28 December 2014
24 December 2014
መዓልታዊ ጸሎት
ጸሎት ዘዘወትር
አአትብ ገጽየ
ወኲለንታየ
በትእምርተ መስቀል፣
አሜን።
በስመ አብ: ወወልድ: ወመንፈስ ቅዱስ: አሐዱ አምላክ :
በቅድስት ሥላሴ፣እንዘ ኣአምን ወእትመኃጸን፣ እክህደከ ሰይጣን፣
በቅድመ ዛቲ እምየቅድስት ቤተክርስቲያን፣ እንተይእቲ ስምእየ ማርያም ጽዮን፣
ለዓለመ ዓለም፣አሜን።
ነአኩተከ እግዚኦ ወንሴብሓከ፣
ንባርከከ እግዚኦ ወንትአመነከ ፣
ንስእለከ እግዚኦ ወናስተብቁዓከ ፣
ንገኒ ለከ እግዚኦ፣ ወንትቀነይ ለስምከ ቅዱስ።
ንሰግድ ለከ፣ ኦ ዘለከ፣ ይሰግድ ኩሉ ብርክ ፣
ወለከ ይትቀነይ ኩሉ ልሳን።
አንተ ውእቱ ኣምላከ ኣማልክት፣
ወእግዚኣ ኣጋእዝት ፣ወንጉሰ ነገስት፣
ኣምላክ አንተ ለኩሉ ዘሥጋ ፣ወለኩላ ዘነፍስ፣
ወንጼውኣከ ንሕነ፣ በከመ መሃረነ ቅዱስ ወልድከ ፣
እንዘ ይብል አንትሙሰ ሶበ ትጸልዩ ከመዝ በሉ።
አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ፣
ትምጻእ መንግሥትከ ፣ወይኩን ፈቃድከ ፣
በከመ በሰማይ ፣ከማሁ በምድር፣
ሲሳየነ፣ዘለለ ዕለትነ፣ሃበነ ዮም።
ኅድግ ለነ፣አበሳነ ወጌጋየነ፣
ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰ ለነ።
ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት፣
ኣላ አድኅነነ ወባልሐነ፣እምኩሉ እኩይ፣
እስመ ዚኣከ፣ይእቲ መንግሥት፣ኃይል ወስብሐት፣
ለዓለመ ዓለም፣አሜን።
በሰላመ፣ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ፣
ኦ እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ፣
ድንግል ብኅሊናኪ ፣ወድንግል በሥጋኪ።
እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ።
ቡርክት አንቲ እምአንስት፣ ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ።
ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ።
ሰአሊ ወጸልዪ ምሕረት በእንቲኣነ፣
ኀበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ፣
ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ።
ጸሎተ ሃይማኖት
ነአምን በአሐዱአምላክ እግዚአብሔር አብ፣
አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ፣
ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ።
ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ፣
ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ ፣
እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም።
ብርሃን ዘእምብርሃን
አምላክ ዘእምአምላክ ዘበአማን
ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ
ዘዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ።
ዘቦቱ ኩሉ ኮነ
ወዘእንበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ
ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ።
ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ
ወረደ እምሰማያት ተሰብአ ወተሰገወ እምመንፈስ ቅዱስ
ወእም ማርያም እምቅድስት ድንግል
ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ
በመዋዕለ ጲላጦስ ጰንጤናዊ።
ሐመ ወሞተ ወተቀበረ
ወተንሥአ እሙታን አመ ሣልስት ዕለት
በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻህፍት
ዓርገ በስብሓት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ
ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኮንን ሕያዋነ ወሙታነ
ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ።
ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ
እግዚእ ማኅየዊ ዘሠረጸ እም አብ
ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ
ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነብያት።
ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን
እንተ ላእለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋሪያት።
ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት
ለሥርየት ሓጢኣት
ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን
ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም።
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ
እግዚአብሔር ጸባዖት
ፍጹም ምሉዕ
ሰማያት ወምድረ
ቅድሳተ ስብሐቲከ።
ንሰግድ ለከ ክርስቶስ
ምስለ ኣቡከ ኄር ሰማያዊ
ወመንፈስከ ቅዱስ ማኅየዊ
እስመ መጻእከወአድኃንከነ።
እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐተ ሰግደተ። (ሰልስተ ጊዜ በል)
እንዘ አሐዱ ሠለስቱ
ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ
ይሤለሱ በአካላት
ወይትዋሐዱ በመለኮት።
እሰግድ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ።
እሰግድ ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስክርስቶስ
ዘተቀደሰ በደሙ ክቡር።
መስቀል ኃይልነ፡
መስቀል ጽንዕነ፡
መስቀል ቤዛነ፡
መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ
አይሁድ ክሕዱ ንሕነሰ ኣመነ
ወእለ አመነ በኃይለ መስቀሉ ድኅነ።
ስብሐት ለአብ ስብሐት ለወልድ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ (ሰለስተ ግዜ በል።)
ስብሐት ለእግዘትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ፡
ስብሐት ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ
ክርስቶስ በምሕረቱ ይዘከረነ።
አመ ዳግም ምጽአቱ ኢያስተኅፍረነ።
ለሰብሖተ ስሙ ያንቅሀነ
ወበአምልኮቱ ያጽንአነ
እግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ አዕርጊ ጸሎተነ፣
ወአስተሥርዪ ኩሎ ኃጢአተነ
ቅድመ መንበሩ ለእግዚእነ
ለዘአብልዐነ ዘንተ ኅብስተ
ወለዘአስተየነዘንተ ጽዋዓ
ወለዘሠርዐ ለነ ሲሳየነ ወአራዘነ
ወለዘተዐገሠ ለነ ኵሎ ኃጢአተነ
ወለዘወሀበነሥጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ
ወለዘአብጽሐነእስከ ዛቲ ሰዓት።
ነሀብ ሎቱ ስብሐተ ወአኰቴተ ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር
ይትአኰት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚአብሔር ወትረ ብኵሉ ጊዜ ወበኵሉ ሰዓት።
ሰላምለኪ እንዘ ዝሰግድ ዝብለኪ።
ማርያም እምነ ናስተዘቊዐኪ።
እምአርዌ ነዓዊ ተማህፀነ ብኪ።
በእንተሐና እምኪ ወኢያቄም አቡኪ።
ማኅበረነ ዮም ድንግል ባርኪ።
ጸሎት እግዝእትነ ማርያም
ድንግል ወላዲተ ኣምላክ።
ታዐብዮ ነብስየ ለእግዚኣብሔር።
ወትትኃሠይ መንፈስየ በኣምላኪየ ወመድኃንየ፤
እስመርእየ ሕማማ ለኣመቱ።
ናሁ እምይእዜሰ ያስተበፅዑኒ ኩሉ ትዉልድ።
እስመ ገብረ ሊተ ኃይለ ዐቢያተ ወቅዱስ ስሙ።
ወሣህሉኒ ለትውልድ ትዉልድ ለእለ ይፈርህዎ።
ወገብረ ኃይለ በመዝራዕቱ፡
ወዘረዎሙ ለእለ የዐብዩ ሕሊና ልቦሙ፡
ወነሠቶሙ ለኃያላን፣ እመናብርቲሆሙ።
ኣዕበዮሙ ለትሑታን፡ ወኣጽገቦሙ እምበረከቱ ለርኁባን፡
ወፈነዎሙ ዕራቆሙ ለብዑላን ወተወክፎ ለእስራኤል ቍልዔሁ፡
ወተዘከረ ሣህሎ ዘይቤሎም ለኣበዊነ ለኣብርሃም
ወለዘርኡ እስከ ለዓለም።ሉቃስ ፩፡፵፮-፶፭።
ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም ኣሜን።
21 December 2014
16 December 2014
ማህሌት ናይ ልደት ክርስቶስ
ናይ ልደት ዚቅ
ስርዓተ ማህሌት ዘነግህ
ሚካኤል ሊቀ መላእክት ሰአል በእንቲአነ ወቅዱስ ገብርኤል አእርግ ጸሎተነ ።
፬ቱ እንስሳ መንፈሳውያን ሰባሕያን ወመዘምራን ሰአሉ በእንቲአነ ፳ወ፬ቱ ካህናተ ሰማይኒ አዕርጉ ጸሎተነ ።
ነቢያት ወሃዋርያት ጻድቃን ወሰማዕት ሰአሉ በእንቲአነ ምስሌክሙ ከመ ይክፍለነ መክፈልተ ወርስተ ለኩልነ ።
ማሕበረ ቅዱሳን ወሰማዕት ሰአሉ በእንቲአነ መላእክተ ሰማይኒ አዕርጉ ጸሎተነ ።
ማርያም እግዝእትነ ወላዲተ አምላክ ሰአሊ በእንቲአነ እስም ረከብኪ ሞገሰ በሃበ እግዚአብሔር ።
ረከብኪ ሞገሰ መንፈሰ ቅዱሰ ወኃይለ ሰአሊ አስተምህሪ ለነ ማርያም ወልድኪ ሳህሎ ይክፍለነ ።
ኀበ ተርህወ ገነት ወሃበ ተነጽፈ እረፍት ይክፍለነ ነሃሉ ውስተ በአቶሙ ለቅዱሳን።
አቡነ ዘበሰማያት ።
ስምአኒ እግዚየ ጸሎትየ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ወይብጻህ ቅድሜከ ገአርየ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ወኢትሚጥ ገጸከ እምኔየ ። በእለተ ምንዳቤየ አጽምእ ዕዝነከ ኀቤየ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ አመ ዕለተ እጼውአከ ፍጡነ ስምአኒ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም ሃሌ ሉያ ዘውእቱ ብሂል ንወድሶ ለዘሃሎ እግዚአብሔር ልዑል ስቡህ ወውዱስ ዘሣረረ ኩሎ ዓለመ በአሐቲ ቃል ።
ዳዊት ነቢይ በከመ ጸለየ እጼሊ ኀቤከ እግዚአብሔር አምለኪየ እነዘ እብል ከመዝ ጸወንየ ወኮክሕየ ወታድኅነኒ ሊተ እምእደ ጸላእትየ ወአቃቤየ ትከውነኒ ወእትዌከል ብከ ምእመንየ ወዘመነ ፍርቃንየ ረዳእየ ወምስካይየ ወሕይወትየ ወታድኅነኒ እምእደ ገፋእየ ሃሌ ሉያ በስብሃት እጼውአከ ንጉሥየ ወአምላክየ።
ሚካኤል መልአክ ሰአል ወጸሊ በእንቲአነ ወበእንተ ነፍሰ ኩልነ መልአኪየ ይቤሎ እመላእክት ሰምሮ መልአከ ኪዳኑ ለክርስቶስ ።
ሰላም ለክሙ ማኅበረ መላእክት ትጉሃን ሰላም ለክሙ ማኅበረ ነቢያት ወጻድቃን ሰላም ለክሙ ማህበረ ሐዋርያት ፍንዋን ሰላም ለክሙ ማኅበረ ሰማእት ወጻድቃን ሰላም ለክሙ ማሕበረ ስላሴ ጉቡአን ወሰላም ለማርያም ዘእሳት ክዳኑ ።
ማሕበረ መላዕክት ወሰብእ ተአይነ ክርስቶስ ወእሙ ሰላም ለክሙ ሶበ እከስት አፉየ ለውዳሴክሙ ፍሬ ማህሌት እምልሳንየ ትቅስሙ ምስሌየ ሀልዉ ወምስሌየ ቁሙ.
ሰላም ለአብ ወለወልድ ቃሉ ወለመንፈስ ቅዱስ ሰላም ዘአካሎሙ አካሉ ለማርያም ሰላም እንተ ተሳተፈት ስብሀተ እሉ ሰላም ለመላእክት ወለማህበረ በኩር ኩሉ ጽሑፋነ መልክዕ ወስም በሰማይ ዘላእእሉ።
ሰላም ለአብ ገባሬ ኩሉ ዓለም ለወልድ ሰላም ወለመንፈስ ቅዱስ ሰላም ለማርያም ሰላም ወለመላእክት ሰላም ሰላም ለነቢያት ወለሀዋርያት ሰላም ለሰማእታት ሰላም ወለጻድቃን ሰላም።
ሰላም ለአብ ዘእምቅድመ ዓለም ነጋሲ ለወልድ ሰላም ስጋ ማርያም ለባሲ ወለመንፈስ ቅዱስ ሰላም ኀጢአተ ዓለም ደምሳሲ ኀይልየ ስላሴ ወፀወንየ ስላሴ በስመ ስላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ።
መልክአ ስላሴ
ሰላም ለአጻብኢክሙ እለ እማጽፋር ኢይትሌለዩ ለቤትክሙ ስላሴ ዘኢየሐልቅ ንዋዩ አመ አበአልክሙ ሰብአ ድህረ አንደዩ ጌጋዩ ዘኢርእዩ እምቅድመ ዮም መላእክተ ሰማይ ርእዩ ወአግብርተ ሰብእ መላእክት ተሰምዩ ።
ዚቅ
ርእይዎ ኖሎት አእኮትዎ መላዕክት ለዘተወልደ እማርያም እምቅድስት ድንግል ዮም ሰማያዊ በጎል ሰከበ ።
ሰላም ለክሙ ሚካኤል ወገብርኤል ሱራፌል ወኪሩቤል ዑራኤል ወሩፋኤል ሱርያል ወፋኑኤል አፍኒን ወራጉኤል ወሳቁአኤል ወሰላም ለቅዳሴክሙ ትጉሀነ ሰማይ ዝክሩነ በፀሎትክሙ ።
ሰላም ለክሙ ሚካኤል ወገብርኤል ሱራፌል ወኪሩቤል ዑራኤል ወሩፋኤል ሱርያል ወፋኑኤል አፍኒን ወራጉኤል ወሳቁኤል ሊቃናተ ነድ ዘሰማያዊት ማህፈድ በእንተ በግኡ እቀብዋ ለዛቲ ዓፀድ ።
ሰላም ለክሙ ሚካኤል ወገብርኤል ሱራፌል ወኪሩቤል ዑራኤል ወሩፋኤል ሱርያል ወፋኑኤል አፍኒን ወራጉኤል ወሳቁአኤል ወሰላም ለከናፍሪክሙ ከመ ትእቀቡነ ተማህፀነ ለክርስቶስ በደሙ ።
ሚካኤል ወገብርኤል ሱራፌል ወኪሩቤል እለ ትሴብህዎ መላእክተ ሰማይ ሰአሉ ለነ አስተምህሩ ለነ ቅድመ መንበሩ ለእግዚእነ ።
ሰላም ለከ ሊቀ መላእክት ሚካኤል ወዲበ ሰናይቲከ አዲ ለሰብእ ሳህል አሐዱ እምእለ ይባርክዎ ለቃል እዙዝ ዲበ ህዝብ ከመ ትተንብል በእንተ ስጋሁ ነበልባል ርእሰነ ከልል ።
ሰላም ለከ ንስረ እሳት ዘራማ ማህሌታይ ሚካኤል መአርኢረ ዜማ ለረድኤትከ ዲቤነ ሲማ ለማህበረነ ከዋላሀ እቀበ ወፍጽማ እመራደ ነኪር አጽንእ ኑሐ ወግድማ ።
ሰላም ለሚካኤል ዘነድ ሱራሁ ይትከሐን ወትረ በበምስዋኢሁ እምቅዱሳን አሐዱ እምእለ ይተግሑ ሐዋዝ በአርያም መሐልይሑ ነጎድጓደ ስበሐት ግሩመ ይደምፅ ጉህነሑ ።
ሰላም ለልሳንከ መዝሙረ ቅዳሴ ዘነበልባል ወለድምፀ ቃልከ ሐዋዝ ቀርነ መንግስቱ ለቃል ሞገሰ ክበሩ ሚከኤል ለተላፊኖስ ባእል አልቦ ዘይትማሰለከ በልማደ ምሕረት ወሳህል እንበለ ባሕቲታ እሕትከ ማርያም ድንግል ።
ንዌጥን ዝክረ ውዳሴሆሙ ለነቢያት ወሐዋርያት ለጻድቃን ወሰማእት ለአእላፍ መላእክት ዘራማ ሐይላት ለምልእተ ፀጋ ማርያም ቡርክት ወለስግው ወልዳ ነባቢ እሳት ።
ንዌጥን ዝክረ ወድሶታ ለመንፈሳዊት ርግብ ዘመና ልሁብ እምከናፍሪሀ ይወህዝ ሀሊብ ተፀውረ በማህፀና እሳት ዘኮሬብ ወኢያውአያ ነድ ወላሕብ።
ማሕፀንኪ እግዝእትየ ማርያም ይከብር ምስብኢተ እምፅርሐ አርያም ዘላእሉ ወእምኪሩቤል ትርብእተ ተ9 አውራሐ ወ5ተ እለተ ፆረ ዘኢይፀወር መለኮተ አግመረ ዘኢይትገመር እሳተ።
ሰላም ለአፉኪ አፈ በረከት ትሩፍ ወአንቀፀ ቅዱስ መፅሐፍ አማሕፅነኒ ድንግል በኪዳንኪ ውኩፍ ኢይተሐፈር ቅድመ ወልድኪ ወመላእክቲሑ አዕላፍ አመ ስርወ ልሳን ይትመተር ወይትሐተም አፍ ።
ሰላም ለዝክረ ስምኪ ዘመንክር ጣእሙ ለወልድኪ አምሳለ ደሙ መሰረተ ሕይወት ማርያም ወጥንተ መድሐኒት ዘእምቀዲሙ ኪያኪ ሰናይተ ዘፈጠረ ለቤዛ አለሙ እግዚአብአሄር ይትባረክ ወይትአኮት ስሙ ።
ዚቅ
መሰረታቲኀ ውስተ አድባር ቅዱሳን ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ ።
ነግሥ
ሰላም ለልደትከ ኦ አማኑኤል ዘቀዳሚ ወዘደሀሪ ብሉየ መዋዕል ኢየሱስ ክርስቶሰ ዘአብ ቃል ዕፎ ዕፎ አግመረተከ ድንግል ወዕፎ እንዘ አምላክ ሰከብከ በጎል ።
ዚቅ
በጎል ሰከበ በአፅርቅት ተጠብለለ ውስተ ማሕጸነ ድንግል ሐደረ ዕፎ ተሴሰየ ተሴሰየ ሀሊበ ከመ ህፃናት ።
መልክአ ኢየሱስ
ኢየሱስ ኢየሱስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሰረፅከ እምቤተ ሌዊ ኮሬባዊ መለኮታዊ ቃል ሰማያዊ እምድንግል ተወልደ ።
መልክአ ኢየሱስ
ሰላም ለዝክረ ስምከ ስመ መሐላ ዘኢይሔሱ፣ ዘአንበረ ቅድመ እግዚአብሔር በአትሮንሱ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ለዳዊት ባሕርየ ከርሱ፣ አክሊለ ስምከ እንዘ ይትቄጸል በርዕሱ፣
አህጉረ ፀር ወረሰ ኢያሱ ።
ዚቅ
ንሰብከ ወልደ እምዘርዓ ዳዊት ዘመጽዓ ወተወልደ በሥጋ ሰብእ፣ እንዘ ኢየዓርቅ እመንበረ ስብሐቲሑ፣ ውስተ ማኅጸነ ድንግል ኀደረ ፣ሥጋ ኮነ ወተወልደ ትጉሐን የዓምኑ ልደቶ፣ ወሱራፌል ይቀውሙ ዓውዶ፣ መጽአ ይቤዝወነ ውስተ ዓለም፣ የሐበነ ሰላመ ጋዳ ያበውኡ ቁርባነ ።
(አዲ )
ወልድ ተወልደ መድኀኒነ ጥዩቀ እምዘርአ ዳዊት በቤተ ልሔም ዘይሑዳ ።
ሰላም ለአፅፋረ እዴከ ዘህበሪሆን ፀአዳ፣ በምገባር ወግእዝ እለ ይትዋሃዳ፣
ኢየሱስ ክርስቶስ ምስፍና አባሉ ለይሁዳ፣ ለመንግስትከ ሰፋኒት እንዘ ይትመሀለሉ አውዳ፣ ሰብአ ሰገል አወፈዩ ጋዳ።
ዚቅ
አንፈርአፁ ሰብአ ሰገል አምሀሆሙ አምፅኡ መድምመ ረኪቦሙ ሕጻነ ዘተወልደ ለነ ።
አቡነ ዘበሰማያት።
ስብከት ዘነግህ
ምስሌከ ቀዳማዊ በዕለተ ሀይል
በብርሀኖሙ ለቅዱሳን
ወለድኩከ እምከርስ እምቅድመ ኮከበ ፅባህ
እስመ ለአለም
ተወልደ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘየሁዳ አዋልደ ጢሮስ አሜሀ ይሰግዳ ሰብአ ሰገል እምፅኡ ሎቱ ጋዳ ወይትሀሰያ አዋልደ ይሁዳ።
ምልጣን
ሃሌ ሉያ፣ ዮም ፍስሀ ኮነ በእንተ ልደቱ ለክርስቶስ ውእቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎቱ ሰብአ ሰገል ሰገዱ ሎቱ አማን መንክር ስብሀተ ልደቱ።
ሰላም
ተሣሃልከ እግዚኦ ምድረከ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ንሰብክ ወልደ እምዘርአ ዳዊት ዘመጽአ ወተወልደ በሥጋ ሰብእ እንዘ ኢየዓርቅ እመንበረ ስብሐቲሁ ውስተ ማኅፀነ ድንግል ኃደረ ሥጋ ኮነ ወተወልደ ትጉሃን የአምኑ ልደቶ ወሱራፌል ይቀውሙ ዓውዶ መጽአ ይቤዝወነ ውስተ ዓለም የሀበነ ሰላመ ጋዳ ያበውዑ ቍርባነ።
ለእመ ኮነ ልደት በእሑድ ፦ ሃሌ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ይዕቲ ማርያም እምነ ወእሙ ለእግዚእነ ሰአሊ በእንቲአነ ሰርአ ለነ ሰንበተ ለ እረፍተ ዚአነ ፍስሐ ወሰላም ለዕለ አመነ።
ተፈጸመ ኩሉ ስርዓት ዘማህሌት።
መ/ብርሃነ ታሕሳስ 2007
03 December 2014
ሕዳር ጽዮን
ሕዳር ጽዮን
መ/ብርሃነ ሕዳር 2007
★እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ :
ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፣
ሰብ ፣ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡
ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 86(87)፡5
★ጽዮን ዝብል ቃል ”ፀወነ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ እምባ መጸግዒ መኸወሊ ማለት እዩ።
እዚ ቃል እዚ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሚእትን ሓምሳን ጊዜ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያንና መምህራን ይምህሩና።
ብሓፈሻ ጽዮን ዝብል ቃል ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣርባዕተ ነገራት ወኪሉ ተጻሒፉ ይርከብ።
1,ናይ ዳዊት ከተማ
ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሰብዓን ሽዱሽተን ጊዜ ብተደጋጋሚ ጽዮን ተባሂላ ዝተጸውዐት ናይ ዳዊት ከተማ እያ። እዛ ከተማ እዚኣ ቅዱስ ዳዊት ብነቢይ ሳሙኤል ንግስነት ድሕሪ ምቕብኡ፡ ሠራዊቱ ዘስፍረላ ዝነበረ ከተማ ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ የረድኣና “ዳዊት ግና ነታ ድኃር ከተማ ዳዊት ዝተሰመየት እምባ ጽዮን ሓዛ” 2ይ ሳሙ 5፡7። ብምባል ነዛ ካብ ጸላኢ ንምክልኻል ምችእቲ ዝኾነት እምባ “ጽዮን” እንዳበለ ይጽውዓ።
ብተወሳኺ ውን ኣብ 2ይ ዜና 5፡2 ከምዚ ብምባል ጠቒስዋ ኣሎ “ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ሓላቑ ነገዳትን እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፡ ንታቦት እግዚኣብሔር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ‘ጽዮን’ ከደይብዎ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። ኣብዚ ውን እዛ “ጽዮን” ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ ናይ ዳዊት ከተማ ምዃና ብንጹር ተጻሒፍልና ኣሎ።
2,ጽርሐ ኣርያም {ሻውዓይቲ ሰማይ}
እቲ ብካልኣይ ደረጃ “ጽዮን” ንዝብል ቃል ወኪሉ ዝርከብ ክፈሊ ድማ ጽርሐ ኣርያም ወይ ድማ ሻውዓይ ሰማይ እዩ። ብቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ መሠረት እግዚኣብሔር በታ መጀመርያ መዓልቲ ሰንበት ካብ ዝፈጠሮም ሸሞንተ ሥነ ፍጥረታት፡ እዞም ዝስዕቡ ሸውዓተ ሰማያት እዮም ። ኢዮር፡ ራማ፡ ኤረር፡ሰማያዊት ኢዮርሳሌም፡ ሰማይ ውዱድ፡ መንበረ መንግሥት፡ ጽርሐ ኣርያም ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።
ካብዞም ሸውዓተ ሰማያት እቲ ልዕሊ ኵሎም ዝርከብ ሻውዓይ ሰማይ እዩ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጽዮን’ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። ነዚ ብዝምልከት ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ካብ ጽዮን ካብታ ብጽባቔኣ እተንጸባርቕ ከተማ፡ እግዚኣብሔር በሪሁ ይግለጽ ኣሎ” መዝ 50፡2። ኣብዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል እግዚኣብሔር ብሥጋድንግል ማርያም ናብዚ ምድሪ ከም ዝግለጽን ካብ ጽዮን ማለት “ጽርሐ ኣርያም” ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ክመጽእ ምዃኑን እዩ ዘረድኣና።
ቅዱስ ዮሐንስ ውን ኣብ ራእይ “ ብድሕሪ እዚ እቲ ገንሸል ኣብቲ ጽዮን ተባሂሉ ዚጽዋዕ እምባ ደው ኢሉ ረኣኹ፡ ስሙን ስም ኣቡኡን ኣብ ግምባሮም ዝተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ/144,000/ ከኣ ምስኡ ነበሩ” ራእ 14፡1 ብምባል ስለ ክርስቶስ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ሻዉዓይ ሰማይ፡ዝረኣዮ ራእይ ይነግረና።
3,ቤተ እስራኤል
ብሳልሳይ ደረጃ ጽዮን ተባሂሎም ዝጽውዑ ድማ፡ እቶም ብሥጋ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾኑ ኣይሁድ ወይ እስራኤላውያን እዮም። ኦ ኢዮርሳሌም ንእግዚኣብሔር ኣመስግኒ፡ ኦ ጽዮን ንኣምላኽኪ እልል በሊ” መዝ 147፡1። ኣብዚ ድማ “ኦ ጽዮን” ኦ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ቦታ እትነብሩ ማለቱ እዩ። እንደገና ውን “ንስኻ ክትንስእ ኢኻ ንጽዮን ውን ክትርህርኃላ ኢኻ ምሕረት እትገብረሉ ግዜ በጺሑ እዩ። ሽሕ እኳ ጽዮን እንተ ፈረሰት የፍቅርዋ እዮም፡ ሽሕ እኳ ዑና እንተኾነት ይድንግጹላ እዮም” መዝ 102፡13። ኣብዚ ድማ ደጊሙ “ንጽዮን ክትርህርሃላ ኢኻ” ማለቱ ንደቂ ጽዮን ክትርህርሃሎም ኢኻ ማለቱ እዩ።
ነቢይ ኢሳይያስ ውን “እግዚኣብሔር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ከንኵዖ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። ክሳውደን ገቲረን በዒንትን ቅምጽ እንዳበላ ብግንትእ ዝብል ኣራግጻአን፡ ብሽውሕዋሕ ዝብል ስልማት እግረን ይኸዳ ኣለዋ እሞ..” ኢሳ 4፡16 ይብል። ኣብዚ ውን ብዘየማትእ መረዳእታ ኣዋልድ “ጽዮን” ተባሂለን ዘለዋ ኣብ ጽዮን ዝቕመጣ ኣከዳድናአንን ኣራግጸአንን፡ ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ወጻኢ ዝኾነ ዝሙታዊ ምንቅስቓስ ዘርእያ ዝነበራ እስራኤላውያን እየን።
4,ድንግል ማርያም
ኣብ መወዳእታ ድማ ጸዮን ዝተባህለት እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወጽእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 “ ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5
“ኣነ ውን ንስፍራ መርገጺ እግረይ ከኽብሮ እየ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ክመጽኡ እዮም፡ ዝነዓቑኺ ኵሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ክብሉ እዮም እሞ ከተማ እግዚኣብሔር “ጽዮን” ክሰምዩኺ እዮም። ኢሳ 60፡14 ኣብዚ ውን ኢሳይያስ ጽዮን አንዳበለ ዝጽውዓ ንድንግል ማርያም እዩ።
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ክኸውን እዩ ናይ እግዚኣብሔር ቤት ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክቐውም ኣብ ልዕሊ ኮራቢት ድማ ልዕል ክብል ኵሎም ህዝቢ ውን ናብኡ ክእከቡ እዮም። ሕጊ ካብ ጽዮን ቃል እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኢዮርሳሌም ክወጽእ እዩ” ኢሳ 2፡2-3።
ዳሕረዎት መዓልታት ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝነበረ ናይ ሲኦል መከራ ዘብቅዓሉ ዘመን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ወአመ በጽሐ ዕድሜሁ ፈነወ እግዚኣብሔር ወልደ ወተወልደ እምብእሲት” ማለት “ናይ ዘመኑ ፍጻሜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ንወዱ ሰደደ ካብ ሰበይቲ “ድንግል ማርያም” ውን ተወልደ። ገላ 4፡4 “ናይ እግዚኣብሔር ቤት ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራናት ጸኒዑ ክቐውም እዩ” ማለት ናይ መለኮት ቤት መሕደሪ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኵሉ ፍጥረታት ንላዕሊ ብንጽሓ ሥጋ ንጽሓ ነፍስ ንጽሓ ልቦናን ንዘልዓለም ጸኒዓ ምንባራ ዘርኢ እዩ። ኵሎም ህዝቢ ድማ ናብ ፍትው ወድኺ ለምንልና ኣማልድልና እናበሉ ናብኣ ክመጽኡ እዮም። ካብ ጽዮን ሕጊ ካብ ኢዮርሳሌም ድማ ቃል እግዚኣብሔር ክወጽእ እዩ ዝተባህለ ድማ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሕጊ ዝሰርዐ ዋና ሕጊ ንሱ ስለ ዝኾነ ሕጊ ይብሎ። ከምኡ ውን ናይ ኣብን ናይ መንፈስ ቅዱስን ናይ ባዕሉን ቃል ስለ ዝኾነ ቃል ይብሎ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ውን ወንጌሉ ክጅምር ከሎ “ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ውን ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ” ብምባል እቲ ብመጀመርያ ዝነበረን ሕጊ ዝሰርዐን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ መስኪሩ ኣሎ ዮሐ 1፡1።
“መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳት” መሠረታ ካብቶም ቅዱሳን ኣኽራንእዩ፡ እግዚኣብሔር ካብ ኵሎም ማሕደራት ያዕቆብ’ሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ከተማ እግዚኣብሔር ብኣኺ ክቡር ነገር ክበሃል እዩ መዝ 87፡1
“እግዚኣብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ.ሞ መሕደሪኡ ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ኣብዚኣ ክነብር እየ” መዝ 132፡13
“ዘምሩ ለእግዚኣብሔር ዘየኀድር ውስተ ጽዮን” ኣብ ጽዮን ሰማያዊት ኣብ ጽዮን ምድራዊት ንዝሓድር እግዚኣብሔር ኣመስግኑ። ኣንደም
ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸን ማርያም ዝሓደረ እግዚኣብሔር ኣመስግኑ።
ስለምንታይ ኢዩ 21 ሕዳር ማርያም ጽዮን እንዳተባህለ ዝኽበር?
በዚ ዕለት ታቦተ ጽዮን ኣብ ምርኮ ኣብ ኢድ እቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ ፍሊስጤማውያን ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንዳጎን ዝተባህለ ጣኦት ናይ ፍሊስጤማውያን ሰባቢራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣረማውያን ሰባት ብርቱዕ ሕበጥን መቕዘፍን ብምውራድ ተኣምር ከም ዝገበረትን ካብ ኢድ ፍሊስጤማውያን ናብ ሃገራ ብሰላምን ብዓቢ ክብርን ከም ዝተመለሰት ንዝክር። 1ይ ሳሙ 5፡1-12 6፡1-21 እዛ ታቦት እዚኣ ድማ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ እያ። ታቦት ማለት “ቤተ ኀደረ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጽአ ኮይኑ መሕደሪ ማለት እዩ። እተን ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፋ ቃላት ኣብ ታቦት ስለ ዝሓደራ ታቦት ናይ ቃለ እግዚኣብሔር መሕደሪ እዩ። ዘጸ 25፡10-16 ቃል ዝተባህለ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ”ዮሐ 1፡1 ድሕሪ ምባል “ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣባና ሓደረ” ዮሐ 1፡14 ብምባል ዝሓደረሉን ዝተወሃሃደሉን ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ። በዚ ድማ ኢና ድንግል ማርያም ታቦት (መሕደሪ) እግዚአብሔር ንብላ። ዘማራይ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ውን “ቀደሰ ማህደረ ልዑል” ልዑል መሕደሪኡ ቀደሰ ክብል ገሊጽዋ ኣሎ።
ቀጺሉ ውን ኣብ መዝ 132፡13 “እግዚአብሔር ንጽዮን ሓረያ መሕደሪኡ ክትከውን ድማ በሃጋ” ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት (መሕደሪት) ኣምላኽ ከም ዝኾነት የነጽረልና። ብዛዕባ ትንሳኤ ጎይታን መሕደሪኡ ዝዀነት ኣዲኡን ኣብ ዝተነበየሉ ድማ ቅዱስ ዳዊት “ተንስእ እግዚኦ ኣንተ ወታቦተ መቅደስከ” ኦ ጎይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንስእ ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት ተባሂላ ከም እትጽዋዕ ደጊሙ ኣነጺርዎ ኣሎ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰንበት “ካብ ዘይነቅዝ ዕንጨይቲ ዝተቐርጸ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ዝተለበጠ “ታቦት” ብዘይ ምፍላይን ምልዋጥን ሰብ ዝኾነ ናይ እግዚአብሔር ቃል ይምሰለልና እዚ ውን ምልዋጥ ዘይብሉ ንጹሕ መለኮት እዩ….” ክብል ጽሒፍልና እዩ። በዚ ድማ ታቦተ ጽዮን ኣሕዛብ ንዘምልኽዎ ሰይጣን ዝሓደሮ (ዳጎን)ጣኦት ሰባቢራ ከም ዘጥፍኣቶ እዛ ኣማናዊት ታቦት ዝዀነት ድንግል ማርያም ድማ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ “መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወጽእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 ዝበሎ ንጎይታ ብምውላድ ኣምልዀተ ጣኦት ካብ ልቢ ደቂ ሰባት ከም ዝንቀል ጌራ እያ‘ሞ ምስ ቅዱስ ዳዊት ኮይንና “ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5 እናበልና ዓመት መጸ በዚ ዕለት’ዚ ንዝክራ።
ናይ ታቦትን ድንግል ማርያምን ንጽጽራዊ ትምህርቲ
★ታቦት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ ኢያ።
★ነታ ምሳልያዊት ታቦት ሓላዊ ኔርዋ ኢዩ፡
ነዛ ታቦት እዚ ንምሕላውን ንምግልጋልን ዝተሓጸየ “ኣሮን” ዝበሃል ካህን ነበረ።(ዘሁ 17፡1-10)
★ንድንግል ማርያም ነታ ኣማናዊት ታቦት ንምግልጋል ውን ውን ዮሴፍ ዝበሃል ሕጹይ ነበራ (ማቴ 1፡18)
★ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ንሱ ርእሳ ስለ ዝኾነ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተገልግል፡ ★ዮሴፍ ግን ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ስለ ዝተሽከመት ንድንግል ማርያም ንኸገልግላ ተንሥአ፡
★ካህን ዘካርያስ ውን ቅድስናኣ ተመልኪቱ ኣብ ቅድሚ ኣማናዊት ታቦት ኣገልገለ።
★ሙሴ እግዚአብሔር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈሎም ጽላት ተሰከመ፡
★ዮሴፍ ግን ፈጣሪ ኣብ ማሕጸና ዝተስከመት ንጽሕቲ ጽላት ሓዘ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ(ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 306-373 ዓ.ም)
★ነታ ምሳልያዊት ታቦት ንምግልጋል ዝተመርጸ ካህን ኣሮን በትሩ ካብተን ናይ 12 ነገደ እስራኤል ኣባትር ጠጢዓን ዓምቢባን ፈርያን ምስ ተረኽበት እዩ። (ዘሁ 17፡1-12)
★ነታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርያም ንምግልጋል ውን ካብቶም ኣንስቶም ዝሞትኦም 12 ሰባት ናይ 12 ነገድ ናይ ዮሴፍ በትሪ ጠጢዓ ምስ ተረኽበት ነበረ።
★ ቅዱስ ደዊት ናይ እግዚአብሔር ታቦት ናባይ ክመጽእ ከመይ ኢሉ ይኾነለይ በለ (2ይ ሳሙ 6፡9)
★ኤልሳቤጥ ድማ እታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርአም ናብ ቤታ ምስ መጸት “ኣደ ጐይታይ ንስኺ ናባይ ክትመጽኢ እዚ ካበይ ኮነለይ” በለት (ሉቃ 1፡43)
★ እታ ምሳልያዊት ታቦት ናብ ከተማ ዳዊት ምስ መጸት ዳዊት “ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚአብሔር ብታሕጓስ ዘለለ ዘመረ ድማ” (2ይ ሳሙ 6 1-14)
★እታ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ምስ ከደት ድማ “ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝነበረ ዮሐንስ ብደስታ ዘለለ” (ሉቃ 1፡41)
★ኣብ ቅድሚ ታቦት ንዝዘመረ ዳዊት ዝነዓቐቶ ሜልኮል እግዚአብሔር ማህጸና ዓጸዋ (2ይ ሳሙ 6፡23) ንታቦት ተደፋፊሩ ዝተንከፈ ዖዛ እግዚአብሔር ቀዘፎ (2ይ ሳሙ 6፡6-7)
★ነታ ኣማናዊት ታቦት ንድንግል ማርያም ሬሳኣ ከቃጽሉ ንዝፈተኑ ኣይሁድ ንሬሳኣ ብድፍረት ንዝሓዘ ተውፋንያስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ክልተ ኣእዳዉ ቆረጾ።
★†★ሎሚ ውን እንተ ኾነ ንድንግል ማርያም ዝጸርፍ ንኽብራ ዘቃልልን ዝንዕቕን አብ ርእሲኣ ናይ ትዕቢት ቃላት ዝዛረብን ከቢድ መቕጻእቲ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ።
★“እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዝዛረባ ሓሰውቲ ከናፍር ይተዓበሳ ድኣ” (መዝ 31፡18) ዝብል ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል ከነዘኻኽሮ ድማ ግድን እዩ።
★ኢትዮጵያዊ ቄርሎስ ዝተሰመየ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ውን “ዘየኽብረኪ ንልዕልናኺ ዘይሰግድን ንዘለዓለም ርጉም ኢዩ።
★ብፍጹም ልቦናኡ ዘይፈትወኪ ብዓቢ ሓሳቡ ዘየኽብረኪ ርጉም ኢዩ።
★ብከናፍሩ ዘየመስግነኪ ብልሳኑ ውን ዘይምርቐኪ ርጉም ኢዩ።
★ንክብርኺ ዘይሰግድ ንገናንነትኪ ዘይግዛእ ዕድል ፈንታኡ ጽዋእ ተርታኡ ገሃንመ እሳት ኢዩ።
★ኣቐዲሙ እዚ ቃል እዚ ብኣብርሃምን ካልኦት ቅዱሳንን ኣቢሉ እግዚአብሔር ገሊጽልና እዩ። ንኣቦና ኣብርሃም “ዝባርኹኻ ክባርኾም ዝረግሙኻ ድማ ክረግሞም እዩ” ክብል እግዚአብሔር ተዛሪብዎ ኔሩ። ስለ’ዚ ንኣብርሃም ዝባረኸ ዝባረኽ ካብ ኮነ ንድንግል ማርያም ዝባረኸ ማዕረ ክንደይ ኣዝዩ ይባረኽ ይኸውን? ንኣብርሃም ዝረገመ ዝርገም ካብ ኮነስ ንድንግል ማርያም ዝረግም ማዕረ ክንደይ ይርገም ይኸውን? እቲ ኣቢ ሊቅ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ውን “ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብሓቂ ክብርቲ ኢያ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ክስከምዎ ዘይካሉ ንዓኡ ዝተሸከመት ናታ ዕቤታ ስለ ምንታይ ዘይንእውጅ?,,,,,ንጎይታ ዘኽብር ኩሉ ንጎየታ ዝተቐደሰ መሕደሪኡ የኽብር። መሕደሪኡ ዘየኽብር (ዘቃልል) ጎይታኡ የቃልል (ኣየኽብርን) ንሳ ድንግል ዝተቐደሰ መሕደሪኡ ኢያ። ክብል ገሊጽዎ ኣሎ (ቅዱሰ ጼጲፋንዮስ 310-403)
★እታ ምሳልያዊት ታቦት ነቲ ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ ዝኾነ ዳጎን ሰባቢራ ኣጥፍኣቶ (1ይ ሳሙ 5፡1-12)
★እዛ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ግና ነቲ ኃያል ጐይታ ብምውላድ ንዲያብሎስ ኣብ መስቀል ተሳዒሩ ከም ዝእሰር ገበረት።
★እምበኣር ምሳሌ እታ ኣማነናዊት ታቦተ እግዚኣብሄር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምዃና በዚ መሰረት ውን ጽዮን ዝተባህለት ንሳ ኢያ`ሞ ፣ ምስጋና ንዓኣ ይኹን፣
ነዚ ንኽንገብር ዘብቅዓናልዑል እግዚኣብሄር
ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹን፣
ኣሜን።

28 November 2014
ሓፈሻዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾም
መ.ብርሃነ ሕዳር 2007 ዓ/ም ግእዝ(2014 A.D)
ጾም ማለት ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢ ምኽልካል፣ ከምኡ'ውን ዝኾነ ካብ ናይ እንስሳ ዝወጽእ ነገር ከም ስጋ፣ ጸባ፣ ጠስሚ፡እንቋቕሖ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምብላዕን ማለት ኢዩ (ዳን.10፣2-3)።
ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ጾም ኣብ ክልተ ይኽፈል ንሱ ድማ፦
1. ናይ ግሊ/ናይ በይንኻ/ጾም
2.ናይ ኣዋጅ ጾም ተባሂሎም ይጽውዑ።
1. ናይ ግሊ ጾም፦ እዚ ጾም እዚ ናይ ንስሓ ጾም ተባሂሉ ዉን ይጽዋዕ ኢዩ ፣ምኽንያቱ ናይ ግሊ ማለት ሓደ ሰብ ካብ ኣበ ነብሱ ድሕሪ ናይ ንስሓ ኑዛዜ ዝወሃቦ ቀኖና ኮይኑ፣ ንሱ ኸኣ ስለ ሓጢኣቱን በደሉን እንዳስተንተነ ዝጾሞ ጾም ስለ ዚኾነ ኢዩ። ናይ ግሊ ጾም ካብ ናይ ኣዋጅ ጾም ዝፍለየሉ ምኽንያት ብጀካ ንስኻን ኣበ ነብስኻን እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ሰብ ክፈልጠካ ኣይግባእን ኢዩ ፣ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ ብምባል ኢዩ ገሊጽዎ፣ /ማቴ.6፣16-18 ክትጾሙ ከሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከምኣቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጸዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተቐባእ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።
2.ናይ ኣዋጅ ጾም፦ እዚ ጾም'ዚ ካብ ናይ ግሊ ጾም ፍልይ ዘብሎ ኩሉ ክርስትያን ኣብቲ ብቅዱሳን ኣቦታት፣ ብወርሓት፥ ሰሙናት፥ መዓልታት ተፈላልዩ ዝተወሰነ ክፍለ ግዜ ናይ ምጽዋም መንፈሳዊ ግዴታ ስለ ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያንና ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ፡ማለት ካብ ወዲ 7 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ኪጾሞም ዘለዎ፡ ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉና፡
ንሳቶም ከኣ፦
1-ዐብይ ጾም /ጾመ ኣርብዓ/
2-ጾመ ነብያት/ናይ ልደት ጾም/
3-ጾመ ሐዋርያት/ካብ ጽባሕ በዓለ50—5ሓምለ/
4-ጾመ ፍልሰታ/ካብ 1—15ነሓሰ/
5-ጾመ ነነዌ/3መዓልቲ ቅድሚ ጾመ 40/
6-ጾመ ድኅነት/ዓርበ ረቡዕ/
7-ጾመ ገሃድ/ድሮ ጥምቀትን ድሮ ልዳትን /
ናይ ኣዋጅ ጾም ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያንና እንታይ ዓይነት ተቐባልነት ኣለዎ? ስለምንታይ ኢዩ ዝጽወም? መሰረቱ'ኸ ጾም ካበይ ኢዩ? ንዝብል ሕቶታት ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣሕጽር ኣቢልና ክንምልስ/ክንገልጽ ኢና።
ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዉሱን ግዜ ሰሪዓ ጾም እትእውጅ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ኢያ፣

ነዚ ዘብርሃልና ድማ ቀጺልና ንመልከት፦
መጽሓፈ ኣስቴር 4፣1-17"ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን ንዘለዉ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበላዕኩም ከይሰተኹም ምእንታይ ጹሙ፡ ኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ/አገልገልተይ/ ኮይነ ከምኡ ገይረ ኽጸውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐደ እንተ ኾነ ናብ ንጉሥ ክኣቱ እየ፣ እንተ ሞትኩ ይሙት።"
እዝራ.8፣21 ፦" ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ከነትሕት፡ ንዓናን ንሕጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ኣብ ጉዕዞና ምእንቲ ክሕልወና ክንልምን ኢለ፣ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ"።
ኢዩኤል.2፣12-13 ፦ እግዚኣብሔር "እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ። ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ" ይብል ኣሎ።
ትን.ኤርምያስ36፣9 ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፣ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሠ። ኣብ ታስዓይቲ ወርኂ ናይታ ኃሙሸይቲ ዓመቱ፣ እቶም ሕዝቢ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞገስ ኪረኽቡ ጾም ኪጾሙ ኣወጁ፣
ታሪኽ ሰብ ነነዌ /ዮናስ3፣1-10/
ኢዩ.1፣14 ፦ ጾም ኣውጁ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ንዚነብሩ ኹላቶምን ናብ ቤት መቕደስ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኣክብዎም፣ ናብ እግዚኣብሔር ከኣ ተማህለሉ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጥቕስታት ብዝተፈላለዩ ነብያት ኣብ ግዜ ኦሪት ዝተኣወጀ ኣጽዋማት ኢዩ፣ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ዉን ሓዋርያት እንተ ኾኑ'ውን ዝጾሙሉ ፍሉጥ መዓልታት ከም ዝነበሮም/ግ.ሓ.27፣9/ "ከምዚ ኢሉውን ብዙሕ ግዜ ሓለፈ፣ እቲ መዓልቲ ጾም ምስ ሓለፈ ብመርከብ ምጉዓዝ ዜፍርህ ስለ ዝኾነ፣ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ መኸሮም።
እምበኣር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ክንሪኦ ዝጸናሕና መንፈሳዊ ቃል ነብያትን ሓዋርያትን ኣብነት ብምግባር ኣሰር ኣሰር እምነቶም እንዳረኣና፡ኣናባብርኦምን፣ ኣማዋውትኦምን ከመይ ከምዝነበረ ብምስትውዓል መርሚርና ክንክተሎም መንፈሳዊ ግዴታን ትምህርቲ ሓዋርያትን ስለ ዝኾነ (ዕብ.13፣7-10)፣ ንሕና ከኣ ነዚ ቃል እዚ መሰረት ብምግባር ኣቦታትና ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተኸቲሎም ዘቖምዎ ደረት እንዳሓለና ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ንጸዉም።
ጥቕሚ ጾም፦እቲ ዝዓበየ ጥቕሚ ናይ ጾም ፍቓድ ስጋ ብፍቓድ ነፍሲ ስዒርና ብመንፈስ ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምንባር ኢዩ።

ኣቦና ዳዊት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣቦታትና ኮይኑ ጾም ኣብ ሂወቱ ከመይ ኔሩ? እንታይ ዓይነት ክብረት'ከ ረኺቡሉ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን፣ ከመይ ዓይነት ጾም ይጸዉም ኔሩ ከኣ ኣብዘን ዝቕጽላ ጥቕሲ ንመልከት ፦ (መዝ.35፣13, መዝ.69፣10, መዝ.109፣24) ቅዱሳን ኣቦታትና ከም በዓል ቅዱስ ዳዊት፣ ከም በዓል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝመሃሩና "ብድኻም ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዝግለጽ ኢዩ" ስለዚ ንሕና ከኣ ብጾምን ጸሎትን ንስጋና ብምድካም ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዘይውዳእ ጸጋ ንቕበል፣ /2 ቆሮ.12፣10/።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣርኣያ ኪኾነና 40 መዓልትን 40 ለይትን ኣብ ዝጾመሉ ግዜ ምስ ጠመየ ዲያብሎስ ከም ዝፈተኖ'ሞ ጎይታ ግን ከም ዝሰዓሮ፣ ጾም ክሳብ ክንደይ ኢዩ! ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ድያብሎስ ናይ ዓወት ሓይሊ ከም ዚህበና ኢዩ ዝምህረና (ማቴ.4፣1-12)።
ኣብ ግዜ ጾም ብግቡእ ንጸዉም እንተደኣ ኮይንና እግዚኣብሔር ምሳና ይህሉ፣ እግዚኣብሔር ምሳና እንተኾይኑ ድማ ክቃወመና ዝኽእል ሓይሊ የለን (ሮሜ.8፣31)
ካብ ዝተፈላለየ ሕማማት ይፍውስ /ማቴ.17፣21/።
ፍልጠት፣ ምስትውዓል፣ ኣእምሮ፣ ጥዕና ይህብ /ዳን.1፣8-21/።
ምስ ጾም ጎኒ ጎኒ ክስነዩ ዘለዎም ነጥብታት፦
ጾም ካብ መግቢ ተፈሊኻ ምውዓል ጥራሕ ዘይኮነ ብጸሎትን፣ ምጽዋትን ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዝተሰነየ ክኸዉን ኣለዎ /ማቴ.17፣21/ ማቴ.6/
ኣብ ግዜ ጾም፦ልሳንና ካብ ክፉእ ምዝራብ፣

ኣእጋርና ናብ ናይ ሓጢኣት ቦታ ካብ ምኻድ ምኽልካል፥ ወዘተ........ ኮታስ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ክንእለ ይግብኣና።
ኣብ ግዜ ጾም ናብ ቤት መቕደስ/ቤትክርስቲያን/ ምኻድን፣ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ምንባብን፣ ምምሃርን፣ ምስትምሃርን መንፈሳዊ ግዴታና ኢዩ /ነህ.9፣14/, /ኤር.36፣9-10/
ጾም ብነብስን ብስጋን ክንጥቀመሉ እንተዄንና ምስ ሓድሽ ሰብነት ማለት ብንስሓ ክንሕጸብ ኣለና፣ ነዚ ኪገልጽ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 9፣15-18/ ነህ.9፣2/
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸሎትን፣ ልማኖን፣ ምህልላን ቅዱሳን ኣቦታትና ዝተቐበለ ጾምና ባሪኹን፣ ቀዲሱን ብሰላም የፈጽመና፣አብ ብርሃነ ልደቱ በሰላም የብጽሓና፣ ኣሜን።

25 November 2014
18 November 2014
14 November 2014
04 November 2014
ወርሓዊ ክብረ በዓል
ወርሓዊ በዓላት
ዘተዋህዶ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን
ነፍሲወከፍ መዓልቲ እኳ ክብርቲ እንተኾነት፣
ግና ሰሪሕኩም ብልዑ ብዝተባህለ ቃል፣ክንሰርሓሉ ውን ተፈቒዱልና ኢዩ:
ከምኡ`ውን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓኹም ዝተቐበለ ንዓይ ከምዝተቐበለ
ንዓኹም ዘኽበረ ውን ነዓይ ከምዘኽበረ ኢሉ ንሃዋርያት ብዝሃቦም ቃል ኩሎም፣ቅዱሳን ምእንቲ ስሙ ተጋዲሎም:
ንሕና ውን ምእንቲ ቅዱሳንካ ክትብል መሓረና እንዳበልና ኩሉ ግዜ ክንዝክሮም ኣዚዙና ኢዩ፣
ብኸምዚ ከኣ:ኣብ ወርሒ ኩለን መዓልታት ነናተን ዝኽሪ ናይ ቅዱሳን ኣለወን፣
እቲ ዝኸአለ ንኹለን ከኽብረን ይግባእ ፣
እቲ ዘይከኣለ ግና ብመጠኑ ብኸምዚ ዝስዕብ የኽብር ።
ንኣብነት ፣ኣብ ሓደ ደብሪ/ቤተክርስትያን/ ዘለዎ ዓዲ ኣብነት ክንወስድ ፣
እቲ ቤተክርስትያን እንዳ ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስዝኸውን፣ኣብ ወወርሑ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣይስራሕን፣
በዓለ ማርያም 21
ስላሴ 7
በዓለ እግዚኣብሄር 29
ቅዱስ ሚካኤል 12
ኣቡነ ተክለሃይማኖት 24
መድሃኔ ኣለም 27
ቀዳመ ሰንበት
ኣብ ዓመት ዝውዕል በዓል እንተድኣ ኮይኑ ግን ግድን ይበዓል ንኣብነት
ሩፋኤል 3ጳጉሜን
ገብርኤል 19 ታሕሳስ
ልደታ 1 ግንቦት
እምበኣር ኣነ ብመጠኑ ዝፈልጦ ክብረ በዓል ኢየ ኣብዚ ኣስፊረዮ ዘለኹ
30 October 2014
ዘመነ ጽጌ/ ወርሓ ጽጌ/
በስመኣብ፣ወወልድ፣ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ፣ኣሜን።
1,ጽጌ ዝብል ቃል ጸገየ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጽእ ኮይኑ ትርጉሙ ዕንባባ ማለት እዩ። ብቤተ ክርስትያና ካብ መስከረም 26 ክሳብ ኅዳር 6/ቁስቋም/ ዘለዋ 40 መዓልታት ወርኃ ጽጌ ይበሃላ። በብሰሙኑ ሰንበት ድማ ነቲ እዋን ዝምልከት ማኅሌት ይሓድር መዝሙር ይዝመር።
ኣብዚ ግዜ`ዚ ቅዳሴ ብእዝል ይቕደስ።
2,ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ዝጽወም ናይ ፍቓድ ጾም ውን ጾመ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
3,ወርሓ ጽጌ ማለት ናይ ዕንባባ ወርሓት ማለት እዩ። እቲ ኣብ ክረምቲ ዝተዘርአ ኣእኻል ዝዕንብበሉ ወርሃት እዩ። ዕንባባ ፍሉይ ሕብሪን መኣዛን ይሃልወን እምበር፣ ምስኡ ዉን እሾክ ኣለወን። እቲ ዕንባባታት ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ መጋቢነት ዘዘካከረና ክከዉን እንከሎ፣ እቲ እሾኽ ግና፣ ንመከራ ስደት ድንግል ማርያም ዘዘካኸረና እዩ። ኣብዚ ወርሓት፣ በረኻታት ብዕንባባ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዝዉቅባሉ ግዜ ኮይኑ፣ ኣዕዋፍ ይሕጎሳ፣ ኣናህብ ይወፍራ፣ ሓረስታይ ተስፋ ይገብር፣ ኣመንቲ ክርስትና ግና፣ ነቲ ኣብዚ ቅንያት ዘጋጠመ፣ ስደት ጐይታ ንዝክር።
4,ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን እና ዘከረት ቅድስቲ ቤተክርስትያን ተኽብሮ።
5,ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ሃንደበት ዘይኮነስ፣ ትንቢት ዝተነግረሉ ምሳሌ ዝተመሰለሉ እዩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ዝኾነ ኢሳይያስ ነቢይ፣
“እግዚአብሔር ኣብ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ’ውን ይመጽእ” ብማለት ተነብዩ ነበረ። ንጐይታ ሓዚላ ናብ ግብጺ ዝተሰደት፡ ኣማናዊት ደመና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ (ኢሳ ፲፱፥፩/19፥1)። ምኽንያት ስደት ድማ ሄሮድስ ንጉሥ ኣብ ግዝኣቱ ንጉሥ ከምዝተወልደ ሰሚዑ ስለዘይቀሰነ፤ “ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺአ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ” ኢሉ ነቶም ብኮኸብ ተመሪሖም ዝመጹ ሰብአ ሰገል/ሰብ ጥበብ/ ከታልሎም እኳ እንተፈተነ፡ ንሳቶም እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም፣ መገዲ ቀይሮም ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ሰብአ ሰገል “ከም ዝተላገጹሉ” ምስ ኣረጋገጸ ትሕቲ ፪/2 ዓመት ንዝኾኑ ሕጻናት ቤተ ልሔም ክቕተሉ ኣዘዘ።
ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ “ሄሮዶስ ነዚ ህጻን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንሥእ፤ ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣቡኡ ጽናሕ” ኢሉ ብዝነገሮ እቲ ስደት ናብ ግብጺ ተጀመረ። ክሳዕ “እቶም ነፍስ እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” ተባሂሉ እቲ መልኣኽ ገሊጹ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ግብጺ ጸንሑ። (ማቴ ፪፥፲፫፤ ፳/2፥13,20) ኣብ ግብጺ ብስደት ዝጸንሑሉ እዋን ድማ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን እዩ።ብዜና ገድልታትን ትውፊትን ድማ ጐይታን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ብግብጽ ኣቢሎም ንሃገርና ካብኡ ሓሊፉውን ኢትዮጵያ ከምዝበጽሑ ይንገር።
ምምላስ ካብ ግብጽ ናብ ምድረ እስራኤል’ውን ብነቢይ ሆሴዕ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ እዩ ነይሩ፦ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” (ሆሴ ፲፩፥፩)።
እዚ’ውን ነቲ ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ንምፍጻም ዝገብሮ ስለዝኾነ እዩ። ካብ ገነት ናብ ምድረ ፋይድ (ሲኦል) ዝተሰደ ኣዳም ስለዝነበረ፤ ምምጻእ ጐይታ ድማ ስደት ኣዳም ተሰዲዱ ብምኽሓስ፡ ንኣዳም ናብ ዝቐደመ ክብሩ ንምምላስ ስለዝነበረ እዩ። ከመይሲ ኣዳም ብሰንኪ በደሉ ክቕበሎ ዝግባእ ጸዋትወ መከራ፡ ሕማምን ሞትን ጐይታ ኣብ ኵሉ ኣትዩ ኵሉ ሕማማት ኣዳም ጸይሩ ንኣዳም ክሒሱ፤ ብሞቱ ንሞቱ ደምሲሱሉ እዩ። ስደቱ’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። በዚ መሠረት ኸኣ ጐይታ ንኣዳም ክብል ብገነት ካብ እትምሰል ኢየሩሳሌም ናብ ሲኦል እትምሰል ግብጺ ተሰደደ። ብኻልእ ድማ ነቲ ጣዖታት ግብጺ ራዕራዕ ክብሉ እዮም ዝብል ትንቢት ክፍጸም ናብ ግብጺ ተሰዲዱ ጣዖታት ሰባቢሩ እዩ።
6,ኣብ ግብጽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ዳኅራይ ብፍጽምና ንእኡ ንዝስዕቡ ቅዱሳን ስፍርኦም ዝኾኑ ገዳማት ንምብራኽውን እዩ። በቲ ካልእ ድማ ስደት ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ባሪኹ ንክህበና ቅዱስ ፈቓዱ ስለዝኾነ እዩ ኣብነት ብምዃን ተሰዲዱ።
7,ትርጉም ማህሌተ ጽጌ
ማኅሌት ማለት ምስጋና ወረብ ለዘብ መወድስ ማለት እዩ። ጽጌ ኸኣ ዕምበባ፡ ምልክት ወይውን ኣደ ፍረ ማለት ክኸውን ከሎ፤ ማኅሌተ ጽጌ ማለት ኸኣ ብዕምበባ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያምን፤ ብፍረ ዝተመሰለን ፍረ ማኅጸና ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስገኑሉ ናይ ዕምበባ ምስጋና ማለት እዩ። ከመይሲ ፍረ ካብ ዕምባባ ከምዝርከብ፡ መድኃኒተ ዓለም ንዝኾነ ነቲ ፍቁር ወልዳ ዝፈረየት ኣማናዊት ዕምባባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።
"ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በማርያም ድንግል:
ወበቀራንዮ ተተክለ መድሃኒት መስቀል:"ተስፋ ኣዳም ከምዝተፈጸመ፡
ትንቢት ነቢያት ከምዝበጸሐ
ዘበሰረት ምልክት ድኅነትና ንሳ እያ።
ባዕሉ ጐይታ ምልክት ክህበኩም እዩ ተባሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተናገረላ ንሳ እያ። (ኢሳ ፯፥፲፬/7:14)
8,ጾመ ጽጌ
ጾመ ጽጌ/ፈቃደ ጾም/ ነዚ ብዙኅ ድኻምን መከራን ዝተሓወሶ ጕዕዞ ስደት፡ ኣዴና ንወዳ ሒዛ በረኻታት ግብጽን እስራኤልን ቆሪጻ ናብ ምድረ ግብጽ ብምእታዋ ነዚ መከራ እና ዘከርካ ይፅወም።
