27 January 2015

ኣስተርእዮ ጥሪ/ዕረፍታ ለማርያም/

ጊዜ ዕረፍታ ለማርያም :ጊዜ(3)ዕረፍታ ለማርያም/2/፣
ወረደ ወልድ:ዲበ እምዲበ ልዕልና ወረደ/2/፣
ኣስተርእዮ ዝብል ስያሜ ካብቲ ኣስተርኣየ ዝብል ቃል ዝመንጨወ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ገለጸ ማለት ኢዩ፣
† ካብ ልደት /29 ታኅሳስ/ ክሳብ መእተዊ ዓቢይ ጾም ዘሎ እዋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘመነ አስተርእዮ (ዘመን ምግላጽ) ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን እዚ 
† ኣምላኽ ብሥጋ ዝተገልጸሉን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ዝተወልደሉን ንዓለም ዝተጋህደሉን=ልደቱ፣
† ብትሕትና ክብሩ ዝገለጸሉን ሓድነት ሠለስትነት ሥላሴ ዝተጋህደሉን=ጥምቀቱ፣ እናዘከርና ኣብዚ ምድሪ ብጸቢብ ደረት ብሓጺር ቁመት ተወሲኑ ንዝተመላለሰሉን፡ ብትምህርቱን ተኣምራቱን ንደቂ ሰባት ዝመሃረሉን ዘርኣየሉን፡ መንነቱ ድማ ዘግሃደሉን መንክር ግብርታቱ ስለእንዝክር ኣስተርእዮ ንብሎ። ቅዱስ ዳዊትን ነዚ ምግላጽ ኣቐዲሙ ብትንቢቱ ክገልጽ ከሎ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ” ኢሉ ነይሩ መዝ. ፻፲፯፥፳፯። 
እምበኣር ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ታሪኽ ካብ ልደታ ክሳብ ዕረፍታ ከምዚ ዚስዕብ ኢዩ።
† ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ እዚ 3 ዓመት ኣብ ቤት ኣቦኣን ኣዴኣን ድኅሪ ምጽናሓ ጓል መብጽዓ ስለዝኾነት ናብ ቤተ መቕደስ ወሰድዋ፡ ኣብ ቤት መቅደስ ድማ 12 ዓመት ብቅድስና ጸንሐት። 
ኣብ መበል 15 ዓመታ ቅዱስ ገብርኤል ኣበሰራ “መሬት ብዘይ ዘርኢ፡ ሰበይቲ ከኣ ብዘይ ሰብኣይ ” ከመይ ኢሉ ይኸውን ምስ በለቶ “ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን” ዝብል ምላሽ ምርካባ ድማ “ከም ቃልካ ይኹነኒ” ኢላ ምቕባላን ኣምላኽ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ድማ ነፍሲ ወሲዱ ኣብ ማኅጸና ናይ ዕለት ጽንሲ ኮይኑ ተጸንሰ።
በዚ ምኽንያት ድማ ተዋሃሃደ/ተዋህዶ/ዝብል ቃል እምበኣር ካብዚ ይብገስ። ንማኅጸና ከተማ ገይሩ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ጸኒሑ ድኅሪ ምውላዱ ድማ ንጐይታ ከም ቆልዓ እናኣጥበወት፡ እናሓቈፈት፡ እናሓዘለት ኣዕብያቶ። ብሓፈሻ 33ዓመትን 3 ወርሕን ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከይተፈልየት ካብ ልደት ኣብ ቤተ ልሔም ክሳብ ስቕለት ኣብ ቀራንዮ ከርተት ኢላ እያ። 
