28 December 2014

ቅዱስ ገብርኤል ታሕሳስ

ገብርኤል ብሂል ብእሲ ወአምላክ፣
እምኀበ እግዚአብሔር ዘተፈነወ ላእክ።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ
አሜን፣አመ ፩ወ፱ለወርኃ ታሕሳስ ተዝካረ በዓሉ ለቅዱስ ገብርኤል
ሊቀ መላእክት፣
ጸሎቱ ወበረከቱ የሃሉ ምስለ ኩልነ።

24 December 2014

መዓልታዊ ጸሎት

ጸሎት ዘዘወትር



አአትብ ገጽየ
ወኲለንታየ
በትእምርተ መስቀል፣
 አሜን።


በስመ አብ: ወወልድ: ወመንፈስ ቅዱስ: አሐዱ አምላክ :
በቅድስት ሥላሴ፣እንዘ ኣአምን ወእትመኃጸን፣ እክህደከ ሰይጣን፣
በቅድመ ዛቲ እምየቅድስት ቤተክርስቲያን፣ እንተይእቲ ስምእየ ማርያም ጽዮን፣
ለዓለመ ዓለም፣አሜን።


ነአኩተከ እግዚኦ ወንሴብሓከ፣
ንባርከከ እግዚኦ ወንትአመነከ ፣
ንስእለከ እግዚኦ ወናስተብቁዓከ ፣
ንገኒ ለከ እግዚኦ፣ ወንትቀነይ ለስምከ ቅዱስ።
ንሰግድ ለከ፣ ኦ ዘለከ፣ ይሰግድ ኩሉ ብርክ ፣
ወለከ ይትቀነይ ኩሉ ልሳን።
አንተ ውእቱ ኣምላከ ኣማልክት፣
ወእግዚኣ ኣጋእዝት ፣ወንጉሰ ነገስት፣
ኣምላክ አንተ ለኩሉ ዘሥጋ ፣ወለኩላ ዘነፍስ፣
ወንጼውኣከ ንሕነ፣ በከመ መሃረነ ቅዱስ ወልድከ ፣
እንዘ ይብል አንትሙሰ ሶበ ትጸልዩ ከመዝ በሉ።


አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ፣
ትምጻእ መንግሥትከ ፣ወይኩን ፈቃድከ ፣
በከመ በሰማይ ፣ከማሁ በምድር፣
ሲሳየነ፣ዘለለ ዕለትነ፣ሃበነ ዮም።
ኅድግ ለነ፣አበሳነ ወጌጋየነ፣
ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰ ለነ።
ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት፣
ኣላ አድኅነነ ወባልሐነ፣እምኩሉ እኩይ፣
እስመ ዚኣከ፣ይእቲ መንግሥት፣ኃይል ወስብሐት፣
ለዓለመ ዓለም፣አሜን።


በሰላመ፣ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ፣
ኦ እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ፣
 ድንግል ብኅሊናኪ ፣ወድንግል በሥጋኪ።
እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ።
ቡርክት አንቲ እምአንስት፣ ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ።
ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ።
ሰአሊ ወጸልዪ ምሕረት በእንቲኣነ፣
ኀበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ፣
ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ።

ጸሎተ ሃይማኖት
ነአምን በአሐዱአምላክ እግዚአብሔር አብ፣
አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ፣
ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ።
ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ፣
 ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ ፣
እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም።
ብርሃን ዘእምብርሃን
አምላክ ዘእምአምላክ ዘበአማን
ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ
ዘዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ።
ዘቦቱ ኩሉ ኮነ
ወዘእንበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ
ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ።
ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ
 ወረደ እምሰማያት ተሰብአ ወተሰገወ እምመንፈስ ቅዱስ
 ወእም ማርያም እምቅድስት ድንግል
ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ
በመዋዕለ ጲላጦስ ጰንጤናዊ።
ሐመ ወሞተ ወተቀበረ
ወተንሥአ እሙታን አመ ሣልስት ዕለት
በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻህፍት
 ዓርገ በስብሓት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ
ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኮንን ሕያዋነ ወሙታነ
ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ።
 ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ
እግዚእ ማኅየዊ ዘሠረጸ እም አብ
ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ
ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነብያት።
 ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን
 እንተ ላእለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋሪያት።
 ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት
ለሥርየት ሓጢኣት
 ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን
ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም።


ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ
እግዚአብሔር ጸባዖት
ፍጹም ምሉዕ
ሰማያት ወምድረ
ቅድሳተ ስብሐቲከ።

ንሰግድ ለከ ክርስቶስ
 ምስለ ኣቡከ ኄር ሰማያዊ
ወመንፈስከ ቅዱስ ማኅየዊ
እስመ መጻእከወአድኃንከነ።

 እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐተ ሰግደተ። (ሰልስተ ጊዜ በል)
እንዘ አሐዱ ሠለስቱ
ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ
 ይሤለሱ በአካላት
 ወይትዋሐዱ በመለኮት።
 እሰግድ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ።
እሰግድ ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስክርስቶስ
ዘተቀደሰ በደሙ ክቡር።
መስቀል ኃይልነ፡
መስቀል ጽንዕነ፡
መስቀል ቤዛነ፡
መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ
 አይሁድ ክሕዱ ንሕነሰ ኣመነ
ወእለ አመነ በኃይለ መስቀሉ ድኅነ።


ስብሐት ለአብ ስብሐት ለወልድ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ (ሰለስተ ግዜ በል።)
ስብሐት ለእግዘትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ፡
 ስብሐት ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ
ክርስቶስ  በምሕረቱ ይዘከረነ።
አመ ዳግም ምጽአቱ ኢያስተኅፍረነ።
ለሰብሖተ ስሙ ያንቅሀነ
ወበአምልኮቱ ያጽንአነ
እግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ አዕርጊ ጸሎተነ፣
 ወአስተሥርዪ ኩሎ ኃጢአተነ
 ቅድመ መንበሩ ለእግዚእነ
ለዘአብልዐነ ዘንተ ኅብስተ
 ወለዘአስተየነዘንተ ጽዋዓ
 ወለዘሠርዐ ለነ ሲሳየነ ወአራዘነ
ወለዘተዐገሠ ለነ ኵሎ ኃጢአተነ
ወለዘወሀበነሥጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ
 ወለዘአብጽሐነእስከ ዛቲ ሰዓት።
    ነሀብ ሎቱ ስብሐተ ወአኰቴተ ለእግዚአብሔር ልዑል
 ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር
ይትአኰት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚአብሔር ወትረ ብኵሉ ጊዜ ወበኵሉ ሰዓት።

ሰላምለኪ እንዘ ዝሰግድ ዝብለኪ።
ማርያም እምነ ናስተዘቊዐኪ።
እምአርዌ ነዓዊ ተማህፀነ ብኪ።
 በእንተሐና እምኪ ወኢያቄም አቡኪ።
 ማኅበረነ ዮም ድንግል ባርኪ።



ጸሎት እግዝእትነ ማርያም
ድንግል ወላዲተ ኣምላክ።
ታዐብዮ ነብስየ ለእግዚኣብሔር።
ወትትኃሠይ መንፈስየ በኣምላኪየ ወመድኃንየ፤
 እስመርእየ ሕማማ ለኣመቱ።
ናሁ እምይእዜሰ ያስተበፅዑኒ ኩሉ ትዉልድ።
እስመ ገብረ ሊተ ኃይለ ዐቢያተ ወቅዱስ ስሙ።
 ወሣህሉኒ ለትውልድ ትዉልድ ለእለ ይፈርህዎ።
ወገብረ ኃይለ በመዝራዕቱ፡
ወዘረዎሙ ለእለ የዐብዩ ሕሊና ልቦሙ፡
 ወነሠቶሙ ለኃያላን፣ እመናብርቲሆሙ።
ኣዕበዮሙ ለትሑታን፡ ወኣጽገቦሙ እምበረከቱ ለርኁባን፡
ወፈነዎሙ ዕራቆሙ ለብዑላን ወተወክፎ ለእስራኤል ቍልዔሁ፡
 ወተዘከረ ሣህሎ ዘይቤሎም ለኣበዊነ ለኣብርሃም
ወለዘርኡ እስከ ለዓለም።ሉቃስ ፩፡፵፮-፶፭።

ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም ኣሜን።



21 December 2014

ቅዱስ ሚካኤል

አመ ፲፪ ለታሕሳስ ቅደስ ሚካኤል መልአክ:ወቅዱስ አቡነ ሳሙኤል።
በረከቶሙ ለቅዱሳን የሃሉ ምስለ ኩልነ።

16 December 2014

ማህሌት ናይ ልደት ክርስቶስ


ናይ ልደት ዚቅ

ስርዓተ ማህሌት ዘነግህ

ሚካኤል ሊቀ መላእክት ሰአል በእንቲአነ ወቅዱስ ገብርኤል አእርግ ጸሎተነ ።

፬ቱ እንስሳ መንፈሳውያን ሰባሕያን ወመዘምራን ሰአሉ በእንቲአነ ፳ወ፬ቱ ካህናተ ሰማይኒ አዕርጉ ጸሎተነ ።

ነቢያት ወሃዋርያት ጻድቃን ወሰማዕት ሰአሉ በእንቲአነ ምስሌክሙ ከመ ይክፍለነ መክፈልተ ወርስተ ለኩልነ ።

ማሕበረ ቅዱሳን ወሰማዕት ሰአሉ በእንቲአነ መላእክተ ሰማይኒ አዕርጉ ጸሎተነ ።

ማርያም እግዝእትነ ወላዲተ አምላክ ሰአሊ በእንቲአነ እስም ረከብኪ ሞገሰ በሃበ እግዚአብሔር ።

ረከብኪ ሞገሰ መንፈሰ ቅዱሰ ወኃይለ ሰአሊ አስተምህሪ ለነ ማርያም ወልድኪ ሳህሎ ይክፍለነ ።

ኀበ ተርህወ ገነት ወሃበ ተነጽፈ እረፍት ይክፍለነ ነሃሉ ውስተ በአቶሙ ለቅዱሳን።

አቡነ ዘበሰማያት ።

ስምአኒ እግዚየ ጸሎትየ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ወይብጻህ ቅድሜከ ገአርየ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ወኢትሚጥ ገጸከ እምኔየ ። በእለተ ምንዳቤየ አጽምእ ዕዝነከ ኀቤየ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ አመ ዕለተ እጼውአከ ፍጡነ ስምአኒ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም ሃሌ ሉያ ዘውእቱ ብሂል ንወድሶ ለዘሃሎ እግዚአብሔር ልዑል ስቡህ ወውዱስ ዘሣረረ ኩሎ ዓለመ በአሐቲ ቃል ።



ዳዊት ነቢይ በከመ ጸለየ እጼሊ ኀቤከ እግዚአብሔር አምለኪየ እነዘ እብል ከመዝ ጸወንየ ወኮክሕየ ወታድኅነኒ ሊተ እምእደ ጸላእትየ ወአቃቤየ ትከውነኒ ወእትዌከል ብከ ምእመንየ ወዘመነ ፍርቃንየ ረዳእየ ወምስካይየ ወሕይወትየ ወታድኅነኒ እምእደ ገፋእየ ሃሌ ሉያ በስብሃት እጼውአከ ንጉሥየ ወአምላክየ።

ሚካኤል መልአክ ሰአል ወጸሊ በእንቲአነ ወበእንተ ነፍሰ ኩልነ መልአኪየ ይቤሎ እመላእክት ሰምሮ መልአከ ኪዳኑ ለክርስቶስ ።

ሰላም ለክሙ ማኅበረ መላእክት ትጉሃን ሰላም ለክሙ ማኅበረ ነቢያት ወጻድቃን ሰላም ለክሙ ማህበረ ሐዋርያት ፍንዋን ሰላም ለክሙ ማኅበረ ሰማእት ወጻድቃን ሰላም ለክሙ ማሕበረ ስላሴ ጉቡአን ወሰላም ለማርያም ዘእሳት ክዳኑ ።

ማሕበረ መላዕክት ወሰብእ ተአይነ ክርስቶስ ወእሙ ሰላም ለክሙ ሶበ እከስት አፉየ ለውዳሴክሙ ፍሬ ማህሌት እምልሳንየ ትቅስሙ ምስሌየ ሀልዉ ወምስሌየ ቁሙ.

ሰላም ለአብ ወለወልድ ቃሉ ወለመንፈስ ቅዱስ ሰላም ዘአካሎሙ አካሉ ለማርያም ሰላም እንተ ተሳተፈት ስብሀተ እሉ ሰላም ለመላእክት ወለማህበረ በኩር ኩሉ ጽሑፋነ መልክዕ ወስም በሰማይ ዘላእእሉ።

ሰላም ለአብ ገባሬ ኩሉ ዓለም ለወልድ ሰላም ወለመንፈስ ቅዱስ ሰላም ለማርያም ሰላም ወለመላእክት ሰላም ሰላም ለነቢያት ወለሀዋርያት ሰላም ለሰማእታት ሰላም ወለጻድቃን ሰላም።

ሰላም ለአብ ዘእምቅድመ ዓለም ነጋሲ ለወልድ ሰላም ስጋ ማርያም ለባሲ ወለመንፈስ ቅዱስ ሰላም ኀጢአተ ዓለም ደምሳሲ ኀይልየ ስላሴ ወፀወንየ ስላሴ በስመ ስላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ።

መልክአ ስላሴ

ሰላም ለአጻብኢክሙ እለ እማጽፋር ኢይትሌለዩ ለቤትክሙ ስላሴ ዘኢየሐልቅ ንዋዩ አመ አበአልክሙ ሰብአ ድህረ አንደዩ ጌጋዩ ዘኢርእዩ እምቅድመ ዮም መላእክተ ሰማይ ርእዩ ወአግብርተ ሰብእ መላእክት ተሰምዩ ።

ዚቅ
ርእይዎ ኖሎት አእኮትዎ መላዕክት ለዘተወልደ እማርያም እምቅድስት ድንግል ዮም ሰማያዊ በጎል ሰከበ ።

ሰላም ለክሙ ሚካኤል ወገብርኤል ሱራፌል ወኪሩቤል ዑራኤል ወሩፋኤል ሱርያል ወፋኑኤል አፍኒን ወራጉኤል ወሳቁአኤል ወሰላም ለቅዳሴክሙ ትጉሀነ ሰማይ ዝክሩነ በፀሎትክሙ ።

ሰላም ለክሙ ሚካኤል ወገብርኤል ሱራፌል ወኪሩቤል ዑራኤል ወሩፋኤል ሱርያል ወፋኑኤል አፍኒን ወራጉኤል ወሳቁኤል ሊቃናተ ነድ ዘሰማያዊት ማህፈድ በእንተ በግኡ እቀብዋ ለዛቲ ዓፀድ ።

ሰላም ለክሙ ሚካኤል ወገብርኤል ሱራፌል ወኪሩቤል ዑራኤል ወሩፋኤል ሱርያል ወፋኑኤል አፍኒን ወራጉኤል ወሳቁአኤል ወሰላም ለከናፍሪክሙ ከመ ትእቀቡነ ተማህፀነ ለክርስቶስ በደሙ ።

ሚካኤል ወገብርኤል ሱራፌል ወኪሩቤል እለ ትሴብህዎ መላእክተ ሰማይ ሰአሉ ለነ አስተምህሩ ለነ ቅድመ መንበሩ ለእግዚእነ ።

ሰላም ለከ ሊቀ መላእክት ሚካኤል ወዲበ ሰናይቲከ አዲ ለሰብእ ሳህል አሐዱ እምእለ ይባርክዎ ለቃል እዙዝ ዲበ ህዝብ ከመ ትተንብል በእንተ ስጋሁ ነበልባል ርእሰነ ከልል ።

ሰላም ለከ ንስረ እሳት ዘራማ ማህሌታይ ሚካኤል መአርኢረ ዜማ ለረድኤትከ ዲቤነ ሲማ ለማህበረነ ከዋላሀ እቀበ ወፍጽማ እመራደ ነኪር አጽንእ ኑሐ ወግድማ ።

ሰላም ለሚካኤል ዘነድ ሱራሁ ይትከሐን ወትረ በበምስዋኢሁ እምቅዱሳን አሐዱ እምእለ ይተግሑ ሐዋዝ በአርያም መሐልይሑ ነጎድጓደ ስበሐት ግሩመ ይደምፅ ጉህነሑ ።

ሰላም ለልሳንከ መዝሙረ ቅዳሴ ዘነበልባል ወለድምፀ ቃልከ ሐዋዝ ቀርነ መንግስቱ ለቃል ሞገሰ ክበሩ ሚከኤል ለተላፊኖስ ባእል አልቦ ዘይትማሰለከ በልማደ ምሕረት ወሳህል እንበለ ባሕቲታ እሕትከ ማርያም ድንግል ።

ንዌጥን ዝክረ ውዳሴሆሙ ለነቢያት ወሐዋርያት ለጻድቃን ወሰማእት ለአእላፍ መላእክት ዘራማ ሐይላት ለምልእተ ፀጋ ማርያም ቡርክት ወለስግው ወልዳ ነባቢ እሳት ።

ንዌጥን ዝክረ ወድሶታ ለመንፈሳዊት ርግብ ዘመና ልሁብ እምከናፍሪሀ ይወህዝ ሀሊብ ተፀውረ በማህፀና እሳት ዘኮሬብ ወኢያውአያ ነድ ወላሕብ።

ማሕፀንኪ እግዝእትየ ማርያም ይከብር ምስብኢተ እምፅርሐ አርያም ዘላእሉ ወእምኪሩቤል ትርብእተ ተ9 አውራሐ ወ5ተ እለተ ፆረ ዘኢይፀወር መለኮተ አግመረ ዘኢይትገመር እሳተ።

ሰላም ለአፉኪ አፈ በረከት ትሩፍ ወአንቀፀ ቅዱስ መፅሐፍ አማሕፅነኒ ድንግል በኪዳንኪ ውኩፍ ኢይተሐፈር ቅድመ ወልድኪ ወመላእክቲሑ አዕላፍ አመ ስርወ ልሳን ይትመተር ወይትሐተም አፍ ።

ሰላም ለዝክረ ስምኪ ዘመንክር ጣእሙ ለወልድኪ አምሳለ ደሙ መሰረተ ሕይወት ማርያም ወጥንተ መድሐኒት ዘእምቀዲሙ ኪያኪ ሰናይተ ዘፈጠረ ለቤዛ አለሙ እግዚአብአሄር ይትባረክ ወይትአኮት ስሙ ።

ዚቅ
መሰረታቲኀ ውስተ አድባር ቅዱሳን ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ ።

ነግሥ

ሰላም ለልደትከ ኦ አማኑኤል ዘቀዳሚ ወዘደሀሪ ብሉየ መዋዕል ኢየሱስ ክርስቶሰ ዘአብ ቃል ዕፎ ዕፎ አግመረተከ ድንግል ወዕፎ እንዘ አምላክ ሰከብከ በጎል ።

ዚቅ
በጎል ሰከበ በአፅርቅት ተጠብለለ ውስተ ማሕጸነ ድንግል ሐደረ ዕፎ ተሴሰየ ተሴሰየ ሀሊበ ከመ ህፃናት ።

መልክአ ኢየሱስ

ኢየሱስ ኢየሱስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሰረፅከ እምቤተ ሌዊ ኮሬባዊ መለኮታዊ ቃል ሰማያዊ እምድንግል ተወልደ ።

መልክአ ኢየሱስ
ሰላም ለዝክረ ስምከ ስመ መሐላ ዘኢይሔሱ፣ ዘአንበረ ቅድመ እግዚአብሔር በአትሮንሱ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ለዳዊት ባሕርየ ከርሱ፣ አክሊለ ስምከ እንዘ ይትቄጸል በርዕሱ፣
አህጉረ ፀር ወረሰ ኢያሱ ።
ዚቅ
ንሰብከ ወልደ እምዘርዓ ዳዊት ዘመጽዓ ወተወልደ በሥጋ ሰብእ፣ እንዘ ኢየዓርቅ እመንበረ ስብሐቲሑ፣ ውስተ ማኅጸነ ድንግል ኀደረ ፣ሥጋ ኮነ ወተወልደ ትጉሐን የዓምኑ ልደቶ፣ ወሱራፌል ይቀውሙ ዓውዶ፣ መጽአ ይቤዝወነ ውስተ ዓለም፣ የሐበነ ሰላመ ጋዳ ያበውኡ ቁርባነ ።
      (አዲ )
ወልድ ተወልደ መድኀኒነ ጥዩቀ እምዘርአ ዳዊት በቤተ ልሔም ዘይሑዳ ።

ሰላም ለአፅፋረ እዴከ ዘህበሪሆን ፀአዳ፣ በምገባር ወግእዝ እለ ይትዋሃዳ፣
ኢየሱስ ክርስቶስ ምስፍና አባሉ ለይሁዳ፣ ለመንግስትከ ሰፋኒት እንዘ ይትመሀለሉ አውዳ፣ ሰብአ ሰገል አወፈዩ ጋዳ።

ዚቅ
አንፈርአፁ ሰብአ ሰገል አምሀሆሙ አምፅኡ መድምመ ረኪቦሙ ሕጻነ ዘተወልደ ለነ ።


አቡነ ዘበሰማያት።

ስብከት ዘነግህ

ምስሌከ ቀዳማዊ በዕለተ ሀይል
በብርሀኖሙ ለቅዱሳን
ወለድኩከ እምከርስ እምቅድመ ኮከበ ፅባህ


እስመ ለአለም

ተወልደ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘየሁዳ አዋልደ ጢሮስ አሜሀ ይሰግዳ ሰብአ ሰገል እምፅኡ ሎቱ ጋዳ ወይትሀሰያ አዋልደ ይሁዳ።

