13 February 2015

ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታት

ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታት

በስመኣብ ወወልድ
ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ፣ ኣሜን።


ጾም:–ማለት ሰብነትና ካብ ዝደልዮም ነገራት ንዝተወሰነ ጊዜ ብምዕቃብን ነፍስኻ ብምግታእን፤ ዝያዳ ካልእ ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ምቕራብን ፍቓዱ ምፍጻምን እዩ።ሥጋኻ ብምድካም ነፍስኻ ንቃልን ፍቓድን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። ብጾም ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት፡ በረኸት፡ ጸጋ፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ኃይሊ ይርከብ።

ጾመ ኣርብዓ/ዓቢይ ጾም/

 ዓብይ ጾም፦  ዓብይ ጾም መበሊኡ ምኽንያት፣ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝጾሞ ብምኳኑ ኢዩ ፡ ከምኡ ድማ ዲያብሎስ ዝተሳዕረሉ ዕለት ስለ ዝኮነ በዚ ዓብዪ ጾም ይብሃል፣ ''ብድሕሪ'ዚ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ፡ ብዲያብሎስ ኪፍተን፣ ናብ በረኻ ወሰዶ።ኣርበዓ መዓልትን፣ ኣርበዓ ለይትን ጾመ፣ ሽዑ ጠመየ'' ማቴ 4፡1-2።

፰ቱ ሰንበተት በዓቢይ ጾም
★ዘወረደ★

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፣
ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ፣
አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር፣(መዝ ፪፥፲፩)

ትርጉሙ (ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ተገዝእዎ
            ብረዓድ ድማ ተሓጐሱ
             ጐይታ ምእንቲ ከይቍጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ) ማለት`ዩ(መዝ2:11)።

† ካብ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም እታ ቀዳማይቲ  ''ዘወረደ'' ትብሃል። ዘወረደ  ማለት  ''ዝወረደ''/ወረደ/ ማለት እዩ። ምስጢሩ ድማ  ኣምላክ ወዲ  ኣምላክ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድሓን /ንድሕነት ዓለም/ ብቅዱስ  ፍቃዱ  ሰብ ኮይኑ ካብ ሰማየ  ሰማያት ወረደ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም  ሰብ ኮይኑ ተወልደ ማለት ኢዩ።
 /ዮው 3፡13/
 ብተወሳኺ "ቅበላ"ይበሃል፣እዚ ከኣ መእተዊ /መዳለዊ/ ማለት`ዩ።
 ከምኡ`ውን ኣብዚ ቀዳማይ ሰሙን ዘሎ ግዜ
''ጾመ ሕርቃን'' ይበሃል ፣
ከምኡ መበሊኡ ድማ እዚ ዝስዕብ ታሪኽ ንመልከት:– "ሕርቃል" ኣብ 7ይ ክፍለዘመን ዝነበረ ንጉሥ ቢዛንታይ እዩ። ኣብቲ ግዜ`ቲ
ፎቃ ዝብሃል ብርቱዕ ንጉሥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ኢየሩሳሌም ብጭካነ ይገዝኦም ነበረ፣ እቶም ህዝቢ ድማ ምስ ሸገሮም፡ በቲ ግዜ እቲ ንጉሥ ቢዛንታይን ዝነበረ ክርስቲያን ንጉሥ "ሕርቃል" ክሕግዞም ለመንዎ። ንሱ ድማ ክሕግዞም ፍቓዱ እኳ እንተነበረ ሓንቲ ነገር ግና ከበደቶ። ምስቲ ጨካን ንጉሥ ተዋጊኡ ናጻ ከውጽኦም እንተደኣ ኮይኑ፤ ሓዋርያት ሰብ ዝቐተለ ተረፍ መዋእሉ ይጹም ኢሎም ኣዚዞም ስለዝነበሩ፣ ከመይ ገይረ መዋእለይ ክጸውም ይከኣለኒ? በሎም። ንሳቶም ድማ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምድሪ እንተጸንሐ 70 ወይውን 80 እዩ። ንሕና ድማ ተማቒልና ክንጾመልካ ኢና በልዎ፤ በዚ ተተባቢዑ ነቲ ጨካን ንጉስ ስዒሩ ነቶም ምእመናን ሓራ ገበሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሎም ክርስቲያናት 5:5 መዓልቲ ተማቒሎም ክጾምዋ ጀሚሮም። በዚ ድማ ሕርቃል ስለ ናጽነት ኣምልኾተ እግዚአብሔር ዝተሰለፈ ብምዃኑን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ቅቡል ኮይኑ ስለዝተረኽበን ቅድሚ ጾም ከም መዳለዊ መቀራረቢ ተባሂሉ ሰሙን ቅድሚ እቲ ናይ 40 መዓልቲ ናይ ዓቢይ ጾም ክጽወም ሥርዓት ኣብ ዝተሠርዓሉ ስሙ በዚኣ ቀዳመይቲ ጾም ይዝከር ።
ከምኡ`ውን ሙሴኒ ይበሃል:–
ሙሴኒ  ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ምኽንያት ኣብዚ  ስሙን እዚ እታ መጀመርታ ሰኑይ ''ከመዝ ይቤ ሙሴኒ  ፀዓቱ እምትእይንት'' ትርጉሙ ድማ ሙሴ ካብ ከተማ ምውጽኡ ከምዚ እዩ በለ: ማለት እዩ።
ከምኡ ‘'ሙሴኒ ይቤ በውስተ ኦሪት ምድር ሰናይት'' እናበለ ታሪኽ ሊቀ ነብያት ሙሴ ስለዝትንኽፍ እዚ ስሙን እዚ ሙሴኒ ተማሂሉ'ውን ይፍለጥ እዩ።
ብተወሳኪውን ከም ሙሴ ዝኣምሰሉ ነቢያት ኣርበዓ መዓልታት ጾይሞም ድኅሪ  ምሕላፎም ሕጊ ሙሴን ሕጊ  ነቢያትን ዝፈጸመ ጐይታ ክምቶም ዝቐደሙ ነቢያት ኣርበዓ 40  / መዓልትን ኣርበዓ 40 / ለይትን ምጻሙ  ዘዘክር እዩ።
ዘጻ 24፡18/ 1ይ ነገ 19፡8/ ማቴ 4፡1-4/
                                                                                                                       
   ★ቅድስት★

እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፣
አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ፣
ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ፣ (መዝ ፺፭፥፭)
ትርጉሙ፣
እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገበረ።
ምስጋናን ጽባቐን ኣብ ቅድሚኡ፡
ቅድስናን ግርማን ኣብ መቕደሱ እዩ፡(96:5)።

†ካልኣይቲ ሰንበት ''ቅድስት'' ትበሃል፣

‘’ቅዱስ’’ ማለት ፍሉይ ክቡር ማለት አዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ብብህሪኡ ክቡር አዩ። ብባህሪኡ ቅዱስ ስለ ዝኮነ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ’’ አናተባህለ ይምስገን። (1ይ ሳሙ. 2፣2-3 ኢሳ 6፣1-3 ራአ 15፣4) ንሕና ድማ ከም ዝመሃረና ኣብ ናይ ምዓልታዊ ጽሎትና ‘’ ስምካ ይቀደስ’’ ንብሎ።

ቅዱስ እግዚአብሔር ነቶም ብመልክዑ ብምስሉን ኣኽቢሩ ዝፈጠሮም ደቂ ሰባት ቅዱሳን ክኾኑ ይደሊ። (1 ጴጥ. 1፣15-16)

ብርሃን ምስ ጸልማት፣ ጽድቂ ምስ ሓጢኣት ህብረት ስለዘይብሉ ምስኡ ንዘለዓለም  ብቅድስና ንክንነብር፣ ብቅድስና ምንባር ይግብኣና።
 /1ይ ተሰ 4፣7

ተፍጥሮናን መጸዋዕታናን ብቅድስና ክነብር ምኻኑ አንዝክረሉን፣ ናብራ ቅድስና ብከመይ ክሰርሕ ይኽእል ኢልና ርአስና ንሓተሉ ሰሙን ድማ አዩ።