ብዘይካ እዚ'ውን ድኅሪ ዕርገት ጐይታ 15 ዓመት እቲ ብዕለተ ዓርቢ ብዝረኣየቶ ስቕለቱ ሓዘና ካብ ልባ ከይወጸ ክትሓዝን ክትትክዝ 15 ዓመት ኣብ ቤት ዮሓንስ ወልደ ዘብዴዎስ/ወልደነጎድጓድ/ፍቁረ እግዚእ/ ተቐሚጣ እያ።  ብኸምዚ መገዲ ኣብዚ ዓለም 63 ዓመት ድኅሪ ምንባራ ኣብ መበል 64 ዓመታ ብ 21 ጥሪ ካብዚ ሓላፊ ዝኾነ ዓለም ብ48 ዓ.ም.  ናብ’ቲ ዘይሓልፍ ሰመያዊ ጸጋ ዚበዝሖ ዘይሓልፍ መንግስተ ጽድቒ  ናብ ወዳ ዚከደትሉ እዩ ።ኣዴና ቕድስት ድንግል ማርያም  ኣብ’ዚ ዓለም እዚ ን64 ዓመታት እያ ብሕይወት ጸኒሓ  በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዕለት ውን ዓረፈት ናይ ስጋ ሞት ሞተት::
ከምቲ “ ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ፥ 
ሞታ ለድንግል ይአጽብ ለኩሉ” ዝተባህለ፣ እዚ ድማ ኣዴና ቕድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ እትኣክል  ነቲ ሰማይን ምድርን ዚፈጠረ  ኣምላኽ ዚወለደት ክንሳ ግና ሞት ሞተት፣ምስ ሞተት ሓዋርያት ክቀብርዋ ኢሎም ተሰኪሞማ እናኸዱ እንከለዉ ኣይሁድ መጽዮም ተቓወምዎም ንሱ ከኣ ፥ ትማሊ ትማሊ /ቅድሚ ቅሩብ ዘመናት/ወዳ ( ኢየሱስ ክርስቶስ ) ተንሲኡ ኢሎም ሰቢኾምን  ምሂሮምን ስምናን ግብርናን ኣኽፊኦምና እዮም እሞ ሕጂ እውን  ንሳ ከኣ ተንሲኣ እናበሉ ክምህሩ እዮም እሞ ንሬስኣ ነሕድጎም እሞ ነቓጽሎ ብምባል ክፋእ ብምሕሳብ ነቲ ነገር ንምፍጻም ከኣ ንሓደ ታውፍንያ ዝተባህለ ጎበዝ ሰዲዶም ንሬሳ እግዚእትነ ድንግል ማርያም ንኸምጽእ ለኣኽዎ ፥ ንሱ ድማ ከምቲ ልኡኹን ከምቲ ጉብዝንኡ ዝተኣማመኖ ብሓይሊ ሬሳ እግዚእትነ ድንግል ወላዲት ኣምላኽ ምእንቲ ኪወሲድ (ኪግምጥል) ኢሉ ነቲ ዓራት ናይ እግዚእትነ  ዝነበረቶ ብየኣዳዉ ሓዞ እሞ ፥ ካብኡ መልኣኽ እግዚኣብሔር  መጽዩ የእዳዉ ብሴፍ ቖረጾ (ቐዘፎ ) ፥ ካብኡ ኣቲ መንእሰይ በቲ ዘጋጠሞ ነገር ሰንበደን ናብ ሓዋርያት እናለመነ ብዙሕ በኸየን ሽዑ ቕዱስ ጴጥሮስ ንእግዚእትነ ድንግል ማርያም ኢኻ ዝደፈርካ እሞ ንዓኣ ለምና እሞ ክትምልሰልካ እያ (ከተሕውየካ እያ በሎ )ከምኡ ድማ ገበረ፥
 ብቕጽበት ድማ የእዳዉ ከምተን ዚነበርአን ተመልሳ /ተዓረያ/ ፥ካብኡ  ጐይታናን መድሓኒናን ባዕሉ ንሬሳ እግዚእትነ ድንግል ማርያም  ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደነጎድጓድ ጌይሩ ናብ ዕጸ ገነት ወሰዶም ኣብኡ ድማ ን6 ወርሒን 3 ሰሙንን ዝኣኽል ተቐመጡ ።
ብድሕሪኡ ድማ ብ14 ነሓሰ ንኽቐብርዋ ንሓዋርያት ሃቦም ብ14 ነሓሰ ድማ ቐበርዋ ድሕሪ 2 መዓልቲ ማለት ብ16 ነሓሰ ከኣ ኣዴና  ናብ ሰማይ ዓረገት ፥ እዚ ከኣ  ብቕድስት ቤተክርስቲያንና  ፍልሰታ  ይበሃል።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ወላዲት አምላክ ምስ ኩሉ ህዝበ ክርስትያን ይኹን።ኣሜን።
 Brhane january2015