ምልጣን

ሃሌ ሉያ፣ ዮም ፍስሀ ኮነ በእንተ ልደቱ ለክርስቶስ ውእቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎቱ ሰብአ ሰገል ሰገዱ ሎቱ አማን መንክር ስብሀተ ልደቱ።

ሰላም

ተሣሃልከ እግዚኦ ምድረከ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ንሰብክ ወልደ እምዘርአ ዳዊት ዘመጽአ ወተወልደ በሥጋ ሰብእ እንዘ ኢየዓርቅ እመንበረ ስብሐቲሁ ውስተ ማኅፀነ ድንግል ኃደረ ሥጋ ኮነ ወተወልደ ትጉሃን የአምኑ ልደቶ ወሱራፌል ይቀውሙ ዓውዶ መጽአ ይቤዝወነ ውስተ ዓለም የሀበነ ሰላመ ጋዳ ያበውዑ ቍርባነ።

ለእመ ኮነ ልደት በእሑድ ፦ ሃሌ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ይዕቲ ማርያም እምነ ወእሙ ለእግዚእነ ሰአሊ በእንቲአነ ሰርአ ለነ ሰንበተ ለ እረፍተ ዚአነ ፍስሐ ወሰላም ለዕለ አመነ።
ተፈጸመ ኩሉ ስርዓት ዘማህሌት።
መ/ብርሃነ ታሕሳስ 2007


03 December 2014

ሕዳር ጽዮን

ሕዳር ጽዮን

                                       መ/ብርሃነ ሕዳር 2007        



★እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ :
ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፣
ሰብ ፣ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡
ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 86(87)፡5

★ጽዮን ዝብል ቃል ”ፀወነ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ እምባ መጸግዒ መኸወሊ ማለት እዩ።
እዚ ቃል እዚ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሚእትን ሓምሳን ጊዜ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያንና መምህራን ይምህሩና።
ብሓፈሻ ጽዮን ዝብል ቃል ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣርባዕተ ነገራት ወኪሉ ተጻሒፉ ይርከብ።


1,ናይ ዳዊት ከተማ

ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሰብዓን ሽዱሽተን ጊዜ ብተደጋጋሚ ጽዮን ተባሂላ ዝተጸውዐት ናይ ዳዊት ከተማ እያ። እዛ ከተማ እዚኣ ቅዱስ ዳዊት ብነቢይ ሳሙኤል ንግስነት ድሕሪ ምቕብኡ፡ ሠራዊቱ ዘስፍረላ ዝነበረ ከተማ ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ የረድኣና “ዳዊት ግና ነታ ድኃር ከተማ ዳዊት ዝተሰመየት እምባ ጽዮን ሓዛ” 2ይ ሳሙ 5፡7። ብምባል ነዛ ካብ ጸላኢ ንምክልኻል ምችእቲ ዝኾነት እምባ “ጽዮን” እንዳበለ ይጽውዓ።
ብተወሳኺ ውን ኣብ 2ይ ዜና 5፡2 ከምዚ ብምባል ጠቒስዋ ኣሎ “ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ሓላቑ ነገዳትን እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፡ ንታቦት እግዚኣብሔር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ‘ጽዮን’ ከደይብዎ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። ኣብዚ ውን እዛ “ጽዮን” ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ ናይ ዳዊት ከተማ ምዃና ብንጹር ተጻሒፍልና ኣሎ።
2,ጽርሐ ኣርያም {ሻውዓይቲ ሰማይ}
እቲ ብካልኣይ ደረጃ “ጽዮን” ንዝብል ቃል ወኪሉ ዝርከብ ክፈሊ ድማ ጽርሐ ኣርያም ወይ ድማ ሻውዓይ ሰማይ እዩ። ብቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ መሠረት እግዚኣብሔር በታ መጀመርያ መዓልቲ ሰንበት ካብ ዝፈጠሮም ሸሞንተ ሥነ ፍጥረታት፡ እዞም ዝስዕቡ ሸውዓተ ሰማያት እዮም ። ኢዮር፡ ራማ፡ ኤረር፡ሰማያዊት ኢዮርሳሌም፡ ሰማይ ውዱድ፡ መንበረ መንግሥት፡ ጽርሐ ኣርያም ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።
ካብዞም ሸውዓተ ሰማያት እቲ ልዕሊ ኵሎም ዝርከብ ሻውዓይ ሰማይ እዩ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጽዮን’ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። ነዚ ብዝምልከት ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ካብ ጽዮን ካብታ ብጽባቔኣ እተንጸባርቕ ከተማ፡ እግዚኣብሔር በሪሁ ይግለጽ ኣሎ” መዝ 50፡2። ኣብዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል እግዚኣብሔር ብሥጋድንግል ማርያም ናብዚ ምድሪ ከም ዝግለጽን ካብ ጽዮን ማለት “ጽርሐ ኣርያም” ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ክመጽእ ምዃኑን እዩ ዘረድኣና።
ቅዱስ ዮሐንስ ውን ኣብ ራእይ “ ብድሕሪ እዚ እቲ ገንሸል ኣብቲ ጽዮን ተባሂሉ ዚጽዋዕ እምባ ደው ኢሉ ረኣኹ፡ ስሙን ስም ኣቡኡን ኣብ ግምባሮም ዝተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ/144,000/ ከኣ ምስኡ ነበሩ” ራእ 14፡1 ብምባል ስለ ክርስቶስ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ሻዉዓይ ሰማይ፡ዝረኣዮ ራእይ ይነግረና።
3,ቤተ እስራኤል
ብሳልሳይ ደረጃ ጽዮን ተባሂሎም ዝጽውዑ ድማ፡ እቶም ብሥጋ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾኑ ኣይሁድ ወይ እስራኤላውያን እዮም። ኦ ኢዮርሳሌም ንእግዚኣብሔር ኣመስግኒ፡ ኦ ጽዮን ንኣምላኽኪ እልል በሊ” መዝ 147፡1። ኣብዚ ድማ “ኦ ጽዮን” ኦ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ቦታ እትነብሩ ማለቱ እዩ። እንደገና ውን “ንስኻ ክትንስእ ኢኻ ንጽዮን ውን ክትርህርኃላ ኢኻ ምሕረት እትገብረሉ ግዜ በጺሑ እዩ። ሽሕ እኳ ጽዮን እንተ ፈረሰት የፍቅርዋ እዮም፡ ሽሕ እኳ ዑና እንተኾነት ይድንግጹላ እዮም” መዝ 102፡13። ኣብዚ ድማ ደጊሙ “ንጽዮን ክትርህርሃላ ኢኻ” ማለቱ ንደቂ ጽዮን ክትርህርሃሎም ኢኻ ማለቱ እዩ።
ነቢይ ኢሳይያስ ውን “እግዚኣብሔር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ከንኵዖ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። ክሳውደን ገቲረን በዒንትን ቅምጽ እንዳበላ ብግንትእ ዝብል ኣራግጻአን፡ ብሽውሕዋሕ ዝብል ስልማት እግረን ይኸዳ ኣለዋ እሞ..” ኢሳ 4፡16 ይብል። ኣብዚ ውን ብዘየማትእ መረዳእታ ኣዋልድ “ጽዮን” ተባሂለን ዘለዋ ኣብ ጽዮን ዝቕመጣ ኣከዳድናአንን ኣራግጸአንን፡ ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ወጻኢ ዝኾነ ዝሙታዊ ምንቅስቓስ ዘርእያ ዝነበራ እስራኤላውያን እየን።
4,ድንግል ማርያም


ኣብ መወዳእታ ድማ ጸዮን ዝተባህለት እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወጽእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 “ ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5
“ኣነ ውን ንስፍራ መርገጺ እግረይ ከኽብሮ እየ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ክመጽኡ እዮም፡ ዝነዓቑኺ ኵሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ክብሉ እዮም እሞ ከተማ እግዚኣብሔር “ጽዮን” ክሰምዩኺ እዮም። ኢሳ 60፡14 ኣብዚ ውን ኢሳይያስ ጽዮን አንዳበለ ዝጽውዓ ንድንግል ማርያም እዩ።
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ክኸውን እዩ ናይ እግዚኣብሔር ቤት ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክቐውም ኣብ ልዕሊ ኮራቢት ድማ ልዕል ክብል ኵሎም ህዝቢ ውን ናብኡ ክእከቡ እዮም። ሕጊ ካብ ጽዮን ቃል እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኢዮርሳሌም ክወጽእ እዩ” ኢሳ 2፡2-3።
ዳሕረዎት መዓልታት ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝነበረ ናይ ሲኦል መከራ ዘብቅዓሉ ዘመን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ወአመ በጽሐ ዕድሜሁ ፈነወ እግዚኣብሔር ወልደ ወተወልደ እምብእሲት” ማለት “ናይ ዘመኑ ፍጻሜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ንወዱ ሰደደ ካብ ሰበይቲ “ድንግል ማርያም” ውን ተወልደ። ገላ 4፡4 “ናይ እግዚኣብሔር ቤት ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራናት ጸኒዑ ክቐውም እዩ” ማለት ናይ መለኮት ቤት መሕደሪ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኵሉ ፍጥረታት ንላዕሊ ብንጽሓ ሥጋ ንጽሓ ነፍስ ንጽሓ ልቦናን ንዘልዓለም ጸኒዓ ምንባራ ዘርኢ እዩ። ኵሎም ህዝቢ ድማ ናብ ፍትው ወድኺ ለምንልና ኣማልድልና እናበሉ ናብኣ ክመጽኡ እዮም። ካብ ጽዮን ሕጊ ካብ ኢዮርሳሌም ድማ ቃል እግዚኣብሔር ክወጽእ እዩ ዝተባህለ ድማ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሕጊ ዝሰርዐ ዋና ሕጊ ንሱ ስለ ዝኾነ ሕጊ ይብሎ። ከምኡ ውን ናይ ኣብን ናይ መንፈስ ቅዱስን ናይ ባዕሉን ቃል ስለ ዝኾነ ቃል ይብሎ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ውን ወንጌሉ ክጅምር ከሎ “ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ውን ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ” ብምባል እቲ ብመጀመርያ ዝነበረን ሕጊ ዝሰርዐን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ መስኪሩ ኣሎ ዮሐ 1፡1።
“መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳት” መሠረታ ካብቶም ቅዱሳን ኣኽራንእዩ፡ እግዚኣብሔር ካብ ኵሎም ማሕደራት ያዕቆብ’ሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ከተማ እግዚኣብሔር ብኣኺ ክቡር ነገር ክበሃል እዩ መዝ 87፡1
“እግዚኣብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ.ሞ መሕደሪኡ ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ኣብዚኣ ክነብር እየ” መዝ 132፡13
 “ዘምሩ ለእግዚኣብሔር ዘየኀድር ውስተ ጽዮን” ኣብ ጽዮን ሰማያዊት ኣብ ጽዮን ምድራዊት ንዝሓድር እግዚኣብሔር ኣመስግኑ። ኣንደም
ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸን ማርያም ዝሓደረ እግዚኣብሔር ኣመስግኑ።
ስለምንታይ ኢዩ 21 ሕዳር ማርያም ጽዮን እንዳተባህለ ዝኽበር?
በዚ ዕለት ታቦተ ጽዮን ኣብ ምርኮ ኣብ ኢድ እቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ ፍሊስጤማውያን ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንዳጎን ዝተባህለ ጣኦት ናይ ፍሊስጤማውያን ሰባቢራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣረማውያን ሰባት ብርቱዕ ሕበጥን መቕዘፍን ብምውራድ ተኣምር ከም ዝገበረትን ካብ ኢድ ፍሊስጤማውያን ናብ ሃገራ ብሰላምን ብዓቢ ክብርን ከም ዝተመለሰት ንዝክር። 1ይ ሳሙ 5፡1-12 6፡1-21 እዛ ታቦት እዚኣ ድማ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ እያ። ታቦት ማለት “ቤተ ኀደረ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጽአ ኮይኑ መሕደሪ ማለት እዩ። እተን ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፋ ቃላት ኣብ ታቦት ስለ ዝሓደራ ታቦት ናይ ቃለ እግዚኣብሔር መሕደሪ እዩ። ዘጸ 25፡10-16 ቃል ዝተባህለ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ”ዮሐ 1፡1 ድሕሪ ምባል “ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣባና ሓደረ” ዮሐ 1፡14 ብምባል ዝሓደረሉን ዝተወሃሃደሉን ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ። በዚ ድማ ኢና ድንግል ማርያም ታቦት (መሕደሪ) እግዚአብሔር ንብላ። ዘማራይ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ውን “ቀደሰ ማህደረ ልዑል” ልዑል መሕደሪኡ ቀደሰ ክብል ገሊጽዋ ኣሎ።
