10 October 2014

ምስጢረ ቁርባን




 “ዘበልዐ ሥጋየ ወሰተየ ደምየ ቦ ሕይወት ዘለዓለም
እስመ ሥጋየኒ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን ወደምየኒ ስቴ ሕይወት ዘበአማን ውእቱ”

ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ ኣነ’ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከትንሥኦ እየ፡ ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፤ ደመይ’ውን መስተ ሓቂ እዩ ከም ዝበለ። (ዮሓ.6፡45)

ምሸት ሓሙስ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ’ቲ ንድራር ኢሎም ዝቐረቡሉ እንጌራ ዘይሓረረን ዘይነቕዔን መሪጹ ኣልዒሉ ባሪኹ ኣኽበረ፤ ለወጠ፤ ኣተዐራረየ ኣብ ዓሠርተ ሠለስተ ገይሩ ቈረሰ፡ ስለ ምንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ጽባሕ ዓሠርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ክቕበለልኩም እየ ንማለት እዩ። ዓሠርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል  ኣዮኖት እዮም ንዝብል ሕቶ፦                            

 ፩. አክሊለ ሦክ
 ፪. ተጽፍዖ መልታሕት  
 ፫. ተወክፎ ምራቅ  
 ፬. ተኰርዖ ርእስ  
 ፭. ስትየ ሐሞት  
 ፮.ተአሥሮ ድኅሪት  
 ፯. ተቀሥፎ ዘባነ
 ፰. ርግዘተ ገቦ(ፀዊሪ መስቀል)
  +ሓሙሽተ ቅንዋት መስቀል:- ሳዶር፤ ኣላዶር፤ ዳናት፤ ኣዴራ፤ ሮዳስ እዮም። (ማቴ.26-28)

ክልተ ኣእጋሩ በበይኑ ገይሮም ሸንኪሮምዎ እንተ ዀይኖም ዝጠዓመ፤ ደሪቦም ሸንኪሮምዎ እንተ ዀይኖም ውጋኡ ይቝጸር፡ ካብ እቲ ዓሰርተ ሠለስተ ሓደ ንርእሱ ተቐቢሉ እቲ ዓሠርተ ክልተ ንሓዋርያት ሀቦም፡ “ጥዒሞ ኣጥኣሞሙ” ከም ዝበለ፡ (ሥርዓተ ቅዳሴ) ስለምንታይ “ዝውእቱ ሥጋየ”  እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉዎም ስለ ዝነበረ፤ ናይ ሰብ ሥጋ’ዶ ይብላዕ እዩ ኢሎም ከይገርሞም መድፈሪ ንኽዀኖም ንማለት።
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከይተቐበለ ኣቐቢልዎም እንተ ዝኸውን፤ ከምኡ ድማ ሎሚ ቀዳሲ ካህን ከይተቐበለ ኣቐቢሉ ምወፀ ነይሩ እሞ ተቐቢልኩም ኣቀብልዎም ንማለት ኣብነት ንሙዃን። (ማር.14፡24)

ከም’ዚ ገይሩ ጽባሕ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝሥዋዕ ሥጋይ እዚ እዩ እንኩ ብልዑ ኢሉ ሀቦም፡ ከምኡ ኸኣ ጽዋእ ኣልዒሉ ዘሐዲስ ሥርዓት ማለት ሓዲሽ ዝኾነ ሥርዓት ብተሓድሶ ጸኒዑ ዝነብር ብእምነት ጸኒዖም ንዝቕበልዎ መተሓሐዚ ሓዳስ መንግሥተ ሰማያት ዚኸውን ኃጢኣት ንምሥትስራይ ዘኽእል ምእንቲ ብዙኃት ዝፈስስ ደመይ እዚ እዩ ካብኡ ስተዩ ኢሉ ሀቦም። ካብኡ ኢሉ ብኸፊል ምዝራቡ ሓደ ሰብ ተቐቢሉ ስለ ዘይውድኦ ክሳብ ዕለት ምጽኣት ክወህብ ስለ ዝነብር። (ማቴ 26፡26)

ስለ’ዚ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ኣካላትካ ቀጥ ኣቢልካ ቀዊምካ ንዑኡ ጥራይ ምሕሳብ ደኣ እንበር ካልእ ነገር ምምጻእ ንየማን ንጸጋም ምባል ብሓሳብ ኮነ ብግብሪ ምንቅስቓስ ኣይግባእን።

ሥጋኡን ደሙን ብወርቂ ብብሩር ዘይገብሮ ብመብልዕ ዝገበሮ ስለ ምንታይ እዩ እንተ ተባህለ ወርቅን ብሩርን ካልእ ሀብትን ኵሉ ኣብ ወጻኢ እዩ ዝተርፍ፤ መብልዕን መስተን ግን ኣብ ሰውነት ስለ ዝወሃሃድ እሞ ብሓቒ ከም ዘፍቀረና ንምርዳእ እዩ።

