ሰንበት ‘እሑድ’፡ ካብ አሓደ ዝብል ግሢ ዝወጸ ኮይኑ ‘ቀዳማይ፡ መጀመርታ’ ማለት እዩ። እግዚአብሔር፡ ንፍጥረታቱ ኪፈጥር ዝጀመረሉ ዕለት ብምዃኑ ቀዳማይ መዓልቲ ተባህለ።
እግዚኣብሔር በዛ ዕለት’ዚኣ ሸሞንተ ፍጥረታት ፈጠረ።
ንሳቶም ከኣ፦
1-ሓዊ፡
2-ነፋስ፡
3-ማይ፡
4-ሓመድ(መሬት)፡
5-ጸልማት፡
6-ሰማያት፡
7-መላእኽቲ፡
8-ብርሃን እዮም።
ሥነ ፍጥረት ናይ ሰኑይ
ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ፡ ከምኡ’ውን ኮነ (ዘፍ.1፡6)
ሰኑይ መዓልቲ ብመጀመርታ ሰዓት ካብ ምድሪ ኂዙ ክሳብ ብሩህ ሰማይ ማይ መሊኡ ኃዲሩ ነበረ’ሞ ኣብ ሠለስተ ኸፈሎ፡ ሓደ ኢድ ኣብዚ ዓለም’ዚ ኣስፈሮ(ውቅያኖስ)፣ ሓደ ኢድ ከኣ ልዕሊ እዚ ዝረኣየና ሰማይ ኣስፈሮ ንሱ ድማ ኃኖስ ይበሃል፣ ሓደ ኢድ ከኣ “ለይኩን ጠፈር ማእከለ ማይ” ኢሉ ኣብ ማእከል ኣቖሞ፡ ንሱ ድማ
9-ጠፈር ኢዩ።
ሥነ ፍጥረት ናይ ሰሉስ
ሠሉስ ንፍጥረት ሣልሳይ መዓልቲ እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ሠለስተ ፍጥረታት ማለት
10-ኣዝርእትን
11-ኣትክልትን
12-ኣእዋምን ተፈጥሩ።
ሥነ ፍጥረት ናይ ረቡዕ
“ረቡዕ” ማለት ራብዓይ መዓልቲ ማለት’ዩ። በዚ ዕለት’ዚ
13-ፀሓይ፡
14-ወርኂን
15-ከዋኽብትን ፈጠረ።
ሥነ ፍጥረት ናይ ሓሙስ
ሓሙስ፥ ኃሙሻይ መዓልቲ ማለት'ዩ፡ እንሆ ድማ ብደመ ነፍሲ ሕያዋን ኮይኖም ዘስተንፍሱ ሠለስተ ዓይነታት ፍጥረት ካብ ማይ (ባሕሪ) ፈጠረ።
ናይ ዕለተ ኃሙስ ፍጥረታት ብሓፈሻ ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን በብዓይነቱ ሕይወት ዘለዎም ውንጅርጅር ዚብሉ ዅሎምን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ዘጠቓልል እዩ። እዚኣቶም፥
16-ብኣፍ ልቦም ዝሰሓቡ(ለመምቲ)
17-ብእግሮም ዝኸዱ
18-ብኽንፎም ዝበሩ
ሥነ ፍጥረት ናይ ዓርብ
ዓርቢ ሻዱሻይ መዓልቲ ኮይኑ ናይ መወዳእታ ዕለተ ፍጥረት እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነብሩ ኣርባዕተ ፍጥረታት ተፈጥሩ።
19- እንስሳታት ፡- ሣዕሪ በሊዖም ማይ ሰትዮም ዝነብሩ፣
20- ኣራዊት ፡- ሥጋ በሊዖም፡ ደም መጽዮም፡ ማይ ሰትዮም ዝነብሩ፣
21- ኣዕዋፍ ፡- እኽሊ ለቒሞም ኮነ ሥጋ በሊዖም፡ ማይ ሰትዮም ዝነብሩ እዮም።
22-ሰብ
ብዕለተ ኃሙስን ዕለተ ዓርብን ዝተፈጥሩ ፍጥረታት “እንስሳታት” ተባሂሎም እኳ ብሓደ ስም እንተ ተጸውዑ፣ ብኣነባብራኦምን ግብሮምን ግና ዝፈላለዩ እዮም። ናይ ኃሙስ ፍጥረታት ኣብ ባሕሪ ጥራሕ እምበር ተፈልዮም ኣብ ምድሪ ጥራይ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ናይ ዓርቢ ፍጥረታት’ውን ኣብ ምድሪ ጥራሕ እምበር ተፈልዮም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጥራይ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም፡
ተፈጥሮ ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ድኅሪ ኵሎም 21 ፍጥረታትን መበል ራብዓይ ፍጥረት ናይ ዕለተ ዓርቢ ዝኾነ ሰብ እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ/ ብመልክዕናን ብምስልናንን ሰብ ንፍጠር” ብምባል ፈጠረ።
ንዝቐደሙ ዕሥራን ሓደን ፍጥረታት ብሓልዮ (ብሓሳብ)፡ ብነቢብ (ብቃል) ክፈጥሮም ከሎ ንሰብ ግና ፍልይ ብዝበለ ብግብሪ ፈጠሮ። (ዘፍ 1፡26)
ስለዚ እግዚኣብሔር፡ ንሰብ ወዲ 30 ዓመት ጐበዝ መንእሰይ፡ ማእከላይ ቁመት ዘለዎ ምልኩዕ ገይሩ ፈጠሮ። እዚ ፍጡር እዚ ፦
• ‘ሰብ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ሾብዓተ ባህርያት (ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋን ሠለስተ ባህርያተ ነፍስን) ዘለዎ ፍጹም ንምባል እዩ።
• ‘ኣዳም’ ተባህለ። ኣዳም ማለት ካብ መሬት ዝተረኽበ ምልኩዕ ማለት እዩ።
እግዚአብሔር ድማ ኣዳም በይኑ ኪነብር ጽቡቕ ኣይኮነን’ሞ ደጋፊት ንግበረሉ በለ”
ስለዚ ንኣዳም ኣዕሚቑ ከይደቀሰ፡ ነቒሑ ድማ ከይተንሥአ ኣብ መንጎ ድቃስን ንቕሓትን ማእከላይ ብምግባር ካብ ጐድኑ ሓንቲ ዓፅሚ ወሲዱ ምሉእ ኣካል ገይሩ ብሕጊ ተፈጥሮ ካብ ኣዳም ከይነኣሰት ጓል 15 ዓመት ምልክዕቲ ጐርዞ ፈጠረሉ።
ኣዳም ካብ ድቃሱ ተባራቢሩ ምስ ረኣያ እዚኣ ዓፅሚ ካብ ዓፅመይ፡ ሥጋ ካብ ሥጋይ እያ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይቲ ትብሃል በለ።ሔዋን ኢሉ ድማ ሰመያ። ሔዋን ማለት ናይ ሕያዋን ኣደ ማለት እዩ፡
በዚ መሠረት እግዚኣብሔር ንኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ንሔዋን ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ብኽብሪ ናብ ገነት ምስ ኣእተዎም “ንገነት ሓልዋን ተኸናኸናን” ብምባል ሃቦ።
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሻውዓይቲ መዓልቲ ኩሉ ፍጥረታት ፈጢሩ ንዕለተ ቀዳም ቀዳሳን ኣኽበራን ኣዕረፈ፡ነዚ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት ክንረኽቦ ንክእል።
ተፈጸመ ኣስተምህሮ ናይ 22 ፍጥረታት፡
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን !

