ሕቶ ፤ መን ፈጠረና
መልሲ ፤ ሥላሴ
ሕቶ ፤ ንመን ከ ንኣምን
መልሲ ፤ ንሥላሴ
ሕቶ ፤ ሥላሴ ክንደይ እዮም
መልሲ ፤ ሰለስተ ይኾኑ ሓደ ይኾኑ
ሕቶ ፤ ብምንታይ ሰለስተ ይኾኑ
መልሲ ፤ ብስም ብግብሪ ብኣካል
ሕቶ ፤ ብምታይ ከ ሓደ ይኾኑ
መልሲ ፤ ብባህሪ ፧ ብስልጣን ፧ ብፍቃድ፥ብመለኮት
ሕቶ ፤ እንታይ ከ ስሞም
መልሲ ፤ አብ ፧ ወልድ ፧መንፈስ ቅዱስ
ሕቶ ፤ እንታይ ከ ግብሮም
መልሲ ፤ አብ ወላዲ ወልድ ተወላዲ መንፈስቅዱስ ሰራጺ
ሕቶ ፤ አብ ማለት እንታይ ማለት እዩ
መልሲ ፤ ኣቦ
ሕቶ : ናይ መን ኣቦ
ሕቶ : ናይ ወልድ
ሕቶ ፤ ወልድ ማለት ከ
መልሲ ፤ ዉሉድ
ሕቶ : ናይ መን ዉሉድ
መልሲ : ናይ ኣብ
ሕቶ ፤ መንፈስ ቅዱስ ማለት ከ
መልሲ ፤ ሰራጺ
ሕቶ ፤ ካብ መን ይሰርጽ
መልሲ ፤ ካብ ኣብ
ሕቶ ፤ ካብ ወልድ ኸ ይሰርፅ ዶ
መልሲ ፤ ኣይሰርፅን
ሕቶ ፤ እንታይ ዳኣ ዮውሃንስ ወንጌል እምዚኣየ ይነስእ ዝብል
መልሲ፤ እሞ ይሰርፅ ዶ ኢሉ እዩ ቃል ይነስእ እዩ ዝበለ እንበር
ሕቶ ፤ ቃል ከ ካበይ ኢሉ
መልሲ ፤ እነስእ እምኔየ ፡ ኢሉ ስቕ በለ፡ ወእነግረክሙ በለ እንበር፡ (ወንጌል ዮውሃንስ ፡ 16 -15)
ሕቶ ፤ ኣካል ዝተባህለ እንታይ እዩ
መልሲ ፤ ኢድ ፣ ዓይኒ ፣ ስኒ ፣ ካብ ፅፍሪ እግሪ ኣትሒዙ ክሳብ ፀጉሪ ርእሲ፣
፨ንኣብ ፍፁም ገፅ ፣ ፍፁም ኣካል ፣ ፍፁም መልክዕ ኣለዎ
፨ንወልድ ፍፁም ገፅ ፣ፍፁም ኣካል ፣ፍፁም መልክዕኣለዎ
፨ ንመንፈስ ቅዱስ ፍፁም ገፅ ፤ ፍፁም ኣካል፥ፍፁም መልክዕ ኣለዎ
፨ ሥላሴ መልክዖም ሰብ ይመስሉ
ሕቶ ፤ ስላሴ ኣካሎም ከመይ እዩ
መልሲ ፤ ምሉእ ፧ ሰፊሕ ፧ ረቂቅ
ሕቶ ፤ ናይ ሰብ ከ
መልሲ ፤ ግዙፍ ፧ ውሱን ፧ ፀቢብ
ሕቶ ፤ ሥላሴ ምልኣቶም ከመይ ኢዩ
መልሲ ፤ ከም ሙቐት ከም ብርሃን ከም ንፋስ
ሕቶ ፤ ስፍሓቶም' ከ
መልሲ ፤ ካብ ጽርሃ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ፡ካብ ባርባሮስ ንታሕቲ መሰረቱ ። እዚ ስለዝኾነ ሰብ ብዝፈልጦ ምንጋር እዩ እንበር ። ንስላሴ ዓለም ኣይውስኖምን ኢዩ።
ሕቶ ፤ ስላሴ ርቀቶም ከመይ እዩ
መልሲ ፤ ካብ ኩሉ ንፋስ ይረቅቕ፣ካብ ንፋስ እሳት ይረቅቕ ፣
ካብ እሳት መላእኽቲ ይረቁ ፣ ካብ መላእኽቲ ነብስና ትረቅቕ፣ ካብ ነብስና ድማ ስላሴ ይረቁ ።
ሕቶ ፣ ነብስና ንስላሴ ከመይ ኢላ ትራኣዮም
መልሲ ፤ ከም እምባ
ሕቶ ፤ ስላሴ ባህሪኦም ከመይ እዩ
መልሲ ፤ ዘይጠሚ ፣ ዘይሓምም ፣ ዘይፀምእ ፣ ዘይደክም ፣ ዘይመውት ።
ሕቶ ፤ ናይ ሰብ ከ
መልሲ ፤ ጠማዪ ፣ ሓማሚ ፣ ፀማኢ ፣ ደኻሚ ፣ መዋቲ
ሕቶ ፤ ስላሴ ናይ ሓድነት ስሞም እንታይ ተባሂሎም ይጽውዑ
መልሲ ፤ እግዚአብሔር ፣ ኣምላክ ፣ፀባኦት ፣ኣዶናይ ፣ መለኮት
