" ዓመታትካ'ውን ከቶ ኣይውዳእን።" መዝሙር ዳዊት ምዕ 102፡27
ብመጀመርታ ኃያል፣ክቡር፣ቅዱስ፣ወሃቢ ኩሉ፣ገባሪ ኩሉ፣ፈጣሪ ኩሉ ዝኾንካ ኣምላከ ኣማልክት፣ጎይታ ጎይቶት፣ንጉሰ ነገሥት ቅዱስ እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣብ ሰማያት ምሕረትካ ኣብ ምድሪ ከኣ በረኸትካ ብምብዛሕ ንዘመንና ዘመን፣ ንህላዌና ህላዌ ወሲኽካ ካብ ዝሓለፈ ዘመን ሉቃስ ፪፻፲፭ [2015] ዓ.ም.ግእዝ፥ ናብዚ ዘለናዮ ዘመን ዮሐንስ ፪፻፲፮ [2016] ዓ.ም.ግእዝ በሠናያትካ፣ብምሕረትካ፣ብፍቕርኻ ንዘሰጋገርካና ካብ ሕሊና ንላዕሊ ዝኾነ ኩሉ ውህበታትካ ትሕት ኢልና ነመስግነካ፣ነዕብየካ፣ነኽብረካን ነምልኸካን ኣሎና። ነዚ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ረኺብና ነዛ ዘመን ክንርኢ ብጸሎትኩም ብኣማላድነትኩም ዝረዳእኩምና ዝደገፍኩምና፡ እመብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም፣ቅዱሳን መላእክት፣ነብያት፣ሓዋርያት፣ሰማዕታት፣ጻድቃን ኩሉኹም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ልዑል ፈጣሪ ብዝሃበኩም ክብሪ ትሕት ኢልና ክብሪ ምስጋና ንዓኹም ይኹን ንብል። ኦ እግዚአብሔር ሕጂ ድማ ነዛ ሂብካና ዘለኻ ክብርቲ ዘመን ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ራህዋ፣ዘመነ ሓጎስ፣ዘመነ ንስሓ፣ዘመነ ፍቕሪ፣ዘመነ በረኸት ክትገብረልና ንሕና ነዚ ሠናይ ነገር ብሓሳብን ብተግባርን ክንነብረሉን ክንገብሮን ሠናይ ፍቓድካ ይኹነልና። ንቅድስቲ ቤተክርስቲያን ምስ ደቃ ከምኡ ውን ንሃገርና ምስ ሕዝባን፡ ምስ ኩሉ ዓለምን ዝተባረኸ ዓመትን ዘመንን ብሩኽ በዓል ቅዱስ ዮሐንስን፡ ክትገብረልና ፍቓድካ ይኹን።
እምበኣር ናይ ሎሚ ዘመን ኣጽዋማትናን በዓላትናን ብሕጽር ዝበለ ነዚ ይመስል፦
ኣቀዲመ ግን ሎሚ ዘመን ልደት 28 ታሕሳስ ከም ዝኾነ ክሕብር ይፈቱ፡ብምቕጻል፣
ጾመ ነነዌ-------18 ለካቲት
ጾመ 40----------2 መጋቢት
ደብረ ዘይት-------29 መጋቢት
ሆሳእና------------20 ሚያዝያ
ዓርቢ ስቕለት------25 ሚያዝያ
ፋሲካ--------------27 ሚያዚያ
ዕርገት---------------6 ሰነ
ጰራቅሊጦስ--------16 ሰነ
ጾመ ሓዋርያት-------17 ሰነ
ንኹሉ ሕዝበ ክርስቲያን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ይግበረልና።
ኣሜን ኣሜን ኣሜን!
No comments:
Post a Comment