16 January 2015

ርሑስ በዓል ጥምቀት 2015 ዓ/ም

መኑ ይወርድ ውስተ ቀላይ:ውስተ ቀላይ ክርስቶስ ውእቱ/2/
፩ዱ እሙንቱ ፫ቲሆሙ ፩ዱ ውእቱ።/2/

ሽዑ ጐይታ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ/ማቴ.3፡13-17/

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መምህር ትሕትና ስለ ዝኾነ ትሕትና ኽምህር: ፈጣሪ ኽነሱ ብፍጡሩ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ ኮነ ትምህርትን ስብከትን ቅድሚ ምጅማሩ ክጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ከምዚ’ሉ ናብ ዮርዳኖስ ምምጽኡ ትንቢት ንምፍጻም፡ ትሕትና ንምርኣይ፡ ማያት ንምቕዳስ፡ መርገም ንምድምሳስ ኢዩ።ከምዚ ኢሉ ጐይታ ክጥመቕ ከሎ ሰማይ ተኸፊቱ፡ 
መንፈስ ቅዱስ በምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ዓለበ፡ እነሆ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ” ዝብል ድምጺ ድማ ተሰምዐ። እዚ ኸኣ ሰማይ ተኸፍተ ዝተባህለ ሰማይ ዝኽፈትን ዝዕጾን ኮይኑ ዘይኮነስ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምሥጢር ተራእየ። እቲ ዝተራእየ ምሥጢራት ከኣ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ በምሳል ርግቢ ኣብ ርእሱ ክዓልብ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ካብ ሰማይ ድምጺ ከስምዕ፡ ንሱ ንባዕሉ ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ባሕሪ ደው ኢሉ ክጥመቕ፡ ኣምላኽነቱ ሠለስትነቱ ተገልጸ።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር አሜን፣