እዚ ጾም እዚ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ካህናት ኮኑ ዲያቆናት፤ ከምኡውን ምእመናን ብፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ተደሪኾም ስደታ ብምዝካር በረኸታ ንምርካብ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ካብቶም ፯/7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዘይኮነሲ ናይ ፍቓድ ጾም ኸኣ እዩ።
9,ማኅሌተ ጽጌ
ደራሲ እዚ ፍሉይ ጣዕመ ዜማ ዝውንን ናይ ምስጋና ድርሰት እዚ ኣብ መበል ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝነበረ አባ ጽጌ ድንግል/ኣባ ጽጌ ብርሃን/ እዩ። ንሱ ኸኣ ንድንግል ማርያምን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓንሳብ ብሓረገ ወይን ሓንሳብ ብእምበባ ጽጌረዳ ብኻልእን ተዛመድቲ ምሳሌታት እናመሰለ ግሩም ናይ ጸሎት መጽሓፍ ዘዳለወ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ በብ፭/5 መስመር /ቤት/ እናቖመ ፻፶/150 ማለት ብተምሳል መዝሙር ዳዊት ገይሩ ኣዳለዎ/ደረሰ/። ርቀት ምሥጢሩ፤ ውህደት ምሳሌኡን ትምህርቱን፤ ግጥማዊ ኣቀራርብኡ፤ መልእኽቲ ዜምኡን፤ ወዘተ ብጣዕሚ መሳጢ እዩ።
መሠረቱ ኸኣ ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባ ልደት ጐይታ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ክዛረብ ከሎ፣ ካብ ዘርኢ እሴይ ንዝተረኽበት ኣዴና ብበትሪ፡ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብጽጌ መሲሉ እዩ ተነብዩ ነይሩ። “ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ፡ ወየዓርግ ጽጌ እም ጒንዱ።” (ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።) (ኢሳ ፲፩፥፩/11፥1) ኣባ ጽጌ ድንግል’ውን ድርሰቱ ብኸምዚ ኣገባብን መልክዕን ንቅድስቲ ድንግልን ንወዳን ኣተሓባቢሩ ብጽጌን ብፍረን እናመሰለ፤ ምስኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳኑ መንክር ንዝኾነ ስራሕ እግዚአብሔር ብምሥጢር፡ ብታሪኽ፡ ብጸሎት፡ ብተግሣጽ፡ ብሉያትን ሓዲሳትን ከምኡውን ሊቃውንትን ገድልታትን ወዘተ ኣወሃሂዱ ኣቕሪብዎ።
10,አከባብራ ዘመነ ጽጌ
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት፣እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንት ቤተክርስትያንን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ።
11,መልእክቲ
ትብጻሕ ናብ ኩሉኹም ከምዚ ከማይ ኣብ ስደት እትርከቡ ኣሕዋት
ስደት ቀሊል ኣይኮነን፣ስደት ኵልሳዕ መሪር እዩ። እቲ ዝሓለፎን ዝነበሮን እዩ ዝፈልጦ። ሃገርካን ጸግዒ ዝኾኑኻ ኣዝማድካን ቤተ ሰብካን ንድኅሪት ገዲፍካ ዓዲ ጓና ምስዳድ ከቢድ እዩ። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ስደት ካብ ስደት ደቂ ሰባት ዝተፈልየን ንፍሉይ ዕላማ ዝተፈጸመን ኣዝዩ መሪርን እዩ ነይሩ።
ንዓለም ፈጢሩ ዝገዝእ ኣምላኽ ብፍቓዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ፡ ገና ብህጻንነቱ ሓቚፋን ሓዚላን ናብ በረኻታት ግብጺ ክትስደድ ከላ ንበረኻ ሲና ኣብ ዝቖረጸትሉ ቀዝሒ ለይቲ፡ ሃሩር ቀትሪ፡ ሑጻ ረስኒ፡ ጽምኢ ማይ፡ ሕማቕ መገዲ ነቲ ስደታ ከቢድ ገይርዎ ነይሩ። መገዳውን በቲ ሰብ ዝኸዶ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ከይረኽቡኒ ክትብል በረኻ በረኻ እምበር። ብቅድሚት ኣብ ዘይተፈልጦ ዓዲ እንታይ ክረኽበኒ ክትብል፤ ብድኅሪት ወተሃደራት ሄሮድስ ኣርከቡኒ፤ ከም ኣደ፡ ሸፋቱ ቀተሉለይ ክትብል ዝተቐበለቶ መከራ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ። ካብኡ ዝገደደ ድማ በብዓዱ ኣትያ ክትልምን፡ ገሊኦም “እዚኣ ትመስል ገለ በደል እንተዘይህልዋ፡ ግብራ እንተዘይከፍእ ዶ ካብ ቤታ ምወጸት?” እናበሉ ከስቅቕዋ፤ ወዳ ክድርብዩላ ካልእ ውን እዚ ዘይብሃል ሓዘን እያ ኣኅሊፋ። ንብዓት ዓይና ኣብ ማዕጉርት ህጻን ወዳ ክዓልብን መከራ ክበዝኃን ከሎ እቲ ኵሉ እናተኻእሎ ብፍቓዱ መከራ ዝተቐበለ ጐይታ ግና የጸናንዓ ነበረ።
እዚ ኵሉ ስደትን መከራን ንምንታይ እንተበልና ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ስለቲ ፍቁር ወዳ ክትብል ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። እዚ ኸኣ ብርዱእ ኣገላልጻ ንአምላኽ ወዲ ኣምላኽ ሓዚላ ምስዳዳ ምእንቲ ናትና ድኅነት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ከምቲ ስምዖን ኣረጋዊ ኣብታ ቤት መቅደስ ኢየሩሳሌም ንኣኣ ዝበሎ ድማ ይፍጸም ነበረ፦ “ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙኃን ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።” በዚ ኸኣ ብስደት ዝጀመረ ሰይፊ (መከራ ሕማም) ምእንቲ ኵሉ ዓለም ክትብል ትቕበሎ ነበረት። ናብ ዓዳ ምስተመልሰት ውን ፡ ካብ ወዳ ከይተፈለየት ንኵሉ መከራ ኣይሁድ ጸይራ ድማ ክሳብ ቀራንዮ ኣብ እግረ መስቀሉ በጽሐት። (ሉቃ ፪፥፴፭/2፥35 ዮሐ ፲፱፥፳፮/19፥26)
12,ስለዚ ኣብዚ እዋን ስደታ ክንምሕጸናን ክንልምናን ይግባእ። እንልምኖ ብዙኅ ኣሎ ሰማዒት እያ እሞ ንኵሉ ንንገራ። ምስ ፍቁር ወዳ ከተተዓርቐና፤ ምሕረቱን በረኸቱን ከብዝኃልና፤ ኃጢኣትና ክኃድገልና ኣማልድና ኢልና ክንምኅፀን ይግባእ።
ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “…ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ...” እናበልና ከነዘክራን ናብቲ ኵሉ ዝዝክርን ዘይርስዕን ኣምላኽ ከተማልደና ክንልምና ይግባእ።
14,ጸሎት
ኦ እግዚአብሔር ኣምላክነ ኣቡሁ ለእግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ናስተበቁዓከ በእንተ እለ ኖሙ ኣበዊነ፣ወኣኃዊነ፣ወኣኃቲነ።
ኦ ምልዕተ ጸጋ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ጽላል ረድኤትኪ ዘርግሒ፣ ንህዝቢኹ ዉን ተከላኸሊ፣ ብኪዳንኪ ለምንልና። ምእንቲ ስደት ወድኺ፣ ምእንቲ ስቕለቱ፣ ምእንቲ ሞቱ ናይቲ ሓደ ወድኺ፣ ኣብ ናትኺ ሓዘን ንሳተፍ ኣለና`ሞ፣ ኣብቲ ናትኪ ሓጎስ ድማ ንስኺ ኣሳትፍና። ንዓይ ንኣገልጋሊኽን፣ ንኩሉ ህዝበ ክርስትያን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።
ነዚ ንኽገብር ኣተሓሳስሲቡ ዘጀመረኒ፣ኣጀሚሩ ንዘፈጸመኒ ልዑል እግዚኣብሄር ኣምላክ ወምስለ ወላዲቱ ድንግል ክብርን ምስጋናን ይኹን።
ኣሜን።
ክቡራን ኣበዉየ ወኣኃውየ ዝክሩኒ በፀሎትክሙ።

20 October 2014
ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
ሊቃውንቲ ኣበው መወዳእታ ዘመን ብሳምንተኛ ሽሕ ኢዩ ይብሉ: ግና "ዝተዳለኹም ኩኑ"ከም ዝበለ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ክንከዉን ጎይታ ሰማያዊ ቃሉ ገይሩ ነጊሩና ኢዩ፣
ሳምንተኛ ሽሕ : ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ ከም ዝበለ ራእይ ዮሓንስ፣
:ካብ 1500 ዓም ጀሚሩ ፣ እዚ ከኣ 5500+1500=7000 ይኸውን፣
መጨረሽታ ዘመን ድማ ኣብ ከባቢ 7980 ዓመተ ዓለም ምዃኑ ሊቃውንቲ ባሕረ ሐሳብ ይነግሩና፣
ብዛዕባ እዚ ብስፊሑ ኣብ ቀጻሊ ከቕርቦ ኢየ፣
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ምሥጢረ ቍርባን ምስ ኣርኣዮም ሥርዕተ ጸሎት ንምምሃር ሒዝዎም ናብ ጌተሰማኒ ከደ ኣብኡ በጺሑ። ኣብኡ ጸሎት ክሳብ ዝጽሊ ኣብዚ ጽንሑ ኢሉ ዝተረፉ ኣብኡ ገዲፉ ንጴጥሮስን ንዮሓንስን ንያዕቆብን ሒዙ፣ ተፈልዩ ነፍሰይ ክሳብ ሞት ንምብጻሕ ሓዚና ኢሉ ክሓዝንን ክትክዝን ጀመረ።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ ክሳብ ሞት ከምዝበጽሐ ንሕና’ውን ምእንቲ ፍቕሩ ክሳብ ሞት ንምብጻሕ የብቅዐና። ይ.ሕ። ኣሜን። ሽዑ ምሳይ ከማይ ብትግሃት ጸልዩ ኢሉ ካብ ሠለስቲኦም ምደርባይ እምኒ ዝኣክል ተፈልዩ ሰጊዱ ብምብርካኽ ኢዱ ዘርጊሑ ብምቛም ረሃጹ ብብዝሒ ክሳብ ዘንጠብጥብ ደጋጊሙ ጸለየ። ስለ ናትና ፍቕሪ ከምዚ ኢሉ ዝደኸመልና፤ ንሕና’ውን ስለ ናቱ ፍቕሪ ኢልና ንምድካም የብቅዕና። ይ.ሕ. ኣሜን። ብድሕሪ’ዚ ናብ ሓዋርያት ተመሊሱ ደቂሶም ረኺቦም እሞ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ፦ ምሳይ ሓደ ሰዓት ንምትጋህ ስኢንኩም ሕጂ ድማ ኣብ ፈተነ ንኸይተኣትዉ ተጊህኩም ጸልዩ ኢሉ ብትግሃት ደጋጊምካ ምጽላይ ከም ዝግባእ መሃሮም። ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ ክሳብ ጊዜ ሞቱ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ከም ዝተግሃልናን ዝተዐገሠልናን ንሕና’ውን ስለ ናቱ ፍቕሪ ኢልና ክሳብ ጊዜ ሞትና ንምትጋህን ንምዕጋሥን የብቅዓና። ይ.ሕ. ኣሜን።
ከም’ዚ ገይሩ እናተማላለሰ ሠለስተ ጊዜ ጸለየ እዚ ኵሉ ንጊዚኡ ንሓዋርያት እኳ እንተ ኰነ ንመጻኢ ግና ክሳዕ መወዳእታ ዓለም በብጊዚኡ እንውለድ ደቂ ሰብ ንዓና ኣብነት ምዃኑ እዩ። (ማቴ.26፡37-46) ካብ’ዚ ንደሓር ተመሊሱ ሕጂስ ደቅሱ ዕረፉ ብኢድ ኃጥኣን ዝተሐዘሉ ጊዜ በጺሑ እዩ እናበሎም ይሁዳ ምስ ሊቀ ካህናት ተሰማሚዑ ኣርባዕተ ክፍሊ (ጉጅለ) ኰይኖም ኵናትን ሴፍን ዝሓዙ ወተሃደራት ሒዙ መጸ’ሞ ፤ ኦ መምህር ገባር ክፉእካን ጸላኢኻን ኣየውዕሎ ኣየሕድሮ እናበለ ብተንኰል ሲዒሙ ኢድ ነሥኣሉ።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ዓርከየ ብምስዓም’ዶ ክተትሕዘኒ መጺእካ በሎ ነዚ ምልክት ገይሩሎም ስለ ዝነበረ ተቓላጢፎም ሒዞም ኣሰርዎ እናኣዳፍኡ ናብ ቦታ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ። ካብኡ’ውን ብእሱሩ ወሲዶም ንጲላጦስ ሃብዎ። ሣልሳይ ሰዓት ናይ መዓልቲ ምስ ኮነ ኣዕፅምቱ ክሳብ ዝርኣ ገረፍዎ። በቲ ጊዜ እቲ ንምልጋጽ ቀይሕ ባርኖስ ኣልበስዎ። ናይ እሾኽ ኣኽሊል ተቲዖም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ኦ ናይ ኣይሁድ ንጉሥ ገባር ክፉእካን ጸላኢኻን ኣየውዕሎ ኣየሕድሮ እናበሉ ብናይ ላግጺ ኣዘራርባ ሰገድሉ። ገጹ ጸፍዕዎ፤ጭሕሙ ነጸይዎ፤ ተዛረብ መን’ዩ ዝወቕዓካ እናበሉ ርእሱ ብዘንጊ ወቕዕዎ። ከም’ዚ ገይሮም ምስ ኣላገጽሉ ዘልበስዎ ክዳን ቀንጢጦም ዝስቀለሉ ዕፀ መስቀል ኣሸኪሞም እንዳኣዳፍኡ ናብ ዝስቀለሉ ቦታ ቀራንዩ ዝበሃል ወሰድዎ። ኣብኡ ንእሽቶይ ጨርቂ እኳ ከየዕጠቑ ዕራቑ ዓዕፅምቲ መሰንገልኡ ክሳብ ዝረአ ሓደ ክልተ ኢልካ ዝፍቀድ፤ ኣብ ልዕሊ ሸብዓተ እመት ዝቑመቱ ዕንፀይቲ ስሒቦም ብሓሙሽተ ሽንካር ሸንከርዎ።(ማቴ.27፡26)
ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ እዚ ኵሉ መከራ ከም ዝተቐበለ ንሕና’ውን ምእንቲ ናቱ ፍቕሪ ንምዕጋስ የብቅዓና፤ ሓሙሽተ ናይ ልብና ሓሳባት (ተንቃሳቃሲነት) ንምሽንካር የብቅዓና። ይ.ሕ. ኣሜን።
ቀትሪ ምስ ኮነ “ዘኢፆረ መስቀለ ሞቱ ኢይክል ይጸመደኒ” መስቀል ሞተይ ተሸኪሙ ዘይሰዓበኒ ወዲ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሉ ዝመሃሮ ብግብሪ ንምፍጻም ተሰቕለ፤ ጸሚአ እንተ በለ ሓሞት ዝተሐወሶ መጺጽ ነገር ኣስተይዎ፤ ኣብ መበል ታሽዓይቲ ሰዓት መዓልቲ “ አባ ሥረይ ሎሙ፤ ውስተ እዴከ አመኅፅን ነፍስየ” ኢሉ ቅድስት ነፍሱ ካብ ክቡር ሥጋኡ ፈለየ።
ብኡብኡ መለኮት ብኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳብ ሽዑ ዝወረዱ ነፍሳት ኣውፂኡ ገነት ኣእተዎም። (ማቴ።27፡52 1ጴጥ.3፡19-20) “ወበርበረ ነፍሳቲሆሙ ለጻድቃን እለ ነበሩ ውስተ ደይን ወአውፆኦሙ ወአብኦሙ ውስተ ገነት ትፍሥሕት ፍና ሠርክ፤ በከመ ወፅአ ቀዳሚ አዳም እምገነት ፍና ሠርክ በዕለት ዓርብ ብሳብዕ ዓም፡ ወከማሁ ቦኣ ውስተ ገነት ፍና ሠርክ በዕለተ ዓርብ” ነቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ነፍሳት ጻድቃን ዘሚቱ ኣውፂኡ ናብ ገነት ቦታ ፍሥሓ ኣጋ ምሸት ዓርቢ ኣእተዎም ከምቲ ቅድም ኣዳም ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ብዕለት ዓርቢ ኣጋ ምሸት ካብ ገነት ዝወጸ፡ ከምኡ ከኣ ብዕለት ዓርቢ ኣጋ ምሸት ናብ ገነት ኣእተዎም ከም ዝበለ።(መጽሐፈ ምሥጢር ዘለፋ ኣርሲስ)
ድሕሪ ሞቱ ሓደ ወተሃደር ኣሎ’ዶ ሞይቱ ኢሉ ብዝተሳሕለ ኵናት የማናይ ጕድኑ ወጕኦ እሞ ውዑይ ደም ዝስተ ንመድኃኒት፤ ጽሩይ ማይ ንጥምቀት ዝኸውን ከም ለ ፊደል ፈሰሰ። ምሸት ምስ ኮነ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን መጺኦም ከም ሥርዓቶም ሓፂቦም ገኒዞም ናብ መቓብር ኣውረድዎ፡ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ውሽጢ መቓብር ውዒሉ ሓዲሩ፡ ብኅቱም ድንግልና ከም ዝተወልደ፤ መቃብር ብኅቱሙ ድማ ብሰንበት ፍርቂ ለይቲ ተንሥኣ (ማቴ.12፡40፡ ማር.16፡1፡ ሉቃ.24፡1 ፡ ዮሐ.20፡1) ምስ ተንሥኣ ጉባኤ ገይሩ ንዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ተራእዮም። ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ከኣ ኣርብዓ መዓልቲ ክሳብ ዘኣክል ንኽልተ ንሠለስተ እናተገልጸ መጽሐፈ ኪዳን መሃሮም።
“ወዝንቱ ሣልሱ እንዘ ያስተርእዮሙ እግዚእ ኢየሱስ ለአርዳኢሁ ተንሢኦ እምነ ሙታን” ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ካብ ምውታን ምትንሥኡ ንደቂ መዛሙርቱ ዝተገልጽሎም እዚ ሣልሳይ ጊዜ እዩ።
(ዮሐ.21፡14) ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ትእዛዝ ኣዚዝዎም ተስፋ ሂብዎም። ብናይ መላእኽቲ ዕልልታ ብብርሃን ብጐይትነትን ኵላቶም እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ ዘባነ ኪሩቤል ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ ይብል። (ግ.ሓዋ.1፡2-3, 1ጴጥ.3፡22) ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ሰደደሎም ንሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደሎም ሰብዓን ሓደን ቋንቋ ተገልጸሎም። (ግብ.2፡1-40)
ሓዋርያት “ሑሩ ወመሀሩ” ብዝበሎም ትእዛዝ መሠረት ንዕኡ መሲሎም ንዓለም ብምልኡ እናዞሩ ምሃሩ ኣእመኑ ኣጠመቑ፡ ብድሕሬኦም ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን፤ ካህናትን፤ዲያቆናትን ተኪኦም ድማ ሓለፉ፡ እዚ መተካእታ እዚ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ህልዊ እየ ዝበሎ እዚ ምዃኑ ይፍለጥ። (ማቴ።28፡29) ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ካብ ብዙሕ ብውሕዱ እዚ እዩ።
ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ትንሣኤ
ትንሣኤ ሙታን’ከ ከመይ እዩ፧ ንዝብል ሎሚ ወዲ ሰብ ብዝሞተ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ነገር (ኣርባዕተ ናይ ሥጋ (ተፈጥሮ) ኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ ማለት እሳት ምስ እሳት፤ ነፋስ ምስ ነፋስ፤ ማይ ምስ ማይ መሬት ምስ መሬት ሓቢሩ ይነብር። ጊዜ ምስ በጽሐ ኣቐዲሞም መላእኽቲ ነርባዕተ መዓዝን ዓለም ጎቦ ኣፍሪሶም ዓሚቕ መሊኦም ንዓለም ከም መደብ የተኻኽልዋ፡ ድሕሪ እዚ ሠለስተ ኣዋጅ ይንገር እሞ ብመጀመርታ ኣዋጅ እሳት፡እሳት ካብ ኰንኩ ፤ ነፋስ ነፋስ ካብ ኰንኩ፤ ማይ፡ ማይ ካብ ኰንኩ፤ መሬት፡ መሬት ካብ ኰንኩ ከይበለ ካልእ ዘይኮነ እቶም ብሕይወተ ሥጋኡ ዘገልግልዎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ባሕርያት ተዋሃሂዶምዎ ኣራዊት ዝበልዖ ቀላይ ዝወሐጦ፤ ውሕጅ ዝወሰዶ፤ መሬት ኰይኑ ተበታቲኑ ዝነበረ ኣካል ዝተላጸየ ጸጉሪ ዝተቘርጸ ጽፍሪ ሓደ ነገር ከይተረፈ ርእሲ ኣብ ዘለዎ ቦታ ይእከብ።
ብኻልኣይ ኣዋጅ ኣዕፅምትን ሥጋን ብዘይ ምንቕስቓስ ፍጹም በድኒ (ሬሳ) ይኸውን (ሐዳፌ ነፍስ ቅዳሴ ያዕቆብ) ከም ዝበለ። ብሣልሳይ ኣዋጅ ኣብ ሓደ ግራት ሥርናይን ክርዳድን ምስ ዚዝራእ፤ ሥርናይ ሥርናይ ኰይኑ፤ ክርዳድ ክርዳድ ኰይኑ ከም ዝበቍል፤ ወዲ ተባዕታይ መጠን ኣዳም 30 ዓመት፣ ጓል ኣንስተይቲ መጠን ሔዋን ጓል ዓሠርተ ሐሙሽተ ዓመት ኰይኖም ነዊኅ፤ ሓጺር፤ ቀይሕ፤ ጸሊም፤ ጽቡቕ፤ ክፉእ ዘይኮነ ሓደ ቁመቱ ሓደ መልክዕ ኰይኖም ተተኻኪሎም ይትንሥኡ (1 ቆሮ 15፡52) ተጸኒሶም መዓልቶም ከይ እኸለ ዝሞቱ ሕፃናት ጐቢዞም ኣረግቶት ከም ንስሪ ተሐዲሾም ይትንሥኡ ይብል። (ያዕቆብ . ሐዳፌ)
ጻድቃን ኣብ ብርጭቆ ዘሎ ሜስ፡ ኣብ ፋኑስ ዘሎ መብራህቲ ከምዘይክወል ብባሕርየ ሥጋን ነፍሰን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ሕያዋን ኰይኖም ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጐናጺፎም፤ ብሕይወተ ሥጋ ዘገልግልዎ ንዝነብሩ ንክርስቶስ ጐይትኦም መሲሎም ከም ቋሕ ሰም ቕጽበት ዓይኒ ይትንሥኡ ። ምስኦም ይደምረና ኣሜን።
ኃጥኣን ከኣ ዝተደጐለ ሓዊ፤ ኣብ ቍራዕ ዘሎ ሜስ ከም ዘይርኣ፤ በኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ ብሓምሻይ ባሕርየ ነፍስ ህያዋን ኰይኖም ጸልማት ለቢሶም፡ ጸልማት ተጓናጺፎም ብሕይወተ ሥጋ ኸለዉ ፍቓዱ ንዝገበሩ ዲያብሎስ መሲሎም ከም ቅጽበት ዓይኒ ይትንሥኡ። (ዮሓ.5፡29) “ወአመ ተርኅዉ አብያተ መቃብራት ይትነሥኡ ሥጋት ወይገብኡ ነፍሳት እምኅበ ውፅኡ ቀዲሙ፤ ወይቀውሙ ቅድመ እግዚአብሔር ዕራቃኒሆሙ በከመ ተወልዱ፡ ወይትከሠት ምግባራቲሆሙ ወይፀዉሩ ምግባሮሙ ዲበ መታክፍቲሆሙ ወይትፈደዩ በከመ ምግባራቲሆሙ ዘገብሩ”
መቓብራት ምስ ተኸፍቱ ሰባት ክትንሥኡ እዮም፡ ነፍሳት ናብ’ቲ ቅድም ወጺኦምሉ ዝነበሩ ሥጋ ይምለሱ እሞ ኣብ ቅድም ወጺኦምሉ ዝነብሩ ሥጋ ይምለሱ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከምቲ ዝተወልድዎ ብዕሩቓቶም ይቖሙ ሽዑ ካብ ንእስነቶም ክሳዕ ጊዜ ሞቶም ዝገበርዎ ተግባሮም ክግለጽ እዩ፡ ኃጢኣቶም ኣብ መንኵቦም ፀይሮም ከኣ ከከም ግብሮም ክፍደዩ እዮም። (መጽ.መቃባውያን ያዕቆብ ቅዳሴ ሐዳፌ ነፍስ)
ሎሚ ጻድቃንን ኃጥኣንን ብሓደ ይቕበሩ ኣለዉ ኃጥኣን ጻድቃን መሲሎም፡ ጻድቃን ኃጥኣን መሲሎም ዶ ክትንሥኡ ኢዮም፧ እንተ ተባህለ ኣይከውንን። ሥርናይን ንሂጕን ሓቢሮም ምስ ዚዝርኡ ሥርናይ ኰይኑ ንሂጕ ንሂጕ ኰይኑ ከም ዝበቍል ጻድቃን ከም ፀሐይ በሪሆም፤ ፈጣሪኦም ክርስቶስ መሲሎም ይትንሥኡ፤ ኃጥኣን ድማ ካብ ዝኸምኦም የድሕነና፡ ከም ኳኽ ጸሊሞም ሓለቓኦም ዲያብሎስ መሲሎም ይትንሥኡ (ማቴ.13፡43)
ከምኡ ድማ ኣራዊት ዝበልዖ ሰብ እቲ ናይ ኣራዊት ሥጋ ምስኡ’ዶ ክትንሥእ ይኽእል፧ እንተ ተባህለ ኣይክእልን። እኽልን ሓመድን ብሓደ ይዝራእ እቲ እኽሊ ይበቍል ሓመድ ድማ ይተርፍ። ከምኡ ኸኣ ሥጋ ይተርፍ ። (1ቆሮ.15፡42) (ያዕቆብ. ሐዳፌ ነፍስ)
ብድሕሪ’ዚ ጐይታ መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ብዝሞተሉ ሥጋ ከም ዝተንሥኣ ኵሎም ሙታን ከምኡ መቓብር ክፈቱልና መግነዝ ፍትሑልና ከይበሉ ብዝሞትዎ ሥጋ ይትንሥኡ ከም ንስሪ ተሓዲሶም፤ ከም ስየ ተመልሚሎም ከም ቅጽበት ዐይኒ ተንሢኦም ከም ጽፍቀተ ሮማን ኰይኖም ኣብ ቅድሚ ጐይታ ይቖሙ።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዝተወሃሃዶ ሥጋ ብግርማ መንግሥቱ ናብ ሰማይ ከምዝደየበ በቲ ዝተወሃሃዶ ሥጋ ብግርማ መለኮቱ መጺኡ ኣብ ናይ ጐይትነቱ ዙፋን ተቐሚጡ፡ ከም ፀሐይ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ ኵሉ ዘለዉዎ ቦታ ክረኣዮም እዩ። (ማቴ.24፡27)
ንጻድቃን ፍቕሪ፤ ንኃጥኣን ድማ በቐል መዘኻኸሪ ንክኸውን ዝተሰቐለሉ መስቀል ዝተሸንከረሉ ሽንካር ኣብ ቅድሚኡ ክርኣ እዩ። (ራእ.1፡7) መላእኽቲ ከኣ ኣጽዋሮም ከም ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኰይኖም ተሰሊፎም ክቖሙ እዮም፣ ዲያብሎስ ድማ “ ወያመጽእዎ ሰመንቱ ኃይላን መላእክት ለብርያል” ይብል ናይ ኃሣር ዘውዲ ደፈኡ ዐይኑ ብደም ተዘጊሑ፡ ብናይ እሳት ሰንሰለት ሓፂን ተኣሲሩ፡ እናረዓደን እና ኣንቀጥቀጠን የምጽእዎ’ሞ ኣብኡ ምስ በጽሐ ዘውዱ ገፊፎም ምስ ሠራዊቱ ኣብ ዝግብኦ ቦታ የቑምዎ። በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ወንጌል ከም እተጻሕፈ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጻድቃን ኣመስጊኑ።
“ንዑ ኀቤየ ብሩካኑ ለአቡየ ትረሱ መንግሥተ ሰማያት ዘድልዉ ለክሙ እምቅድመ ዓለም” ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት እቲ ዓለም ክፍጠር ኰሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ክትወርሱ ንዑ ናባይ ይብሎም፡ (ማቴ.25፡34) ንክርስቶስ ጐይትኦም ተኸቲሎም ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ናብ መንግሥተ ሰማያት የኣትዉ ምስ ኦም ይደምረና። ይ.ሕ. ኣሜን። ንኃጥኣን ከኣ ወቒሱ።
“ሑሩ እምኔየ ርጉማን ውስተ እሳት ዘለዓለም ዘድልው ለሰይጣን ወለመላእክቲሁ” ኣቱም ርጉማት ካባይ ርሓቘ ናብቲ ንሰይጣንን ነጋንንቱን ዝተዳለወ ናይ ዘልዓለም ሓዊ ኪዱ ይብሎም ካብኦም የድሕነና። (ማቴ. 25፡41) ሽዑ ብናይ እሳት ገመድ ተሳሒቦም ሓለቓኦም ዲያብሎስ ተኸቲሎም ናብ ናይ ዘለዓለም ሞት ናብ ገሃነም ይኸዱ።
ካብ’ዚ ንደኃር ዘውሰቡ ከም ዘየውሰቡ፤ ዝሐዘኑ ዝበኸዩ፤ ከም ዘይሐዘኑ፤ ከም ዘይበኸዩ፤ ዝተሐጐሱ ከም ዘይ ተሓጐሱ ዝተደሰቱ ከም ዘይተደሰቱ፤ ዝገዝኡ ከም ዘይገዝኡ፤ ዝበልዑ ዝጸገቡ ከም ዘይጸገቡ ከም ዘይሰተዩ ይዀኑ ይብል። (1ቆሮ 7፡29-30)
ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ዝነበረ ደስታን፤ ሓጐስን፤ ሓዘንን፤ ብኽያትን ከም ሕልሚ ኰይኑ ይተርፍ። ናይ ዓለም መጨረሻን ናይ ወዲ ሰብ ፍጻሜን በዚ ዀነታት እዚ የብቅዕ፡ ዕድልና ምስ እቶም ፍቓድ ጐይታ ገይሮም ብሩኻት ናይ ኣቦይ ንዑ ናባይ ተባሂሎም ዝተጽውዑን ዝተመረጹን ጻድቃን ኽገብረልና።
“በከመ ምሕረትከ አምላክነ ወአኮ በከመ አበሳነ ትምጻእ መንግሥትከ ወይኩን ፈቃድከ” ኦ ኣምላኽና ከም ምሕረትካ እንበር ከም በደልና ኣይኹን፤ መንግስትኻ ትምጻእ፤ ፍቓድካ’ውን ይኹን እናበልና ጸሎት ምግባር የድልየና።
ኣተሓሳሲቡ:ኣጀሚሩ:ንምፍጻም ንዘብቅዓኒ ልዑል እግዚአብሔር ምስጋና ይብጻሐዮ ኣሜን።
ነዚ ንምድላው ዝተወከስኩሎም መጻሕፍቲ
1:ሥነፍጥረት፣ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፣ዝብል አባ ወልደገብርኤል ዘዳለውዎ መጽሓፍ
2:ሃይማኖት አበው መጽሓፍ
3:መጽሓፍ ቅዱስ ግእዝ/ትግርኛ
4:ባሕረ ሓሳብ መጽሓፍ
5:የኢትዮጵያ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ስርዓተ አምልኮ፣መጽሐፍ
10 October 2014
ምስጢረ ቁርባን
“ዘበልዐ ሥጋየ ወሰተየ ደምየ ቦ ሕይወት ዘለዓለም
እስመ ሥጋየኒ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን ወደምየኒ ስቴ ሕይወት ዘበአማን ውእቱ”
ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ ኣነ’ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከትንሥኦ እየ፡ ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፤ ደመይ’ውን መስተ ሓቂ እዩ ከም ዝበለ። (ዮሓ.6፡45)
ምሸት ሓሙስ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ’ቲ ንድራር ኢሎም ዝቐረቡሉ እንጌራ ዘይሓረረን ዘይነቕዔን መሪጹ ኣልዒሉ ባሪኹ ኣኽበረ፤ ለወጠ፤ ኣተዐራረየ ኣብ ዓሠርተ ሠለስተ ገይሩ ቈረሰ፡ ስለ ምንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ጽባሕ ዓሠርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ክቕበለልኩም እየ ንማለት እዩ። ዓሠርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ኣዮኖት እዮም ንዝብል ሕቶ፦
፩. አክሊለ ሦክ
፪. ተጽፍዖ መልታሕት
፫. ተወክፎ ምራቅ
፬. ተኰርዖ ርእስ
፭. ስትየ ሐሞት
፮.ተአሥሮ ድኅሪት
፯. ተቀሥፎ ዘባነ
፰. ርግዘተ ገቦ(ፀዊሪ መስቀል)
+ሓሙሽተ ቅንዋት መስቀል:- ሳዶር፤ ኣላዶር፤ ዳናት፤ ኣዴራ፤ ሮዳስ እዮም። (ማቴ.26-28)
ክልተ ኣእጋሩ በበይኑ ገይሮም ሸንኪሮምዎ እንተ ዀይኖም ዝጠዓመ፤ ደሪቦም ሸንኪሮምዎ እንተ ዀይኖም ውጋኡ ይቝጸር፡ ካብ እቲ ዓሰርተ ሠለስተ ሓደ ንርእሱ ተቐቢሉ እቲ ዓሠርተ ክልተ ንሓዋርያት ሀቦም፡ “ጥዒሞ ኣጥኣሞሙ” ከም ዝበለ፡ (ሥርዓተ ቅዳሴ) ስለምንታይ “ዝውእቱ ሥጋየ” እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉዎም ስለ ዝነበረ፤ ናይ ሰብ ሥጋ’ዶ ይብላዕ እዩ ኢሎም ከይገርሞም መድፈሪ ንኽዀኖም ንማለት።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከይተቐበለ ኣቐቢልዎም እንተ ዝኸውን፤ ከምኡ ድማ ሎሚ ቀዳሲ ካህን ከይተቐበለ ኣቐቢሉ ምወፀ ነይሩ እሞ ተቐቢልኩም ኣቀብልዎም ንማለት ኣብነት ንሙዃን። (ማር.14፡24)
ከም’ዚ ገይሩ ጽባሕ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝሥዋዕ ሥጋይ እዚ እዩ እንኩ ብልዑ ኢሉ ሀቦም፡ ከምኡ ኸኣ ጽዋእ ኣልዒሉ ዘሐዲስ ሥርዓት ማለት ሓዲሽ ዝኾነ ሥርዓት ብተሓድሶ ጸኒዑ ዝነብር ብእምነት ጸኒዖም ንዝቕበልዎ መተሓሐዚ ሓዳስ መንግሥተ ሰማያት ዚኸውን ኃጢኣት ንምሥትስራይ ዘኽእል ምእንቲ ብዙኃት ዝፈስስ ደመይ እዚ እዩ ካብኡ ስተዩ ኢሉ ሀቦም። ካብኡ ኢሉ ብኸፊል ምዝራቡ ሓደ ሰብ ተቐቢሉ ስለ ዘይውድኦ ክሳብ ዕለት ምጽኣት ክወህብ ስለ ዝነብር። (ማቴ 26፡26)
ስለ’ዚ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ኣካላትካ ቀጥ ኣቢልካ ቀዊምካ ንዑኡ ጥራይ ምሕሳብ ደኣ እንበር ካልእ ነገር ምምጻእ ንየማን ንጸጋም ምባል ብሓሳብ ኮነ ብግብሪ ምንቅስቓስ ኣይግባእን።
ሥጋኡን ደሙን ብወርቂ ብብሩር ዘይገብሮ ብመብልዕ ዝገበሮ ስለ ምንታይ እዩ እንተ ተባህለ ወርቅን ብሩርን ካልእ ሀብትን ኵሉ ኣብ ወጻኢ እዩ ዝተርፍ፤ መብልዕን መስተን ግን ኣብ ሰውነት ስለ ዝወሃሃድ እሞ ብሓቒ ከም ዘፍቀረና ንምርዳእ እዩ።
“ሶበሰ ኢያፍቀርክዎሙ ለውሉደ ሰብእ እምኢያስተርኣይክዎሙ በዝንቱ ሥጋ” ንደቂ ሰባት እንተ ዘይፈትዎም ብሥጋ ኣይምተገለጽኩሎምን ነይረ ከም ዝበለ። (ቀሌምንጦስ)
ካልኣይ ከኣ ወርቅን ብሩርን ካብ ዝሃበ ጠሚኻ ከሎኻ ዘብለዐን ጸሚእካ ከሎኻ ዘስተየን ከም ዝፍቶ፤ ኣነ እፈትወኩም እየ እሞ ንስኻትኩም ድማ ፍተዉኒ፡ ትእዛዛተይ ከኣ ሓልዉ ንማለት እዩ።
እዚስ ይኹን ብዙሓት ኣትክልቲ ከለዉኸ ንምንታይ እዩ ብሥርናይን ብወይንን ዝገበሮ እንተ ተባህለ፡ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንኽፍጸም ትንቢት “እምፍሬ ሥርናይ ወወይን ወቅብዕ በዝኃ” ካብቶም ሥርናዮምን ወይኖምን ምስ በዝሐ ካብ ዝሕጐስዎ ኣዝዩ ዓዘዘ ከም ዝበለ፡ (መዝ።4፡7) “ቀዳሜ ሕይወቱ ለሰብእ እክል ወማይ ወይንን ወሥርናይ”፡ ቀዳማይ ሕይወቱ ንሰብ እኽልን ማይን፤ ወይንን፤ ሥርናይን እዩ ይብል፡ (ሲራክ.34፡21) “ለዘኢይስቲ ወይነ ምንት ውእቱ ሕይወቱ” ዝበሎ እዩ።
ትንቢቱ እዚ ክኸውን ከሎ፡ ምሳሊኡ ድማ መልከጼዴቅ ብሥርናይን ወይንን መሥዋእቲ ይገብር ነይሩ ይብል፡ ትንቢቱ ብዝፈለጦ ኣናገሮ ምሳሌኡ’ውን ብዘፈለጦ መሰሎ፤ ምሥጢሩ እንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ሥርናይ ወሓለ ሰበይቲ ክትሕዞ ዀላ ስቡሕ ሥጋ ይመስል፤ ወይን’ውን ውዑይ ደም ስለ ዝመስል ብዝመስል ነገር ንምሀብ ተማሳሳሊ ሥርዓት ሠሪዐልኩም ንማለት እዩ።
ከምኡ’ውን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን እግዝእትነ ማርያምን ዝምገብዎ ዝነበሩ ሥርናይን ወይንን ስለ ዝነበረ ሓቀኛ ሥጋኡን ደሙን ከም ዝሀበና ንምርዳእ እዩ።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ኣቦ ምዃኑን ንዘለዓለም ሕይወታዊ መግቢ ምዃኑን መረድእን ናይ ኣማውትኡ መዘከርን ዝኸውን ሓደ ጊዜ ተጠሚቕና ኵሉ ጊዜ ኸኣ ሥጋኡን ደሙን ከም ንቕበል ገበረ። (ማቴ.6፡11 ዕብ.6፡2)
ሓደ ነገር ከኣ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣብ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኣብያተ ክርስትያናት እንተ ተሠውአ ከም ኣሽሐት ኣባጊዕ ኣብ ኣውደ ዓመት ዝሕረዳ ኣይኰነን፤ ኣብ ኩሉ ዓለም እንጥመቐሉ ካብ ጐድኒ ጐይታና ብዕለት ዓርቢ ዝተረኽበ ሓደ ማይ ከም ዝዀነ፤ ዚሥዋእ ሥጋኡ ድማ ከምኡ እቲ ብመዓልቲ ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ነፍሲ እተፈልዩ መለኮት እተዋሓሓዶ ሓደ ኣካል እዩ፡ “ሞተ ብሥጋ ወሐይወ በመንፈስ”።(1ጴጥ.3፡19)
ካልኣይ ድማ ሎምን ጽባሕን ዝሥዋእ በጊዕ ፍሉይ ከም ዝዀነ፤ ሎምን ጽባሕን ዝሥዋዕ ሥጋ ጐይታ ከምኡ ዝተፈለየ ኣይኰነን ንሱ ብዕለት ዓርቢ ዝተሠውአ ሓደ ኣካል እዩ። ኣብ ዓሰርተ ክልተ ኣብ ሰብዓ ኣብ ሰማንያ ካብኡ ዝበዝሓ ኣብያተ ክርስትያናት’ውን እንተ ተፈተተ ከም ናይ በጊዕ ሥጋ ሓደ ኢድ፤ ሓደ እግሪ ከም እተኽፋፈለ ኣይኰናን እንቕበሎ፤ እንታይ ደኣ ነፍሲ እተፈልየቶ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝዀንዎ፤ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝዀነ ወልድ እዩ።
ስለ’ዚ ዝኰነ ምእመን ፍጹም ኣካል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እዩ ዝቕበል እምበር ብኸፊል ኣይኰነን ዝቕበሎ። ካብ’ዚ ንደሓር ዕጹብ ድንቂ ኢልካ ምእማን የድሊ እንበር ይኸውን ዶኾን ኣይከውንን ኢልካ ምጥርጣር ኣይግባእን። ካብ’ዚ ሓሊፍካ ምምርማር ድፍረት ዝቝጸር እዩ።
“ወበእለ ከናፍር ፆታ ነጊር ኢይትከሀል ጥንቁቀ” በዚ ከናፍር እዚ ናይ ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ነገር ፈሊኻን ተጠንቂቕካን ክዝረብ ኣይከኣልን ከም ዝበለ ጐይታ። (ብትምህርተ ኅቡኣት)
እዚ ክኸውን ከሎ’ውን ሓድነቱን ሠለስትነቱን ተረዲኡን፤ ሥነ ፍጥረት ፈሊጡን ምሥጢረ ሥጋዌኡ’ውን ተማሂሩ፤ ንብሃይማኖቱ ዝጸንዐን ትሕትናን ሕያውነትን ኂዙ ንዝተረኽበን ደኣ’ምበር ንማንም ምግላጽ ኣይግባእን “ኢተደዩ ባሕርየክሙ ቅድመ ኣኅርዉ ከመ ኢይኪድዎ በእገሪሆሙ ወተመይጦሙ ይነጽሑክሙ” (ማቴ.7፡6) ከም ዝበለ፡
ስለ’ዚ ካህን “አሐዱ ኣብ ቅዱስ፤ አሓዱ ወልድ ቅዱስ፤ አሓዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብጺሑ “ይረስዮ ሥጋሁ ወደሞ” ኢሉ ብዝባርኾ ጊዜ ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ተለዊጡ እቲ ሕብስቲ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝተሰቕለ ነፍሲ እተፈልየቶ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝዀንዎ ውዑይ ሥጋ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኸውን፤ እቲ ወይኒ ድማ የማናይ ጐድኑ ብኵናት ምስ ተወግአ ዝፈሰሰ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን፤ መንፈስ ቅዱስን፤ ህልዋን ዝዀንዎ ውዑይ ደም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኸውን።
በቲ ጊዜ እቲ ኣቐባሊ ካህን እዚ ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ክርስቶስ ጐይታ ሥጋን ደምን እዩ ኢሉ ክህብ ከሎ ተቐባሊ ምእመን ከኣ ሐቂ ብሓቒ ኢሉ ብዘይምጥርጣር ብዝተቐበሎ ጊዜ ከምቶም ብምሸት ሓሙስ ዝተቐበሉ ሓዋርያት ይኸውን ንዓና’ውን ከምኡ ይግበረልና፡ ኣሜን።
“ዘበልዐ ሥጋየ ወሰተየ ደምየ ይሄሉ ምስሌየ ወአነሂ እሄሉ ምስሌሁ” እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዝሰቲ ምሳይ ይነብር፤ ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር (ዮሓ.6፡57) ዝበሎ ጸጋ ይረክብ፤ እንናተጠራጠረ ዝቕበሎ ግን ከም’ቲ ምሸት ሓሙስ ዝተቐበለ ይሁዳ ይኸውን ካብ’ዚ ከምኡ የድኅነና።
“ወእምድኅረ ውእቱ ኅብስት ቦኣ ሶቤሃ ሰይጣን ውስተ ልበ ይሁዳ” ድሕሪ እታ ቍራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ኣብ ልቢ ይሁዳ ኣተወ ከምዝበለ ፍዳኡ ይቀበል።
እዚ ዝኾነ ብሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሠላሳን ሠለስተን ዓመት ዓለም ዕሥራን ሽዱሽተን መጋቢት ዕለት ሓሙስ ብዘመነ ማርቆስ እዩ።
ካብ ብዙሕ ውሑድ ምሥጢረ ቍርባን ነዚ ይመስል፣
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን፣
06 October 2014
ምስጢረ ጥምቀት
ኃዲጎ ፺፱ተ ነገደ ቆመ ማእከለ ባሕር፣
ናይ ኦሪት ሕጊ ምፍጻም ከኣ እዚ እዩ ፤ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ’ውን፤ እጕለ ርግብን ዘውገ ማዕነቅን ኂዝካ ናብ ቤተ መቕደስ ንምብራኽ ምእታዉ፤ ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ በዓል ንምኽባር ኢየሩሳሌም ምኻድ እዩ፡ (ሉቃ 2፡21-24) “ሠለስተ ጊዜያተ ለለዓመት ለያስተሪ ተብዕትከ”:: ከም’ዚ ኢሉ እናዓበየ ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ መልአ ብዘመነ ሉቃስ ዓሠርተ ሓደ ጥሪ ሠሉስ መዓልቲ ብኢድ ዮሃንስ ንምጥማቕ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ከይዱ፤ ንዮሓንስ ኣጠምቐኒ በሎ፡ ዮሓንስ ግን ኣነ ባርያኻ ብኢድካ እየ ኽጥመቕ ዘለኒ እምበር ንስኻ ጐትይስ ብኢደይ ክተጥመቕ እዚ ግቡእ ኣይኰነን፤ ግቡእስ ኣነ ናባኻ ክመጽእ እየ ዘሎኒ እምበር፤ ንስኻ ናብ ባርያኻ ናባይ ክትመጽእ ኣይግባእን፤ ብማለት ኣይከውንን እዩ ኢሉ ኣበዮ። ጐይታ ግን “ኅድግ ምዕረሰ እስመ ከምዝ ተደላ ለነ”፤ "ንዓና ንሥላሴ ሓድነትናን ሠለስተነትናን ዝግለጸሉ ደስታና እዩ’ም ሓደ ጊዜስ ግደፍ ደኣ በሎ"፤ ሓደ ጊዜ ምስ ተጠምቐ ካልኣይ ስለ ዘይጥመቕ፤ ንመጻኢ’ውን ጥምቀት ሓደ ጊዜ ምዃኑ ንምርዳእ፡ “ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት” ከም ዝበለ። (ዕብ. 1-2)
ብሓደ ወገን ከኣ ንርእሱ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእመናን ቈጺሩ፤ ንዓና ንምእመናን ካብ ሥላሴ ንውለደሉ ሓጎስና እዩ’ም ሓደ ጊዜስ ይኹን ደኣ በሎ፡ ድኅሪ’ዚ ተታሓሒዞም ናብ ሩባ ወሪዱ ሽዑ ግዜ ብስም አብ ከየጠምቐካ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ህልዊ እዩ፤ ብስም ወልድ ከይጥምቐካ ወልድ ንስኻ ኢኻ፤ ብናይ መን ስም ደኣ’ሞ ከጠምቐካ እየ፧ “አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጸዴቅ ፤ ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሥሃለነ”፤ ከም ሽመት መልከ ጼዴቅ ንስኻ ንዘልዓለም ካህን፤ ወዲ ቡሩኽ ገላጺ ብርሃን ይቕረ በለልና ኢልካ ኣጠምቐኒ በሎ፡ ኢዱ ኣየቐመጠሉን ዘርጊሑ ኢዱ ጠጠው ብዝበለ “ወፈልሑ ማያት ከም ዘሞቁ” ማያት ከም ዝፈልሑ ሞቑ፡ ማይ እናተማላለሰ ሠለስተ ጊዜ ሓፂብዎ ወረደ።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ምንታይ ተጠምቐ፧ እንተ ተብህለ ንስኻትኩም’ከ ከማይ እንተ ተጠምቕኩም ውሉድነት ትረኽቡ ማለት ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ ደቂ ሥላሴ ትዀኑ ንምባል እዩ። “አኮ ፈቆዶ ለተጠምቆ አላ ከመ የሀበነ ሱታፌ ንጽሕና” ነዓና ካብ ኃጢኣት ዘንጽሕ ውሉድነት ንኽህበና እምበር ንጐይታስ ጥምቀት ዘድልዮ ኣይነበረን ከም ዝበለ።
