28 September 2023

በዓል ቅዱስ መስቀል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
“ኣነ ግና በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑስ ብኻልእ ኣይምካሕን እየ”(ገላ6፡16)
      ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ መጽሓፉ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ነቲ ንዘመናት ብማእሰር ሞት ተኣሲሩ ናብ ሲኦል ዝተደርበየ፡ እና ተሸቑረረ ዝነብር ዝነበረ፡ ኣፍ ደገ ገነት ዝተዓጽዎ ኣዳምን  ዘርኡን፡ ካብ ባርነት ዲያብሎስ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ክፈትሖ፡ ዝተዓጽወ ገነት ክኸፍተሉ፡ ርጉም ብምዃን መርገምና ጸይሩ፡ ንዓለም ብምልኣ በጃ ብምዃን ኣምላኻዊ ፍቕሩ ኣብ መስቀል ገሊጹልና እዩ። በዚ ከኣ ሰይጣን ተሳዒሩ፡ደቂ ኣዳም ከኣ ሰላም ረኺብና፡
እንተኾነ ግን ካብ ክፍኣት ዘይዓርፉ ጸረ መስቀል ዝኾኑ ኣይሁድን ሰዓብቶምን ክቡር መስቀል ናይ ኣምላኽና ተኣምራት ይገብር ስለ ዝረኣዩ ብቕንኢ ተላዒሎም ፡ስሙ ከይልዓል ፈጺሙ ድማ ክጠፍእ ተላዓሉ።ካብዚ ተበጊሶም እምበኣር ንኽቡር መስቀል ምስቲ ብየማንን ጸጋምን ናይ ጎይታ ዝተሰቕልሉ ክልተ መስቀል ገይሮም ቀበርዎ’ሞ ህዝቢ ኢዮሩሳሌምን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊኡ ጓሓፍ ከም ዝጉሕፍሉ ገበሩ።ከምዚ ኢሉ ንልዕሊ 200ዓመታት ቀጸለ።ካብ ብዝሒ ጓሓፍን ንውሓት ግዜን ዝተላዕለ ከኣ ምብራኹ ክንዲ ጎቦ ኮነ።
ድሕሪ ብዙሕ ግዜ እምበኣር፡ኣብ ልዕሊ መስቀል ክርስቶስ ፍቕሪ ዝነበራ ንግስቲ 
ኢሌኒ ንወዳ ንጉስ ቆስጦንጥኖስ ሒዛ መስቀል ንምርካብ ጉዕዞ ናብ ኢዮሩሳሌም ጀመረት።ኢየሩሳሌም ኣትያ ከኣ ንሓደ ዓቢ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ (ኪርያኮስ) ረኸበት፡ማይን  መግብን  ከልኪላ ከኣ ከምዝጠሚ ገበረቶ ንሱ ከኣ ናብቲ ክቡር መስቀል ናይ ኣምልኽና ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሕዋ ከደ።
ነቲ መሎኮታዊ ደም ዝፈሰሰሉን መለኮታዊ ስጋ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቖርሰሉን  መስቀል ንምርካብ ከኣ  መስከረም 17 ኩዕታ ተጀመረ መጋቢት 10 ከኣ ተወድአ።ኩዕታ ምስ ተወድአ ሰለስተ መስቀል ተረኸበ።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡መስቀል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣምራት ይገብር፡ ምዉታን የተንስእ ስለ ዝነበረ፡ነቲ ዝተረኽበ ሰለስተ መስቀል ምዉት ኣምጺኦም ፈተንዎ እሞ ገባሬ ተኣምር ዝኾነ መስቀል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ነቲ ምዉት ኣተንስኦ። ክርስቲያን ኩላቶም ተሓጎሱ። ንኽቡር መስቀል ብግንባሮም ተደፊኦም ሰገድሉ፡ ቅዳሴ ሰሪዖም ከኣ ንኣምላኽ ኣመስገኑ ።
ሓደ ይስሓቕ ዝተባህለ ሳምራዊ ግና ምስ ካልኦት ሳምራውያን ኮይኑ “ንምንታይ ንኾንቱ ትድኽሙ፡ ንምንታይከ ንዕንጸይቲ መስቀል ትሰግዱ“እና በለ ንክርስቲያን ኣባጨወሎም። ቀጺሉ እቲ ሳምራዊ፡ ኣብቲ ቦታ ሕማቕ፡ መሪር ማይ ነበረ እሞ፡”ሃይማኖትኩም ቅንዕትን  ርትዕትን እንተኾይና፡ ነዚ መሪር ማይ ናብ ጥዑም ማይ ክትቅይሮ እያ። ናይ መስቀል ሓይሊ ከኣ እንተ ኣርኢኹምኒ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምን እየ “እና በለ ናይ ላግጺ ቃላት ኣስምዐ። እዚ ክብል ከሎ ኣውዶኪስ ዝስሙ ጻድቕ ካህን ሰምዖ እሞ፡ መንፈሳዊ ቅንኢ ተሰምዖ፡ ቀሪቡ ከኣ ተወከሶ። ብድሕርዚ እቲ ካህን መስቀል ሒዙ ነቲ ማይ እና ባረኸ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ እቲ መሪርን ዘይጥዕሙን ማይ ካኣ ኣዝዩ ጥዑም ዝስተ ማይ ኮነ። እቶም ሕዝቢ ድማ ንሳቶምን እንስስኦም ሓቢሮም ሰተዩ። ኣብቲ ቦታ ከኣ ቤተክርስቲያን ሃነጹ። እታ ማይ ንክርስቲያን ጥዕምቲ ንዘይኣምኑ ግና መራር ነበረት እሞ ይስሓቕ ሳምራዊ ክሰቲ ኢሉ ነቲ ማይ ምስ ጠዓሞ ኣዝዩ መሪርን ዘይጥዑምን ኮይኑ ረኸቦ እሞ ኣዝዩ   ብልቡ እና ጓሃየ ብክርስቶስ ኣመነ። ኣብ ኢዮሩሳሌም ብዝነበረ ኤጲስ ቆጶስ ከይዱ  ተጠሚቑ ከኣ ክርስቲያን ኮነ።
ብድሕሪ ንግስቲ ኢሌኒ ንኽቡር መስቀል ምርካባ፡ ሰይጣን ካልኣይ ግዜ  መስቀል ክጠፍኣሉ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ካልእ መገዲ ደለየ። ሓደ ግዜ ካብ መኳንንቲ ንጉስ ፋርስ ናብ ኢዮሩሳሌም መጺኡ ናብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኣተወ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ክቡር መስቀል ዓቢ ብርሃን ደሚቑ ክበርህ ረኣየ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ከኣ ነቲ መስቀል ክሕዞ ደለየ። እንተኾነ ሓዊ(እሳት) ካብቲ መስቀል ወጺኡ  ኢዱ ኣሕረሮ፡ እቶም ክርስቲያን ከኣ “ስራሕ መስቀል ዓቢ እዩ፡ ክርስቲያን ዘይኮነ ሰብ ከኣ ክሕዞ ኣይግባእን እዩ “በልዎ። ንሱ ከኣ ክልተ ዲያቆናት ኣሰኪሙ ናብ ዓዱ ናብ ፋርስ ወስዶ። ኣብ ቅድሚ መንበሪ ገዝኡ ዓሚቕ ጉድጓድ ኣዂዒቶም ብድሕሪዚ ነቲ ክቡር መስቀል ናይ ጎይታ ኣብቲ ጉድጓድ ቀበርዎ። እቶም ክልተ ዲያቆናት መስቀል ኣበይ ከም ዝተቐብረ ምእንቲ ከይሕብሩ ከኣ ቀተሎም። እዚ ክገብር ከሎ ሓንቲ ካብ ኣዋልድ ካህናት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ  ኣብ ቤት እቲ መኮነን ኮይና  ብመስኮት ትዕዘብ ነበረት።
እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ናይ ሮም ንጉስ ሕርቃል እዚ ሰምዐ እሞ፡ መስቀል ካብ ኢድ ፋርሳውያን ንምምላስ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ  መጸ። እታ ኣቐዲማ መስቀል ኣበይ ከም ዝተቐብረ እትዕዘብ ዝነበረት እስራኤላዊት ጓል ኣንስተይቲ ንንጉስ ሕርቃል ሓበረቶ፡ ናብቲ ቦታ ከኣ መሪሓቶ ከደት። ንጉስ ሕርቃል ንኽቡር መስቀል ካብቲ ተቐቢርዎ ዝነበረ ቦታ ኲዒቱ ኣውጽኦ፡ ኣዝዩ ድማ ደስ በሎ፡ ክርስቲያን  ብምልኡ ድማ ጠፊኡ ዝነበረ መስቀል ብምርካቡ ተሓጎሰ። ንጉስ ሕርቃል ካኣ ነቲ ዝተረኽበ ክቡር መስቀል ብልብሲ መንግስቲ ጠቕለሎ። ዕለቱ  10 መጋቢት 614 እዩ።
እምበኣር ዝኸበርኩም ህዝቢ እግዚኣብሔር መስቀል ኣብ ህይወትና ዓቢ ቦታ እዩ ዘለዎ። ከመይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋን ነፍስን  ብተዋህዶ ኣብ መስቀል ውዒሉ ንጹህ ደሙን ክቡር ስጋኡን ኣብ መስቀል ኣፍሲሱን ቆሪሱን ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን  ሰብን ተፈጢሩ  ዝነበረ ጽልኢ  ከም ዝድምሰስን ክሳድና ኣቕኒዕና  ከም እንኸይድን ገይሩና እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ  መንደቕ  ብስጋኡ ብምፍራስ  ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ,,,,ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብምማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፡ ነቶም ክልተ ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።(ኤፌ 2፡13-17)። ስለዚ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹህ ደሙን  ቅዱስ ስጋኡን  ዘኽበሮን ዝቐደሶን መስቀል  ንሕና”ውን ዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ይግባእ። ኩሉ ግዜ ከኣ ብዛዕባ መስቀል ክንሓስብ፡ ውዕለት ጎይታና ኣብ መስቀል እና ዘከርና ካብ ሓጢኣት ርሒቕና  ክንነብር ይግባእ።
   ሽሕ እኳ ከምቲ ቅዱስ  ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ንዘይ ኣምኑ ዕሽነት ኮይኑ እንተ ተራእዮም፡ ንዓና ንኣመንቲ ግና ሓይልና፡ ጽንዓትና፡ በጃና፡ መድሓኒት ነፍስና ስለ ዝኾነ፡ ድሕነትና ዝተፈጸመሉ፡ ናጽነትና ዝተኣወጀሉ ኣብ መስቀል ስለ ዝኾነ ዝግብኦ ክብርን ስርዓትን ክንፍጽም ይግባእ።  ኣብ ክንዲ ስጋዊ ስራሕ(ሓጢኣት)፡ መንፈሳዊ ስራሕ እና ሰራሕና እቲ ዓቢ ናይ መስቀል ስራሕ እና ዘከርና ንንበር። ነቶም ተጠራጠርቲ እውን ብዛዕባ መስቀል ከመይ “ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝነገርክኹም ሕጂ ከኣ እና ነባዕኩ ዝነግረኩም ዘለኹ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። መወዳእትኦም  ጥፍኣት  እዩ”(ፈሊ 3፡18-19) ከም ዝበለ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ኣለዉ። ንሕና እውን ብቓልን ብግብርን መንነት መስቀል ክንፈልጥን ብተግባር ክነርእን ይግባእ።
እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝሓልና!
 ርሑስ በዓል ቅዱስ መስቀል ይግበረልና፡፡
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
  ወለወላዲቱ ድንግል
   ወለመስቀሉ ክቡር
      ኣሜን!

12 September 2023

ርሑስ በዓል ሓድሽ ዓመት

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ!

   
     " ዓመታትካ'ውን ከቶ ኣይውዳእን።" መዝሙር ዳዊት ምዕ 102፡27
ብመጀመርታ ኃያል፣ክቡር፣ቅዱስ፣ወሃቢ ኩሉ፣ገባሪ ኩሉ፣ፈጣሪ ኩሉ ዝኾንካ ኣምላከ ኣማልክት፣ጎይታ ጎይቶት፣ንጉሰ ነገሥት ቅዱስ እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣብ ሰማያት ምሕረትካ ኣብ ምድሪ ከኣ በረኸትካ ብምብዛሕ ንዘመንና ዘመን፣ ንህላዌና ህላዌ ወሲኽካ ካብ ዝሓለፈ ዘመን ሉቃስ ፪፻፲፭ [2015] ዓ.ም.ግእዝ፥ ናብዚ ዘለናዮ ዘመን ዮሐንስ ፪፻፲፮ [2016] ዓ.ም.ግእዝ በሠናያትካ፣ብምሕረትካ፣ብፍቕርኻ ንዘሰጋገርካና ካብ ሕሊና ንላዕሊ ዝኾነ ኩሉ ውህበታትካ ትሕት ኢልና ነመስግነካ፣ነዕብየካ፣ነኽብረካን ነምልኸካን ኣሎና። ነዚ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ረኺብና ነዛ ዘመን ክንርኢ ብጸሎትኩም ብኣማላድነትኩም ዝረዳእኩምና ዝደገፍኩምና፡ እመብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም፣ቅዱሳን መላእክት፣ነብያት፣ሓዋርያት፣ሰማዕታት፣ጻድቃን ኩሉኹም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ልዑል ፈጣሪ ብዝሃበኩም ክብሪ ትሕት ኢልና ክብሪ ምስጋና ንዓኹም ይኹን ንብል። ኦ እግዚአብሔር ሕጂ ድማ ነዛ ሂብካና ዘለኻ ክብርቲ ዘመን  ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ራህዋ፣ዘመነ ሓጎስ፣ዘመነ ንስሓ፣ዘመነ ፍቕሪ፣ዘመነ በረኸት ክትገብረልና ንሕና ነዚ ሠናይ ነገር ብሓሳብን ብተግባርን ክንነብረሉን ክንገብሮን ሠናይ ፍቓድካ ይኹነልና። ንቅድስቲ ቤተክርስቲያን ምስ ደቃ ከምኡ ውን ንሃገርና ምስ ሕዝባን፡ ምስ ኩሉ ዓለምን ዝተባረኸ ዓመትን  ዘመንን ብሩኽ በዓል ቅዱስ ዮሐንስን፡ ክትገብረልና ፍቓድካ ይኹን።
እምበኣር ናይ ሎሚ ዘመን ኣጽዋማትናን በዓላትናን ብሕጽር ዝበለ ነዚ ይመስል፦
ኣቀዲመ ግን ሎሚ ዘመን ልደት 28 ታሕሳስ ከም ዝኾነ ክሕብር ይፈቱ፡ብምቕጻል፣
ጾመ ነነዌ-------18 ለካቲት
ጾመ 40----------2 መጋቢት
ደብረ ዘይት-------29 መጋቢት
ሆሳእና------------20 ሚያዝያ
ዓርቢ ስቕለት------25 ሚያዝያ
ፋሲካ--------------27 ሚያዚያ
ዕርገት---------------6 ሰነ
ጰራቅሊጦስ--------16 ሰነ
ጾመ ሓዋርያት-------17 ሰነ

ንኹሉ ሕዝበ ክርስቲያን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ይግበረልና።
        ኣሜን ኣሜን ኣሜን!

12 May 2023

ጸሎተ ሃይማኖት

ናይ እምነት ጸሎት ኵሉ ብዝኃዘ ሰማይን ምድርን ዝረአን ዘይረአን ብዝፈጠረ። ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን። ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብ ዋሕድውን ነአምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፣ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ። ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ። ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፣ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ፣ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ፣ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ ። ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ። ሰብ ኮነ፣ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቅለ፣ ሓመመ፣ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ ሞተ፣ ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ተንሥአ፣ ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፣ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፣ ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ምውታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግሥቱ’ ውን መወዳእታ የብሉን። ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ ካብ አብ ብዝሠረፀ መንፈስ ቅዱስ ነኣምን፣ ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን። ንሱ አብ ነብያት ሓዲሩ ዝተናገረ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ብዝኾነት ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነኣምን። ኃጢኣት ንምስትሥራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ነኣምን። ትንሣኤ ሙታንን ነቲ ዝመጽእ ዘለአለማዊ ሕይወትን ብተስፋ ንጽበ። ኣሜን።

19 February 2023

ትምህርቲ ብዛዕባ ጾመ ኣርብዓ

ጾም ኣርብዓ (ዓቢይ ጾም)
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉ። 
ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያት: ጾመ ፍልሰታ ይበሃሉ። 

 እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። 
 ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። 
 እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ (ዘፍ 2፡17)። ዓቢይ ጾም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዝጾሞ (ማቴ 4፡2) እዩ። ዓቢይ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ክንሱ ዝጾሞን ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ሰይጣን ብሰለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ስለ ዝሰዓሮን እዩ። 
ንዓና ድማ ብዅሉ ግብሩ ብቑዕ ኣርኣያን ትምህርትን ብምዃን ኣሰሩ ክንክተልን ትእዛዙ ክንሕሉን ሕድሪ ሃበና። ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዓቢይ ጸላኢ ዲያብሎስ ከም ዘሎን ዓበይቲ ፈተናታት ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ኩልና ክንፈልጦን ዝግባእ ኣገዳሲ ነገር እዩ(1ጴጥ 5፡8)። 
ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት ብመገዲ ጾምን ጸሎትን ንሕቶኦም መልሲ: ንሕማሞም ከኣ ፈውሲ ረኪቦም እዮም። 
ንሕናውን ሠናይ ግብርን ንጹህ ልብን ሒዝና ብእምነት እንተጾምና ዝደለናዮ ኩሉ ክንቅበል ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ’’ ስለ ዝበለና( ፊሊ 4፡4)። 
 እምበኣር ዝኾነ ክርስቲያን ዓቢይ ጾም ክጸውም ከሎ ኣዋጅ ቤተ ክርስቲያን ስለዝኾነ ወይ ብልምዲ ኣብ ዓመት መጸ ዝግበር ዘይኮነስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ዓቢይ ናይ ዓወትን በረኸትን ትእዛዝ ብምዃኑ ካብ መግብን መስተን እናጾምና ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዝርዝራት ምስ መንፈሳዊ ምንባባት እናኣዛመድና ክንትግብሮም ጥቓሚ እዩ። ኣገባብ ጾምና ነዚ ንከተል! 

 *ኣፍ ይጹም ካብ ምዝራብ መርገም፡- ኣሕዋተየ እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን ከከም ዜድልዮም ከኣ ኪሓንጽ ዚኽእል ሠናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ( ኤፈ 4፡29 ) ብእኣ ጌርና ንጎይታናን ኣቦናን ነመስግን፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ እዚ ከምዚ ክኸውን ኣይግባእን እዩ (ያዕ 3፡9 ቆላ3፡8)። 

*ዓይኒ ይጹም ካብ ምርኣይ ሕሱም፡- ኣነ ግና ንጓል ኣንስተይቲ ርእዩ ዚትምነያ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ጎጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ ሓንቲ ዓይንኻ እንተ ጠፍኣት ይሕሸካ (ማቴ 5፡28)። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን እያ።

 *እዝኒ ይጹም ካብ ምስማዕ ንዓለም፡- ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለም’ውን ትሰምዖም ኣላ።ንሕና ካብ ኣምላኽ ኢና ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና። እቲ ካብ ኣምላኽ ዘይኮነ ግና ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦም። 1ዮሓ 4፡5 ። ብፁኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም( ሉቃ 11፡28 )። 

 *ኢድ ይጹም ካብ ምፍሳስ ደም፡- የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ቆሪጽካ ደርብያ ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ ሓንቲ ኣካል እንተ ጠፍኣት ይሕሸካ። ማቴ 5፡29። ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ። ….ኣእዳውኩም ብደም ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ። እከይ ንምግባር ትጎዩ ንጹሕ ደም ንምፍሳስ ትቀዳደሙ ሓሳብኩም እከይ እዩ። እምበኣር ተመለሱ (ኢሳ 59፡3)።

 *እግሪ ይጹም ካብ መገዲ ጸጋም፡- እንሆ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ሕይወት እትወስድ መገድን ናብ ሞት እትወስድ መገድን ኣንብር ኣሎኹ። ኤር 21፡8 ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ትመላለሱ። ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም (ኤር 6፡16)።

 *ልቢ ይጹም ካብ ሓሳብ ሥጋ ድኹም፡- ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኃጢኣት ደርብይዎ። ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ኣጥርዩ። ሕዝ 18፡31 ክዳንኩም ዝይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብል እግዚኣብሔር። ዩኤ 2፡13 ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን። ሮሜ 10፡10 እቲ ካብ ኣፍ ዚወጽእ ካብ ልቢ እዩ ዝመጽእ እሞ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ብሓሶት ምምስካር ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ እዚ እዩ ንሰብ ዘርክሶ (ማቴ15፡18)። 

እምበኣር ሺሕ እኳ ሕጂ ንቑሩብ ግዜ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተ ኾነ በዚ ክትሕጎሱ ኢኹም። እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከምዝኾነት ኬረድእ (1ጴጥ 1፡6)። ኢየሱስ ብዲያብሎስ ከም ዝተፈተነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 40 መዓልትን ለይትን ምስ ጾመ እቲ ፈታኒ ሰይጣን ስለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ኣቕረበሉ። (ማቴ 4፡4-11)

