ሕዳር ጽዮን
መ/ብርሃነ ሕዳር 2007
★እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ :
ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፣
ሰብ ፣ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡
ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 86(87)፡5
★ጽዮን ዝብል ቃል ”ፀወነ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ እምባ መጸግዒ መኸወሊ ማለት እዩ።
እዚ ቃል እዚ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሚእትን ሓምሳን ጊዜ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያንና መምህራን ይምህሩና።
ብሓፈሻ ጽዮን ዝብል ቃል ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣርባዕተ ነገራት ወኪሉ ተጻሒፉ ይርከብ።
1,ናይ ዳዊት ከተማ
ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሰብዓን ሽዱሽተን ጊዜ ብተደጋጋሚ ጽዮን ተባሂላ ዝተጸውዐት ናይ ዳዊት ከተማ እያ። እዛ ከተማ እዚኣ ቅዱስ ዳዊት ብነቢይ ሳሙኤል ንግስነት ድሕሪ ምቕብኡ፡ ሠራዊቱ ዘስፍረላ ዝነበረ ከተማ ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ የረድኣና “ዳዊት ግና ነታ ድኃር ከተማ ዳዊት ዝተሰመየት እምባ ጽዮን ሓዛ” 2ይ ሳሙ 5፡7። ብምባል ነዛ ካብ ጸላኢ ንምክልኻል ምችእቲ ዝኾነት እምባ “ጽዮን” እንዳበለ ይጽውዓ።
ብተወሳኺ ውን ኣብ 2ይ ዜና 5፡2 ከምዚ ብምባል ጠቒስዋ ኣሎ “ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ሓላቑ ነገዳትን እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፡ ንታቦት እግዚኣብሔር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ‘ጽዮን’ ከደይብዎ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። ኣብዚ ውን እዛ “ጽዮን” ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ ናይ ዳዊት ከተማ ምዃና ብንጹር ተጻሒፍልና ኣሎ።
2,ጽርሐ ኣርያም {ሻውዓይቲ ሰማይ}
እቲ ብካልኣይ ደረጃ “ጽዮን” ንዝብል ቃል ወኪሉ ዝርከብ ክፈሊ ድማ ጽርሐ ኣርያም ወይ ድማ ሻውዓይ ሰማይ እዩ። ብቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ መሠረት እግዚኣብሔር በታ መጀመርያ መዓልቲ ሰንበት ካብ ዝፈጠሮም ሸሞንተ ሥነ ፍጥረታት፡ እዞም ዝስዕቡ ሸውዓተ ሰማያት እዮም ። ኢዮር፡ ራማ፡ ኤረር፡ሰማያዊት ኢዮርሳሌም፡ ሰማይ ውዱድ፡ መንበረ መንግሥት፡ ጽርሐ ኣርያም ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።
ካብዞም ሸውዓተ ሰማያት እቲ ልዕሊ ኵሎም ዝርከብ ሻውዓይ ሰማይ እዩ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጽዮን’ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። ነዚ ብዝምልከት ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ካብ ጽዮን ካብታ ብጽባቔኣ እተንጸባርቕ ከተማ፡ እግዚኣብሔር በሪሁ ይግለጽ ኣሎ” መዝ 50፡2። ኣብዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል እግዚኣብሔር ብሥጋድንግል ማርያም ናብዚ ምድሪ ከም ዝግለጽን ካብ ጽዮን ማለት “ጽርሐ ኣርያም” ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ክመጽእ ምዃኑን እዩ ዘረድኣና።
ቅዱስ ዮሐንስ ውን ኣብ ራእይ “ ብድሕሪ እዚ እቲ ገንሸል ኣብቲ ጽዮን ተባሂሉ ዚጽዋዕ እምባ ደው ኢሉ ረኣኹ፡ ስሙን ስም ኣቡኡን ኣብ ግምባሮም ዝተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ/144,000/ ከኣ ምስኡ ነበሩ” ራእ 14፡1 ብምባል ስለ ክርስቶስ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ሻዉዓይ ሰማይ፡ዝረኣዮ ራእይ ይነግረና።
3,ቤተ እስራኤል
ብሳልሳይ ደረጃ ጽዮን ተባሂሎም ዝጽውዑ ድማ፡ እቶም ብሥጋ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾኑ ኣይሁድ ወይ እስራኤላውያን እዮም። ኦ ኢዮርሳሌም ንእግዚኣብሔር ኣመስግኒ፡ ኦ ጽዮን ንኣምላኽኪ እልል በሊ” መዝ 147፡1። ኣብዚ ድማ “ኦ ጽዮን” ኦ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ቦታ እትነብሩ ማለቱ እዩ። እንደገና ውን “ንስኻ ክትንስእ ኢኻ ንጽዮን ውን ክትርህርኃላ ኢኻ ምሕረት እትገብረሉ ግዜ በጺሑ እዩ። ሽሕ እኳ ጽዮን እንተ ፈረሰት የፍቅርዋ እዮም፡ ሽሕ እኳ ዑና እንተኾነት ይድንግጹላ እዮም” መዝ 102፡13። ኣብዚ ድማ ደጊሙ “ንጽዮን ክትርህርሃላ ኢኻ” ማለቱ ንደቂ ጽዮን ክትርህርሃሎም ኢኻ ማለቱ እዩ።
ነቢይ ኢሳይያስ ውን “እግዚኣብሔር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ከንኵዖ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። ክሳውደን ገቲረን በዒንትን ቅምጽ እንዳበላ ብግንትእ ዝብል ኣራግጻአን፡ ብሽውሕዋሕ ዝብል ስልማት እግረን ይኸዳ ኣለዋ እሞ..” ኢሳ 4፡16 ይብል። ኣብዚ ውን ብዘየማትእ መረዳእታ ኣዋልድ “ጽዮን” ተባሂለን ዘለዋ ኣብ ጽዮን ዝቕመጣ ኣከዳድናአንን ኣራግጸአንን፡ ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ወጻኢ ዝኾነ ዝሙታዊ ምንቅስቓስ ዘርእያ ዝነበራ እስራኤላውያን እየን።
4,ድንግል ማርያም
ኣብ መወዳእታ ድማ ጸዮን ዝተባህለት እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወጽእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 “ ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5
“ኣነ ውን ንስፍራ መርገጺ እግረይ ከኽብሮ እየ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ክመጽኡ እዮም፡ ዝነዓቑኺ ኵሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ክብሉ እዮም እሞ ከተማ እግዚኣብሔር “ጽዮን” ክሰምዩኺ እዮም። ኢሳ 60፡14 ኣብዚ ውን ኢሳይያስ ጽዮን አንዳበለ ዝጽውዓ ንድንግል ማርያም እዩ።
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ክኸውን እዩ ናይ እግዚኣብሔር ቤት ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክቐውም ኣብ ልዕሊ ኮራቢት ድማ ልዕል ክብል ኵሎም ህዝቢ ውን ናብኡ ክእከቡ እዮም። ሕጊ ካብ ጽዮን ቃል እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኢዮርሳሌም ክወጽእ እዩ” ኢሳ 2፡2-3።
ዳሕረዎት መዓልታት ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝነበረ ናይ ሲኦል መከራ ዘብቅዓሉ ዘመን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ወአመ በጽሐ ዕድሜሁ ፈነወ እግዚኣብሔር ወልደ ወተወልደ እምብእሲት” ማለት “ናይ ዘመኑ ፍጻሜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ንወዱ ሰደደ ካብ ሰበይቲ “ድንግል ማርያም” ውን ተወልደ። ገላ 4፡4 “ናይ እግዚኣብሔር ቤት ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራናት ጸኒዑ ክቐውም እዩ” ማለት