“ሶበሰ ኢያፍቀርክዎሙ ለውሉደ ሰብእ እምኢያስተርኣይክዎሙ በዝንቱ ሥጋ” ንደቂ ሰባት እንተ ዘይፈትዎም ብሥጋ ኣይምተገለጽኩሎምን ነይረ ከም ዝበለ። (ቀሌምንጦስ)

ካልኣይ ከኣ ወርቅን ብሩርን ካብ ዝሃበ ጠሚኻ ከሎኻ ዘብለዐን ጸሚእካ ከሎኻ  ዘስተየን ከም ዝፍቶ፤ ኣነ እፈትወኩም እየ እሞ ንስኻትኩም ድማ ፍተዉኒ፡ ትእዛዛተይ ከኣ ሓልዉ ንማለት እዩ።

እዚስ ይኹን ብዙሓት ኣትክልቲ ከለዉኸ ንምንታይ እዩ ብሥርናይን ብወይንን ዝገበሮ እንተ ተባህለ፡ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንኽፍጸም ትንቢት “እምፍሬ ሥርናይ ወወይን ወቅብዕ በዝኃ” ካብቶም ሥርናዮምን ወይኖምን ምስ በዝሐ ካብ ዝሕጐስዎ ኣዝዩ ዓዘዘ ከም ዝበለ፡ (መዝ።4፡7) “ቀዳሜ ሕይወቱ ለሰብእ እክል ወማይ ወይንን ወሥርናይ”፡ ቀዳማይ ሕይወቱ ንሰብ እኽልን ማይን፤ ወይንን፤ ሥርናይን እዩ ይብል፡ (ሲራክ.34፡21) “ለዘኢይስቲ ወይነ ምንት ውእቱ ሕይወቱ” ዝበሎ እዩ።

ትንቢቱ እዚ ክኸውን ከሎ፡ ምሳሊኡ ድማ መልከጼዴቅ ብሥርናይን ወይንን መሥዋእቲ ይገብር ነይሩ ይብል፡ ትንቢቱ ብዝፈለጦ ኣናገሮ ምሳሌኡ’ውን ብዘፈለጦ መሰሎ፤ ምሥጢሩ እንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ሥርናይ ወሓለ ሰበይቲ ክትሕዞ ዀላ ስቡሕ ሥጋ ይመስል፤ ወይን’ውን ውዑይ ደም ስለ ዝመስል ብዝመስል ነገር ንምሀብ ተማሳሳሊ ሥርዓት ሠሪዐልኩም ንማለት እዩ።

ከምኡ’ውን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን እግዝእትነ ማርያምን ዝምገብዎ ዝነበሩ ሥርናይን ወይንን ስለ ዝነበረ ሓቀኛ ሥጋኡን ደሙን ከም ዝሀበና ንምርዳእ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ኣቦ ምዃኑን ንዘለዓለም ሕይወታዊ መግቢ ምዃኑን መረድእን ናይ  ኣማውትኡ መዘከርን ዝኸውን ሓደ ጊዜ ተጠሚቕና ኵሉ ጊዜ ኸኣ ሥጋኡን ደሙን ከም ንቕበል ገበረ። (ማቴ.6፡11 ዕብ.6፡2)

ሓደ ነገር ከኣ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣብ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኣብያተ ክርስትያናት እንተ ተሠውአ ከም ኣሽሐት ኣባጊዕ ኣብ ኣውደ ዓመት ዝሕረዳ ኣይኰነን፤ ኣብ ኩሉ ዓለም እንጥመቐሉ ካብ ጐድኒ ጐይታና ብዕለት ዓርቢ ዝተረኽበ ሓደ ማይ ከም ዝዀነ፤ ዚሥዋእ ሥጋኡ ድማ ከምኡ እቲ ብመዓልቲ ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ነፍሲ እተፈልዩ መለኮት እተዋሓሓዶ ሓደ ኣካል እዩ፡ “ሞተ ብሥጋ ወሐይወ በመንፈስ”።(1ጴጥ.3፡19)

ካልኣይ ድማ ሎምን ጽባሕን ዝሥዋእ  በጊዕ ፍሉይ ከም ዝዀነ፤ ሎምን ጽባሕን ዝሥዋዕ ሥጋ ጐይታ ከምኡ ዝተፈለየ ኣይኰነን ንሱ ብዕለት ዓርቢ ዝተሠውአ ሓደ ኣካል እዩ። ኣብ ዓሰርተ ክልተ ኣብ ሰብዓ ኣብ ሰማንያ ካብኡ ዝበዝሓ ኣብያተ ክርስትያናት’ውን እንተ ተፈተተ ከም ናይ በጊዕ ሥጋ ሓደ ኢድ፤ ሓደ እግሪ ከም እተኽፋፈለ ኣይኰናን እንቕበሎ፤ እንታይ ደኣ ነፍሲ እተፈልየቶ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝዀንዎ፤ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝዀነ ወልድ እዩ።

ስለ’ዚ ዝኰነ ምእመን ፍጹም ኣካል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እዩ ዝቕበል እምበር ብኸፊል ኣይኰነን ዝቕበሎ። ካብ’ዚ ንደሓር ዕጹብ ድንቂ ኢልካ ምእማን የድሊ እንበር ይኸውን ዶኾን ኣይከውንን ኢልካ ምጥርጣር ኣይግባእን። ካብ’ዚ ሓሊፍካ ምምርማር ድፍረት ዝቝጸር እዩ።

“ወበእለ ከናፍር ፆታ ነጊር ኢይትከሀል ጥንቁቀ” በዚ ከናፍር እዚ ናይ ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ነገር ፈሊኻን  ተጠንቂቕካን ክዝረብ ኣይከኣልን ከም ዝበለ ጐይታ። (ብትምህርተ ኅቡኣት)

እዚ ክኸውን ከሎ’ውን ሓድነቱን ሠለስትነቱን ተረዲኡን፤ ሥነ ፍጥረት ፈሊጡን ምሥጢረ ሥጋዌኡ’ውን ተማሂሩ፤ ንብሃይማኖቱ ዝጸንዐን ትሕትናን ሕያውነትን ኂዙ ንዝተረኽበን ደኣ’ምበር ንማንም ምግላጽ ኣይግባእን “ኢተደዩ ባሕርየክሙ ቅድመ ኣኅርዉ ከመ ኢይኪድዎ በእገሪሆሙ ወተመይጦሙ ይነጽሑክሙ” (ማቴ.7፡6) ከም ዝበለ፡

ስለ’ዚ ካህን “አሐዱ ኣብ ቅዱስ፤ አሓዱ ወልድ ቅዱስ፤ አሓዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብጺሑ “ይረስዮ ሥጋሁ ወደሞ” ኢሉ ብዝባርኾ ጊዜ ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ተለዊጡ እቲ ሕብስቲ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝተሰቕለ ነፍሲ እተፈልየቶ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝዀንዎ ውዑይ ሥጋ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኸውን፤ እቲ ወይኒ ድማ የማናይ ጐድኑ ብኵናት ምስ ተወግአ ዝፈሰሰ መለኮት እተዋሃሃዶ አብን፤ መንፈስ ቅዱስን፤ ህልዋን ዝዀንዎ ውዑይ ደም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኸውን።

በቲ ጊዜ እቲ ኣቐባሊ ካህን እዚ ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ክርስቶስ ጐይታ  ሥጋን ደምን እዩ ኢሉ ክህብ ከሎ ተቐባሊ ምእመን ከኣ ሐቂ ብሓቒ ኢሉ ብዘይምጥርጣር ብዝተቐበሎ ጊዜ ከምቶም ብምሸት ሓሙስ ዝተቐበሉ ሓዋርያት ይኸውን ንዓና’ውን ከምኡ ይግበረልና፡ ኣሜን።

“ዘበልዐ ሥጋየ ወሰተየ ደምየ ይሄሉ ምስሌየ ወአነሂ እሄሉ ምስሌሁ” እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዝሰቲ ምሳይ ይነብር፤ ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር (ዮሓ.6፡57) ዝበሎ ጸጋ ይረክብ፤ እንናተጠራጠረ ዝቕበሎ ግን ከም’ቲ ምሸት ሓሙስ ዝተቐበለ ይሁዳ ይኸውን ካብ’ዚ ከምኡ የድኅነና።

“ወእምድኅረ ውእቱ ኅብስት ቦኣ ሶቤሃ ሰይጣን ውስተ ልበ ይሁዳ” ድሕሪ እታ ቍራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ኣብ ልቢ ይሁዳ ኣተወ ከምዝበለ ፍዳኡ ይቀበል።

እዚ ዝኾነ ብሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሠላሳን ሠለስተን ዓመት ዓለም ዕሥራን ሽዱሽተን መጋቢት ዕለት ሓሙስ ብዘመነ ማርቆስ እዩ።

ካብ ብዙሕ ውሑድ ምሥጢረ ቍርባን ነዚ ይመስል፣
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን፣


No comments: