ 8፣23-ፍጻ ጥበብ ዝተባህለ ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳማይ ፍጥረት ናይ እግዚአብሔር አብ እዩ። ንኻልኦት ፍጥረታት ኣብ ምፍጣር ግና ልኡኽ ኮይኑ ሓጊዝዎ'ዩ።" ብምባል ናይ ክሕደት ትምህርቱ ኣስምዐ። እቶም 318 ሊቃውንት ድማ ብኣቦ-መንበርነት እለእስክንድሮስን (ሊቀጳጳስ ዘእስክንድርያ መንበረ ማርቆስ) ኣፈ ጉባኤ ድማ ኣብቲ ግዜቲ ሊቀ-ዲያቆናት ድሒሩ ድማ መበል 20 ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ :ቅዱስ ኣትናቴዎስን ንኣርዮስ ተኻራኺሮም ረትዕዎ። እንተኾነ ካብ ክሕደቱ ኪምለስ እኳ እንተለመንዎ ኣይምለስን ብምባል ስለዘቕበጸ ንእኡ ብውግዘት ፈልዮም ከምውፅኢት ናይቲ ጉባኤ ነተን ቀዳሞት 7- ዓንቀጻት ናይ ጸሎተ ሃይማኖት ኣርቀቑ። እዚ ኸኣ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ
†"ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ…."ካብ ዝብል ክሳዕ "ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ፣" ዝብል ክፍሊ ምዃኑ'ዩ። ብተወሳኺ'ውን 318 ሊቃውንት ርቱዓነ ሃይማኖት ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ጸሎተ ሃይማኖት ንምእመናን ከም ዘርቀቑ፣ ግሩም ቅዳሴ ንኻህናት፣ ሕንፃ መነኮሳት ንመነኮሳት ዚርከቦ ድርሰታትን መጻሕፍትን ካልኦት ሥርዓተ-ቀኖናን ሠሪዖም እዮም።
2) ጉባኤ ቍስጥንጥንያ 381 ዓ.ም.ግእዝ እዚ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ናይ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ምኽንያት ናይ'ዚ ጉባኤ'ዚ ናይ መቅደንዮስ ግጉይ ትምህርቲ እዩ ነይሩ፣ መቅደንዮስ መንፈቀ ኣርዮስ ኮይኑ "መንፈስ ቅዱስ ሕፁፅ እዩ። ማለት ምስ አብን ወልድን ማዕረ ኣይኮነን።"ዝብል ሕጂ'ውን ንምሥጢረ ሥላሴ ዝትንክፍ ናይ ክሕደት ትምህርቲ እዩ ኣቐልቂሉ። በዚ ምኽንያት ድማ ሕጂ'ውን 150 ኤጲስቆጶሳት ካብ ኣርባዕቲአን ሊቃነ መናብርት፣ (መንበረ ያዕቆብ ዘኢየሩሳሌም፣ መንበረ ጴጥሮስ ዘሮም፣ መንበረ ዮሐንስ ዘኣንጾኪያ፣ መንበረ ማርቆስ ዘእስክንድርያ) ተጋቢኦም ብባሕቲ የካቲት ንጉዳዩ ብጉባኤ ተመልከትዎ። ንመቅደንዮስ ረቲዖም ብውግዘት ድኅሪ ምፍላይ ድማ ማዕርነት እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ምስ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን ብምርግጋጽ "ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ….." ንዝብል ዓንቀጽ ኣብ ርእስ'ቲ ዝነበረ 318 ሊቃውንት ዘስፈርዎ ድርሰት ጸሎተ ሃይማኖት ወሰኹ። ከምኡ'ውን ንብድኅሪ ሕጂ ካብ ዚመጽእ መናፍቕነት ንምጥንቃቕ ተወሰኽቲ 4-ዓንቀጻት ብምርቃቕ ብጠቕላላ ኣብዚ ጉባኤ'ዚ 5-ዓንቀጻት ኣርቂቖም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንዝተጀመረት ጸሎተ ሃይማኖት ናይ መወዳእታ መልክዓ ብምትኃዝ ብ"ለዓለመ ዓለም" ዛዘምዋ።
†ስለዚ ጸሎተ ሃይማኖት እምበኣር ብኸምዚ ዝበለ ሰፊሕ ታሪኽ፣ ሱታፌ ናይ ብዙኃን ሊቃውንት፣ ዓሚቝ` ምውካስ ትርጓሜ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኃያል ክትዕን ልዕሊ ዅሉ ከኣ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ሥምረት(ኅብረት) ጐይታን 1ይ ጴጥ.1፣20, ማቴ.18፣20 ዝተረኽበት ውፅኢት ናይዘን ክልተ ቀዳሞት ጉባኤታት እያ። ስለዚ እያ ድማ ዓሚቝ ምሥጢር ብምኃዝ መግለጺ ሃይማኖት ክርስትና ክትከውን ዝበቕዐት። ጸሎተ ሃይማኖት ኣብ ውሽጣ 12-ዓንቀጻት ዚኃዘት እያ።

 ተፈጸመ ስርአዓት ዘጸሎተ ሃይማኖት በስብሓተ እግዚአብሔር፣

እግዚአብሔር ንኩሉ ህዝበ ክርስቲያን ሰላም ይሃብ፣
አሜን።
Brhane february2015