ሕራይ እዚስ ይኹን ብዙሓት ሩባታትት ከለዉ’ከ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቐ ሰለምንታይ እዩ እንተ ተባህለ፤ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንምፍጻም እዩ። ትንቢት ማለት “ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ወዮርዳኖስኒ ድኅሪሁ” ባሕሪ ርእያ ሃደመት፤ ፈለግ ዮርዳኖስ ከኣ ንድሕሪት ተመልሰ(መዝ.114፡3-4) ምሳሌኡ ድማ ኣብርሃም ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ምስ መልከጼዴቅ ምስ ተራኸበ መልከ ጼዴቅ ኅብስተ ኣኰቴትን ጽዋዓ በረከትን ሀቦ ይብል፡ ኣብርሃም ናይ ምእመናን ምሳሌ፤ መልከ ጼዴቅ ናይ ካህናት ምሳሌ፡ኅብስተ አኰቴት ጽዋዓ በረከት ናይ ሥጋኡን ደሙን ምሳሌ፤ ዮርዳኖስ ድማ ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። (ዕብ.7፡1-8) ምሳሌኡ ብዙሕ እዩ፤ ንመረድኢ እዚ የኣክል።
ትንቢቱስ ንሱ ብዘፈለጦ ኣናጊርዎ፤ ምሳሌኡ ውን ንሱ ብዝፈልጦ መሲልዎ ኣሎ፡ ምሥጢሩ እንታይ እዩ እንተ ተብህለ፤ ንኣዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ድኅሪ ምውፃኦም ኣብ ሥነ ፍጥረት ከምዝተመልከትናዩ ዲያብሎስ መግዛእቲ ኣጽኒዕሎም ነበረ። እሞ እዚ መግዛእቲ ከቕልለልኩምሲ ናይ ተገዛእነትኩም ስም ጽሒፍኩም ኃቡኒ በሎም እሞ ንሳቶም ከኣ ኣዳም ባርያ (ግዙእ) ዲያብሎስ፤ ሔዋን ባርያ (ግዚእቲ) ዲያብሎስ ኢሎም ጽሒፎም ሀብዎ። ጽሒፎምስ ኣይሀብዎን ይኵነና ሕራይ ማለቶም ደኣ እዩ፡ ንሱ ግን ኣብ ክልተ እብነ በረድ ጽሒፉ ሓደ ኣብ ሲኦል፤ እቲ ሓደ ከኣ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሓቢእዎ ነበረ እሞ፤ ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበረ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰውነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ኣጥፈኣሎም፡ “ወደምሰሰ ለነ መጽሐፈ ዕዳነ በሥርዓቱ እምዕድውነ፤ ወአእተቶ እማእከሌነ ፤ ወቀነዎ በመስቀሉ፡” ነቲ ብሕጋጋት ዝቓወመናን ዝበኣሰናን ዘነበረ ብኢድ ጸላኢና ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዕዳና ደምሰሶ ፤ ኣብ መስቀል ሸንኺሩ’ውን ካብ ማእከልና ኣርሓቖ ይብል። (ቈላ።2፡14) “ወሰጠጠ መጽሐፈ ዕዳሆሙ ለአዳም ወለሔዋን ወረሰዮም አግዓዝያነ” መጽሓፍ ዕዳኦም ቀዲዱ ንኣዳምን ሔዋንን ነፃ ኣውፀኦም ከም ዝበለ። (ወዳሴ ማርያም .ዘሰኑይ) እቲ ኣብ ሲኦል ዝነበረ ከኣ ብመዓልቲ ዓርቢ በኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ደምሰሰሎም።(1ጴጥ.3፡19)
ስለምንታይ እዩ ጥምቀቱ ብማይ ዝገበረ ብመዓር፤ ብጸባ ዘይገበሮ እንተ ተባህለ፤ መዓርን ጸባን ኵሉ ኣይረኽቦን እዩ፣ ማይ ግን ኵሉ ስለ ዝረኽቦ ብማይ ተጠመቐ። ካልኣይ ነገር’ውን መዓርን ጸባን ናይ ሥጋ መልክዕ ኣየርእን እዩ ማይ ግን መልክዕ ሥጋ ከም መስትያት ስለ ዘርኢ ከምኡ ደማ ጥምቀት መልክዕ ነፍሲ የርኢ። መዓርን ጸባን ተኽሊ የድርቑ እምበር ኣየለምልሙን እዩም፤ ማይ ግን ተኽሊ ስለ ዘለምልም ብጥምቀት ከኣ ልምላሜ ነፍስ ምርካብና ንምርድእ እዩ። መዓርን ጸባን ንልብሲ የርስሕዎ እምበር ኣይንጽሕዎን፣ ማይ ግን ስለ ዘንጽሕ ብጥምቀት ከኣ ንጽሕና ነፍሲ ምርካቡ ንምርዳእ እዩ። ብማይ ዝተጠምቐ ንምንታይ ዝብል ሕቶስ ብዙሕ እዩ ንመረድኢ ግን እዚ የኣክል።
ተጠሚቑ ብኡብኡ ካብ ማይ ምስ ወፀ እግዚአብሔር ኣብ፤ አብ ደመና ኰይኑ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፍቀር ዘቦቱ ሠመርኩ” ብእኡ ዝተሓጐስስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ ኢሉ ናይ ባሕርይ ወዱ ምዃኑ መስከረ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ዓለበ ፤ ኣካላዊ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ወሰን ባሕሪ ዮርዳኖስ ቆይሙ ተራእየ ፡ ኣብ ደመና ኰይኑ ዝመስከረ ክርስቶስ ብቃልነት፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት ህልዋን ዝዀንዎ አብ እዩ። ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ንወልድ ኣብ ርእሱ ዝተቕመጠ ኸኣ አብ ብልብነት ወልድ ብቓልነት ዘለውዎ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ቆይሙ ዝተራእየ አብ ብልብነት፡ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት፡ ዘለውዎ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ እዩ ። በቲ ጊዜ እቲ ናይ ብባሕርይ ሓደነቶምን ናይ ብኣካል ሠለስተነቶምን ንምርግጋጽ፤ ኣብ፡ ኣብ ደመና ኰይኑ መስከረ፤ ወልድ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ቆይሙ ተራእየ፤ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብርግቢ ኣምሳል ወሪዱ ተራእየ ፤ ስለ’ዚ ንዓና ንሥላሴ ደስታና እዩ እሞ ሓደ ጊዜስ ይኹን ደኣ ግደፍ በሎ። (ማቴ 3፡15) ።
ተጠሚቑ ከይወዓለ ከይሓደረ ንጊዚኡ በረኻ ቆሮንቶስ ከይዱ ኣርብዓ ለይትን ጾመ፤ ስለ’ዚ ጾም ናይ ሕጊ መጀመርታ ገበረ። መዓልታት ጾሙ ምስ ፈጸመ ዲያብሎስ ብሠለስተ አርእስተ ኃጣውእ ተፈታተኖ ንሳተን ከኣ ትዕቢት፤ ስስዕቲ ፤ ኣፍቅሮተ ንዋይ እየን፡ ብትዕቢት እንተ መጾ ብትሕትና፤ ብስስዕቲ እንተ መጾ ብትዕግስቲ ፤ በፍቅረ ንዋይ እንተ መጾ ብመንኖ ንዋይ በዚ ኣሸነፎ፡ ሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ እተብሃኃሉ እዚኣቶም እዮም፤ ሎሚ’ውን ምእመናን በዚኣቶም እንተ ዘይተሸኒፎም ብኻልኦት ኃጢኣት ኣይሽነፉን እዩም።(ማቴ.4፡1-10) ካብ ገዳም ቆሮንጦስ ወፂኡ ከኣ ወንጌል ክምህር ጀመረ፤ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኂን ኣብ ምድሪ እስራኤል እናዞረ በብዕይነቱ ዝዀነ ተኣምራት እናገበረ መሃረ።
ካብኡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲን ሠላሳን ዓመተ ዓለም ብዘመነ ሉቃስ ተጠምቐ። ጊዚኡ ጥሪ ዓሠርተ ሓደ መዓልቲ፣ ንኽጸውም ኣብ በረኻ ቆሮንጦስ ኣተወ፤ ናይ ጥሪ ዕሥራ ካብ የካቲት ዕሥራ ወሲኹ ኣርብዓ መዓልቲ ቀዳም ጾም ይፍጽም። ናይ ጥሪ ባሕቲ ቀዳም፤ ናይ የካቲት ድማ ሰኑይ ነበረ እሞ፤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ የካቲት ዕሥራ ሰንበት መዓልቲ ካብ በረኻ ቆሮንጦስ መጺኡ፣ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ሠሉስ ናብ መርዓ ተዓዲሙ ናብ ቃና እትብሃል ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርክብ ዓዲ ከደ። ኣብኡ ናይ ወንጌል መጀመርታ ዝዀነ ተኣምራቱ ኣብ ቃና ንማይ ወይኒ ገበረ። ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ኾነ ቀዳማይ ምዃኑ “ወዝንቱ ውእቱ ቀዳሚ ተአምር ዘገበረ” ዝበሎ ስለዚ እዩ። (ዮሓ።2፡1-11) መበል ዓሰርተ ሓደ ዝተሾመ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ ዝብሃል በአብቅቴን መጥቅዕን ኣዳልዩ ክሳብ ዝውስኖ ዓብይ ጾም ከም ኵሉ በዓላት መዓልቲ ቈጺርካ ጥራሕ ብማንም መዓልቲ ይጅምር ነይሩ። ከምኡ’ውን ካብ ደብረ ዘይቲ ጀሚሮም ክሳብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዝርከቡ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ማንም መዓልቲ ይውዕሉ ነይሮም።
ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ጥምቀት
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዓርቢ መዓልቲ ምስ ተሰቕለ ካብ የማናይ ጐድኑ ብዝፈሰሰ ማየ ገቦ ተጠሚቕና ብጸጋ ውሉደነት ረኺብና ደቂ ሥላሴ ንኸውን። ክንጥመቕ ከሎና ኸኣ ኣወዳት ኣዳም ተፈጢሩ ገነት ብዝኣትወሉ ብኣርብዓ መዓልቲ። ኣዋልድ እንተ ኾይነን ከኣ ሔዋን ተፈጢራ ናብ ገነት ብዝኣተወትሉ ብሰማንያ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ተወሲደና ናይ ጥምቀት ሥነ ሥርዓት ይፍጸመልና። (ዘሌ። 12፡1-8፡ ኩፋ።4፡8-13) ንመልከት።
"ወእንዘ ታጠምቅዎሙ በሉ በስመ አብ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ" ብዝበሎ መሠረት ፤ ካህን ሥርዓተ ጥምቀት ኣብጺሑ “አሐዱ አብ ቅዱስ ፤ አሓዱ ወልድ ቅዱስ፤ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ብዝባረኾ ማይ ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ተለዊጡ እቲ ብመዓልቲ ዓርቢ ካብ ናይ ጐይታና ጐድኒ ዝፈሰሰ ጽሩይ ማይ ይዀነልና ፤ ብኡኡ ተጠሚቅና ብጸጋ ካብ ሥላሴ ንውለድ።
“ዘኢተወልደ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር” ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሰብ ካብ ማይን፤ ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን ከም ዝበለ (ዮሓ.3፡5፡)
ምስጢረ ጥምቀት ብሓጺሩ ነዚ ይመስል፣
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን፣
03 October 2014
ምስጢረ ስጋዌ
(እቲ ቃል ሥጋ ኮነ)።
ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ዘልዓለማዊ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ሰብ ዝዀነሉ ማለት ናይ ሰብ ሥጋ ዝለበሰሉ ምሥጢር እዩ።
እግዚአብሒር ንኣዳም ንሔዋንን ካብ ኣርባዕተ ባሕርያት ፈጢሩ ብመንፈስ ቅዱስ ቀዲሱ ኣኽቢሩ ብዘይካ ሓንቲ ኦም በለሰ ኵሉ ወንኑ ብልዑ ስተዩ ኢሉ ኣብ ገነት ኣቐመጦም፡ ነታ ኦም እቲኣ’ውን ነፊግሎም ኣይኰነን እንታይ ደኣ ናቱ ገዛእነትን ናታቶም ተገዛኢነትን ንኽፈልጡ ንመጻኢ’ውን ሥርዕት ጾም ንኽምህሮም እዩ።(ዘፍ.2፡6-7)
ሸውዓተ ዓመት ትእዛዙ ሓሊዎም ብውሉድነት ጸኒዖም ክነብሩ ኸለዉ ብድሕሪኡ ግን ናይ ከይሲ ምኽሪ ሰሚዖም ፤ ኣምላኽነት ተመንዮም ትእዛዙ ኣፍረሱ፤ ካብ’ታ ኣይትብልዑ ዝበሎም ኦም በሊዖም፤ ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ተፈርዶም፤ “ሞት ግን ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ኣብኣቶም ከም’ቲ ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ኣብ ዝገብሩን ዘይገብሩን ነጊሡ ነበረ’’። (ሮሜ .5፡14)
ብድኅሪ’ዚ ጽቡቕን፤ ክፉእን ፤ ነዊሕን ፤ ሐጺርን ፤ ቀይሕን ፤ ጸሊምን፤ ምግቡ እንተ በላዕካዮ ደዌ ሥጋ ፍልጸት ፤ቅርጸት ፤ መንፋሕቲ ፤ ቅርጥማት፡ ደዌ ነፍሲ ኸኣ ዝሙት፤ ኃጢኣት ኣብ ዝነግሠሉ ናብ’ዚ ዓለም’ዚ ሰደዶም “ወተሰዱ ውስተ ምድረ ሕማም ወኣርአያ ሕሱም ወኃሣር ወሲሳየ ኃዘን” ከም ዝበለ። (መቅ.ወንጌል)
ነገር ግን ኣብ ጐድኒ ቁጥዓኡ ምሕረቱ ከም ዘሎ ፈሊጦም ተጣዒሶም ሚእቲ ዓመት ንስሓ ኣትዮም በኸዩ፤ “ወኮኑ ውስተ ኃዘን ምእተ ዓመት”፡ ብፍጥረቱ ጨኪኑ ዘይጭክን ጐይታ ንስሓኦም ርእዩ ተቐቢሉ ብኽያትቶም ሰሚዑ። “በሐሙስ ዕለት ወበመንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ ወለትከ፤ ወእከውን ሕፃን በእንቲኣከ፤ ወእድህከ ውስተ ምርህብከ፤ ወእትቤዘወከ በመስቀልየ፡” ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓ መዓልትን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ምእንታኻ ሕፃን ኰይነ ኣብ ጐላጒልካ ፍሑኽ ፍሑኽ ኢለ ብመስቀለይ ክብጀወካ እየ ከምዝበለ።(ቀሌምንጦስ)
እቲ ተስፋ ንደቁ ነጊርዎም ነበረ፣ ደቁ ኸኣ ትንቢት እናተነበዩ ሱባዔ እናቘጸሩ ከም’ቲ ዳዊት ዝበሎ። “አንሥእ ኃይለከ ፈኑ እዴከ” ኃይልኻ ዝተባህለ ወልድ ብሥጋ ሰዲድካ ኣድሕነና። (መዝ.144፡7)እናበሉ እቲ ተስፋ እቲ እናተጸበዩ በብተራ ሓለፉ፡ ሓሙሽተ መዓልቲ ፈረቓን ዝበሎ ግን ብእግዚአብሔር ኣቋጻጽራ ሰዓት 5500(ሐሙሽተ ሽሐን ሓሙሽተ ምእቲን ዓመት) እዩ ዝነበረ። (መዝ.90፡4 ፡ 2ይጴጥ.3፡8) እቲ ዝተባህለ ዓመት ምስ ኣኸለ። ዝተዛረቦ ዘይርስዕ ዝህቦ ተስፋ ዘይከልእ እግዚአብሔር ሓደ ሰዓት ወይ ደቒቕ ከየሕለፈ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፤ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፤ ብዘመነ ዮሐንስ ብዕሥራን ትሽዓተን መጋቢት፤ ብሣልሳይ ሰዓት ፤ ብዕለተ እሁድ ተፀንሰ፡ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ብዘመን ማቴዎስ ዕሥራን ትሽዕተን ታሕሣስ ሠሉስ መዓልቲ፤ ፍርቂ ለይቲ ተወልደ።
ብዳሕራይ ዘመን ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ መጀመርታ ዘይብሉ ናይ እግዚአብሔር ቃል ማንም ከየገደዶ ብናቱን ብናይ ኣብኡን ብመንፈስ ቅዱስን ፍቓድ ሰብ ኮነ፤ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው መላእኽቲ ሰብ ከም ዝኾነ ምንም ኣይፈለጡን፤ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ዝተወልደት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሐደረ፤ ሥጋ ዘይብሉ ንሱ ሥጋ ተዋሒዱ ከም ሰብ ትሽዓተ ወርኂን ሓሙሽተ መዓልትን ብጐይትነቱ ኰሎ ኣብ ማኅፀና ተወሰነ፤ ትሽዓተ ወርኂን ሓሙሽተ መዓልትን ምስ ተፈጸመ፣ ዝውለደሉ መዓልቲ ምስኣኸለ ክምርመር ብዘይከኣል ተግባር ብሕቱም ድንግልና ተወልደ፤ ማኅተመ ድንግልናኣ’ውን ኣይተለወጠን ማኅተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ደኣ ተወልደ። (ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ ሃይማኖተ ኣበው 212 ገጽ)
ክሳብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽቡቕ ተግባር ዝገበሩ ቅዱሳን ሓዋርያት ሰማዕታት ኵሎም ከም ዘኣመንዎም እምነት ከምኡ ኢና ንኣምን፤ “ቃል ሥጋ ኮነ” መናፍቃን ከም ዝብልዎ ኣብ (ዕሩቅ ብእሲ) ተራ ሰብ ኣይሓደረን። ብናቱ ፍቓድ፤ ብናይ ኣብኡን፤ ብናይ መንፈስ ቅዱስን ድልየት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ወሲዱ ተዋሃሃደ፤ ከም’ቲ ዝተጻሕፈ ኵሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ናይ ኣብ ኣካልዊ ቓል ፍጹም ሰብ ኰይነ ተወልደ።(ገላ.4፡4) ዝተባህለ ነስተውዕል እግዚኣብሔር ካባና ባሕርይ ዝተዋሃሃዶ ተዋሕዶ ንእሽቶ ክብሪ ኣይምሰለና፤ እዚ ንመላእኽቲ እኳ ኣይተገብረን፤ ናይ መላእኽቲ ባሕርይ ኣይተወሓሃደቶን ዝተዋሃሃደቶስ ናትና ባሕርይ እያ ንሱ’ውን ንባሕርይና ደኣ ተውሃዳ ንምንታየይ ኣይበለን። (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቂ ሃይማኖተ ኣበው ገጽ 219፡21)
ካብ ሠለስተ ኣካላት መን እዩ ዝተወልደልና እንተ ተባህለ እግዚአብሔር ወልድ እዩ፤ ስለምንታይ አብን ፤ መንፈስ ቅዱስን ተወሊዶም እንተ ዝብሃልከ ናይ ባሕርይ ስሞምን ተግባሮምን ምተፋለሰ ነይሩ። ከም’ዚ ከይከውን ግና እግዚኣብሔር ወልድ ብናይ ባሕርይ ስሙን ብናይ ባሕርይ ግብሩን ንምጽዋዕ ብሥምረቱን ድልየቱን ብጀካ ኃጢኣት ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ። “ወአኮ አብ ዘኃደረ ውስተ ከርሠ ድንግል ለተሰብአ፤ ከመ ኢይበል መኑሂ ይትፋለሰ ስመ አብ ወመንፈስ ቅዱስ ለከዊነ ስመ ወልድ፤ ኣላ ውእቱ ወልድ በፈቃደ አቡሁ ወበሥምረተ መንፈስ ቅዱስ ተሠገወ እስመ አሐቲ ፈቃደ ዘሥሉስ ቅዱስ” ። ማንም ሰብ ስም አብን መንፈስ ቅዱስን፤ ናብ ስም ወልድ ንምዃን ተቐያሪ እዩ ንኸይበሃል፤ ኣቦ፥ ሰብ ንምዃን ኣብ ማኅፀን ድንግል ኣይሐደረን፤ እንታይ ደኣ ፍቓድ ቅድስት ሥላሴ ሓደ ስለ ዝኾነ ወልድ ብፍቓድ አብን፤ ብሥምረት መንፈስ ቅዱስን እዩ ሥጋ ዝተወሃሃደ። ይብል። (ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ)
ከም’ዚ ሰለ ዝተባህለ ግን አብ ንምጽናዕ፤ ወልድ ሥጋ ንምውህሃድ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንምንጻሕ ፤ ኣብ ከርሢ እግዝእትነ ማርያም ኃደሩ ንብል ነኣምን’ውን። መንፈስ ቅዱስ ንእግዝእትነ ማርያም ኣንጺሕዋ ይብል ካብ ምንታይ ኣንጺሕዋ ማለት እዩ እንተ ተባህለ ካብ ናይ ኣንስቲ ልማድ፤ ካብ ዘርእን፤ ርኳቤን “ውእቱ ንጹሕ እምሠለስቱ ግብራት ዘውእቶሙ ዘርእ፤ ውሩካቤ፤ ወሰስሎተ ድንግልና፤ እለ ሥሩዓን በእጓለ እመ ሕያው ወእሙራን ቦሙ”። ንሱ ኻብ’ቶም ኣብ ደቂ ሰባት ዘለዉ ፍሉጣትን ሥሩዓት ዝኾኑ ሠለስተ ተግባራት ዘርእን ፤ ሩካቤን ንጹሕ እዩ ይብል ። (ስኑትዮ ዝእስክንድርያ)
ነገር ግን እዚ ዀሉ ኣብ እግዝእትነ ማርያም ኔሩ ኣይኮነን ንሳስ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ዘይረኽባ ንጽሕቲ ባሕርይ እያ፡ “ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ ድንግል ብኅሊናሃ ወድንግል በሥጋሃ” ይብላ፡ (ሃይማኖት ኣበው)። እዚ ዝተብህለ ናይ ደቂ ኣዳም ሥርዓት ንኽይበጽሓ ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ቀዲስዋ ኣካላዊ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምውላድ ኣብቂዕዋ ንማለት እዩ፡ “ መንፈስ ቅዱስ አንጽሐ ለማርያም ወረሰያ ድሉተ ለተወክፎ ቃል አብ” ከም ዝበለ፡ (ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ)
ቅዱስ ገብርኤል መልኣኸ ክትፀንሲ ኢኺ፤ ወዲ’ውን ክትወልዲ ኢኺ ምስ በላ ንሳ’ውን ከም’ቲ ዝበልካኒ ይኵነለይ ምስ በለቶ፣ ክምርመር ብዘይከኣል ተግባር ብዘይውሱን ኣካል ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን ንዘልዓለም ዝነብርን ኣካላዊ ቃል ብምልኣትን ብጐይትነትን ካብ አብን መንፈስ ቅዱሱን ሓድነት ከይተፈለየ፤ ብድንግልና ጸኒዓ ካብ ዝነበረትን ዘላን ንዘለዓለም’ውን ትነብርን ካብ ኣዴና ቅድስት ደንግል እግዝእትነ ማርያም ብናይ መንፈስ ቅዱስ ግብሪ ናይ ዕለት ፅንሲ ኾነ፡
“ነሥአ ሥጋ እንዘ ምሉእ በኵለሄ እንዘ ኢየዐርቅ እመንበረ ስብሐቲሁ ፤ ውስተ ማኅፀነ ድንግል ኅደረ ሥጋ ኮነ ወተወልደ”
ኣብ ኵሉ ምሉእ ኰሎ ሥጋ ንምልባስ ኣብ ማኅፅን ተወሰነ፤ ካብ ናይ ሥልጣኑ መንበር ከይለቐቐ ኣብ ማኅፀን ድንግል ሓደረ፤ ሥጋ ለቢሱ ኸኣ ተወልደ ይብል፡ (ያሬዳዊ መዝሙር(ድጓ)) ናይ ዕለት ፅንሲ ኮይኑ ዝተቈጽረሉ ምሥጢር ግን ዝፈልጦን ዝምርምሮን የለን፤ ንሱ ብዝፈልጦ እዩ ኣካላዊ ቃል ሰብ ዝኾነ። “ወአሜሃ ሥጋሁ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተሥዕለ በጥንተ ኣካል እንዘ ይትወሐድ ምስለ ቃል”።
ሽዑ ሥጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣካላዊ ቃል ብምውሕሃድ ብጥንታዊ ኣካል ኣዳም ተፈጥረ ይብል ። (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ)
በቲ ጊዜ እቲ ሥጋ ምስ ቃል ተወሃሃደ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ኾነ “ወረሰዮ ምስሌሁ አሐደ ህላዌ ወአሕደ ሥምረተ ወአሐደ አካለ ዘእግዚአብሔር ቃል’’ (ቅዱስ ጎርርዮስ ዘኑሲሰ)።
ስለ’ዚ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውህሃድ ሰብ ኣምላኽ ኮነ ፤ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ከኣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፤ ረቂቕ ዝነበረ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውህሃድ ግዙፍ ዝድህሰስ ኾነ፤ ግዙፍ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ረቂቕ ኮነ ፤ ወሰን ዘይነብሮ መለኮት ብሥጋ ውሱን ኮነ፤ ውሱን ዝነበረ ሥጋ ብመለኮት ዘይውሱን ኣብ ኵሉ ምሉእ ኮነ ፡ ወልድ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትስብእቱ፥፡ ክልተ ልደት ብምውህሃድ ኸበረ፤ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ባሕርያዊ ወዲ እግዚአብሔር ኮነ።
“ወይደልወነ ንእመን ከም ቦቱ ለወልደ እግዚአብሔር ክልኤቱ ልደታት ቀዳሜ ልደት እምእግዚአብሔር አብ ፤ እምቅድመ ኵሉ መዋዕል ፤ ወዳግም ልደት እምእግዝእትነ ድንግል ማርያም በድኃሪ መዋዕል”፡
ንወዲ እግዚአብሔር ክልተ ልደት ከም ዘለዎ ክንኣምን ይግበኣና እዩ፤ ቀዳማይ ልደት ቅድሚ ዓለም ወዲ እግዚአብሔር አብ ምዃኑ፤ ካልኣይ ልደት ከኣ ዳሕራይ ጊዜ ካብ እግዚእትነ ማርያም ምውላዱ ከም ዝበለ። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)
“ወለእመኒ ቃል ሥጋ ኮነ ፤ እመቦ ዘሰገደ ለቃል ናሁ ሰገደ ለሥጋ፤ ወዘሂ ሰገደ ለሥጋ ሰገደ ለእግዚአብሔር ቃል፤ ወከማሁ መላእክትኒ ይትለኣኩ ለአርአያ ሥጋ፤ ወየአምሩ ከመ እግዚኦሙ ውእቱ ወይሰግዱ ሎቱ፡”። ቃል ምስ ሥጋ ብምውህሃዱ ንቓል ዝሰገደ እነሆ ንሥጋ ሰገደ’ውን ንእግዚአብሔር ቃል ሰገደ፤ መላኣኽቲ’ውን ከምኡ ንብሥጋ ዝተገልጸ ይለኣኹ፤ ጐይትኦም ምዃኑ ፈሊጦም ከኣ ይሰግድሉ ይብል። (ሃይማኖተ ኣበው)
“ወሶቦሂ ሰቀሉ ኣይሁድ ሥጋሁ ፤ ሰቀሉ ኪያሁ፤ ወአልቦ እም ውስተ መጻሕፍት ፍልጠት ማእከለ ቃል ወሥጋሁ አላ አሐዱ ህላዌ ፤ ወአሐዱ ገጽ ፤ ወአሐዱ ግብር ውእቱ ፤ ኵለንታሁ አምላክ ወውእቱ ኵለንታሁ ብእሲ ወአሐዱ ግብር ዘመለኮት ወዘትስብእት ኅብሩ”። ኣይሁድ ንሥጋኡ ምስ ሰቐሉ ፤ ንቓል’ውን ሰቀሉ፤ ብመጻሕፍቲ ወገን ኣብ ማእከል ቃልን ሥጋኡን ፍልልይ የለን፤ እንታይ ደኣ ሓደ ባሕርይ ፤ ሓደ ግብርን፤ ብዅለንተናኡ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብን እዩ ይብል። (ሃይማኖተ ኣበው)
ቃል ሥጋ ኮነ ብኸመይ ነገር ወላዲተ ኣምላኽ ተባሂላ፤ ሥጋ ድማ ቃል ከይኮነ ብኸመይ ነገር ናብ ባሕርያዊ ወዱ ኾነ፤ ንመላእኽቲ’ውን ጎይትኦም ንምንታይ ተባህለ፡ ወላዲተ ኣምላኽ ኢልና እናምን እምበር ብኸም’ዚ ዝበለ ተዋህዶ እዩ። ኣምላኽ ሰብ ከይኮነ ወዲ ኣዳም ድኂኑ ክብሃል ኣይከኣልን፤ ሰብ’ውን ኣምላኽ ከይኮነ ምእንቲ ደቂ ኣዳም ሓሚሙ ፤ ተሰቒሉ ሞይቱ ክብሃል ኣይከኣልን፤ ዓርቢ መዓልቲ ተሰቒሉ መሥዋዕቲ ዝኾነ ናይ ጐይታና ሥጋን ደምን እዩ፤ ማለት ናይ ኣምላኽ ሥጋን ደምን እንተ ዘይኮይኑ ናይ መን ጻድቕ ፤ ወይ ሰማዕት ሥጋን ደምን እዩ መሥዋዕት ኮይኑ ንዘልዓለም ክሳብ ዕለተ ምጽኣት ወሀቢ ሕይወትን ድኅነትን ኮይኑ ዝነብር።
ብኸም’ዚ ዝበለ ናይ ተዋህዶ ምሥጢር ናይ እሳት ብሐይን ኣካልን ተለዊጡ ኃፂን ከይኮነ ፤ ከምኡ ኸኣ ናይ ብርሃን ባሕርይ ተለዊጡ ዕንቍ ከይኮነ፤ በተዕቅቦ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ከም ዝኸውን ከምኡ ድማ መለኮት ምስ ትስብእት፤ ትስብእት ምስ መለኮት ብምውህሃድ ፤ ካብ ክልተ ኣካል ፤ ሓደ ኣካል ፤ ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ ኮነ። “ወይትሜሰል ወልድ በዕንቈ ባሕርይ እንተ ይእቲ በአማን ኵለንታሃ ብርሃን ፣ ወይትሜሰል ሥጋሁ በሥጋሃ ፤ ወብርሃና በመለኮቱ። ባስልዮስ”፡ በአይ ኣምሳል ይትሜሰል መለኮት በትስብእት ፤ ይቤ ይመስል እሳተ በሕፂን ብንያሚ”
ወልድ በታ ብዅለትናኣ ብርሃን ዝዀነት ዕንቈ ባሕርይ ይምሰል ፤ ሥጋኡ ብሥጋኡ ብርሃና ብመለኮቱ ይምሰል ይብል፡ (ቅዱስ ባስልዩስ ዘኣንጾኪያ) ሓፂን ጸሊም ከሎ ምስ እሳት ብምውህሃዱ ይበርህ ደኣ እምበር ኣይጽልምን፤ እቲ ሓፂን ዝፍለ እንተ ኮነ ፤ መለኮት ግን ካብ ትስብእት ተፈልዩ ኣይብሃልን ይብል። “ናሁ ድንግል ትፅንስ ወትወልድ ወልደ” እንሆ ድንግል ክትፅንስ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ።(ኢሳ።7፡14)
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ እግዚእትነ ማርያም ብኅቱም ድንግልና ምውላዱ ብኸመይ እዩ፧ ንዝብል ንምሳሌ ካብ ዐይኒ ብርሃን ካብ ግንባር ድማ ረሓጽ ብኅቱሙ ከም ዝርከብ፤ ከምኡ ኸኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማኅተመ ድንግልናኣ ከይፈትሐ ብኅቱም ድንግልና ተወልደ። “ተወልደ እም ድንግል እንዘ ኅቱም ድንግልናሃ፤ ከመ ልደተ ንጻሬ አዕይንት፤ ወከመ ልደተ ሐፍ እም ገጽ፤ ወከመ ልደተ መልክዕ እመጽሔት” ከም ዝበለ። (ቅዱስ ያዕቆብ ዘእልበረዲ)
ከምኡ ድማ ናይ ፀሐይ ነጸብራቕ ምስ ማይ ተዋሀሂዱ ዕንቈ ባሐርይ ከም ዝወልድ፤ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ከኣ ምስ ደም ድንግልናኣ ተዋሃሂዱ ብዘይ ዘርኢ ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልናኣ ተወልደ፡ “ወዝኩ ዕንቈ ባሕርይ አኮ በተራክቦ ዘይፀነስ ወይትወልድ፤ ባሕቱ ይትወልድ በተዋሕዶተ መብረቅ ወማይ፡ ወከማሁ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተፅንሰ ዘእንበለ ትድምርተ ሥጋ፤ ወኮነ እመንፈስ ቅዱስ ተፅንሶቱ ለእግዚአብሔር ቃል ሥጋ ኮነ” ከም ዝበለ። (ቅዱስ ኤፍሬም.ኣፍ.በረከት)
ካብ አብን መንፈስ ቅዱስን ሓድነት ከይተፈለየ፤ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ሥጋ ምዃኑ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባሀለ ናይ ዐይኒ ብርሃን ካብ ክበብ ዓይኑ ከይተፈለየ ፤ ምስ ብርሃነ ፅሐይ ተዋሃሂዱ ምሉእ ኰይኑ ከም ዝርኢ፤ ከምኡ ድማ ጐይታና ብመለኮታዊ ባህርዩ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ኽምርምር ብዘይከኣል ምሥጢር ከም ቅጽበት ዓይኒ ሰብ ኮነ ፤ ዘይፍለን ዘይምርመርን ዘይፍለጥን ተዋህዶ ኮነ።
“ወመጽአ እንዘ ኢይትፈልጥ እምሕፅነ አቡሁ፤ ሰማያትኒ ወምድር ምሉአን እምኔሁ”። ካብ ናይ ባሕርይ ኣቡኡ ካብ አብ፤ ካብ ናይ ባሕርይ ሕይወቱ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ከይተፈለ ፤ ሰብ ኮነ ፤ ሰብ ድኅሪ ምዃኑ ድማ ሰማይን ምድርን ብእኡ ምሉኣት እዮም ማለት ኣብኣቶም ብምልኣት ህልዊ እዩ። ( ቅዱስ ዮሓንስ. ዘኣንጾኪያ)
“አንተ ውእቱ አምላክ ዘበአማን ፤ ወአንተ ሰብእ ፍጹም ዝእንበለ ሕፅት፤ ወአንተ ውእቱ ዘትነብር ዲበ መንበረ ስብሐቲከ ፤ ወአንተ ዲበ ዕፀ መስቀል” ሓቀኛ ባሕርያዊ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፤ (ሕፀፅ) ጉድለት ዘይብልካ’ውን ፍጹም ሰብ ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ መስቀል ምእንቲ ኃጢኣትና ዝተሰቐል ካ’ውን ንስኻ ኢኻ። ኣብ ናይ ጐይትነትካ መንበር እትነብር’ውን ንስኻ ኢኻ። (ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብድርሳነ ቶማስ) ካብ ብዙሕ ብውኅዱ ምሥጢረ ሥጋዌ እዚ እዩ፡

12 August 2014
ምስጢረ ሥላሴ
†ሥላሴ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ከምዚ ሎሚ ዝምስገንዎ ዘለዉ ብሓድነትን ብሠለስትነትን ይምስገኑ ነይሮም እዮም። መን የመስገኖም ነይሩ፧ እንተ ተባህለ ብባሕርዮም ይምስገኑ ነበሩ፡ “ወአኮ ዘነኃሥሥ ስብሐተ እምዘ ፈጠርነ ስብሐቲነሰ እምኅቤነ ውእቱ”፡ ካብ ዝፈጠርናዮ ፍጥረት ምስጋና እንደሊ ኣይኮናን ምስጋናናስ ካብ ባሕርይና እዩ። (ቀሌምንጦስ) “ስብሐቲሁ ዘእምኅቤሁ ወውዳሴሁ እምዚኣሁ”: ምስጋናኡ ካብኡ ናይ ባሕርዩ እዩ ይብል። (ቅዱስ ዮሓንስ.ኣፈወርቒ . ኣብ ቅዳሴ )
† መን ፈጠረና፧ ሥላሴ።
ብመንከ ንኣምን፧ ብሥላሴ።
ሥላሴ ክንደይ እዮም፧ ሓደ እዮም ሠለስተ ድማ እዮም። “እንዘ ኣሓዱ ሠለስቱ፤ ወእንዘ ሰለስቱ ኣሐዱ፡ ”ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት” ሓደ ከለዉ ሠለስተ፤ ሠለስተ ከለዉ ሓደ፤ ብኣካላት ሠለስተ ይኾኑ ብመለኮት ከኣ ሓደ ይኾኑ ከም ዝበለ። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)
†ምሥጢረ ሥላሴ ዝኽፈልን፤ ዘይክፈልን እዩ፡ “ይትከፈሉ በአካላት ወኢይትከፈሉ በመለኮት። (ቅዱስ ባስልዮስ)፤
ሊሉያን እንበለ ትድምርት ወኅቡራን እንበለ ተሌልዮ” ብኣካላት ይፍለዩ ብመለኮት ግን ኣይፍለዩን፤ ብዘይ ምሕዋስ ፍሉያት ብዘይ ምፍልላይ’ውን ሓደ ይብሉ።(ሠለስቱ ምእት)
†ሠለስትነቶም ብምንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ፡ ብስም፤ ብግብሪ፤ ብኣካል።
ሓድነቶም’ከ፧ ብባሕርይ፤ ብመለኮት፤ ብህልውና፤ ብፍቓድ፤ ብሥልጣን እዩ።
ናይ ሠለስትነቶም ስም እንታይ እዩ፧ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ።
†ናይ ሓድነቶም ስም’ከ፧ እግዚአብሔር፤ ኣምላኽ፤ ኣዶናይ፤ ጸባዖት፤ ፈጣሪ እዩ። “ሠለስቱ ስም አሐዱ እግዚኣብሔር” ሠለስተ ኣስማት ሓደ እግዚአብሔር፡ (ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ)።
†አብ ኣቦ ደኣ ይበሃል እምበር፤ ወልድን፤ መንፈስ ቅዱስን ኣይበሃልን። ወልድ፤ ወልድ ይብሃል እምበር አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይበሃልን። መንፈስ ቅዱስ’ውን መንፈስ ቅዱስ ይብሃል እምበር አብን ወልድን ኣይበሃልን።
†“አብሂ አብ ውእቱ ወኢኮነ ወልደ ወኢመንፈስ ቅዱስ። ወልድሂ ወልድ ውእቱ ወኢኮነ አበ ወኢ መንፈስ ቅዱሰ። ወመንፈስ ቅዱስሂ መንፈስ ቅዱስ ውእቱ ወኢኮነ አበ፤ ወኢ ወልደ። ኢይፈልስ ስመ ኣብ ለከዊነ ስመ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወኢይፈልስ ስመ ወልድ ለከዊነ አብ ወመንፈስ ቅዱስ ወኢይፈልስ ስመ መንፈስ ቅዱስ ለከዊነ ስመ ኣብ ወወልድ”።
አብ ኣቦ ደኣ ይብሃል እምበር ወልድን መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን። ወልድ’ውን ወልድ ደኣ እዩ እምበር ፤ አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይኮነን። መንፈስ ቅዱስ’ውን መንፈስ ቅዱስ ደኣ እዩ እምበር አብን ወልድን ኣይኰነን። ስም አብ፤ ናብ ስም ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣይቅየርን። ስም ወልድ ናብ ስም አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይቅይርን። ስም መንፈስ ቅዱስ ከኣ፤ ናብ ስም አብን ወልድን ኣይቅየርን ይብል። (ቅዱስ ኣግናጥዮስ ዘአንጾኪያ)።
†ናይ ሠለስተነቶም ተግባር ከመይ እዩ እንተ ተባህለ፧
አብ ወላዲን ኣስራፂን ምዃኑ እዩ።
ናይ ወልድ ድማ ተወላዲ ምዃኑ እዩ።
ናይ መንፈስ ቅዱስ ከአ ሠራፂ ምዃኑ እዩ።
†አብ ንወልድ እንተ ወለዶ ንመንፈስ ቅዱስ ከኣ እንተ ኣሥረፆ፤ ከም ወልድ ኣይውለድን ከም መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣይሠርፅን፥ ወልድ ደማ ተወላዲ ደኣሉ እምበር ከም አብ ኣይወልድን ከም መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣይሠርፅን፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ሠራፂ እንተ ዀነ ከም አብ ኣይወልድን ከም ወልድ’ውን ኣይውለድን እዩ።
†“አብሰ ኢተወልደ ኣላ ወላዴ ወልድ ውእቱ እምቅድመ ኵሉ ዓለም ወልድሂ ተወልደ እምእግዚአብሔር አብ እም ቅድመ ኵሉ ዓለም፣ መንፈስ ቅዱስሂ ሠረፀ እም እግዚአብሔር አብ ቅድመ ኵሉ ዓለም።”
አብ ዝተወልደ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ቅድሚ ዓለም ወላዲ ወልድ እዩ፤ ወልድ’ውን፤ ቅድሚ ዓለም ካብ እግዚአብሔር አብ ዝተወልደ እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ቅድሚ ዓለም ካብ እግዚአብሔር አብ ዝሠረፀ እዩ፤ ከም ዝበለ፡ (ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ)
†ብኣካል ሠለስትነቶም ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ንአብ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ፍጹም ገጽ ኣለዎ፤ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ከኣ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ፍጹም ገጽ ኣለዎም።
“ነአምን ከመ ቦሙ ለሥላሴ ምልክዐተ ጽዱቃተ ዘውእቶን አዕይንት ወአእዛን፤ አእዳው ፤ ወአእጋር ወኵሎንኬ እለ ተርፋ” መልክዕ ማለት ዓይኒ እዝኒ ኣፍንጫ ኢድ እግሪ ዝተረፈ’ውን ኵሉ ኣካላት እዩ እዚ ኵሉ ንሥላሴ ብሓቂ ከም ዘለዎም ንኣምን ከም ዝበሉ። (ሠለስቱ ምእት)
†“አብኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ፤ ወልድኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ፤ መንፈስ ቅዱስኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ” አብ ብኣካልን፡ ብመልክዕን፡ ብገጽን ጐደሎ ዘይብሉ ፍጹም እዩ፤ ወልድ’ውን ብኣካልን፡ ብገጽን፡ ብመልክዕን ፍጹም እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ብኣካልን፡ብገጽን፡ ብመልክዕን፡ ፍጹም እዩ ይብል።(ኣብሎዲስ ዘሮሜ)
ዳዊት ድማ፣ ገጹ ለእግዚአብሔር ኀበ እለ ይገብሩ እኩየ። እስመ አዕይንቲሁ ለእግዚአብሔር ኀበ ጻድቃኑ፤ ወአእዛኑሂ ኀበ ስእለቶሙ”፡ ገጽ እግዚአብሔር ናብ ክፉእ ዝገብሩ የብል፡ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ናብ ጻድቃን ይጥምታ፤ ኣእዛኑ ከኣ ንልመናኦም ጽን ይብላ። (መዝ.34፡15)
ናይ ሥላሴ ኣካል ከም ናይ ወዲ ሰብ ኣካል ገዚፍ ፤ ጸቢብ፤ ውስን ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ረቂቕቲ ከነሶም፤ ኣብ ኵሉ ምሉኣት እዮም። ምልኣቶምከ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ካብ ጽርሐ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ (ካብ ሰማይት ዝለዓለ ማለት እዩ)፡ ካብ በርባሮስ ንታሕቲ ድማ መሠረቱ (ትሕቲ ምድሪ ማለት እዩ)፡ ካብ ኣድማስ ናብ ኣድማስ ስፍሐቱ ካብ ጫፍ (ጽንፈ) ዓለም ናብ ጫፍ (ጽንፈ) ዓለም ኢልካ ኣይንገርን(ኣይምርመርን)።
†ሥላሴ ንዓለም ይውስንዎ እምበር ዓለም ንሥላሴ ኣይውስኖምን እዩ፡ “ንሕነ ናገምሮ ለኵሉ ወአልቦ ዘያገምረነ አልቦ ወኢምንትኒ እምታሕቴነ፤ እስመ ለኵሉ የዓውዶ ዕብየ ኃይልነ ፤ አልብነ ውሣጤ ወኣፍአ ፤ እስመ ንሕነ ውሳጤ ወአፍአ፡ወአልቦ ሰማይ ዘያገምረነ፤ ወኢምድር ዘይፀውረነ”።
ንሕና ደኣ ንዅሉ ንሽከሞ እምበር ንዓና ዝሽከም ዋላ ሓደ እኳ የለን፡ ካባና ንላዕሊ ፤ ወይ ካባና ንላዕሊ፤ ወይ ካባና ንታሕቲ ቦታ የለን፤ ናይ ባሕርይና ምልኣት ንኵሉ ይውስን እምበር ንናይ ባሕርይና ምልኣት ዝውስንስ ምንም የለን፡ ንዓና ዝሓብእ ውሽጢ ወይ’ውን ንዓና ዝገልጽ ኣፍ ደገ የለን፤ ውሽጢ ኮነ ወጻኢ ንሕና ኢና።
ንዓና ዝውስን ሰማይ ወይ ነዓና ዝሽከም ምድሪ የለን ከም ዝበለ፡ (ቀሌምንጦስ) “አልብነ ጠፈር ወአልብነ መሠረት ንሕነ ጠፈር ወንሕነ መሠረት” ካባና ንላዕሊ ሰማይ የለን ካባና ንታሕቲ ዝተመሥረተ ምድሪ’ውን የለን እዚ ብሐፂሩ ሰማይን ምድርን ኣብ ኢድ ሥላሴ ውሱን ማለት እዩ።
†ርቀቶም ከመይ እዩ እንተ ተባህለ ካብ ኵሉ ነፋስ ይረቅቕ፤ ካብ ነፋስ ድማ ነፍሳትን መላእክትን ይረቁ።ካብ ነፍሳትን መላእክትን ከኣ ናይ መላእኽትን ሰብን ሓሳባት ይረቅቕ። እዚ ናይ ሓሳባቶም ርቀት ግን ብሥላሴ ወገን ከም ዓቢይ ገቦ እዩ ዝረአ ይብል።
†“ቅጥነት ሕሊናሆሙሰ ለመንፈሳውያን በኅበ ቅጥነቱ ከመ እንተ ሥጋ ገዚፍ” ርቀት ሓሳባት መንፈሳውያን ብወገን ርቀት እግዚአብሔር ከም ግዝፊ ሥጋ እዩ ዝረአ ይብል። (ኣረጋዊ መንፈሳዊ)