ቅድስቲ ኣርሴማ


ቅድስቲ ኣርሴማ፣ ካብ ፈራህያነ እግዚኣብሔርን ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲኖም ብንጽህና ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ወገን ዝኾነ ኣቦኣ ቅዱስ ቴዎድሮስን ካብ ኣዲኣ ቅድስቲ ኣትናስያን ብመብጽዓ ኣብ ሃገረ ግብፂ ተወሊዳ። ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ካብ ህጻንነታ ኣትሒዛ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ተማሂራ ዝዓበየት ክትከዉን እንከላ ዝተማህረቶ ብግብሪ እናተርጎመት ከምኡ'ዉን እቲ ቃል እግዚኣብሔር ዝእዝዞ ነገራት እናፈጸመትን ኩሉ ግዜ ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲና ትጋደልን ንእግዚኣብሔር ተገልግልን ከምዝነበረት መጽሓፍ ገድላ ይገልጸልና።
በዚ ግዜ እዚ ድርጣድስ ዝበሃል ኣረማዊ ከሓዲ፡ ንጣዖት ዝስግድ፡ ኣብ ፀሓይ ዘምልኽን ንእግዚኣብሔር ዘይኣምንን ንክርስቲያናት ድማ ነቲ ኣነ ዘምልኾ ጣዖት ክትሰግዱ ኣለኩም እንዳበለ ዘሳቅዮም ዝነበረ ንጉሥ ኣብ ኣርመን (ኣርመንያ) ነጊሡ ነበረ።
  ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
"ንኣታቶምን ንኣሕዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸዉን ብኣይ ምኽንያት ምእንታይ ናብ መኳንንትንን ናብ ነገስታትን ክትወስዱ ኢኹም።"ማቴ10:18 ዝበሎ ቃል ብምዝካር ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት (ኣብ 20 ዓመት ዕድሜኣ) ኣብ ሃይማኖታ ጸኒዓ እዚ ዓለምን ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወታት ኃላፊ ምዃኑ ኣሚናን ቃለ ወንገል ዘኪራን ናይዚ ከሓዲ ንጉሥ እከይ ግብሩ ብምስትውዓል ምእንቲ ስም ክርስቶስ ምስ ዝሳቀዩ ወገናት ከም መራሒት ብምዃን ስለ ክርስቶስ ኣምላኽ እናመስከረት ትነብር ነበረት።
እቶም ብዘይካ ንቅዱስን ምቅታልን ምስቃይን፡ ካልእ ሥራሕ ዘይብሎም ናይ ንጉሥ ደርጣድስ ወተሃደራት፡ ቅድስቲ ኣርሴማ ምእንተ ስመ ክርስቶስ ሰማዕት ክትከዉን ድልዉቲ ምህላዋ ምስ ፈለጡ ብመልክዕኣ፡ ግርማኣን ብትብዓት ዘለዎ ዘረባኣን ተገሪሞም እዚኣ ትመስል ጽብቕትን ግርምትን፡ ካብ ንስይፋ ናብ ንጉሥ ምዉሳድ ይሓሸና ኢሎም ምሳ ምስ ዝነብበራ ቅዱሳን ደናግል ናብቲ ንጉሥ ወሰዱዋ።
ንጉስ ድርጣድስ ድማ ነዛ ወተሃደራት ዘምጽኡሉ ቅድስትን ጻድቕን ሰማዕት ምስ ረኣያ፡ ብመልክዓን ግርማኣን ተማሪኹ ንዓለማዊ ሓጎሱን ሥጋዊ ድሌቱን ተመነያ፡ ኣብ ጣዖት ኣስጊዱ ንክምርዓዋ ድማ በሃገ። መርዓቱ ክትኾኖ ድማ ብዙሕ ለመና። ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት ግና ነቲ ንጉሥ ኣዚያ ነዓቀቶን ፈንፈነቶን።" ኣነ ናይቲ ሰማያዊ ንጉሥ ንዝኾነ ክርስቶስ መርዓት እየ። ናይ'ዚ ኃላፊ ዓለምን ጠፋኢ ናይ ዝኾነ ገንዘብን ሓጎስን ዝደሊን ዝምነይን ኣይኮንኩን" ብምባል መለሰትሉ።
ንጉስ ደርጣድስ ድማ ከምዚ ዝበለ መልሲ ካብ ቅድስቲ ኣርሴማ ብምስምዑ ብጣዕሚ ተቆጥዐ።ቅድስቲ ኣርሴማ ስለ ዝነዓቀቶ ድማ ኣዝዩ ተበሳጨወ፥ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣናብስ ክፍንዉላ ኣዘዞም።(ዳኒ.6፥16-22) እቶም ኣናብስ ንቅድስቲ ኣርሴማ ምስ ረኣዩዋ ኣብ እግራ ወዲቆም ሰገዱላን ለሓስዋን። ገጾም ናብቶም ወተሃደራት ብምቅናዕ ድማ ኣባረርዎም።(ዳን.6፥2-4)እቲ ከሓዲ ንጉሥ ነዚ ምስ ረኣየ ካብ መጠን ንላዕሊ ተበሳጨወ። ኣብ ዕጽዉ ገዛ ብጥሜት ንኽሞታ ደማ ኣዘዘ። ልዑለ ብሕሪ እግዚኣብሔር ግና ነቲ ዕጹዉ ቤት ብርሃን ብምብራህ ዝበልዕኦ መግቢ ብመሶብ፡ ዝሰትይኦ ድማ ብጽዋዕ ጌሩ ካብ ሰማይ ኣዉሪዱ መገበን። ካብቲ ዕጽዉ ቤት ኣዉጺኡ ድማ ናብ እቶን እሳት ደርበየን፡ ንሠለስተ ደቂቅ ዘድኃነ ኣምላኽ ድማ ካብ እቶን እሳት ኣድኃነን። (ዳን.3:23-26) ንጉሥ ድርጣድስ ኩሉ ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ንክስየፋ ኣዘዘ።
ቅድስቲ ኣርሴማ ንፍሲ ወከፍን ብሰይፊ ክስይፈን እንከሎ ኣኽሊል ዓመት ካብ ሰማይ ክወርደለን ከሎ ምስ ረኣየት ናታ ተራ በጺሑ ንክትስየፍ ብታህዋኽ ትጽበይ ነበረት። ካብ ምሒር ታሕጋስ ድማ እናጸለየት ነተን ዝስየፋ ዝነበራ ተጸናንዐን ነበረት።
ኣብ መወዳእታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽንዓታን ተጋድሎን ርእዩ ቃል ኪዳን ኣተወላ። እቲ ከሓዲ ንጉስ ንኩለን ሰይፉ ምስ ወደኣ ናብ ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ብምጥማት ብቁጥዓ" ንዓኪ ከምተን መሓዙትኪ ደናግል ቀልጢፈ ኣይቀትለክን'የ ስቃይኪ ከብዝሖ'የ" እናበለ መጀመርታ ክልቲኣን ኣዒንታ ኣውጺኡ ኣብ ኢዳ ኣትሓዛ ቀጺሉ ድማ ክልተ ኣጥባታ ቆሮጾ። ኩሉ ኣካላታ በብንእሽቶ እናቆረጸ ኣብ መወዳእታ መስከረም 29 ብሰይፊ ክሳዳ ቆረጻ።በዚ ድማ ሰማዕትነት ተቀበለት።
ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት እዚ ሕሳረ መከራ ምእንቲ ስመ ክርስቶስ ንርእሳ ኣሕሊፋ ዝሃበት ቅድስትን ብጽእትን ሰማዕት'ያ። ነቢየ እግዚኣብሔር ዳዊት ኣብ መዝሙሩ" '' ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ "/ ምስ ሕሩያነይ ኪዳን ኣተኹ ንዳዊት ባርያይ መሓልኩሉ'' ከም ዝበሎ ንቅድስቲ ኣርሴማ '' ብስመይ ኣሚንኪ ናይ'ዚ ዓለም ሓጐስን ተድላን ከየታለለኪ ክሳድኪ ንስይፊ ብምሃብኪ ናይ ሰማዕትነት ተጋዲሎ ፈጺምኪ ኢኺ እሞ፡ ስምኪ ዝጸዉዔ በዓልኪ ዘኽበረ፡ ዝክርኺ ዝገበረ፡ መጽሓፈ ገድሊኺ ዝሰምዐ፡ ዘስምዔ፡ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ ወዱ ኮነ ጓሉ ብስምኪ ዝጸዉዔ፡ክሳብ 12 ትዉልዲ ክምሕረልኪ እየ"ክብል ቃል ኪዳን ኣተወላ።
ኣዴና ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብፉሉይ ትኽበርን ትዝከርን እዚ ድማ 29 መስከረም ብሰማዕትነት ዝዓረፈትሉ ከምኡ'ዉን 6 ታሕሳስ ቅዳሴ ቤታ እዩ።
ጸሎታን በረከታን ምስ ኩላትና ይኹን!!! ኣሜን።

01 January 2015

ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን
በዓል ቅዱስ ልደትን 
2015 ይግበረልና፣
ንኹሉ ህዝቢ ከኣ ሰላምን ፍቕርን፣
ቅሳነትን ራህዋን፣
ዘለዎ ዓመት ክኸውን 
እግዚኣብሄር ፍቓዱ ይኹን፣ኣሜን።