 ዝርዝረን ከኣ እንሆ፡- ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል። ግናኸ ሕይወት ካብ መብልዕ፡ ሰብነት ድማ ካብ ክዳን ይበልጽ እዩ እሞ ብትበልዕዎን ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ። ንስኻትኩምሲ ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ። ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብትዕግሥቲ ‘’ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወፅእ ቃል እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ’’ ዝብል ጥቕሲ ጌሩ ንሰይጣን ኣሕፈሮ (ማቴ 6፡33)። 

 ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍ በእዳዎም ኪፆሩኻ ይእዝዞም‘ዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ እስከ ንታሕቲ ጽደፍ በሎ። እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዝምርምር ኣእምሮን ዘስተውዕል ልብን ሂቡዎ እዩ። ዝኾነ ሰብ ድማ ንኣምላኽ ከመስግንን ክእዘዝን እምበር ግብሪ ኣምላኽ ክንዕቕን ንትእዛዙ ክፈታተንን ግቡእ ኣይኮነን። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሔር ምስ ዝፈተንዎ 40 ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ኮለል በሉ። ሰይጣን ድማ ንኢየሱስ ክርስቶስ እስከ ጽደፍ እናበለ ብትዕቢት ፈተኖ። ክርስቶስ ግና ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብትሕትና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ (ማቴ 4፡10)።

 ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኹሉ ዅሉ ክህበካ እየ በሎ። ኣነ ሕያው እየ ይብል እግዚኣብሔር ኵሉ ብርኪ ኪሰግደለይ ኵሉ ልሳንውን ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኪእመን እዩ።ሮሜ 14፡11 ይብል ቅዱስ ጽሑፍ። ደፋር ዲያብሎስ ግና ክሰግደሉ ንኢየሱስ ሓተቶ። ግናኸ እቲ ክፉእ ነገር ካብ ክፉኣት ስለ ዝወጽእ ደኣ እምበር ንሰይጣንሲ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነ ኵሎም ቅዱሳት ኣቦታትውን ብሕሱር ግብሩ ረጊጸሞ እዩ።
 ኣብ ቅድሚ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን ይኽሕደካ ኣሎኹ ኢልና ወትሩ ከምንጽሊ ክርስቶስ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኻ ስገድ ንኣኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኪድ ሰይጣን ኢሉ ገኒሑ ኣርሓቖ። ማቴ 4፡10። 
 ስለዚ፡-
 ሀ) ሰይጣን ፈተና ናይ ስስዕቲ ኣቕረበ ። ማቴ 4፡3 ክርስቶስ መልሲ ትዕግሥቲ ኣምጽአ (ዘዳ 8፡3)።
 ለ) ሰይጣን ፈተና ናይ ትዕቢት ኣቕረበ። ማቴ 4፡6 ክርስቶስ መልሲ ናይ ትሕትና ኣምጽኣ (ዘዳ 6፡16)።
 ሐ) ሰይጣን ፈተና ኣፍቅሮ ንዋይ ኣቕረበ። ማቴ 4፡9 ክርስቶስ መልሲ ናይ መንኖ ጥሪት ኣምጽአ (ዘዳ 6፡13)።

 እምበኣር ኣብዚ ዓለም ፈተና ዘይብሉ ሕይወት የልቦን። ንዝኾነ ዓይነት ፈተና ድማ ይዕበ ይንኣስ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ከይተጨነቕና ብጾምን ጸሎትን ምስ ክርስቲያናዊ ትዕግሥቲ እንተ ጼርናዮ በቲ ኣምላኽ ዝህበና ሓይሊ ንዅሉ ከም ንስዕሮ ርጉጽ እዩ።

 እግዚኣብሔር ጾምናን ጸሎትናን ተቐቢሉ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ብስላም የብጽሓና። ኣሜን።

©መርጌታ ብርሃነ=•••••∆ኢስታንቡል(ቁስጥንጥንያ) ለካቲት 2015ዓ/ም፡ግ(2023 AD)

29 January 2023

ኣስተርእዮ

ኣስተርእዮ 21 ጥሪ 2015 ዓ/ም ግእዝ-january 2023