ሕቶ ፤ ናይ እግዚኣብሄር ወልድ ናይ ስጋዊ ስሙ'ኸ እንታይ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡
መልሲ ፤ ኢየሱስ፡ክርስቶስ፡መድሃኔአለም፡ኣማኑኤል ።
ሕቶ ፤ ኢየሱስ ማለት እንታይ ማለት እዩ
መልሲ ፤ ፈውሲ
ሕቶ ፤ ክርስቶስ ማለት 'ከ
መልሲ ፤ ክቡር፡ክብሩ ግን ካብ ካልእ ኣይደልዮን ኢዩ፡
ሕቶ ፤ መድሃኔአለም ማለት 'ከ
መልሲ ፤ ተሰቒሉ ዓለም ዘድሓነ
ሕቶ ፤ ዓለም ዝተባህለ እንታይ ኢዩ
መልሲ ፤ ሰብ
ሕቶ ፤ ኣማኑኤል ማለት 'ከ
መልሲ ፤ ኣምላኽ ከሎ ሰብ ዝኾነ፡ሰብ ከሎ ኣምላኽ ዝኾነ
ሕቶ ፤ ሰብ ናይ ባህሪ ስሙ እንታይ ተባሂሉ ይጽዋዕ
መልሲ ፤ ሰብ
ሕቶ ፤ ናይ ግብሪ ስሙ 'ኸ
መልሲ ፤ መልኣኽ ወይ ሰይጣን
ሕቶ ፤ እንታይ እንተገበረ መልኣኽ ይብሃል
መልሲ ፤ እንተፆመ : እንተፀለየ : እንተሰገደ: እንተቖረበ: እንተተፋቐረ : ኣስራት ቦኹራት እንተኣውፀአ፡
ሕቶ ፤ እንታይ እንተገበረ ኸ ሰይጣን ይብሃል
መልሲ ፤ እንተዘይ ፆመ : እንተዘይ ጸለየ: እንተዘይሰገደ : እንተዘይቆረበ : እንተዘይተፋቐረ : ኣስራት ቦኹራት እንተዘይ ኣውፀአ፡
ሕቶ ፤ ስላሴ ብኹሉ ምሉኣት ድዮም
መልሲ ፤ እወ! ብሰማይ፡ ብባሕሪ : ብምድሪ :ብየብስ:
ብእንስሳ : ብዕንጨይቲ : ብእምኒ: ብኣራዊት :
ብሓጥኣን ብፃድቃን : ብመላእክቲ :ብኣጋንንቲ ብኹሉ ምሉኣት እዮም።
ሕቶ ፤ ስላሴ ኣብ ሓጥእ ነብሲ ከመይ ኢሎም ይሓድሩ
መልሲ ፤ ከም ዝተደጎለ ሓዊ : ከም ኣብ ጎንቦ ዘሎ ሜስ
ሕቶ ፤ ኣብ ፃድቃን ነብሲ' ኸ ከመይ ኢሎም ይሓድሩ
መልሲ ፤ ከም ኣብ ፋኑስ ዘሎ መብራህቲ : ከም ኣብርጭቆ ዘሎ ሜስ።
ሕቶ ፤ ስላሴ ኣብ ጎዱፍ ኣብ ፀብሪ ኣለዉ ዶ
መልሲ ፤ እወ
ሕቶ ፣ ኣይጽየቑን ድዮም
መልሲ ፤ ከመይ ደኣ ብርሃን ፀሓይ ዘይጽየቅ
ሕቶ ፣ ናይ መን ስጋ ንበልዕ
መልሲ ፤ ናይ እግዚአብሔር ወልድ
ሕቶ ፤ ናይ እግዚአብሔር ኣብን ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ' ከ
መልሲ ፤ ኣይንበልዕን
ሕቶ ፤ እንታይ ኮይንና
መልሲ ፤ ረቀቕቲ ኾይኖም
ሕቶ ፤ ንሱስ ረቂቅ ዶ ኣይኾነን
መልሲ ፤ ኣይኮነን፡ ንሱስ ምስ ግዙፍ ሰጋ ተዋሃሂዱ እዩ ።
ሕቶ ፤ ንሳቶም ዘይተዋሃሃዱ ፀሊኦምና ሪሒቖምና ድዮም ወይስ ንሱ ዕጫኡ በፂሑዎ እዩ
መልሲ ፤ ኣይኮነን፡ ስሞም ከይልወጥ እምበር፡
ሕቶ ፤ ትበልዖ ስጋ ምዉት ድዩ ህያው
መልሲ ፤ ምውት ብሰብነቱ ህያው ብመለኮቱ ነብሲ ዝተፈለየቶ መለኮት ዝተዋሃዶ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋት ዝኾንዎ ።
ሕቶ ፤ ምዉት ብሰብነቱ ዝተባሃለ መን እዩ
መልሲ ፤ መልኮት
ሕቶ ፤ ህያው ብመለኮቱ ዝተባህለ' ኸ መን እዩ
መልሲ ፤ ሥጋ
ሕቶ ፤ ስላሴ ህልዉናኦም ከመይ እዩ
መልሲ ፤ ከም ልቢ : ከም ቃል : ከም እስትንፋስ
ሕቶ ፤ ስላሴ ከም ሓደ ሰብ ድዮም ከም ሰለስተ
መልሲ ፤ ከም ሓደ ሰብ
ሕቶ ፤ ኣብ ሰለስተ ሰብ ክንደይ ልቢ ኣሎ
መልሲ ፤ ስለስተ
ሕቶ ፤ ክንደይ ቃል ኣሎ
መልሲ ፤ ሰለስተ
ሕቶ ፤ ክንደይ እስትንፋስ ኣሎ
መልሲ ፤ ሰለስተ
ሕቶ ፤ ኣብ ስላሴ ክንደይ ልቢ ኣሎ
መልሲ ፤ ሓደ
ሕቶ ፤ ክንደይ ቃል ኣሎ
መልሲ ፤ ሓደ
ሕቶ ፤ ክንደይ እስትንፋስ ኣሎ
መልሲ ፤ ሓደ
ሕቶ ፥መን ልቦም
መልሲ፥ ኣብ
ሕቶ ፥መን ቃሎም
መልሲ፥ወልድ
ሕቶ ፥መን እስትንፋሶም
መልሲ፥መንፈስ ቅዱስ
ሕቶ ፤ ንኣብ መን ልቡ
መልሲ ፤ ባዕሉ
ሕቶ ፤ ንወልድ መን ቃሉ
መልሲ ፤ ባዕሉ
ሕቶ ፤ ንመንፈስ ቅዱስ መን እስትንፋሱ
መልሲ ፤ ባዕሉ
ሕቶ ፤ እግዚአብሔር ወልድ ካብ እግዚአብሔር ኣብ መዓስ ተወልደ
መልሲ ፤ ንዘላኣለም እናተወልደ ይነብር
ሕቶ ፤ እቲ ካብ እግዝእትነ ማርያም ክጥነስ ከሎ 'ኸ
መልሲ ፤ ንዘለኣለም እናተወልደ ይነብር
ሕቶ ፤ እቲ ካብ እግዝእትነ ማርያም ክውለድ ከሎ'ኸ
መልሲ ፤ ንዘለኣለም እናተወልደ ይነብር
ሕቶ ፤ እቲ ኣብ መስቀል ክስቀል ከሎ 'ኸ
መልሲ ፤ ንዘለኣለም እናተወልደ ይነብር
ሕቶ ፤ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚአብሔር ኣብ መዓስ ሰረፀ
መልሲ ፤ ንዘለኣለም እናሰረፀ ይነብር
ሕቶ ፤ እንታይ ሃይማኖትካ
መልሲ ፤ ተዋህዶ
ሕቶ ፤ ተዋህዶ ማለት እንታይ ማለት እዩ
መልሲ ፤ ቃልን ሰጋን ዝተወሃሃደ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ዝኾነ፡
ሕቶ ፤ ብምንታይ ምኽንያት ተዋሃሃደ
መልሲ ፤ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ መጽዩ፡ንእግዝእትነ ማርያም፡ብድንግልና ክትጠንሲ ፣ ወዲ ውን ክትወልዲ ኢኺ በላ፡ ንሳ ድማ ምድሪ ብዘይ ዘርኢ፡ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ክትወልድ ኣበይ ሪኢኻ በለቶ፡
ንሱ ኸኣ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ እሞ እንታይ ይሰኣኖ በላ : ንሳ ድማ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነኒ በለቶ ። ይኹነኒ ምስ በለቶ ምቕልጣፉ ከም ምርኣይ ከም ዓይኒ : ከም ምስማዕ ከም እዝኒ ካብ ሰጋኣ ሰጋ፡
ካብ ነፍሳ ነፍሲ ለቢሱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ኮነ፡ ኣምላኽ ሰብ ኮነ ሰብ ኣምላኽ ኮነ ።
እዚ ዘይፈልጥ ሰብ ክርስቲያን እየ ክብል ኣይክእልን ኢዩ፡
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