በዚ ከም’ዚ ዝበለ ርቀቶም ኣብ ኵሎም ፈጡራን ህልዋትን ሕዱራትን እዩም፡ “ውስተ ዓለም ሀሎ ወዓለምኒ ቦቱ ኮነ” ኣብ ዓለም ኣሎ፤ ዓለም ከኣ ብእኡ ተፈጥረት። (ዮሓ. 1፡10)
†“ንሕነ ንሬእዮ ለኵሉ ወኣልቦ ዘይሬእየነ እስመ ውስተ ኵሉ ንሕነ፣ ውስተ ኵሉ በሐውርት መለኮቱ” ንሕና ኣብ ኵሉ ህልዋት ስለ ዝኾና ንኹሉ ንርእዮ፤ ነዓና ዝርኢ ግን የልቦን ይብል። (ቀሌምንጦስ) (መዝ. 103)
†ባሕርዮምከ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ዘይጠሚ፤ ዘይጸምእ፤ ዘይደክም፤ ዘይሓምም፤ ዘይመውት፤ ሕያው እዩ፡ “ስምከ ሕያው ዘኢይመውት ትጉህ ዘኢይዴቅስ ፈጣሪ ዘኢይደክም”፡(ሊጦን) ብኸም’ዚ ዝበለ ስምን፤ ብኸም’ዚ ዝበለ ተግባርን ኣካልን፤ ልቢ ከይቀደመ ብሓድነት ቃልን እስትንፋስን ከም ዝተረኽቡ፤ ስሞም ንኣካሎም ፡ ኣካሎም ንስሞም ከይቀደሞ፤ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ካብ ኣብ ተረኽቡ።
†“ወአካሎሙሂ ለሥሉስ ቅዱስ ወአስማቲሆሙ አልቦ ዘይቀድም ወአልቦ ዘይዴኅር አላ እሙንቱ ብለያነ መዋዕል እምቀዲሙ ዘእንበለ ጥንተ ወዘመን”።
ካብ ናይ ሥላሴ ኣካላትን ኣስማትን ዝቕድምን ዝድሕርን የለን፤ እንታይ ደኣ ንሳቶምሲ ቅድሚ መጀመርታ ዘመን ዝነበሩ እዮም ከም ዝበለ።(ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ መንከራት)
ቀዳምነቶም ንዅሉ ዘመን ይውስኖ እምበር ዘመናት ንቐዳምንቶም ኣይውስኖን፡ “አልብነ ጥንት ወኢተፍጻሜት ወኢይትዓወቅ መዋዕሊነ እስመ እምቅድመ መዋዕል ንሕነ”።
ቅድሚ ኣዝማናት ዝነበርና፤ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብልና ስለዝኾና፡ መዋዕልና ዝፍለጥ ኣይኰነን ይብል።(ቀሌምንጦስ)
† ንምሥጢረ ሥላሴ ዝቐርቡ ምሳሌያት፡
መጀመርታ ዝቐርብ ምሳሌ፤ እግዚአብሔር ብመልክዑን ብኣርኣያኡን ንዝፈጠሮ ሰብ ናይ ምሕሳብን ምዝራብን ምትንፋስን ክእለት ዘለዎ እዩ፡ ስለ’ዚ ምሕሳብ ብአብ፤ ምዝራብ ብወልድ፤ ምትንፋስ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። ዘረባ ካብ ሓሳብ ዝውለድ ካብ ሓሳባት ከይተፈልየን ከይተቛረጸን እዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስቕ ኢሉ ዀነ ወይ እናተዛረበ ኵሉ ጊዜ ቃላት ምስኡ እዮም እምበር ካብ ሓሳቡ ኣይፍለዩን ወይ ኣይቛረጹን እዩም።
ሰለ’ዚ ዘለዓለማዊ ወልድ ካብ አብ ምውላዱ ከይተፈልየ ደኣሉ እምበር ምስ ተወልደ ተፈልዩ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። ልቢ ወይ ድማ ሓሳብ ከምኡ’ውን ናይ ዘረባ ቃላት ነፍሲ ምህላዎምን እዚ ነፍሲ እዚ ከኣ ሕይወቶም ምዃኑን ዘተፈልጠ እዩ።
ከምኡ ድማ ንአብን ፤ ንወልድን ፤ መንፈስ ሕይወት ማለት እስትንፋስ ኣለዎም። ንሱ ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ ፤ ቃል ወይ ዘረባ ዝርከብ ሓሳብን ሕይወትን ከህሉ ኰሎ እዩ፤ ሓሳብ ወይ ልቢ ምስ ኣብ ውሽጢ ልቦና ዘለዉ ቃላትን እስትንፋስን ሓደ እዩ፤ ከምኡ’ውን ሕይወት ወይ እስትንፋስ ኣብ ዘሎ ሓሳባትን ናይ ዝርርብ ቃላትን ሓቢሮም ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ፡
ከምኡ ድማ እዞም ሠለስተ ኵነታት ማለት ሓሳብ ናይ ዝርርብ ቃላትን እስትንፋስን ወይ ሕይወት ሓቢሮም ከም ዝነበሩ ማለት ሓደ ካብ እዚኣቶም እንድሕሪ ኣልዩ ካልኦት ክህልዉ ግድን እዩ እሞ መረድኢ ሰለ ዝኸውን ሠለስቲኦም ብሓደነት ደኣ እዩም ዝነብሩ እምበር እቲ ሓደ ካብ ሓደ ክቕድም ኣይክእልን እዩ፡ ወይ ድማ ሓደ ብድሕሪት ስዒቡ ክበሃል ኣይከኣልን።
በዚ ኣብነት እዚ አብን ወልድን፤ መንፈስ ቅዱስን ከም ቋሕ ሰም ንዝኣክል ጊዜ እኳ ኣይቀዳደሙን እዩም። ሓደ ሰብ ዘረባኡ ንኻልእ ሰብ ከስምዕ ዝደሊ ብመልሐሱ ዘረባኡ ይገልጽ እሞ ናብ ሰማዕቱ ዘብጽሐሉ ምክንያት ካብ ሓሳቡ ከይተቛረጸን ከይተፈልየን እዩ።
ከምኡ ደማ ዘልዓለማዊ ዝዀነ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ንሱ ደማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንደቂ ሰብ ክግለጽ ብዝደለየ ጊዜ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም መለኮቱን ትስብእቱን ኣዋሃሂዱ ዝተወልደሉ ምኽንያት ካብ ዘልዓለማዊ ኣብኡ ከይተፈላለየን ርክቡ በዘይ ምቊራጽን እዩ።
ናይ ሥላሴ ሓደነትን ሠለስትነትን፤ በነፍስን ብእሳትን፤ ብፀሐይን ፤ ብባሕርን ይምሰል። ነዚኦም ኵሎም ሠለስተ ባሕርያን ኣለዎም።
ናይ ነፍስና ሠለስተነት ልብን፤ ቃልን፤ እስትንፋስን እዮም። እዚ ሰብ’ዚ ኣእምሮኛ እዩ ክብሃል ኰሎ- ልቡ ተዛራቢ ክብሃል ከሎ፦ ቃሉ ሕይወታዊ እዩ ክብሃል ከሎ- እስትንፋሱ ምግላጽ እዩ።
ናይ እሳት ሠለስትነት ኣካሉ፤ ብርሃኑ፤ሙቐቱ እዩ፡
- ኣካሉ ማለት፤ እንሆ እሳት ኣምጽእ
- ብርሃኑ ድማ፤ ኣብርህ፤
- ሙቐቱ ድማ፣ ንሙቕ ኢሉ ክዝረብ ከሎ እዩ፡
እዚ ድማ ብኣካሉ አብ ፤ ብብርሃኑ ወልድ ፤ ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ።
“አቡየ እሳት ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ”። (ቀሌምንጦስ) አብ እሳት፤ ወልድ እሳት፤ ወመንፈስ ቅዱስ እሳት አሐዱ ውእቱ እሳተ ሕይወት ዘእም አርያም”፡ አብ እሳት እዩ፤ ወልድ እሳት እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን እሳት እዩ፤ ኣብ ኣርያም ዝነብር ሓደ ናይ ሕይወት እሳት እዩ። (ቅዳሴ ማርያም)
ናይ ፀሐይ ሠለስትነት ከኣ ክበቡ፤ብርሃኑ፤ሙቐቱ እዩ።
- ብኽበቡ አብ
- ብብርሃኑ ወልድ
- ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡
“አቡየ ፀሓይ ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ። ወውስተ ፀሐይ ሤመ ጸላሎቶ”፡ ምሳሌኡ ብፀሐይ ገበረ ይብል።(መዝ።9፡4)
“አብ ፀሐይ ፤ ወልድ ፀሐይ ፤ ወመንፈስ ቅዱስ ፀሐይ አሐዱ ውእቱ ፀሐየ ጽድቅ ዘላዕለ ኵሉ”።
አብ ፀሐይ እዩ፤ ወልድ ፀሐይ እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ፀሐይ እዩ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነ ሓደ ሓቀኛ ፀሐይ እዩ ይብል። (ቅዳሴ. ኣባ ሕርያቆስ)
ናይ ማይ ሠለስትነት ድማ ኣካሉ፤ ጣዕሙ፤ ዛሕሉ (ጠሉ)
- ብኣካሉ አብ
- ብጣዕሙ ወልድ
- ብዛሕሉ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡
“አብየ ማይ ፤ ወአነ ጣዕሙ፤ ወመንፈስ ቅዱስ ሕይወቱ”። (ቀሌምንጦስ)
ናይ ባሕሪ ሠለስትነት ከኣ ስፍሓቱ ፤ ጠሉ፤ተንቀሳቓስነቱ።
- ብስፍሐቱ አብ
- ብጠሉ ወልድ
- ብተንቓሳቅስነቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡
ነገር ግን እዚኣቶም ሓደ ነፍሲ፤ ሓደ እሳት፤ ሓደ ፀሐይ፤ ሓደ ማይ፤ሓደ ባሕሪ እዮም ዝበሃሉ እምበር ሠለስተ ኣይበሃሉን።
ሥላሴ ግን ብኣካል፤ ብስም፤ ብግብሪ ሠለስተ እንተ ተባህሉ ብባሕርይን፤ ብሕልዉናን፤ ብፍቃድን ብመለኮትን ሓደ ደኣሎም እምበር ሠለስተ ኣይብሃሉን እዮም። “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ፤ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ፤ ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት” ሓደ ከለዉ ሠለስተ ሠለስተ ከለዉ ሓደ ብኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ግን ሓደ እዮም፡ ከም ዝበሉ።(ሠለስቱ ምእት)
ከምኡ’ውን አብ ብልቢ፤ ወልድ ብቓል፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስ ይምሰሉ፡ “ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልኣምድረ፤ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት፤ ወእምስትንፋሰ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ”።
ብናይ እግዚአብሔር ይቕሬታ ምድሪ መሊኣ ማለት ምድሪ ፈጠረ። ይኹን ብዝበሎ ቃል ከኣ ሸውዓተ ሰማያት ተፈጢሮም ጸንዑ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘለዉ ፈጥረታት ብረቂቕ ሥልጣኑ ተፈጢሮም ጸኒዖም ይነብሩ። (መዝ.33፡6)
እዚ ሰለ ዝዀነ ንወዲ ሰብ ብዝከኣል መጠን ምግላጽን ምርዳእን እዩ እምበር ካብ ፍጡራት ወገን ንሥላሴ ዝኣክል ምሳሌ የለን፡ ዝተመሰለ እንተ ተመሰለ ከኣ (ሕጸጽ) ጉድለት ዘለዎ ምሳሌ እዩ፡”ወአልቦ ዘይከዉን ከማን ወአልቦ ዘይትማሰልነ እስመ ምልዕልተ ኵሉ ንሕነ”።
ልዕሊ ኵሉ ስለ ዝዀና፤ ከማና ዝኸውን ወይ ነዓና ዝመስል የለን ይብል። (ቀሌምጦስ)
ካልኣይ ከኣ፣- አብ ብልቢ፤ ወልድ ብቓል፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስ ሰለ ዝተመሰሉ፤ ንአብ ዝተፈልየ ቃልን እስትንፋስን፤ ንወልድ ዝተፈልየ ልብን እስትንፋስን ንመንፈስ ቅዱስ ዝተፈልየ ልብን ቃልን ኣለዎም ማለት ኣይኰነን።
እንታይ ደኣ እቲ ሓደ ኣብ’ት ሓደ ህልዋት እዮም፡ አብ ብልብነት፤ ኣብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ህልዊ እዩ፤ ወልድ ብቓልነት፤ ኣብ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዊ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት ኣብ አብን ወልደን ህልዊ እዩ፡ “አብኒ ህልው ውእቱ በወልድ ወበመንፈስ ቅዱስ ህልው ውእቱ ብአብ ወበወልድ” ይብል። (ቅዱስ ፊላታዎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስከንድርያ)
“እመኑ ከመ አነ በአብ፤ ወአብ ብየ፡” ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፤ ኣቦ ኸኣ ኣባይ ምህላዉ እመኑ ይብል። (ዮሐ.14፡11)
አብ ፤ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ልቦም እዩ፤ ወልድ ኸኣ ንኣብን ንመንፈስ ቅዱስን ቃሎም እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኣብን ንወልድን እስትንፋሶም እዩ። ስለ’ዚ ብአብ ለባውያን፤ ብወልድ ነባቢያን፤ በመንፈስ ቅዱስ ሕያውያን ይብሃሉ፡ “አብኒ ልብናሆሙ ውእቱ ለወልድ ወለመንፈስ ቅዱስ ወልድኒ ቃሎሙ ወቱ ለአብ ወለመንፈስ ቅዱስ፤ ወመንፈስ ቅዱስኒ ሕይወቶሙ ውእቱ ለአብ ወለወልድ፡”። (ቅዱስ ኣብሎዲስ ዘሮሜ)
ሰለ’ዚ ሥላሴ ከም ሓደ ልቢ ኰይኖም የሓስቡ ፤ ከም ሓደ ቃል ኰይኖም’ውን ይዛረቡ፡ ከም ሓደ እስትንፋስ ሕያዋን ኰይኖም’ውን ዝደለይዎ ይፍጽሙ ዳ እምበር ፍልልይ የብሎምን።
“ወአኮ ኣብ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር፤ ወልድኒ አኮ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር ፤ ወመንፈስ ቅዱስኒ አኮ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር ፤ አላ ዘፈቀደ አብ ይፌጽምዎ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወምግባሮም አሓዱ ውእቱ” ።
አብ ብርእሱ ንበይኑ ዝገብሮ የብሉን፤ ወልድ’ውን በይኑ ብርእሱ ዝገብሮ የብሉን፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን በይኑ ብርእሱ ዝገብሮ የብሉን ። እንታይ ድኣ ተግባሮም ሓደ ሰለ ዝኾነ ፤ ኣብ ዝፈቀዶ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይሠምርዎ ይብል። (ቅዱስ ኪራኮስ ዘኣንጾኪያ)
ሓደ ነገር ከኣ ብሓድነት ኮነ ብሠለስትነት ክረኣዩ ከለዉ እዚ አብ እዩ ፤ እዚ ደማ ወልድ እዩ ፤ እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢልካ ፈልኻ ንምልላይ ኣይከኣልን፡ እንታይ ደኣ ንሓደ ርኢኻ ምእማን እዩ ዘሎ፡ “ዘርእየ ኪያየ ርእዮ ለአብ፡ አነ ወአብ አሐዱ ንሕነ” ንዓይ ዝረኣየ ንአብ ረኣየ፤ ኣነን አብን ሓደ ኢና፤ ኣነ ኣብ ኣቦ ህልው ከም ዝዀነኩ ፤ ኣቦ ኸኣ ኣባይ ህልዊ ከም ዝኾነ እመኑ ከም ዝበለ። (ዮሐ.14፡9-11) “እመኑ ከመ አነ በአብ ወአብ ብየ”
እዚ ናይ ብኣካላት ሠለስተ ምዃኖም ዘረድእ ክኸውን ዀሎ።
ናይ ሓድነቶም ነገርከ ብምንታይ እዩ እንተ ተባህለ ብባሕርይ ፤ብመለኮት ብብርሃነ መንግሥት፡ ብእግዚአብሔርነት፤ ብኣምላኽነት ይብል፡ “አሐዱ መለኮት እስከ ለዓለም፤ አሐዱ እግዚአብሔር አሐቲ መንግሥት” መንግሥቱ ሓንቲ ዝዀነት ዘልዓለማዊ ሓደ እግዚአብሔር ከም ዝበሎ። (ሠለስቱ ምእት)
በዚ ነገር እዚ ደማ ሓደን ሠለስተን ይዀኑ እዮም፡ “ሠለስቱ ህላዌ በአካላት፤ ወአሐዱ ህላዌ በመለኰት፤ ዝውእቱ ሃይማኖትነ” ብኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ሓደ ፤ እዚ እዩ እምነትና ይብል። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)
“ወአልቦ በውስተ ቅድስት ሥላሴ ግብርናት ወኢተግንዮ፤ ወኢይትሌዕል አሐዱ እምካልኡ በመለኮት ወኢያኤዝዞ አሐዱ ለካልኡ በሥልጣን ዘከመ ተላአኪ አላ ዕሩያን እሙንቱ በአሐዱ ክብር ወመለኮት”።
ኣብ ቅድስት ሥላሴ ገዛኢን ተገዛኢን የለን። ብመለኮት ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፍለ ኣይኰነን፤ ብሥልጣን’ውን ከም ለኣኺን፤ ተለኣኺን ሓደ ነቲ ሓደ ዝእዝዞ ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ብኽብርን፤ በመለኰትን ማዕረ እዮም ከም ዝበለ። (ቅዱስ ሳዊሮስ ብሃይማኖተ ኣበው)
ምሥጢረ ሥላሴ ሓደ ጊዜ ተነጊሩ ጥራይ ኣይተረፈን እንታይ ደኣ ካብ ዘመነ ኦሪት ጀሚሩ በብጊዜኡ ክንገርን ኪመሀርን ዝጸንሐ እዩ።
መጀመርታ ሥላሴ ንኣዳም ክፈጥርዎ ከለዉ “ንግበር ሰብኣ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” በሉ፡ ንግበር ማለቶም ሠለስተ ምዃኖም፡ ብመልክዕናን ብምስልናን ኢሎም ከኣ ሓደ ምዃኖም ተዛረቡ። ( ዘፍ 1፡26 ) ።
ከምኡ ደማ ንዑ ንረድ ወንክዕው ነገሮም ለከለዳውያን፡ ንዑ ንውረድ ኢሎም ሠለስትነቶም ተዛረቡ፡(ንዑ ንግበር ፤ ንዑ ንረድ እዚ እኳ ሓደ ነርባዕተ ነሓሙሽተ’ውን ክብሎም ስለ ዝከእል ናይ ሓድነቶምን ሠለስትነቶምን አይረድእን እዩ እንተ ተባህለ ካብዚ ግልጺ ዝዀነ ቓል፡) ኣነ ውእቱ እግዚአብሔር አምላኽ፤ ኢሉ ከኣ ሠለስትነቱ ገለጸ።(ዘፀ.3፡6)
ከሙ’ውን ነቢይ ዳዊት “ዐቢይ እግዚአብሔር ፤ ወዐቢይ ኃይሉ፤ ወአልቦ ኊልቊ ለጥበቢሁ”፡ (መዝ።147) ዐቢይ እግዚአብሔር ዝበሎ አብ፤ ወዐቢይ ኃይሉ ዝበሎ ወልድ፤ ወአልቦ ኊልቊ ለጢበቢሁ ዝበሎ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
ኣብ ካልእ ዓንቀጽ’ውን ከም’ዚ ይብል፡ “ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልአ ምድረ፤ ወብቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት፤ ወእምእስትንፋሰ አፍሁ ኲሉ ኃይሎሙ” ምድሪ ብይቕሬታ ብሕያውነት እግዚአብሔር አብ መልአት፤ ብኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ሰማያት ተፈጢሮም ጸንዑ፤ ብረቂቕ ሥልጣን ኣካላዊ ሕይወት መንፈስ ቅዱስ ከኣ መላእኽትን ደቂ ኣዳምን ጸንዖም ይነብሩ ኣለዉ ይብል። (መዝ.33)
ነቢይ ኢሳይያስ’ውን “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወመድረ ቅድሳተ ሰብሐቲከ፡” ቅዱስ፤ ቅዱስ፤ ቅዱስ ኢሉ ሠለስተነቶም እግዚአብሔር ኢሉ’ውን ሓደነቶም ተዛረበ። (ኢሳ.6፡3)
ከሙ’ውን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ “መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ፤ ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ” “መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ክወርድ እዩ፤ ኃይሊ ልዑል’ውን ኬጽልለኪ እዩ፡
መንፈስ ቅዱስ፤ መንፈስ ቅዱስ እዩ፤ ኃይሊ ማለት ወልድ እዩ፤ ልዑል ማለት አብ እዩ፤ (ሉቃ.1፡35) ዮሐንስ’ውን ብራእዩ “እለ ጽሑፍ ወስተ ፍጽሞሙ ስሙ፤ ወስመ አቡሁ ፤ወስመ ቅዱስ መንፈሱ” ይብል። (ራእ.14፡1)
ልዕሊ ኹሉ ድማ፣ ሽሕ ፈልጺ ፤ መእሰሪኡ ልሕጺ ከም ዝብሃል፤ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ወእንዘ ታጠምቅውሙ በሉ በስመ አብ ፤ ወወልድ ፤ ወመንፈስ ቅዱስ” ከተጠምቕዎም ከለኹም ብስም አብን ፤ ወልድን ፤ መንፈስ ቅዱስን ኣጥምቕዎም ኢሉ ሠለስትነቶም ኣረዲኡ ኣሎ።(ማቴ 28፡19)
“እመቦ ዘዕቀበ ቃልየ አነ ወአቡየ ንመጽእ ኅቤሁ ወንገብር ምዕራፈ ውስቴቱ፡ ወባሕቱ ጰራቅሊጦስ መንፈስ ጽድቅ ዘይፌኑ አብ ብስምየ ውእቱ ይሜህረክሙ ኲሉ”።
ትእዛዛተይ ዝሕሉ እንተልዩ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ ፤ ናቡኡ መጺእና መሕደር ክንገብር ኢና ምስ በለ፤ እቲ ኣቦይ ብስመይ ዝሰዶ መጽናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ኹሉ ክምህረክም እዩ ኢል ገሊጹ ኣሎ።(ዮሓ. 14፡23-26)
ይኹን ደኣ እምበር ናይ ሥላሴ ሓድነትን ሠለስትነትን ምሥጢር ናይ ፍጡር ልቢ መርሚሩ ሰለ ዘይረኽቦ “ንእመን ዘንበለ ተኃሥሦ”፡ ካብ ዝተጻሕፈልና ከይሓልፍና ብዘይምምርማር ንእመን ኢሎም ኣለዉ፡ (ሠለስቱ ምእት) “ኢንኅሥሥ ዕበያቲሁ ወኢንጠናቀቅ ምዕምቅቲሁ”፡ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ’ውን ጐይትነቱን ዕቤቱን ኣይንመራመር ይብል።
እዚኣቶም ዝበልዎ መሠረት ብምግባር ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ምምርማር ገዲፍና ዝተጽሕፈልና ጥራይ መርሚርና ተረዲእና ንስኻ ትፍልጥ ኢልና ሃይማኖትና ምስ ናይ ተግባሩ ኣጽኒዕና ኽንሕዝ ይግብኣና።
ምሥጢር ሥላሴ ካብ ብዙሕ ብውሕዱ እዚ እዩ፡
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን፣
Subscribe to:
Posts (Atom)