 ቀጺሉ ውን ኣብ መዝ 132፡13 “እግዚአብሔር ንጽዮን ሓረያ መሕደሪኡ ክትከውን ድማ በሃጋ” ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት (መሕደሪት) ኣምላኽ ከም ዝኾነት የነጽረልና። ብዛዕባ ትንሳኤ ጎይታን መሕደሪኡ ዝዀነት ኣዲኡን ኣብ ዝተነበየሉ ድማ ቅዱስ ዳዊት “ተንስእ እግዚኦ ኣንተ ወታቦተ መቅደስከ” ኦ ጎይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንስእ ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት ተባሂላ ከም እትጽዋዕ ደጊሙ ኣነጺርዎ ኣሎ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰንበት “ካብ ዘይነቅዝ ዕንጨይቲ ዝተቐርጸ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ዝተለበጠ “ታቦት” ብዘይ ምፍላይን ምልዋጥን ሰብ ዝኾነ ናይ እግዚአብሔር ቃል ይምሰለልና እዚ ውን ምልዋጥ ዘይብሉ ንጹሕ መለኮት እዩ….” ክብል ጽሒፍልና እዩ። በዚ ድማ ታቦተ ጽዮን ኣሕዛብ ንዘምልኽዎ ሰይጣን ዝሓደሮ (ዳጎን)ጣኦት ሰባቢራ ከም ዘጥፍኣቶ እዛ ኣማናዊት ታቦት ዝዀነት ድንግል ማርያም ድማ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ “መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወጽእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 ዝበሎ ንጎይታ ብምውላድ ኣምልዀተ ጣኦት ካብ ልቢ ደቂ ሰባት ከም ዝንቀል ጌራ እያ‘ሞ ምስ ቅዱስ ዳዊት ኮይንና “ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5 እናበልና ዓመት መጸ በዚ ዕለት’ዚ ንዝክራ።
ናይ ታቦትን ድንግል ማርያምን ንጽጽራዊ ትምህርቲ
★ታቦት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ ኢያ።
★ነታ ምሳልያዊት ታቦት ሓላዊ ኔርዋ ኢዩ፡
ነዛ ታቦት እዚ ንምሕላውን ንምግልጋልን ዝተሓጸየ “ኣሮን” ዝበሃል ካህን ነበረ።(ዘሁ 17፡1-10)
★ንድንግል ማርያም ነታ ኣማናዊት ታቦት ንምግልጋል ውን ውን ዮሴፍ ዝበሃል ሕጹይ ነበራ (ማቴ 1፡18)
★ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ንሱ ርእሳ ስለ ዝኾነ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተገልግል፡ ★ዮሴፍ ግን ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ስለ ዝተሽከመት ንድንግል ማርያም ንኸገልግላ ተንሥአ፡
★ካህን ዘካርያስ ውን ቅድስናኣ ተመልኪቱ ኣብ ቅድሚ ኣማናዊት ታቦት ኣገልገለ።
★ሙሴ እግዚአብሔር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈሎም ጽላት ተሰከመ፡
★ዮሴፍ ግን ፈጣሪ ኣብ ማሕጸና ዝተስከመት ንጽሕቲ ጽላት ሓዘ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ(ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 306-373 ዓ.ም)
★ነታ ምሳልያዊት ታቦት ንምግልጋል ዝተመርጸ ካህን ኣሮን በትሩ ካብተን ናይ 12 ነገደ እስራኤል ኣባትር ጠጢዓን ዓምቢባን ፈርያን ምስ ተረኽበት እዩ። (ዘሁ 17፡1-12)
★ነታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርያም ንምግልጋል ውን ካብቶም ኣንስቶም ዝሞትኦም 12 ሰባት ናይ 12 ነገድ ናይ ዮሴፍ በትሪ ጠጢዓ ምስ ተረኽበት ነበረ።
★ ቅዱስ ደዊት ናይ እግዚአብሔር ታቦት ናባይ ክመጽእ ከመይ ኢሉ ይኾነለይ በለ (2ይ ሳሙ 6፡9)
★ኤልሳቤጥ ድማ እታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርአም ናብ ቤታ ምስ መጸት “ኣደ ጐይታይ ንስኺ ናባይ ክትመጽኢ እዚ ካበይ ኮነለይ” በለት (ሉቃ 1፡43)
★ እታ ምሳልያዊት ታቦት ናብ ከተማ ዳዊት ምስ መጸት ዳዊት “ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚአብሔር ብታሕጓስ ዘለለ ዘመረ ድማ” (2ይ ሳሙ 6 1-14)
★እታ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ምስ ከደት ድማ “ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝነበረ ዮሐንስ ብደስታ ዘለለ” (ሉቃ 1፡41)