★ምኵራብ★

እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ፣
ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ
ወድቀ ላዕሌየ፣
 ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ፣ (መዝ ፷፰፥፰)
ትርጉሙ፣ ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡
 ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡(69:8)
 †ሳልሳይ ሰንበት ምኵራብ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ምኵራብ ማለት፦ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ማለት ኢዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከት ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ማለት /ምኵራብ/ እንዳ ከደ የስተምህርን ብዙሓት ሕሙማትን፣ ልሙሳትን፣ ለምጻማትን፣ የንጽሕን ይጽግንን፡ ከም ዝነበረ።
ንኣብነት፦/ሉቃ4፡16/ ''ብመዓልቲ ሰንበት ኸኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ``ቤት ጸሎት`` ኣይሁድ ኣተወ፣''
/ማቴ9፡35-36/ <<ኢየሱስ ከኣ ኣብ ''ቤት ጸሎት ኣይሁድ'' እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፣ ዅሉ ሕማምን፣ኣብ ሕዝቢ ዝነበረ ድነሳን እና ኣሕወየ፣ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ>>
/ማቴ4፡23/ ''ኢየሱስ ድማ ኣብ ኩላ ገሊላ፣ ''ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ'' እንዳ መሃረ፣ ብስራት መንግስተ እግዚኣብሔር እንሰበኸ፡ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ሕማም እናኣሕወየ  ይዘውር ነበረ'' ይብለና።

 ኣብዛ ዕለተ ምኵራብ ''ወረከበ በምኵራበ እለ ይሰይጡ ወይሳየጡ፣ ኣልሕምተ፣ ወኣባግዓ፣ ወኣርጋበ ወመወልጣነ እንዘ ይነብሩ'' ትርጉሙ (ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ጸሎት/ምኵራብ'/ ኣብ ዝከደሉ ግዜ ኣብዑርን፡ ኣባጊዕን፣  ርግቢትን ዚሸጡ፣መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ ማለት እዩ)።

ኣብ ቤተ ጸሎት እዚ ክገብሩ ምስ ጸንሕዎ ጐይታ ጩጉራፍ  ኣልዒሉ ካብ ቤት መቅደስ ኣባረሮም /ወግፍተዐ መአዳቲሆሙ ለመወልጣን/ ናይቶም ሸያጦ ንብረትን ገንዘብን ድማ ፋሕ  ኣበለሎም፣  እዚ መግበሪኡ ድማ ቤተ እግዚኣብሔር ቤተ ጸሎትን ኣምልኾትን  እምበር  ቤተ ሸቀጥ ከም ዘይ ኮነት ክነግርን ከስትምህርን ስለ ዝደለ እዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምክንያት ከምዚ ምግበሪኡ ክነግሮም እንከሎ ከምዚ`ዩ ዝበሎም ''ቤትየሰ ቤተ ጸሎት  ትሰመይ ኣንትሙሰ ረሰይኩምዋ በዓተ ፈያት ወሰረቕርት''  ቤተይ ቤተ ጸሎት ክትስመ እያ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ንስኩም ግን በዓቲ ሰረቕትን ሸፋቱን ገበርኩምዋ በሎም።
/ዮው2፡13-18/ /ት፣ኢሳ 56፡7/
               

★መጻጕዕ★

እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ  ሕማሙ፣ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፣
 አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፣ (መዝ ፵፥፫-፬)
ትርጉሙ፣
ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚአብሔር ይድግፎ።
  ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።
 ንነፍሰይ ኣሕውያ በልኩ። (መዝ41:3–4)

†ራብዐይቲ ሰንበት መጻጕዕ ተባሂላ  ትጽዋዕ።
እዛ ሰንበት እዚኣ መጻጕዕ ዝተበህለትሉ ምኽንያት፡ /ዮው 5፡1-10/
“ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ  (ቤት - ሳይዳ)  ዚብሃል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሠላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ተንሥእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት።’’

 ★ደብረ ዘይት★

†ሓሙሸይቲ ሰንበት ''ደብረ ዘይት'' ትብሃል።


እዛ ዕለቲ እዚኣ ''ደብረ ዘይት'' ዝተባህለትሉ  ቀንዲ ምክንያት ናብ ቤተ ክርስትያና
ቅዱስ  ያሬድ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ” ጐይታናን  ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ ምጽኣት ከምዝቀረበ ምልክቱ ካብ በለስ ተምሃሩ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።

ደብረ ዘይት ብገረብ ናይ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ኮይኑ፤ ንምድያቡ ኣሸጋሪ ምስ ደየብካዮ ግን ንኽትወረድ ዘየተባብዕ ጥዑም ኣየር ተስተንፍሰሉ ናይ ዕረፍቲ ቦታ እዩ።

ደብረ ዘይት ትርጉሙ "ደብር" ማለት እምባ ክኸውን ከሎ "ዘይት" ድማ ካብ ኣውሊዕ ዘይቲ ስለ ዝርከብ ናይ ዘይቲ እምባ ማለት እዩ። እዚ ቦታ እዚ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስጋዌነቱ ከየጥፈአ ነቶም ናይ ምሥጢር ሓዋርያት መሎኮትነቱ ዝገለጸሉ ቦታ እዩ።
ማቴ 24:3


★ገብር ኄር★

ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ
ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ
ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ (መዝ ፴፱፥፰)


  ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡
  ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፡
ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ (መዝ 40፥8)

 †ሻድሻይቲ ሰንበት ''ገብር ኄር'' ትብሃል።
“እስመ አንተ ትፈድዮ ለኵሉ በከመ ምግባሩ/ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ/ መዝ 62፡12 ከምዝበሎ ጎይታ ምስ መጸ ንኹልና ከምስራሕናን ከም ግብርናን ከምዝኸፍለናን ከም ዝህበናን እንሓስበሉን እንዝክረሉን ሰሙን እዩ።

 ማቴ 25፣14-30 “ ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ነቲ ሓደ ሓሙሽተ መክሊት ነቲ ሐደ ክልተ ነቲ ሐደ ከኣ ሓደ መክሊት ክነግደሉ ሂብዎም ገሸ’ሞ ድሕሪ ነዊሕ መዓልቲ መጺኡ ምስቶም ኣገልገልቱ ክጻባጸብ ጀመረ እናበለ ይቅጽል።


 ★ኒቆዲሞስ★
ሐወጽከኒ ሌሊት ወፈተንኮ ለልብየ
አመከርከኒ ወኢተረክበ አመጻ በላዕሌየ
ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እምሕያው። (መዝ ፲፮፥፫)
ትርጉሙ ፣
ንልበይ ፈተንካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካኒ፡
 መርሚርካስ ገለ እኳ ኣይረኽብካለይን፡
ስራሕ ሰባት ኣፈይ ከይዛረብ ፈቓደይ እዩ።(መዝ 17፥3)

†ሻውዓይቲ ሰንበት ኒቆዲሞስ ትበሃል።

 ''ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ፡፡''
ትርጉሙ፣ ስሙ ኒቆዲሞስ  ዝተባህለ ሰብ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ከደ፡ ኦ መምህር ከተስተምህር ኢልካ ካብ እግዚአብሔር አብ ከም ዝመጻእካ ንኣምን ኢና።'' ኢሉ።

ሓደ ካብ  ፈሪሳዊያን ኒቆዲሞስ  ዝስሙ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፦መምህር! ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፣ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኰንካ ኻብ ኣምላኽ ከምዝ መጻእካ ንፈልጥ ኢና በሎ።

  <ወይቤሎ ኣማን ኣማን እብለከ ሰብእ ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግስተ እግዚኣብሔር> ‘’ብሓቂ ብሓቂ እብለካ  ኣለኩ ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተዘይ ተወሊዱ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ’’ ዮው፫፡፭/3፡5/


★ሆሳዕና★
እምአፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሐተ፣
በእንተ ጸላኢ፣
ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ ፣
/መዝ ፰:፫/
ትርጉሙ
 ካብ ኣፈ ቈልዑን ዝጠብዉን ምስጋና ኣዳሎኻ፣
ምእንቲ ጸላእትኻ ፣
 ጸላእትን ሕነ ፈዳይን ከተጥፍኦም ፣ /መዝ8:3/

† ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ትበሃል ።
ሆሳዕና ማለት "ሕጂ ኣድሕን" ማለት አዩ። ጐይታናን መድሓናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤተ ፋጌ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ዝኣተወሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
ማቴ 21፡1
 ማር 11፥1-10
ሉቃ 19፥29-38
 
 ተፈጸመ ነገረ ጾም ምስለ ፰ቱ ሰንበታቲሁ፣ ወስብሓት ለእግዚአብሔር ኣሜን።


No comments: