16 January 2015

ርሑስ በዓል ጥምቀት 2015 ዓ/ም

መኑ ይወርድ ውስተ ቀላይ:ውስተ ቀላይ ክርስቶስ ውእቱ/2/
፩ዱ እሙንቱ ፫ቲሆሙ ፩ዱ ውእቱ።/2/

ሽዑ ጐይታ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ/ማቴ.3፡13-17/

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መምህር ትሕትና ስለ ዝኾነ ትሕትና ኽምህር: ፈጣሪ ኽነሱ ብፍጡሩ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ ኮነ ትምህርትን ስብከትን ቅድሚ ምጅማሩ ክጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ከምዚ’ሉ ናብ ዮርዳኖስ ምምጽኡ ትንቢት ንምፍጻም፡ ትሕትና ንምርኣይ፡ ማያት ንምቕዳስ፡ መርገም ንምድምሳስ ኢዩ።ከምዚ ኢሉ ጐይታ ክጥመቕ ከሎ ሰማይ ተኸፊቱ፡ 
መንፈስ ቅዱስ በምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ዓለበ፡ እነሆ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ” ዝብል ድምጺ ድማ ተሰምዐ። እዚ ኸኣ ሰማይ ተኸፍተ ዝተባህለ ሰማይ ዝኽፈትን ዝዕጾን ኮይኑ ዘይኮነስ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምሥጢር ተራእየ። እቲ ዝተራእየ ምሥጢራት ከኣ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ በምሳል ርግቢ ኣብ ርእሱ ክዓልብ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ካብ ሰማይ ድምጺ ከስምዕ፡ ንሱ ንባዕሉ ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ባሕሪ ደው ኢሉ ክጥመቕ፡ ኣምላኽነቱ ሠለስትነቱ ተገልጸ።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር አሜን፣



No comments: