በስመኣብ፣ወወልድ፣ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ፣ኣሜን።
1,ጽጌ ዝብል ቃል ጸገየ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጽእ ኮይኑ ትርጉሙ ዕንባባ ማለት እዩ። ብቤተ ክርስትያና ካብ መስከረም 26 ክሳብ ኅዳር 6/ቁስቋም/ ዘለዋ 40 መዓልታት ወርኃ ጽጌ ይበሃላ። በብሰሙኑ ሰንበት ድማ ነቲ እዋን ዝምልከት ማኅሌት ይሓድር መዝሙር ይዝመር።
ኣብዚ ግዜ`ዚ ቅዳሴ ብእዝል ይቕደስ።
2,ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ዝጽወም ናይ ፍቓድ ጾም ውን ጾመ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
3,ወርሓ ጽጌ ማለት ናይ ዕንባባ ወርሓት ማለት እዩ። እቲ ኣብ ክረምቲ ዝተዘርአ ኣእኻል ዝዕንብበሉ ወርሃት እዩ። ዕንባባ ፍሉይ ሕብሪን መኣዛን ይሃልወን እምበር፣ ምስኡ ዉን እሾክ ኣለወን። እቲ ዕንባባታት ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ መጋቢነት ዘዘካከረና ክከዉን እንከሎ፣ እቲ እሾኽ ግና፣ ንመከራ ስደት ድንግል ማርያም ዘዘካኸረና እዩ። ኣብዚ ወርሓት፣ በረኻታት ብዕንባባ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዝዉቅባሉ ግዜ ኮይኑ፣ ኣዕዋፍ ይሕጎሳ፣ ኣናህብ ይወፍራ፣ ሓረስታይ ተስፋ ይገብር፣ ኣመንቲ ክርስትና ግና፣ ነቲ ኣብዚ ቅንያት ዘጋጠመ፣ ስደት ጐይታ ንዝክር።
4,ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን እና ዘከረት ቅድስቲ ቤተክርስትያን ተኽብሮ።
5,ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ሃንደበት ዘይኮነስ፣ ትንቢት ዝተነግረሉ ምሳሌ ዝተመሰለሉ እዩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ዝኾነ ኢሳይያስ ነቢይ፣
“እግዚአብሔር ኣብ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ’ውን ይመጽእ” ብማለት ተነብዩ ነበረ። ንጐይታ ሓዚላ ናብ ግብጺ ዝተሰደት፡ ኣማናዊት ደመና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ (ኢሳ ፲፱፥፩/19፥1)። ምኽንያት ስደት ድማ ሄሮድስ ንጉሥ ኣብ ግዝኣቱ ንጉሥ ከምዝተወልደ ሰሚዑ ስለዘይቀሰነ፤ “ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺአ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ” ኢሉ ነቶም ብኮኸብ ተመሪሖም ዝመጹ ሰብአ ሰገል/ሰብ ጥበብ/ ከታልሎም እኳ እንተፈተነ፡ ንሳቶም እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም፣ መገዲ ቀይሮም ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ሰብአ ሰገል “ከም ዝተላገጹሉ” ምስ ኣረጋገጸ ትሕቲ ፪/2 ዓመት ንዝኾኑ ሕጻናት ቤተ ልሔም ክቕተሉ ኣዘዘ።
ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ “ሄሮዶስ ነዚ ህጻን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንሥእ፤ ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣቡኡ ጽናሕ” ኢሉ ብዝነገሮ እቲ ስደት ናብ ግብጺ ተጀመረ። ክሳዕ “እቶም ነፍስ እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” ተባሂሉ እቲ መልኣኽ ገሊጹ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ግብጺ ጸንሑ። (ማቴ ፪፥፲፫፤ ፳/2፥13,20) ኣብ ግብጺ ብስደት ዝጸንሑሉ እዋን ድማ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን እዩ።ብዜና ገድልታትን ትውፊትን ድማ ጐይታን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ብግብጽ ኣቢሎም ንሃገርና ካብኡ ሓሊፉውን ኢትዮጵያ ከምዝበጽሑ ይንገር።
ምምላስ ካብ ግብጽ ናብ ምድረ እስራኤል’ውን ብነቢይ ሆሴዕ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ እዩ ነይሩ፦ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” (ሆሴ ፲፩፥፩)።
እዚ’ውን ነቲ ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ንምፍጻም ዝገብሮ ስለዝኾነ እዩ። ካብ ገነት ናብ ምድረ ፋይድ (ሲኦል) ዝተሰደ ኣዳም ስለዝነበረ፤ ምምጻእ ጐይታ ድማ ስደት ኣዳም ተሰዲዱ ብምኽሓስ፡ ንኣዳም ናብ ዝቐደመ ክብሩ ንምምላስ ስለዝነበረ እዩ። ከመይሲ ኣዳም ብሰንኪ በደሉ ክቕበሎ ዝግባእ ጸዋትወ መከራ፡ ሕማምን ሞትን ጐይታ ኣብ ኵሉ ኣትዩ ኵሉ ሕማማት ኣዳም ጸይሩ ንኣዳም ክሒሱ፤ ብሞቱ ንሞቱ ደምሲሱሉ እዩ። ስደቱ’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። በዚ መሠረት ኸኣ ጐይታ ንኣዳም ክብል ብገነት ካብ እትምሰል ኢየሩሳሌም ናብ ሲኦል እትምሰል ግብጺ ተሰደደ። ብኻልእ ድማ ነቲ ጣዖታት ግብጺ ራዕራዕ ክብሉ እዮም ዝብል ትንቢት ክፍጸም ናብ ግብጺ ተሰዲዱ ጣዖታት ሰባቢሩ እዩ።
6,ኣብ ግብጽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ዳኅራይ ብፍጽምና ንእኡ ንዝስዕቡ ቅዱሳን ስፍርኦም ዝኾኑ ገዳማት ንምብራኽውን እዩ። በቲ ካልእ ድማ ስደት ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ባሪኹ ንክህበና ቅዱስ ፈቓዱ ስለዝኾነ እዩ ኣብነት ብምዃን ተሰዲዱ።
7,ትርጉም ማህሌተ ጽጌ
ማኅሌት ማለት ምስጋና ወረብ ለዘብ መወድስ ማለት እዩ። ጽጌ ኸኣ ዕምበባ፡ ምልክት ወይውን ኣደ ፍረ ማለት ክኸውን ከሎ፤ ማኅሌተ ጽጌ ማለት ኸኣ ብዕምበባ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያምን፤ ብፍረ ዝተመሰለን ፍረ ማኅጸና ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስገኑሉ ናይ ዕምበባ ምስጋና ማለት እዩ። ከመይሲ ፍረ ካብ ዕምባባ ከምዝርከብ፡ መድኃኒተ ዓለም ንዝኾነ ነቲ ፍቁር ወልዳ ዝፈረየት ኣማናዊት ዕምባባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።
"ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በማርያም ድንግል:
ወበቀራንዮ ተተክለ መድሃኒት መስቀል:"ተስፋ ኣዳም ከምዝተፈጸመ፡
ትንቢት ነቢያት ከምዝበጸሐ
ዘበሰረት ምልክት ድኅነትና ንሳ እያ።
ባዕሉ ጐይታ ምልክት ክህበኩም እዩ ተባሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተናገረላ ንሳ እያ። (ኢሳ ፯፥፲፬/7:14)
8,ጾመ ጽጌ
ጾመ ጽጌ/ፈቃደ ጾም/ ነዚ ብዙኅ ድኻምን መከራን ዝተሓወሶ ጕዕዞ ስደት፡ ኣዴና ንወዳ ሒዛ በረኻታት ግብጽን እስራኤልን ቆሪጻ ናብ ምድረ ግብጽ ብምእታዋ ነዚ መከራ እና ዘከርካ ይፅወም።
እዚ ጾም እዚ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ካህናት ኮኑ ዲያቆናት፤ ከምኡውን ምእመናን ብፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ተደሪኾም ስደታ ብምዝካር በረኸታ ንምርካብ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ካብቶም ፯/7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዘይኮነሲ ናይ ፍቓድ ጾም ኸኣ እዩ።
9,ማኅሌተ ጽጌ
ደራሲ እዚ ፍሉይ ጣዕመ ዜማ ዝውንን ናይ ምስጋና ድርሰት እዚ ኣብ መበል ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝነበረ አባ ጽጌ ድንግል/ኣባ ጽጌ ብርሃን/ እዩ። ንሱ ኸኣ ንድንግል ማርያምን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓንሳብ ብሓረገ ወይን ሓንሳብ ብእምበባ ጽጌረዳ ብኻልእን ተዛመድቲ ምሳሌታት እናመሰለ ግሩም ናይ ጸሎት መጽሓፍ ዘዳለወ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ በብ፭/5 መስመር /ቤት/ እናቖመ ፻፶/150 ማለት ብተምሳል መዝሙር ዳዊት ገይሩ ኣዳለዎ/ደረሰ/። ርቀት ምሥጢሩ፤ ውህደት ምሳሌኡን ትምህርቱን፤ ግጥማዊ ኣቀራርብኡ፤ መልእኽቲ ዜምኡን፤ ወዘተ ብጣዕሚ መሳጢ እዩ።
መሠረቱ ኸኣ ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባ ልደት ጐይታ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ክዛረብ ከሎ፣ ካብ ዘርኢ እሴይ ንዝተረኽበት ኣዴና ብበትሪ፡ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብጽጌ መሲሉ እዩ ተነብዩ ነይሩ። “ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ፡ ወየዓርግ ጽጌ እም ጒንዱ።” (ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።) (ኢሳ ፲፩፥፩/11፥1) ኣባ ጽጌ ድንግል’ውን ድርሰቱ ብኸምዚ ኣገባብን መልክዕን ንቅድስቲ ድንግልን ንወዳን ኣተሓባቢሩ ብጽጌን ብፍረን እናመሰለ፤ ምስኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳኑ መንክር ንዝኾነ ስራሕ እግዚአብሔር ብምሥጢር፡ ብታሪኽ፡ ብጸሎት፡ ብተግሣጽ፡ ብሉያትን ሓዲሳትን ከምኡውን ሊቃውንትን ገድልታትን ወዘተ ኣወሃሂዱ ኣቕሪብዎ።
10,አከባብራ ዘመነ ጽጌ
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት፣እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንት ቤተክርስትያንን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ።
11,መልእክቲ
ትብጻሕ ናብ ኩሉኹም ከምዚ ከማይ ኣብ ስደት እትርከቡ ኣሕዋት
ስደት ቀሊል ኣይኮነን፣ስደት ኵልሳዕ መሪር እዩ። እቲ ዝሓለፎን ዝነበሮን እዩ ዝፈልጦ። ሃገርካን ጸግዒ ዝኾኑኻ ኣዝማድካን ቤተ ሰብካን ንድኅሪት ገዲፍካ ዓዲ ጓና ምስዳድ ከቢድ እዩ። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ስደት ካብ ስደት ደቂ ሰባት ዝተፈልየን ንፍሉይ ዕላማ ዝተፈጸመን ኣዝዩ መሪርን እዩ ነይሩ።
ንዓለም ፈጢሩ ዝገዝእ ኣምላኽ ብፍቓዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ፡ ገና ብህጻንነቱ ሓቚፋን ሓዚላን ናብ በረኻታት ግብጺ ክትስደድ ከላ ንበረኻ ሲና ኣብ ዝቖረጸትሉ ቀዝሒ ለይቲ፡ ሃሩር ቀትሪ፡ ሑጻ ረስኒ፡ ጽምኢ ማይ፡ ሕማቕ መገዲ ነቲ ስደታ ከቢድ ገይርዎ ነይሩ። መገዳውን በቲ ሰብ ዝኸዶ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ከይረኽቡኒ ክትብል በረኻ በረኻ እምበር። ብቅድሚት ኣብ ዘይተፈልጦ ዓዲ እንታይ ክረኽበኒ ክትብል፤ ብድኅሪት ወተሃደራት ሄሮድስ ኣርከቡኒ፤ ከም ኣደ፡ ሸፋቱ ቀተሉለይ ክትብል ዝተቐበለቶ መከራ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ። ካብኡ ዝገደደ ድማ በብዓዱ ኣትያ ክትልምን፡ ገሊኦም “እዚኣ ትመስል ገለ በደል እንተዘይህልዋ፡ ግብራ እንተዘይከፍእ ዶ ካብ ቤታ ምወጸት?” እናበሉ ከስቅቕዋ፤ ወዳ ክድርብዩላ ካልእ ውን እዚ ዘይብሃል ሓዘን እያ ኣኅሊፋ። ንብዓት ዓይና ኣብ ማዕጉርት ህጻን ወዳ ክዓልብን መከራ ክበዝኃን ከሎ እቲ ኵሉ እናተኻእሎ ብፍቓዱ መከራ ዝተቐበለ ጐይታ ግና የጸናንዓ ነበረ።
እዚ ኵሉ ስደትን መከራን ንምንታይ እንተበልና ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ስለቲ ፍቁር ወዳ ክትብል ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። እዚ ኸኣ ብርዱእ ኣገላልጻ ንአምላኽ ወዲ ኣምላኽ ሓዚላ ምስዳዳ ምእንቲ ናትና ድኅነት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ከምቲ ስምዖን ኣረጋዊ ኣብታ ቤት መቅደስ ኢየሩሳሌም ንኣኣ ዝበሎ ድማ ይፍጸም ነበረ፦ “ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙኃን ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።” በዚ ኸኣ ብስደት ዝጀመረ ሰይፊ (መከራ ሕማም) ምእንቲ ኵሉ ዓለም ክትብል ትቕበሎ ነበረት። ናብ ዓዳ ምስተመልሰት ውን ፡ ካብ ወዳ ከይተፈለየት ንኵሉ መከራ ኣይሁድ ጸይራ ድማ ክሳብ ቀራንዮ ኣብ እግረ መስቀሉ በጽሐት። (ሉቃ ፪፥፴፭/2፥35 ዮሐ ፲፱፥፳፮/19፥26)
12,ስለዚ ኣብዚ እዋን ስደታ ክንምሕጸናን ክንልምናን ይግባእ። እንልምኖ ብዙኅ ኣሎ ሰማዒት እያ እሞ ንኵሉ ንንገራ። ምስ ፍቁር ወዳ ከተተዓርቐና፤ ምሕረቱን በረኸቱን ከብዝኃልና፤ ኃጢኣትና ክኃድገልና ኣማልድና ኢልና ክንምኅፀን ይግባእ።
ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “…ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ...” እናበልና ከነዘክራን ናብቲ ኵሉ ዝዝክርን ዘይርስዕን ኣምላኽ ከተማልደና ክንልምና ይግባእ።
14,ጸሎት
ኦ እግዚአብሔር ኣምላክነ ኣቡሁ ለእግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ናስተበቁዓከ በእንተ እለ ኖሙ ኣበዊነ፣ወኣኃዊነ፣ወኣኃቲነ።
ኦ ምልዕተ ጸጋ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ጽላል ረድኤትኪ ዘርግሒ፣ ንህዝቢኹ ዉን ተከላኸሊ፣ ብኪዳንኪ ለምንልና። ምእንቲ ስደት ወድኺ፣ ምእንቲ ስቕለቱ፣ ምእንቲ ሞቱ ናይቲ ሓደ ወድኺ፣ ኣብ ናትኺ ሓዘን ንሳተፍ ኣለና`ሞ፣ ኣብቲ ናትኪ ሓጎስ ድማ ንስኺ ኣሳትፍና። ንዓይ ንኣገልጋሊኽን፣ ንኩሉ ህዝበ ክርስትያን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።
ነዚ ንኽገብር ኣተሓሳስሲቡ ዘጀመረኒ፣ኣጀሚሩ ንዘፈጸመኒ ልዑል እግዚኣብሄር ኣምላክ ወምስለ ወላዲቱ ድንግል ክብርን ምስጋናን ይኹን።
ኣሜን።
ክቡራን ኣበዉየ ወኣኃውየ ዝክሩኒ በፀሎትክሙ።

No comments:
Post a Comment