28 September 2023

በዓል ቅዱስ መስቀል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
“ኣነ ግና በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑስ ብኻልእ ኣይምካሕን እየ”(ገላ6፡16)
      ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ መጽሓፉ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ነቲ ንዘመናት ብማእሰር ሞት ተኣሲሩ ናብ ሲኦል ዝተደርበየ፡ እና ተሸቑረረ ዝነብር ዝነበረ፡ ኣፍ ደገ ገነት ዝተዓጽዎ ኣዳምን  ዘርኡን፡ ካብ ባርነት ዲያብሎስ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ክፈትሖ፡ ዝተዓጽወ ገነት ክኸፍተሉ፡ ርጉም ብምዃን መርገምና ጸይሩ፡ ንዓለም ብምልኣ በጃ ብምዃን ኣምላኻዊ ፍቕሩ ኣብ መስቀል ገሊጹልና እዩ። በዚ ከኣ ሰይጣን ተሳዒሩ፡ደቂ ኣዳም ከኣ ሰላም ረኺብና፡
እንተኾነ ግን ካብ ክፍኣት ዘይዓርፉ ጸረ መስቀል ዝኾኑ ኣይሁድን ሰዓብቶምን ክቡር መስቀል ናይ ኣምላኽና ተኣምራት ይገብር ስለ ዝረኣዩ ብቕንኢ ተላዒሎም ፡ስሙ ከይልዓል ፈጺሙ ድማ ክጠፍእ ተላዓሉ።ካብዚ ተበጊሶም እምበኣር ንኽቡር መስቀል ምስቲ ብየማንን ጸጋምን ናይ ጎይታ ዝተሰቕልሉ ክልተ መስቀል ገይሮም ቀበርዎ’ሞ ህዝቢ ኢዮሩሳሌምን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊኡ ጓሓፍ ከም ዝጉሕፍሉ ገበሩ።ከምዚ ኢሉ ንልዕሊ 200ዓመታት ቀጸለ።ካብ ብዝሒ ጓሓፍን ንውሓት ግዜን ዝተላዕለ ከኣ ምብራኹ ክንዲ ጎቦ ኮነ።
ድሕሪ ብዙሕ ግዜ እምበኣር፡ኣብ ልዕሊ መስቀል ክርስቶስ ፍቕሪ ዝነበራ ንግስቲ 
ኢሌኒ ንወዳ ንጉስ ቆስጦንጥኖስ ሒዛ መስቀል ንምርካብ ጉዕዞ ናብ ኢዮሩሳሌም ጀመረት።ኢየሩሳሌም ኣትያ ከኣ ንሓደ ዓቢ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ (ኪርያኮስ) ረኸበት፡ማይን  መግብን  ከልኪላ ከኣ ከምዝጠሚ ገበረቶ ንሱ ከኣ ናብቲ ክቡር መስቀል ናይ ኣምልኽና ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሕዋ ከደ።
ነቲ መሎኮታዊ ደም ዝፈሰሰሉን መለኮታዊ ስጋ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቖርሰሉን  መስቀል ንምርካብ ከኣ  መስከረም 17 ኩዕታ ተጀመረ መጋቢት 10 ከኣ ተወድአ።ኩዕታ ምስ ተወድአ ሰለስተ መስቀል ተረኸበ።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡መስቀል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣምራት ይገብር፡ ምዉታን የተንስእ ስለ ዝነበረ፡ነቲ ዝተረኽበ ሰለስተ መስቀል ምዉት ኣምጺኦም ፈተንዎ እሞ ገባሬ ተኣምር ዝኾነ መስቀል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ነቲ ምዉት ኣተንስኦ። ክርስቲያን ኩላቶም ተሓጎሱ። ንኽቡር መስቀል ብግንባሮም ተደፊኦም ሰገድሉ፡ ቅዳሴ ሰሪዖም ከኣ ንኣምላኽ ኣመስገኑ ።
ሓደ ይስሓቕ ዝተባህለ ሳምራዊ ግና ምስ ካልኦት ሳምራውያን ኮይኑ “ንምንታይ ንኾንቱ ትድኽሙ፡ ንምንታይከ ንዕንጸይቲ መስቀል ትሰግዱ“እና በለ ንክርስቲያን ኣባጨወሎም። ቀጺሉ እቲ ሳምራዊ፡ ኣብቲ ቦታ ሕማቕ፡ መሪር ማይ ነበረ እሞ፡”ሃይማኖትኩም ቅንዕትን  ርትዕትን እንተኾይና፡ ነዚ መሪር ማይ ናብ ጥዑም ማይ ክትቅይሮ እያ። ናይ መስቀል ሓይሊ ከኣ እንተ ኣርኢኹምኒ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምን እየ “እና በለ ናይ ላግጺ ቃላት ኣስምዐ። እዚ ክብል ከሎ ኣውዶኪስ ዝስሙ ጻድቕ ካህን ሰምዖ እሞ፡ መንፈሳዊ ቅንኢ ተሰምዖ፡ ቀሪቡ ከኣ ተወከሶ። ብድሕርዚ እቲ ካህን መስቀል ሒዙ ነቲ ማይ እና ባረኸ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ እቲ መሪርን ዘይጥዕሙን ማይ ካኣ ኣዝዩ ጥዑም ዝስተ ማይ ኮነ። እቶም ሕዝቢ ድማ ንሳቶምን እንስስኦም ሓቢሮም ሰተዩ። ኣብቲ ቦታ ከኣ ቤተክርስቲያን ሃነጹ። እታ ማይ ንክርስቲያን ጥዕምቲ ንዘይኣምኑ ግና መራር ነበረት እሞ ይስሓቕ ሳምራዊ ክሰቲ ኢሉ ነቲ ማይ ምስ ጠዓሞ ኣዝዩ መሪርን ዘይጥዑምን ኮይኑ ረኸቦ እሞ ኣዝዩ   ብልቡ እና ጓሃየ ብክርስቶስ ኣመነ። ኣብ ኢዮሩሳሌም ብዝነበረ ኤጲስ ቆጶስ ከይዱ  ተጠሚቑ ከኣ ክርስቲያን ኮነ።
ብድሕሪ ንግስቲ ኢሌኒ ንኽቡር መስቀል ምርካባ፡ ሰይጣን ካልኣይ ግዜ  መስቀል ክጠፍኣሉ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ካልእ መገዲ ደለየ። ሓደ ግዜ ካብ መኳንንቲ ንጉስ ፋርስ ናብ ኢዮሩሳሌም መጺኡ ናብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኣተወ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ክቡር መስቀል ዓቢ ብርሃን ደሚቑ ክበርህ ረኣየ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ከኣ ነቲ መስቀል ክሕዞ ደለየ። እንተኾነ ሓዊ(እሳት) ካብቲ መስቀል ወጺኡ  ኢዱ ኣሕረሮ፡ እቶም ክርስቲያን ከኣ “ስራሕ መስቀል ዓቢ እዩ፡ ክርስቲያን ዘይኮነ ሰብ ከኣ ክሕዞ ኣይግባእን እዩ “በልዎ። ንሱ ከኣ ክልተ ዲያቆናት ኣሰኪሙ ናብ ዓዱ ናብ ፋርስ ወስዶ። ኣብ ቅድሚ መንበሪ ገዝኡ ዓሚቕ ጉድጓድ ኣዂዒቶም ብድሕሪዚ ነቲ ክቡር መስቀል ናይ ጎይታ ኣብቲ ጉድጓድ ቀበርዎ። እቶም ክልተ ዲያቆናት መስቀል ኣበይ ከም ዝተቐብረ ምእንቲ ከይሕብሩ ከኣ ቀተሎም። እዚ ክገብር ከሎ ሓንቲ ካብ ኣዋልድ ካህናት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ  ኣብ ቤት እቲ መኮነን ኮይና  ብመስኮት ትዕዘብ ነበረት።
እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ናይ ሮም ንጉስ ሕርቃል እዚ ሰምዐ እሞ፡ መስቀል ካብ ኢድ ፋርሳውያን ንምምላስ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ  መጸ። እታ ኣቐዲማ መስቀል ኣበይ ከም ዝተቐብረ እትዕዘብ ዝነበረት እስራኤላዊት ጓል ኣንስተይቲ ንንጉስ ሕርቃል ሓበረቶ፡ ናብቲ ቦታ ከኣ መሪሓቶ ከደት። ንጉስ ሕርቃል ንኽቡር መስቀል ካብቲ ተቐቢርዎ ዝነበረ ቦታ ኲዒቱ ኣውጽኦ፡ ኣዝዩ ድማ ደስ በሎ፡ ክርስቲያን  ብምልኡ ድማ ጠፊኡ ዝነበረ መስቀል ብምርካቡ ተሓጎሰ። ንጉስ ሕርቃል ካኣ ነቲ ዝተረኽበ ክቡር መስቀል ብልብሲ መንግስቲ ጠቕለሎ። ዕለቱ  10 መጋቢት 614 እዩ።
እምበኣር ዝኸበርኩም ህዝቢ እግዚኣብሔር መስቀል ኣብ ህይወትና ዓቢ ቦታ እዩ ዘለዎ። ከመይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋን ነፍስን  ብተዋህዶ ኣብ መስቀል ውዒሉ ንጹህ ደሙን ክቡር ስጋኡን ኣብ መስቀል ኣፍሲሱን ቆሪሱን ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን  ሰብን ተፈጢሩ  ዝነበረ ጽልኢ  ከም ዝድምሰስን ክሳድና ኣቕኒዕና  ከም እንኸይድን ገይሩና እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ  መንደቕ  ብስጋኡ ብምፍራስ  ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ,,,,ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብምማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፡ ነቶም ክልተ ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።(ኤፌ 2፡13-17)። ስለዚ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹህ ደሙን  ቅዱስ ስጋኡን  ዘኽበሮን ዝቐደሶን መስቀል  ንሕና”ውን ዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ይግባእ። ኩሉ ግዜ ከኣ ብዛዕባ መስቀል ክንሓስብ፡ ውዕለት ጎይታና ኣብ መስቀል እና ዘከርና ካብ ሓጢኣት ርሒቕና  ክንነብር ይግባእ።
   ሽሕ እኳ ከምቲ ቅዱስ  ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ንዘይ ኣምኑ ዕሽነት ኮይኑ እንተ ተራእዮም፡ ንዓና ንኣመንቲ ግና ሓይልና፡ ጽንዓትና፡ በጃና፡ መድሓኒት ነፍስና ስለ ዝኾነ፡ ድሕነትና ዝተፈጸመሉ፡ ናጽነትና ዝተኣወጀሉ ኣብ መስቀል ስለ ዝኾነ ዝግብኦ ክብርን ስርዓትን ክንፍጽም ይግባእ።  ኣብ ክንዲ ስጋዊ ስራሕ(ሓጢኣት)፡ መንፈሳዊ ስራሕ እና ሰራሕና እቲ ዓቢ ናይ መስቀል ስራሕ እና ዘከርና ንንበር። ነቶም ተጠራጠርቲ እውን ብዛዕባ መስቀል ከመይ “ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝነገርክኹም ሕጂ ከኣ እና ነባዕኩ ዝነግረኩም ዘለኹ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። መወዳእትኦም  ጥፍኣት  እዩ”(ፈሊ 3፡18-19) ከም ዝበለ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ኣለዉ። ንሕና እውን ብቓልን ብግብርን መንነት መስቀል ክንፈልጥን ብተግባር ክነርእን ይግባእ።
እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝሓልና!
 ርሑስ በዓል ቅዱስ መስቀል ይግበረልና፡፡
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
  ወለወላዲቱ ድንግል
   ወለመስቀሉ ክቡር
      ኣሜን!