ናይ መለኮት ቤት መሕደሪ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኵሉ ፍጥረታት ንላዕሊ ብንጽሓ ሥጋ ንጽሓ ነፍስ ንጽሓ ልቦናን ንዘልዓለም ጸኒዓ ምንባራ ዘርኢ እዩ። ኵሎም ህዝቢ ድማ ናብ ፍትው ወድኺ ለምንልና ኣማልድልና እናበሉ ናብኣ ክመጽኡ እዮም። ካብ ጽዮን ሕጊ ካብ ኢዮርሳሌም ድማ ቃል እግዚኣብሔር ክወጽእ እዩ ዝተባህለ ድማ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሕጊ ዝሰርዐ ዋና ሕጊ ንሱ ስለ ዝኾነ ሕጊ ይብሎ። ከምኡ ውን ናይ ኣብን ናይ መንፈስ ቅዱስን ናይ ባዕሉን ቃል ስለ ዝኾነ ቃል ይብሎ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ውን ወንጌሉ ክጅምር ከሎ “ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ውን ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ” ብምባል እቲ ብመጀመርያ ዝነበረን ሕጊ ዝሰርዐን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ መስኪሩ ኣሎ ዮሐ 1፡1።
“መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳት” መሠረታ ካብቶም ቅዱሳን ኣኽራንእዩ፡ እግዚኣብሔር ካብ ኵሎም ማሕደራት ያዕቆብ’ሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ከተማ እግዚኣብሔር ብኣኺ ክቡር ነገር ክበሃል እዩ መዝ 87፡1
“እግዚኣብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ.ሞ መሕደሪኡ ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ኣብዚኣ ክነብር እየ” መዝ 132፡13
“ዘምሩ ለእግዚኣብሔር ዘየኀድር ውስተ ጽዮን” ኣብ ጽዮን ሰማያዊት ኣብ ጽዮን ምድራዊት ንዝሓድር እግዚኣብሔር ኣመስግኑ። ኣንደም
ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸን ማርያም ዝሓደረ እግዚኣብሔር ኣመስግኑ።
ስለምንታይ ኢዩ 21 ሕዳር ማርያም ጽዮን እንዳተባህለ ዝኽበር?
በዚ ዕለት ታቦተ ጽዮን ኣብ ምርኮ ኣብ ኢድ እቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ ፍሊስጤማውያን ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንዳጎን ዝተባህለ ጣኦት ናይ ፍሊስጤማውያን ሰባቢራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣረማውያን ሰባት ብርቱዕ ሕበጥን መቕዘፍን ብምውራድ ተኣምር ከም ዝገበረትን ካብ ኢድ ፍሊስጤማውያን ናብ ሃገራ ብሰላምን ብዓቢ ክብርን ከም ዝተመለሰት ንዝክር። 1ይ ሳሙ 5፡1-12 6፡1-21 እዛ ታቦት እዚኣ ድማ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ እያ። ታቦት ማለት “ቤተ ኀደረ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጽአ ኮይኑ መሕደሪ ማለት እዩ። እተን ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፋ ቃላት ኣብ ታቦት ስለ ዝሓደራ ታቦት ናይ ቃለ እግዚኣብሔር መሕደሪ እዩ። ዘጸ 25፡10-16 ቃል ዝተባህለ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ”ዮሐ 1፡1 ድሕሪ ምባል “ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣባና ሓደረ” ዮሐ 1፡14 ብምባል ዝሓደረሉን ዝተወሃሃደሉን ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ። በዚ ድማ ኢና ድንግል ማርያም ታቦት (መሕደሪ) እግዚአብሔር ንብላ። ዘማራይ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ውን “ቀደሰ ማህደረ ልዑል” ልዑል መሕደሪኡ ቀደሰ ክብል ገሊጽዋ ኣሎ።
ቀጺሉ ውን ኣብ መዝ 132፡13 “እግዚአብሔር ንጽዮን ሓረያ መሕደሪኡ ክትከውን ድማ በሃጋ” ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት (መሕደሪት) ኣምላኽ ከም ዝኾነት የነጽረልና። ብዛዕባ ትንሳኤ ጎይታን መሕደሪኡ ዝዀነት ኣዲኡን ኣብ ዝተነበየሉ ድማ ቅዱስ ዳዊት “ተንስእ እግዚኦ ኣንተ ወታቦተ መቅደስከ” ኦ ጎይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንስእ ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት ተባሂላ ከም እትጽዋዕ ደጊሙ ኣነጺርዎ ኣሎ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰንበት “ካብ ዘይነቅዝ ዕንጨይቲ ዝተቐርጸ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ዝተለበጠ “ታቦት” ብዘይ ምፍላይን ምልዋጥን ሰብ ዝኾነ ናይ እግዚአብሔር ቃል ይምሰለልና እዚ ውን ምልዋጥ ዘይብሉ ንጹሕ መለኮት እዩ….” ክብል ጽሒፍልና እዩ። በዚ ድማ ታቦተ ጽዮን ኣሕዛብ ንዘምልኽዎ ሰይጣን ዝሓደሮ (ዳጎን)ጣኦት ሰባቢራ ከም ዘጥፍኣቶ እዛ ኣማናዊት ታቦት ዝዀነት ድንግል ማርያም ድማ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ “መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወጽእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 ዝበሎ ንጎይታ ብምውላድ ኣምልዀተ ጣኦት ካብ ልቢ ደቂ ሰባት ከም ዝንቀል ጌራ እያ‘ሞ ምስ ቅዱስ ዳዊት ኮይንና “ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5 እናበልና ዓመት መጸ በዚ ዕለት’ዚ ንዝክራ።
ናይ ታቦትን ድንግል ማርያምን ንጽጽራዊ ትምህርቲ
★ታቦት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ ኢያ።
★ነታ ምሳልያዊት ታቦት ሓላዊ ኔርዋ ኢዩ፡
ነዛ ታቦት እዚ ንምሕላውን ንምግልጋልን ዝተሓጸየ “ኣሮን” ዝበሃል ካህን ነበረ።(ዘሁ 17፡1-10)
★ንድንግል ማርያም ነታ ኣማናዊት ታቦት ንምግልጋል ውን ውን ዮሴፍ ዝበሃል ሕጹይ ነበራ (ማቴ 1፡18)
★ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ንሱ ርእሳ ስለ ዝኾነ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተገልግል፡ ★ዮሴፍ ግን ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ስለ ዝተሽከመት ንድንግል ማርያም ንኸገልግላ ተንሥአ፡
★ካህን ዘካርያስ ውን ቅድስናኣ ተመልኪቱ ኣብ ቅድሚ ኣማናዊት ታቦት ኣገልገለ።
★ሙሴ እግዚአብሔር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈሎም ጽላት ተሰከመ፡
★ዮሴፍ ግን ፈጣሪ ኣብ ማሕጸና ዝተስከመት ንጽሕቲ ጽላት ሓዘ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ(ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 306-373 ዓ.ም)
★ነታ ምሳልያዊት ታቦት ንምግልጋል ዝተመርጸ ካህን ኣሮን በትሩ ካብተን ናይ 12 ነገደ እስራኤል ኣባትር ጠጢዓን ዓምቢባን ፈርያን ምስ ተረኽበት እዩ። (ዘሁ 17፡1-12)
★ነታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርያም ንምግልጋል ውን ካብቶም ኣንስቶም ዝሞትኦም 12 ሰባት ናይ 12 ነገድ ናይ ዮሴፍ በትሪ ጠጢዓ ምስ ተረኽበት ነበረ።
★ ቅዱስ ደዊት ናይ እግዚአብሔር ታቦት ናባይ ክመጽእ ከመይ ኢሉ ይኾነለይ በለ (2ይ ሳሙ 6፡9)
★ኤልሳቤጥ ድማ እታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርአም ናብ ቤታ ምስ መጸት “ኣደ ጐይታይ ንስኺ ናባይ ክትመጽኢ እዚ ካበይ ኮነለይ” በለት (ሉቃ 1፡43)