★ኣብ ቅድሚ ታቦት ንዝዘመረ ዳዊት ዝነዓቐቶ ሜልኮል እግዚአብሔር ማህጸና ዓጸዋ (2ይ ሳሙ 6፡23) ንታቦት ተደፋፊሩ ዝተንከፈ ዖዛ እግዚአብሔር ቀዘፎ (2ይ ሳሙ 6፡6-7)
★ነታ ኣማናዊት ታቦት ንድንግል ማርያም ሬሳኣ ከቃጽሉ ንዝፈተኑ ኣይሁድ ንሬሳኣ ብድፍረት ንዝሓዘ ተውፋንያስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ክልተ ኣእዳዉ ቆረጾ።
★†★ሎሚ ውን እንተ ኾነ ንድንግል ማርያም ዝጸርፍ ንኽብራ ዘቃልልን ዝንዕቕን አብ ርእሲኣ ናይ ትዕቢት ቃላት ዝዛረብን ከቢድ መቕጻእቲ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ።
★“እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዝዛረባ ሓሰውቲ ከናፍር ይተዓበሳ ድኣ” (መዝ 31፡18) ዝብል ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል ከነዘኻኽሮ ድማ ግድን እዩ።
★ኢትዮጵያዊ ቄርሎስ ዝተሰመየ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ውን “ዘየኽብረኪ ንልዕልናኺ ዘይሰግድን ንዘለዓለም ርጉም ኢዩ።
★ብፍጹም ልቦናኡ ዘይፈትወኪ ብዓቢ ሓሳቡ ዘየኽብረኪ ርጉም ኢዩ።
★ብከናፍሩ ዘየመስግነኪ ብልሳኑ ውን ዘይምርቐኪ ርጉም ኢዩ።
★ንክብርኺ ዘይሰግድ ንገናንነትኪ ዘይግዛእ ዕድል ፈንታኡ ጽዋእ ተርታኡ ገሃንመ እሳት ኢዩ።
★ኣቐዲሙ እዚ ቃል እዚ ብኣብርሃምን ካልኦት ቅዱሳንን ኣቢሉ እግዚአብሔር ገሊጽልና እዩ። ንኣቦና ኣብርሃም “ዝባርኹኻ ክባርኾም ዝረግሙኻ ድማ ክረግሞም እዩ” ክብል እግዚአብሔር ተዛሪብዎ ኔሩ። ስለ’ዚ ንኣብርሃም ዝባረኸ ዝባረኽ ካብ ኮነ ንድንግል ማርያም ዝባረኸ ማዕረ ክንደይ ኣዝዩ ይባረኽ ይኸውን? ንኣብርሃም ዝረገመ ዝርገም ካብ ኮነስ ንድንግል ማርያም ዝረግም ማዕረ ክንደይ ይርገም ይኸውን? እቲ ኣቢ ሊቅ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ውን “ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብሓቂ ክብርቲ ኢያ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ክስከምዎ ዘይካሉ ንዓኡ ዝተሸከመት ናታ ዕቤታ ስለ ምንታይ ዘይንእውጅ?,,,,,ንጎይታ ዘኽብር ኩሉ ንጎየታ ዝተቐደሰ መሕደሪኡ የኽብር። መሕደሪኡ ዘየኽብር (ዘቃልል) ጎይታኡ የቃልል (ኣየኽብርን) ንሳ ድንግል ዝተቐደሰ መሕደሪኡ ኢያ። ክብል ገሊጽዎ ኣሎ (ቅዱሰ ጼጲፋንዮስ 310-403)
★እታ ምሳልያዊት ታቦት ነቲ ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ ዝኾነ ዳጎን ሰባቢራ ኣጥፍኣቶ (1ይ ሳሙ 5፡1-12)
★እዛ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ግና ነቲ ኃያል ጐይታ ብምውላድ ንዲያብሎስ ኣብ መስቀል ተሳዒሩ ከም ዝእሰር ገበረት።
★እምበኣር ምሳሌ እታ ኣማነናዊት ታቦተ እግዚኣብሄር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምዃና በዚ መሰረት ውን ጽዮን ዝተባህለት ንሳ ኢያ`ሞ ፣ ምስጋና ንዓኣ ይኹን፣
ነዚ ንኽንገብር ዘብቅዓናልዑል እግዚኣብሄር
ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹን፣

ኣሜን።