★ እታ ምሳልያዊት ታቦት ናብ ከተማ ዳዊት ምስ መጸት ዳዊት “ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚአብሔር ብታሕጓስ ዘለለ ዘመረ ድማ” (2ይ ሳሙ 6 1-14)
★እታ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ምስ ከደት ድማ “ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝነበረ ዮሐንስ ብደስታ ዘለለ” (ሉቃ 1፡41)
★ኣብ ቅድሚ ታቦት ንዝዘመረ ዳዊት ዝነዓቐቶ ሜልኮል እግዚአብሔር ማህጸና ዓጸዋ (2ይ ሳሙ 6፡23) ንታቦት ተደፋፊሩ ዝተንከፈ ዖዛ እግዚአብሔር ቀዘፎ (2ይ ሳሙ 6፡6-7)
★ነታ ኣማናዊት ታቦት ንድንግል ማርያም ሬሳኣ ከቃጽሉ ንዝፈተኑ ኣይሁድ ንሬሳኣ ብድፍረት ንዝሓዘ ተውፋንያስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ክልተ ኣእዳዉ ቆረጾ።
★†★ሎሚ ውን እንተ ኾነ ንድንግል ማርያም ዝጸርፍ ንኽብራ ዘቃልልን ዝንዕቕን አብ ርእሲኣ ናይ ትዕቢት ቃላት ዝዛረብን ከቢድ መቕጻእቲ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ።
★“እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዝዛረባ ሓሰውቲ ከናፍር ይተዓበሳ ድኣ” (መዝ 31፡18) ዝብል ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል ከነዘኻኽሮ ድማ ግድን እዩ።
★ኢትዮጵያዊ ቄርሎስ ዝተሰመየ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ውን “ዘየኽብረኪ ንልዕልናኺ ዘይሰግድን ንዘለዓለም ርጉም ኢዩ።
★ብፍጹም ልቦናኡ ዘይፈትወኪ ብዓቢ ሓሳቡ ዘየኽብረኪ ርጉም ኢዩ።
★ብከናፍሩ ዘየመስግነኪ ብልሳኑ ውን ዘይምርቐኪ ርጉም ኢዩ።
★ንክብርኺ ዘይሰግድ ንገናንነትኪ ዘይግዛእ ዕድል ፈንታኡ ጽዋእ ተርታኡ ገሃንመ እሳት ኢዩ።
★ኣቐዲሙ እዚ ቃል እዚ ብኣብርሃምን ካልኦት ቅዱሳንን ኣቢሉ እግዚአብሔር ገሊጽልና እዩ። ንኣቦና ኣብርሃም “ዝባርኹኻ ክባርኾም ዝረግሙኻ ድማ ክረግሞም እዩ” ክብል እግዚአብሔር ተዛሪብዎ ኔሩ። ስለ’ዚ ንኣብርሃም ዝባረኸ ዝባረኽ ካብ ኮነ ንድንግል ማርያም ዝባረኸ ማዕረ ክንደይ ኣዝዩ ይባረኽ ይኸውን? ንኣብርሃም ዝረገመ ዝርገም ካብ ኮነስ ንድንግል ማርያም ዝረግም ማዕረ ክንደይ ይርገም ይኸውን? እቲ ኣቢ ሊቅ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ውን “ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብሓቂ ክብርቲ ኢያ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ክስከምዎ ዘይካሉ ንዓኡ ዝተሸከመት ናታ ዕቤታ ስለ ምንታይ ዘይንእውጅ?,,,,,ንጎይታ ዘኽብር ኩሉ ንጎየታ ዝተቐደሰ መሕደሪኡ የኽብር። መሕደሪኡ ዘየኽብር (ዘቃልል) ጎይታኡ የቃልል (ኣየኽብርን) ንሳ ድንግል ዝተቐደሰ መሕደሪኡ ኢያ። ክብል ገሊጽዎ ኣሎ (ቅዱሰ ጼጲፋንዮስ 310-403)
★እታ ምሳልያዊት ታቦት ነቲ ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ ዝኾነ ዳጎን ሰባቢራ ኣጥፍኣቶ (1ይ ሳሙ 5፡1-12)
★እዛ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ግና ነቲ ኃያል ጐይታ ብምውላድ ንዲያብሎስ ኣብ መስቀል ተሳዒሩ ከም ዝእሰር ገበረት።
★እምበኣር ምሳሌ እታ ኣማነናዊት ታቦተ እግዚኣብሄር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምዃና በዚ መሰረት ውን ጽዮን ዝተባህለት ንሳ ኢያ`ሞ ፣ ምስጋና ንዓኣ ይኹን፣
ነዚ ንኽንገብር ዘብቅዓናልዑል እግዚኣብሄር
ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹን፣
ኣሜን።

No comments:
Post a Comment